-->


  · 
ሓጺር ታሪኽ ጅግና "ዘርኣይ ደረስ"!


ዘርኣይ ደረስ ብ ኣቡኡ ካብ "ሃዘጋ" ብ ኣዲኡ ካብ "ጸዓዘጋ" ኮይኑ፡ ኣብ 1914 ዓ.ም. ኣብ "ዓዲ ሕይስ" ዝተባህለት፡ ኣብ ወረዳ መራጉዝ ኣውራጃ ሰራየ እትርከብ ዓዲ ተወሊዱ፡ ወዲ ክልተ ዓመት ምስ ኮነ ከኣ ኣቦኡ ስለ ዝሞቱ ምስ ኣደኡ ካብ ዓዲ ሕይስ ናብ ሃዘጋ ከይዱ ተቐመጠ። እቲ ብቘልዑኡ ዚዘኽተመ ጅግና ዘርኣይ ደረስ ብዚነበሮ ናይ ተፈጥሮ ብልሒ፡ ሓበን እታ ብዘይኣቦ ዘዕበየቶ ወላዲቱ ንኪኸውን ግዜ ኣይወሰደሉን።
ጅግና ዘርኣይ ደረስ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ቋንቋ ጥልያን ኣብ ርእሲ ምምሃሩ፡ ሃይማኖቱውን ካብ ተዋህዶ ናብ ካቶሊክ ብምቕያር፡ ኣብ ከተማ ሰገነይቲ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ዝነበረ ብማሕበር “ካፑችን” ዝፍለጥ ቤት ትምህርቲ ከም ዝተማህረ ይፍለጥ። ሓላፊ ናይታ ቤት ትምህርቲ ኣቶ ሰሎሞን ተኽለ እዮም ነይሮም። ኣቶ ሰሎሞን ተኽለ ኣቡኡ ን ተጋዳላይ ጴጥሮስ ሰሎሞን እዮም።
ዘርኣይ ደረስ፡ ንቋንቋ ጥልያን ኣጸቢቑ ስለ ዚመለኸ ከኣ ኣብ 1936 ዓ.ም. ከም ኣስተርጓሚ ኮይኑ ንኺሰርሕ ናብ ኢትዮጵያ ተላእከ። ብድሕሪ’ዚ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ምስ ሓንቲ ኣለማሽ እተባህለት ጓል ሰገነይቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1937 ዓ.ም. ከም ዝተመርዓወ ይንገር። ዘርኣይ ደረስ ብድሕሪ’ዚ ብዙሕ ከይጸንሐ ኣብ መበል 23 ዕድመኡ፡ መንእሰይ እንከሎ፡ ኣስተርጓሚ ናይቶም ብኢጣልያውያን ተማሪኾም ናብ ኢጣልያ ዝተወስዱ ኢትዮጵያውያን ምሩኻት ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝተመርዓወሉ ዓመት ናብ ኢጣልያ ተወስደ።

ዘርኣይ ኣብ ሮማ ኣብ ዝጸናሓሉ ግዜ፡ ብዕለት 15 ሰነ 1938 ዓ.ም. ናብቲ ኣብ 1935 ዓ.ም. ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ተነቒሉ ንዝኽሪ እቶም ብዕለት 26 ጥሪ 1887 ዓ.ም ኣብ ደጎሊ (ኤርትራ) ምስ ኢጣልያውያን ዝተገብረ ኲናት ዝሞቱ፡ 500 ዝኾኑ ኢጣልያውያን ንኽኸውን ናብ ሮማ ዝተወስደ፡ ሓወልቲ ብምኻድ ተደቢሩ ሰገደሉ።
ነዚ ኪገብር ዝረኣዩዎ ኢጣልያውያን ብሃንደበት ተኣኻኪቦም ከበቡዎ። ድሕሪ’ዚ ሓደ ወተሃደር ካብቲ ጅግና ዘርኣይ ደረስ ተደቢሩ ዚሰግደሉ ዚነበረ ሓወልቲ ስሒቡ ከተንስኦ ፈተነ’ሞ ዘርኣይ ደረስ ከም ግስላ (ኣዝዩ ሓያልን ቁጡዕን ዓሌት ነብሪ) ነዲሩ ብምትንሳእ፡ ነቲ፡ እቲ ወተሃደር ዓጢቑዎ ዚነበረ ጉራደ ካብ ሽፋሉ (ሰፈሩ) ስሒቡ፡ ነቲ ኣብ ክዳን’ቲ ወተሃደር ተለጢፉ ዝነበረ (DUX) ዝብሃል ኣርማ ወግኦ።
ብድሕሪ’ዚ ቀጺሉ ንሰለስተ ሰባት፡ ማለት Vincenzo Veglia, Marshal Mario Izzo, ከምኡውን Ferdinando Peraldi, ዝተባህሉ ሰበ-ስልጣን ኢጣልያ ብሴፍ ምስ ዘልዓፈ እንደገና መጥቃዕቱ ኪቕጽል ኪብል ከሎ፡ ክልተ ወተሃደራት፡ ከክልተ ጥይት ተኲሶም ኣውደቑዎ።
ብድሕሪ’ዚ ነቲ ንስክላ ካብ ሞት ዝደሓነ ኤርትራዊ ጅግና ዘርኣይ ደረስ ካብ ዚወደቖ ኣልዒሎም ናብ Umberto I Policlynic ዝተባህለ ሆስፒታል ወሰዱዎ። ናይ ኣእምሮ ጸገም ኣሎዎ ኢሎም ስለ ዝገመቱ ከኣ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣውጺኦም፡ ናብቲ ኣብ ከተማ Barcellona Pozzo di Gotto ዝርከብ ናይ ኣእምሮ ሕሙማት ዝሕከሙሉ ሆስፒታል ወሲዶም ሓየሩዎ። ጅግና ዘርኣይ ደረስ ነቶም ኣብቲ ሆስፒታል ዝነበሩ ዶክተራት ናይ ኣእምሮ ጸገም ከምዘይብሉ ብተደጋጋሚ ከረድኦም’ኳ እንተ ፈተነ፣ ክርድኡዎ ግን ኣይከኣሉን።
ብድሕሪ’ዚ ጅግና ዘርኣይ ደረስ፡ ብዕለት 3 ታሕሳስ 1938 ዓ.ም. ናብ ስድራኡ ደብዳቤ ጸሓፈ። ዘርኣይ ኣብ ደብዳቤኡ፡ ጥዕናኡ ጽቡቕ ምህላዉ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንሓው ንብላታ ተስፋጽዮን ደረስ ነቲ ብኢጣልያውያን ዝተዋህቦ ናይ ክብሪ ሽልማት ንኺመልሰሎም ሓተቶ። ጅግና ዘርኣይ ደረስ ድሕሪ 7 ዓመት ኣብቲ ተኣሲሩሉ ዚነበረ ቦታ ኪሳቐ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ብዕለት 6 ሓምለ 1945 ዓ.ም. ሃንደበት ኣብ መበል 31 ዓመት ዕድሚኡ ብኽብሪ ሞተ። ሓቅነቱ ብመርትዖ ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ ከም ዝብሎ ከኣ ዘርኣይ ደረስ ናብ ዓዱ ኪምለስ ምስ ተወሰነ፡ ኢጣልያውያን ክታበት ኢሎም መርዚ ወጊኦም ከም ዚቐተሉዎ’ዩ ዝሕመ።
ብላታ ተስፋጽዮን ደረስ ደብዳቤ ሓዎም ምስ በጽሖም ከቢድ ሓዘን ተሰምዖም።
ብቐጥታ ድማ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደብዳቤ ብምጽሓፍ ንሓዎም ናብ ሃገሩ ንኺመልሱዎ ናብ ሃይለ ስላሴን ናብቲ ኣብቲ እዋን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዚነበረ ኤርትራዊ ዶ/ር እምባየ ወልደማርያምን ደብዳቤ ጽሒፎም ተማሕጸኑ።

ብላታ ተስፋጽዮን ደረስ ነቲ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝላኣኹዎ ምሕጽንታ ዝኾነ ይኹን ፍረ ምስ ሰኣንሉ ከኣ ኣብ ወርሒ ሓምለ 1939 ዓ.ም. ናብ ኢጣልያ ሲሲልያ ብምኻድ፡ ሃለዋት ሓዎም ሓተቱ። ክረኽቡዎን ከውጽኡዎን ግን ኣይከኣሉን። ድሕሪ ዕረፍቱ ግን ሬሳ ሓዎም ካብ ኢጣልያ ናብ ዓዶም ሃዘጋ ኣምጺኦም፡ ኣብ መቓብር ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ማርያም ሃዘጋ ከም ዚቕበር ገበሩዎ።
እቲ ን ዘርኣይ ደረስ ግዳይ ንኪኸውን ምኽንያት ዝኾነ ሓወልቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 1960 ዓ.ም. ካብ ኢጣልያ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ‘ዩ፤ ክሳዕ ሎሚ ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተተኺሉ ከም ዘሎ ይፍለጥ። ኣብ ሮማ ድማ ኣብ ክንዳኡ ሓደ “Agli Eroi di dogali” (ንሓርበኛታት ደጎሊ) ዝተጻሕፎ ሓወልቲ ተተኺሉሉ ኣሎ።
ሓው ጅግና ዘርኣይ ደረስ ዚኾኑ ብላታ ተስፋጽዮን ደረስ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣርብዓታት ዝነበሩ ሓያላን ጸሓፍቲ (ገጠምቲ) ኤርትራውያን እዮም ነይሮም። እንተኾነ ማእከላይ መርገጺ ስለ ዚነበሮም፡ ጠላቢ ናጽነትዶ ደጋፊ ሕብረት ምንባሮም ንምፍላጦም ኣሸጋሪ ነበረ። ሓደ ግዜ ድማ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሓወስትን (ደለይቲ ሕብረትን) ፈለይትን (ደለይቲ ናጽነትን) ዝተገብረ ናይ ጋዜጣ ክትዕ፡ ንበዅሪ ኣቦ መንበር ማሕበር ሕብረት፡ ፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ ተሪር ግብረ መልሲ ጽሒፎሙሎም ከም ዚነበሩ ይዝንቶ።
ፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ፡ ብዛዕባ’ቲ ብ18 ጥሪ 1946 ዓ.ም. ምስ መሳርሕቶም ደግያት ሓጐስ ገብረ፡ ብላታ ደምሳስ ወልደሚካኤል፡ ፊተውራሪ ሓረጎት ኣባይ፡ ፊተውራሪ ኣደም ጣሃ፡ ሸኽ ዓብደል ቃድር ከቢረን ብላታ መሓመድ ዑመር ቃድን ኮይኖም ናብቲ፡ እብቲ እዋን ኣመሓዳሪ ኤርትራ ዚነበረ፡ እንግሊዛዊ ብርጋዴር ቤኖይ ዘቕረቡዎ ጥርዓን ኣመልኪቶም ንዝሃቡዎ መግለጺ ብምቅዋም’ዮም ብላታ ተስፋጽዮን ደረስ መልሲ ጽሒፎም ኔሮም።

ፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ ኣብ ጽሑፎም፡ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ቅድሚ ስዕረት ጣልያን ኣብ ልቢ ኤርትራውያን ከም ዝተመስረተትን ንሶም ድማ ህዝቢ ዚመረጾም ወካሊ ህዝቢ ምንባሮምን ድሕሪ ምግላጽ፡ ብምቕጻል ንሶምን ማሕበሮምን ጸላእቲ እንግሊዝ ዘይኮኑስ ንኢትዮጵያ ካብ መግዛእቲ ስለ ዘድሓና ፈተውቱ ምዃኖም ኣረድኡ።
ነዚ መልሲ ንምሃብ ድማ’ዮም ብላታ ተስፋጽዮን ደረስ፡ “ብወረ ኣይንገሱ፡ ብቑንጪ ኣይሕረሱ!” እዩ’ሞ ስቕ እንተበልናስ መደረኹም ሰብ ሓቂ ከይመስሎ ገለ ክንብል፥’ ኢሎም ብምጅማር፡ ከምዚ በሉ፥ ‘እዚ ፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ ዚብሉዎ ዘለዉ ዘረባስ ዓቢ ጌጋ ወይ ድፍረት ኮይኑ ይስምዓኒ። እዞም ክቡር ሓለቓ ማሕበር ሕብረት ገለ ሒዶት ሻራና ወይ ወገንና መሪጾሙኒ ኢሎም እንተ ዚዛረቡ ምሓሾም እምበር ከምዚ ዝበሉዎ ዘለዉ ህዝቢ ከም ዚመረጾም ገይሮም ዚኣምኑ እንተኾይኖምስ ናብ ሓደ ዓቢ ገደል ኪጸድፉ ምዃኖም ይረኣየኒ’ ብምባል ፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ ‘ብህዝቢ ተመሪጸ’ ምባሎም ወቒሶሞም ከም ዚነበሩ ይንገር።

ኢትዮጵያውያን ገዛእቲ ኤርትራ፡ ንጅግና ኤርትራዊ ዘርኣይ ደረስ ንምዝካር፡ ዘርኣይ ደረስ ዚተባህለት ናይ ውግእ መርከብ፡ ዘርኣይ ደረስ ዝተሰምየ ቤት ትምህርቲ፡ ዘርኣይ ደረስ ዝተባህለ ባንድ፡ ዘርኣይ ደረሰ ስኴር ዝተባህለ ክፍለ ከተማ፡ ዘርኣይ ደረሰ ዝተሰምየ ቀበሌ (ምምሕዳር)፡ ዘርኣይ ደረሰ ዝተባህለ ባንክ፡ ዘርኣይ ደረሰ ዝተባህለ ጐደና፡ ወዘተ. ብስሙ መጸዊዒታት ኣብ ኣስመራ ከተማን ኣብ ኢትዮጵያን ምስማዮም ድማ ንጅግንነት ዘርኣይ ደረስ ከድንቑ ኢሎም ከምዘይኮኑ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ርዱእ ይመስለኒ።
እንተኾነ፡ ወላ ደኣ ኢትዮጵያውያን ንፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳኦም፡ ማለት ኤርትራውያን ምእንቲ ኤርትራ ዘይኮነስ ምእንቲ ኢትዮጵያ ኢሎም ህይወት ከም ዝኸፈሉ ንምርኣይን ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ቅንኢ ሓዲሩዎ ኣሰሮም ንኽኽተልን ንምትብባዕን ኢሎም ስም ጅግና ኤርትራዊ ዘርኣይ ደረስ የድንቑ’ምበር ዕላማኡ ብዘየገድስ ግን ጅግንነት ዘርኣይ ደረስ ጅግንነት ኤርትራውያን ስለ ዘንጸባርቕ፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ክሕበነሉን ክኾርዓሉን ይግባእ። ኣይኮነን ንኤርትራውያንሲ ንኣፍሪቃውያን ዘሐብን ጅግንነት’ዩ።
ብሰላም ዕረፍ ጂግና!
ምንጪ ጽሑፍ፥ “ኣይንፋላለ.” ብደራሲ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ (ብዛዕባ ብላታ ተስፋጽዮን ደረስ ጥራይ) ታሪኽ ዘርኣይ ደረስ ግን ካብ ዝተፈላለዩ ንኣሽቱ መጻሕፍትን መራኸቢ ብዙሃንን’ዩ ተማእሪሩ።

source facebook Ababu Setey