ዝኽርታተይ ኣብ ስትራተጅያዊ ምዝላቕ
- ወርሒ ሕዳር 1978
ብጅግንነት ዝሓለፉ ብጾተይ እዝክር፡

My Memories of Strategic Withdrawal November 1978
I remember fallen comrades.

(1ይ - 4ይ ክፋል)

ብ'ሓርበኛ ኢዮብ በይን ኣስፍሃ (ጎጀላ)

ዝኽርታተይ ኣብ ስትራተጅያዊ ምዝላቕ - ወርሒ ሕዳር 1978
ብጅግንነት ዝሓለፉ ብጾተይ እዝክር፡
ጽሑፍ ብ'ኢዮብ በይን ኣስፍሃ (ጎጀላ)

ስትራተጅያዊ ምዝላቅ ወርሒ ሕዳር 1978!!
1ይ ምዕራፍ!

ናይ Facebook የዕሩኽተይን ገዳይም ተጋደልቲ ብጾተይን ብዛዕባ ወራራት ድርግ ስትራተጃዊ ምዝላቅ ምርብራብን ብጽሑፍ እንተኣቅረብካልና ጽቡቅ ነይሩ ስለዝበሉኒ በብ እብረ ክጽሕፍ ክጅምር ኢየ ንምህፍታሙ ናይ ኩላትና ሓላፍነት ኢዩ ።
ስትራተጅያዊ ምዝላቅ ወርሒ 11 1978!!
እዚ ጽሑፍ እዚ ንብምሉኡ ስፍሓትን ሸፈነን ናይቲ ውግእ ዝገልጽ ኣይኰነን ነቲ ኣነ ዝነበርክዎ ኣሃዱ ብርጌድ 23 ብፍላይ ቦጦሎኒ 3 ምስዝነበራ ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ኢዩ።
ቦጦሎኒና ንንውሕ ዝበለ እዋን ዝዓረድናሉ ንቁጣ ሰይድሺ ማእከል መእዘዚ ቦታና ኰይኑ :ኣታሓሕዛ ዕርድና ካብ ጉልዒ ስጋብ ጎቦ ኣባጋምዛይ ዝተኣሳሰረ ኰይኑ :ኣብ ዓርጎሎ 2ጋንታ ኣብ ድርፎ ሓንቲ ጋንታን ህዝባዊ ማልሻ ደቂ ካርነሽምን እንዳተቃያየርና ንኸባቢ 9 ወርሒ ዓረድና :ጸላኢ ድሮ ናይ ደቡብ ዝነበረ ግንባር መረብን ግርሁስርናይን ሰይሩ ናብ ዓዳዃላን መንደፈራን ደቀምሓረን ተቋጻጺሩ : እታ ድልድልቲ ሓይሊ 32 ገለ ሰባት ካብ ነፍስወከፍ ጋንታ ሰባት ተወሲዀማ ናብ ግንባር ዓዲያዕቆብ ግዓዘት።
ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ጸላኢ ነዚ ዋሕድና መዝሚዙ ንጉሆ ናብ ድርፎ ዓርጎሎ ጉልዒ ናይ ምትኹታኽ መጥቃዕቲ ፈንዩ ክዳናደነና ስለዝቀነየ ካብ ክፍልታት ዝተዋጽኤት ብተኽለብርሃን ሓንክሽ ትምራሕ ሓንቲ ሓይሊ ብሰለስተ ኤነትረ ተጻዒና ትኽ ኢላ ብለይቲ መስመራ ስሒታ ናቁጣ ሰይ ድሺ ሓሊፋ ናብ ዕርዲ ናቁጣ ትረ ድሺ (ጥሕሻ)ምስቀረበት ኣብ ድሕሪ ድፋዕና ኣብ ጸሊም ቅጥራን (ጽርግያ )ናይ ወገንና ዝተቀብረ ፈንጂ ረጊጻ ተፈንጀረት ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ብጾት ስውኣትን ቁሱላትን ኰይኖም : እቶም ዝተረፉ ምሳና ዓረዱ።
ጸላኢ ናብ ዕርድታትና መጥቃዕቱ ጀሚሩ ብዘይካ ክልተ ጋንታ ንጸላኢ ዝከላኸላ ዝተረፍና ምስ ህዝብና ብምትሕብባር ኩሉ ተተኰስቲ ኣጽዋራትና ኣግዓዝና።
ትጓዒዝና ዓይኒ ክሕዝ ከሎ ድርፎ ኣተና ብጥሙይ ከብድና ኣብ ሓደ ሩባ ለም ኢልና ሓደርና: ንግሆ ካብ ሓራ ከተማታት ጊንዳዕ ድንጎሎ እንባትካላ ነፋሲት ዝተኣኻኸበ ህዝብና ምስ ህዝባዊ ምምሕዳራቱ ንግፍ ኢሉ ናብ ድርፎ ተኣከበ።
ድሮ ጸላኢ ንግንባር ባጽዕ ሰይሩ ደንጎሎን ጊንዳዕን ተቋጻጺሩ ግስጋሲኡ ናህሩን ንሽዕብ ገድገድን ሸባሕን ማይ ላቫን በጽሔ :ጸላኢናይ ሰሜን ግንባርና ዓዲ ያዕቆብ ሰይሩ ናብ ዓዲ ቢደል ገስገሰ :ንሕና ፋዱስ ስዓት 12 ብጥሙይ ከብድና ኣጽዋራትና ተሰኪምና ንዓቀብ ርእሲ ዓዲ ኣንቃዕሪርና ጉዕዞ ተታሓሓዝናዮ ክይድ ውዒልና ከባቢ ስዓት 10 ናይ ምሸት ኳዜን ኣተና እተን ሓፋሽ ውድባት ቀቁሩብ ኩላሶ ፍትፍት ቀረባልና :በሊዕና ጉዕዞና ቀጸልና :ካብ ህዝብና ብዝረኸብናዮ ሓበሬታ ድሮ ጸላኢ ኣብ ቅድሜና ምህላው ሰማዕና።
ካብ ኣፍደዩ ተጓዒዝና ናብ ሓየሎ ምስተገምገምና ዶሽካታት ዝተኸላ ታንክታት ካብ ገሽናሽም ዓደኰሎም ጠያይቲ ነፈያልና። ብገምገም ባሕሪ ጌርና ንጸላኢ ሓሊፍናዮ ናብ ጎላጉል ዝብሃል ዓዲ ኣተና።
ወዲ ምነይ ግስጋሰ ጸላኢ ንምዕጋት ንሱ ዝመርሓ ገለብ ትብሃል በጦሎኒ ኪናት ኣብ ድሕሪ ገዝኡ እንዳመርሐ ጸንሓና :መድፍዓጅታት ብሬናትን ማሽንጋናት ተኺሎም ኣብቲ ድሕሪ ገዛ ይታኾሱ እተን ኣዲኡ (ንወዲምነይ )ንወደን ቡን ከስትይኦ ቡን የንከሽክሻ እቲ ወደን ሬድዮ ሃለው ገቲሩ ውግእ ይመርሕ :ትኣምር ትኣምር ጦብላሕታ ዝኽረይ ንፉዕ ናይ ስእሊ ቀባኣይ ተትኸውን ነዛ ዝኽሪ ምስቀባእክዋ እቲ ብዓይነይ ዝርኣኽዎ ብቃለይ መግለጺ ስለዝውሕደኒ ብቅብኣ ስኢለ ምስዓገብኩ ነይረ።
ይቅጽል-----
ኢዮብ በይን ኣስፍሃ (ጎጀላ)
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ሓበንን ንጀጋኑ ስውኣትና!!
ፌስቡክ፦ https://www.facebook.com/100002218178573/posts/2457387711011811?sfns=mo

ስትራተጅያዊ ምዝላቅ ወርሒ ሕዳር 1978!!
2ይ ምዕራፍ!

ወዲ ምነይ ኩናት እንዳመርሔ ሰላምታ ለገሰልና ወዲ ምነይ ምክትሉ ንኢሳያስ ወዲ ፍላንሳ ኣዛዚ ቦጦሎኒና ኢዩ ነይሩ :ካባና ካብ ዝቅየር ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ኢና ንራኸብ ዘለና :ኣብታ ዓመት ጥራይ ክልተ በርጌዳትን ሓንቲ ናይ ገለብ ቦጦሎኒ ስለ ዝቆማ ኣዝዮም ብዙሓት ሓለፍቲ ብጃምላ ካብ ኣሃዱና ናብ ዓቢ ሓላፍነት ተመደቡ።
ካብ ጎዳጉዲ ተጓዒዝና እንዳኸድና ብርግጽ ስም ናይታ ዓዲ ኣይዝክራን ሓደ ዓቢ ኣቦ ኣብ ቀጽሪ ገበላ ጠጠው ኢሎም :ኢሂ እዞም ደቀይ ሕጂዶ ይሓይሽ ዘብዘብ በሉና :ኢሂ ኣቦ ድሓን ዲኹም ?እወ እዞም ደቀይ ደይ ጉህየ ኢየ ጽዓዱ ኣምጺኦም ኢዮም ዝዘርይኹም ዘሎው እሞ ጻዕዳ መንግስቲ ኣምጺእኩም ግጠምዎም እንበር ስሬኹም ድኣ ኣብ ከረን ርኢናዮ እንዲና:ንእንግሊዝ ሰለስተ ወርሒ ዝወሰደትሉ ካብ ጥልያን ናጻ ከውጽኣ :ኣብ ሳልስቲ እንዲኹም ሓራ ጌርኩማ።
ነቲ ሕሳስልደ ወዶም ብርሃነ ወደይ ንዓስከ ማይ ኣስትዮም ነያታትካ ኢሎም ጸውዕዎ: ዘረብኦም ብምቅጻል
ድሓር ክኣ ስረን ጅግንነትን ምዓስ ናይበይንኹም ኰይኑ ደይ ካባና ካብኣቦታትኩን ኢኹም ወሪስኩሞ ብምባል ዓሚቅ ኣስተንፍሶም ዝን በሉ :ብርሃነ ከም ዕንዝራ ቴኖ ሒዙ ማይ ብምምልላስ ጎሮሮና ኣጥሊሉ ኣርወየና።
ብርሃነ ወዶም እውን ኣብ 1981 ናብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፉ ሕጅዶ ይሓይሽ ዘብዘብ እንዳበለ ይቅያዓልና ነበረ።
ኣብ ጥራይ ከብድና ትጉዕዝ ኣምሲና ንሃብረንገቃ ሓሊፍና ድሕሪ ገለ ግዜስ ዒላበርዕድ ድኣ ኣተና :ኣብቲ ደረት ጽርግያ ለም ኢልና ካብ ከረን ቅጫ ዝጽዓነት ማኪና ረድኣትና ሓሓደ ግናዕ ቅጫ ብማይ ኣኻፊና ምስ ኣውሓጥናዮስ ብመጠኑ ዝነበረና ጥምየት የዐጊስና ተዓንገልና።
ተበገሱ ዝብል ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ነጸላና ዓጺፍና እዚ ምኡዝ ሽታ ዕንባባን ፍዮሪታትን ፍሩታታት ዒላበርዕድ ብድሕሬና ገዲፍና: ኣብቲ ሕሉም ሓናቅ ንኸረን ዝወስድ ኣብ ሓደ ዓቢ ሩባ ዛራማይ ዘለዎ ቆጣቁጢ ተጎንቢና የዕረፍና።

ነፈርቲ ብዘይ ዕረፍቲ ብሸነኽ ደብረሲና ገይረን ናብቲ ገለ ክፋላት ብርጌድ 70 ብርጌድ 44 ብርጌድ 4 ኣብ ከባቢ ማይ ላቫ ምስቲ ካብ ባጽዕ ዝገስገሰ ጸላኢ ናይ ሞትን ሕየትን ሓያል ጥምጥም የካይዳ ነበራ።
ስዓት 5 ናይ ኣጋ ምሸት ኣዛዚ ቦጦሎኒና ብርሃነ ጽሃየ(ወዲ ጽሃየ)ነተን ክልተ ሓይሊ ህጹጽ ኣኼባ ገበረልና: ድሕሪ ሰላምታ ኣብቲ ቀንዲ ዛዕባ ብምእታው ስርዓት ደርግ ካብ ሕብረት ሶቭየት ዘይትኣደነ ሓገዝ ረኺቡ ኣብ ልዕሌና ናይ ሰብን ኣጽዋርን ጸብለልትነት ስለዘርኣየ ካብ ባጽዕ ኣንሳሒብና ኣለና :ካብ ናይ ሰሜን ግንባርና ኣንሳሒብና ሕጂ ግን ናይ ሂወትን ሞትን ግጥም ኣብዛ ልምዕቲ ናይ ሕርሻ ከተማ ዒላ በርዕድ ክንገጥም ኢና: እዛ ኸተማ ክትዓኑ ኢያ ከረን ግን ክትድሕን ኢያ :ንኸረን ንምድሓን ኣብ ከባቢ ሓጋዝ ዓደርደ መከላኸሊ ቀዋሚ ዕርዲ ተመስሪቱ ኣሎ: ጸላኢ ናብዛ ከተማ ዒላበርዕድ ክኣቱ ኢዩ: ንሕና ኣብዚ በረኽቲ ቦታታት ዕርድና ክንኩዕት ኢና:ብዝክኣለና ዓቅሚ እዘን ደርግ ዓጢቅወን ዘሎ ታንክታት ኣብ ኢድና ከነእትወን ክንምንዝዐን ኣሎና: ህዝብና ኣብ ጎድንና ኢዩ ዘሎ ንግዚኡ ካብ ህዝብና ዝተዋጽኣ 250 ከብቲ ተቀሪበናልና ኣለዋ እሞ ሃየ ሞቅሎታትን ካራታትን ኣዳልው :ርኢቶ ውይ ሕቶ ዘለዎ እንተሎ ብማለት ዘረብኡ ደምደመ።
ሓድ ብጻይ ዕድል ተዋሂብዎ ርኢቶ እንዳሃበ ከሎ ሓደ ብጻይ ኣራንሺ ክቅንጥብ ዝተላእኸ ኣባልና:ንኣዛዝ ቦጦሎኒና ኣብ እዝኑ ጽግዕ ኢሉ ሕሹኽ ይብሎ እሞ:ተበገስ ተባሂልና ድሮ ደርግ ነታ ከተማ ብዙሕ ድምጺ ዘይብለን ኣንፍብያን ታንኪታት ገይሩ ዒላበርዕድ ኣትዩ ንገለ ብጾትና ማሪኹ ገለ ንስክላ ነብሶም ኣውጺኦም ናባና ተሓዊሶም :ህዝባዊ ሰራዊትና ልክዕ ከም ፈረስ እንዳጋለበ ናብ ጎቦታት ደይብና እቲ ኣስካሕካሒ ኩናት ይጅምር።
ኢዮብ በይን ኣስፍሃ (ጎጀላ)
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ሓበንን ንጀጋኑ ስውኣትና!!
ፌስቡክ፦ https://www.facebook.com/100002218178573/posts/2462061053877810?sfns=mo

 

ካልኦት ጽሑፋት 'ኢዮብ በይን ኣስፍሃ (ጎጀላclick here ኣብዚ ጠውቑ


ስትራተጅያዊ ምዝላቅ ወርሒ ሕዳር 1978!!
3ይ ምዕራፍ!

ንውግእ ዒላበርዕድ ንምግላጽ ምሉእ መጽሓፍ ኣይኣኽለካን ምኽንያቱ ቅያ 18 ደቃይቅ እኳ ምሉእ መጽሓፍ ዝዀነስ እዚ ን3 ምሉእ ለይትን ን2 ምሉእ ምዓልትን ዝተገብረ ኲናት እሞ ብዙሓት ሰራዊት ዝተኻፈልዎ ኲናት ኣብ ውሽጡ ሓቂፍዎ ዘሎ ቅያታት ዒላበርዕድሲ ክንደይ መጽሓፍቲ ኮን ምስኰነ??
ኩናት ዒላበርዕድን ኣስካሕካሒ ገጻቱን!!
ሰራዊት ጸላኢ ሃንደበትነት ተጠቂሙ ከተማ ዒላበርዕድ ተቋጻጺሩ:ህዝባዊ ሰራዊት ብቅልጡፍ ናብ ክካላኸለሉ ዝኽእል ቦታታት ንምሓዝ ተጓይዩ ንኹሉ ገዛኢ ቦታታት ንጸላኢ ቀዲምዎ ኣብትሕቲ ቁጽጽሩ የእተዎ :ብዘይካ ጭጭጭ ዝብላ ሬድዮ ርክባት መን ኣበይ ክዓርድ ኣየናይ ኣሃዱ ምስ ኣየናይ ኣሃዱ ክኣስር ዝተመደበ ዝነበረ ኣይመስልን።
ኣሳላልፋ ህዝባዊ ሰራዊት!!
ብርጌድ 51 ኣዝዩ ተዋጋኣይ ዝዀነ ኣሃዱ ኢዩ :ኣብ ጉድጓድ ምስኣተወ ካብ ጉድጓድ ዘይለቅቅ ኣብ ውሽጢ ሓደ ለይቲ ከም ፍልሖ መሬት ጨዲዱ ኣንደርን ካናለታትን ክሰርሕ ዝኽእል ሓያል ብርጌድ ደርግ ቆፋሪው የሻዕብያ 51ኛ ብርጌድ ኢሉ ዝጽውዖ መሰክሕ ዝዀነ ብርጌድ ኣብቲ ጽርግያ ክካላኸል ተመዲቡ።
እቲ ናይ ምጥቃዕን ናይ ምክልኻልን ልምዲ ዘለዎ ብውድብ ህግሓኤ ኢራብ ቱባሂሉ ዝጽዋዕ ብርጌድ 23 :ደርግ እብሪተኛው የሻዕብያ 23ኛው ብርጌድ ከረን ደጐሊና ማሳዋ የደመሰሰ ዝብሎ ብርጌድ ካብ ብርጌድ 51 ንጸጋም ክኣስር ተመዲቡ።

እቲ ካብ ክፍልታት ዝተዋጽኤ ብርጌድ 58 :ደርግ ጥርቅምቃም የሻዕብያ 58ኛው ብርጌድ የወዲ ፍላንሳ ብርጌድ ዝብሎ ገለ ክፋሉ ብሸነኽ የማናይ ክንፍ ካብ ጽርግያ ክዓርድ ተመዲቡ።
እቶም ንስክላ ዝደሓኑ ካብ ኩናት ዓዲ ያዕቆብ ኣባላት ብርጌድ 8 :ደርግ ባሬንቱ የተደመሰሰው 8ኛ የሻዕብያ ብርጌድ ዝብሎ ገለ ክፋሎም ምሳና ብየማናይ ሸነኽ ምስ ብርጌድ 58 ክዓርዱ ተመደቡ።
እቲ ብወዲ ምነይን ኢድሪስ ሸሊዕ ዝምራሕ ሓዊ ዝዀነ በጦሎኒ ገለብ ኣብዚ መስመር ውግእ ምህላው:
እቶም ዘይሕለሉ ሰንጥቅ ኣባላት ከቢድ ብረት ገለ ክፋሎም ኣብ ጽርግያ ምስ ብርጌድ 51 ቢተኖም ተኺሎም ዓረዱ: እዚ ተዳማሚሩ እቲ ውግእ ግሃነብ እሳት ምኻኑስ ኣቀዲሙ ይርኣየካ:ዝዀነ ዓይነት ኖት ቡክ ይኹን ጽሑፋት ካብ ጁባና ይኹን ሻንጣ ብቅልጡፍ ክቅበር ወይ ሓዊ ክቃጸል ተባሂሉ ወትሃደራዊ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ : ኣብ ዘዘለናዮ የእማን ብምጽቃጥን ኣብ ሑጻን ቀበርናዮ።
ጸላኢ ክልተ ግብሪ ሃይሊ ስጋብ 30•000 ዝኣክል ዓቅሚ ሰብን ልዕሊ 50 ታንክታትን ብዙሓት ድሩዓት ማካይንን ብብዝሒ ከበድቲ ብረታትን ደርዲሩ እንዳተሃንደደ ኣብ ዝተጻወደሉ ክፉት ሳንዱጥ ኣተወ።
ብወተሃደራዊ ዓይኒ ክርኤ ከሎ ኣብክንድዚ ዝኣክል ጸቢብ ቦታ ንኽንድዚ ዝኣክል ዓቢ ሰራዊት ክሕዝ ኣይክእልን ኢዩ።
ስርዓት ደርግን ኣማኸርቱ ጀረናላት ሶብየታውያንን :ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ኣብስታሊን ግራድ ኣብ ልዕሊ ወትሃደራት ናዚ ዝተጠቅምሉ ኣጋባብ ቅዲ ኲናት ናብ ሓደ ጸቢብን ውሱኑን ቦታ ብሙሉኡ ኣጽዋራትካ ብምድብዳብ ንጸላኢኻ ተርጊእካ ረጊጽካዮ ብምሕላፍ ኣብቲ ቀንዲ ዕላማኻ ሸቶኻን ምምራሽን ማእከል እዚ ጸላኢኻ ምቁጽጻር :እዝን ቁጽጽርን ከምዘይህሉ ጌርካ ናይ ጸላኢኻ ሰራዊት ምብትታን ዝብል ወትሃደራዊ ዶክትሪን ተጠቂሞም :ዕርድታት ዓዲያዕቆብ ሰይሮም :ዳግማይ ናብ ዒላበርዕድ ክደግምዎ ብሙሉኡ ኣጽዋራቶምን ታንክታቶምን ሰራዊቶምን ናብዛ ጸባብ ሓንቲ ጋንታ ወይ ሓይሊ እተዕርድ ሓናቅ መዳፍዖም ከም ማይ ኣይሂ ኣዝነብዎ።
ኣይዞህ በለው ያገሬ ጅግና ወደፍት በለው በለው የማትረባ ፍየል ዘጠኝ ትወልዳለች ልጆችዋን ይሞቱና እስዋን ታልቃለሽ ብላ ብላ ዝብል ማይክሮፎናት ዝተገጠመን ታንክታትን ድሩዓት ማካይንን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጽኣ ኣርሆ (ኣዝማሪን )ኩናት ኩዕሶ እግሪ ግጥም ኰይኑ ሆይሆይታን ጉራን ፈኸራን ዓብሊሉ ኣየከየይ ንህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ዘይምፍላጥ መዘዙ ብዙሕ ኢዩ።
ብጸላም ዝተጎብኤ ለይቲ መስታ ናይ መዳፍዕን ዶሽካታትን ሰማይ ተቀዲዱ መስመስ በለ:ዓይንኻ ዝደጉሕ በለጭታን ትክን ዒግታን ባሩድን :ጸላኢ እኹል ደብዳብ ገይረየ ዝወጽእ ህይወት ዘለዎ ፍጡር የልቦን ኣብ ዝበለሉ :ታንክታቱ ኣምሪሑ ብለይቲ ንከረን ክሓልፍ ዝወጠኖ መደብ ኣባላት ከቢድ ብረት ቢተን ገይሮም ንክልተ ታንክ ምስወቅዑ እቲ ጸቢብ ጽርግያ ተዓጽዩ ጸላኢ ትንፋስ ዘይህብ ተደጋጋሚ ህጁማት ኣካይዱ ምሉእ ለይቲ 8 ግዜ ሃጅሙ ክሰልጦ ኣይክኣለን።

ጋንታና ብፍላይ መስርዕና ምስቶም ብርጌድ 51 ብጎኒ ኢና ክንወቅዓሎም ሓዲርና መሬት ወጊሑ ሬሳ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ስጋብ ከባቢ ስዓት11 ናይ ቀትሪ ብርጌድ 51 መከላኸሊኦም ቀውዒ ስለዝዀነ ኩሉ ነዲዱ :ፍርቆም ይታዀሱ :ፍርቆም ብጃኬትን ነጸላን ሓዊ የጥፍኡ :ጸላኢ ናብ ጽርግያን ናባናን እንዳሃጀመ ከሎ :ድሮ በርጌድ 58 ብርጌድ 8 ናብ ከተማ ዒላበርዕድ ብምእታው ንብሙሉኡ እቲ ቅዲ ኩናት ቀየርኦ :ጀረናላት ደርግ ዝሕዝዎን ዝጭብጥዎን ጠፊኦም ብጾትና ታንክታት ጸላኢ ከቃጽሉ ጀሚሮም ነፈርቲ ናብ ከተማ ክድብድባ ምስርኣና ንሕና እውን ነዘን ኣብ ጽርግያ ዝዋጋኣ ዝነበራ ብጉያ ዓጺና ማረኽናየን ኣብቲ ጽርግያ ሞተረን ዘጥፍኤን ዘይረኸባ ዱድ ዝብላ ታንክታትን ድሩዓት መካይንን :ግዳጅ (ግዱድ ሰብ) ጽዕነት ማካይን ኣቦታት ኤርትራውያን ኰታ ሕውስውስ ዝበለ ስምዒት ዝፈጥር ኰይኑ: መን ናይ መን ኣዛዚ ኣየናይ ኣሃዱ ዘይብሉ ምትሕውዋስ ናይ ሰራዊት።
ሰብ ፍጡር ርእሲ ዘይብሉ የእዳው ዝተቆርጸ ብብርቱዕ ሃልሃልታ ሓዊ ዝተጠብሰ ገሊኡ ምስ ጸላኡኡ ተሓናኒቁ ዝወደቀ ጉሊኡ ብታንክ ተረጊጹ ስግኡ ዝተማታተረ :ጉሊኡ ኣብ ጸግዒ ገዛ ተጸጊዖም ከለው ከቢድ ብረት ንመንደቅ ዘፍረሶ ኣብኡ ተጸቂጦም ዝተረፉን : ቃንዛ ዘይምስምዑ ይሓይሽ ኣብ ዓቢ ከውሒ ተጸጊዖም ምስ ምሉእ ዕጥቆም ከውሒ ዝጸቀጦም :ኣብ ጽርግያ ታንክታት ክሃድማ ክብላ ዝረጉጽኦም ወትሃደራት ደርግ ምስቲ ጽርግያ ፍላት ኰይኖም ተጣቢቆም : ብመድፍዕ ተሃሪሞም ክፍሊ ኣካላት ፋሕፋሕ ዝበለን ኣብ ኣግራብ ስጋ ፍጡር ወድሰብ ዝተንጠልጠለን :እንቃቁሖ ዝመስል ጻዕዳ ሓንጎል ወዲ ኣዳም ፍጡር ሰብ ኣብ መሬት ምስርኣኻ ኰንቱነት ወዲ ሰብ ዓለምን ይራኣየካ እሞ ኣእምሮኻ ትስሕት :ኣብዚ ውግእ ኣእምሩኦም ዝሰሓቱ እውን ነይሮም :ዝድነቁ ብቁዓት ወትሃደራውያን መራሕቲ ሸጎጉጦም ሒዞም ሓደ ተጋዳላይ ንድሕሪት ከይብል ሻዕብያ ብቅድሜና ተወቂዕና ንስዋእ እንበር ንድሕሪት ምህዳም የለን ኢሎም ንሰራዊትና ጸቅጢ ታንክታት በዚሕዎ ንድሕሪት ከየብልን ክጸንዕን ጥቡቅ ክትትል ገይሮም ንሰራዊትና ካብ ስዕረት ኣድሒኖም ዓወትን ቀጻልነት ቃልስናን ኣበሲሮም :ዘይመሬትካ ክትገዝእ ምድላይ ዝፈጥሮ ህልቂት ውጽኢቱን ሳዕቤኑን ከቢድ ኢዩ።
ጅግንነትን መስዋእትን ጽንዓትን ዝተራእየሉ ብርቱዕ ናይ ክልተ ምዓልትን ሰለስተ ለይትን ኲናት ብሃንደበት
ንግሆ ክንሃጅም እንዳተዳለና ድሮ ጸላኢ እቲ ካብ ባጽዕ ዝገስገሰ ድሮ ንሳሕል ተገምጊሙ ንኣፍዓበት ክሕዝ ይምርሽ ከምዘሎን ሓደስቲ ዘይደኸሙ ወትሃደራትን ታንክታትን ብመራኽብ ጽዒኑ ናብ ማርሳ ጉልቡብ ከምዘውረደን ተፈሊጡ ካብ ኩናት ዒላበርዕድ ወጺእና 16ኪሜ ተጓዒዝና ናብ ደብረሲና ኣተና።
ይቅጽል----- ጉዕዞ ንሩባ ዓንሰባን ኣፍዓበት ንምክልኻል ውግእ ማዕሚደን ኣዛህራን ።
ኢዮብ በይን ኣስፍሃ (ጎጀላ)
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ሓበንን ንጀጋኑ ስውኣትና!!
ፌስቡክ፦ https://www.facebook.com/100002218178573/posts/2469783356438913?sfns=mo

ስትራተጅያዊ ምዝላቅ ወርሒ ሕዳር 1978!!
4ይ ምዕራፍ! መወዳእታ

ውግእ ማዓሚደ ኣዛህራን!!

ውድብና ውድብ ህግሓኤ ፍጥር ክብል ብዓንተቡኡ ወትሃደራዊ ትካል ኢዩ።
እተን ክልተ ሓይሊ ውግእ ዒላበርዕድ ወዲእናን ብድኻምን ጥምየትን ተወዲእና ዓቅምና ዝፈቅዶ ገለ ውጉኣት ብጾትና ኣብ ስትሬቸር (ቃሬዛ)ተሰኪምና ደብረሲና ኣተና :ደብረሲና ሓንቲ ንእሽቶይ ጽብቅቲ ዓዲ እኹል ማይ ዝዛሪ ዘለዋ ጥንታዊት ገዳምን ሃይማኖታዊት ዓዲ ኢያ።
ሓይሊ 32 ካብ ዓዲ ያዕቆብ ምስ ኣንሳሓበት ነተን ካብ ዒላበርዕድ ውጉኣት ዘማላልሳ ቃፍላይ ኣውቶቡሳት ብድሕሪት ኣድብያ ብኣርብጂ ብጠያይትን ንጸላኢ ብዘይምሕረት ኣብ ውሽጢ ኣውቶቡሳት የሕሪራቶም ሕነ ናይ ዓዲ ያዕቆብ ታህና ኣውጺኣ ኣብ ገለብ ንሓለዋ ተመደበት።
ኣብ ደብረሲና ዝብላዕ መግቢ ኣይረኸብናን ማይ ብሽኰር ሰቲና ድኻም ስለዝነበረና ግምስስ ግምስስ ኢልና ደቀስና :እቶም ዘይጽልኦም ገለ ብጾትና እታ ጠልጠል ዝበለት እምኒ ክንርኢያ ኢሎም ተጻዋዊዖም ከዱ: ናብዛ ማሙቅ ነጸላይ ተጠቅሊለ ምስደቀስኩስ ድሮ ስዓት 5ናይ ምሸት ኰይኑ ማንጁስ ተስእ ኢሎም ኣተስኡኒ : ሓንቲ ላም ተሓሪዳትልና : ንመቅለው ስጋ ዝኸውን ዕንጨይቲ ክትልምን ክትከይድ ኢኻ ገለ ደንጊጸን ዕንጨይቲ ተሃባኻስ ተባሂለ እቶም ተዋዘይቲ ደቂ ጋንታይ ሎምስ ገጽ መለመኒ ኢዩ መሲሉ ኣንታ ገጽ መደንገጽ ኢሎም ዋዛ ጀመሩ: ህዝብና ብሩኽ ኢዩ እዋይ ወደይ ኢለን ቅጫ ዝህባ ቆሎ ዝህባ ዕንጨይቲ ዝህባ:----
ቅልዋ በሊዕና ስዓት 3ናይ ለይቲ ህዝቢ ካብ ገለብ ካብ ምሕላብ ካብ ሽዕብ ሮብቶ ካብ ደብረሲና ዝተዋጽኡ ኣጉባዝ ውግኣትና ተሰኪሞም ምሳና ጉዕዞ ንሩባ ዓንሰባ ተታሓሒዞምዎ ብድኻም ወላእላእ ኢልና ስዓት 10 ናይ ለይቲ ኣብ ሩባ ዓንሰባ ኣቲና።

ብብዝሒ ካብ ከረን ዝሃደመ ህዝቢን ተጋደልትን ትካላት ውድብ ብሙሉኡ ዕንጨይቲ ዝኣጉዱ ማካይን ናይ ጽዕነት ሞተረን ዘየጥፍኣ ጫቅጫቅ ክብሉ ጸንሑና ድሮ ማካይን ተዳልየን ስለዝጸንሓና ኣብዘን ማካይን ተጻዒንና ንጋንታና ኡኳ ኣውቶቡስ በጺሓትና ስውእ ኣቶው ብርሃን ጸጋይ ዝብሃል ወዲ እንባደርሆ ወዲ መስርዔይ ማንጁስ ዕጥቅኻ ፍትሓዮ ኣብዚ ሰለፈይ ደቅስ ኢሉኒ ኣብዛ ሰለፉ ደቂሰ ትጉዕዝ ሓዲርና ወገግ ክብል ከሎ ኣፍዓበት ኣቲና:ተሰሪዕና እንዳኸድና ነንእሽቶይ ቅጫ ኣብ ኢድና ተዓዲልና ነዚ ኣጻምእን ምድረበዳ ብዘይ መተርከስ ጎሮሮ ትጉዕዝ ውዒልና ስዓት 4ድሕሪ ቀትሪ ማዓሚደ ኣቲና።
ኣብ ምዓሚደ ኣባላት ብርጌድ 4 ብርጌድ 70 ብርጌድ 44 ኣብቲ ሩባ ክታዀሱ ጸኒሖምና ካብ ናቶም ንሸነኽ የማናይ ክንፍ ኣብ በሪኽ ጎቦ ኣብ ተጠንቀቅ ሓዲርና :ብለይቲ ሓንቲ ቦጥ ማይ ኣምጺኣትልና ሓሓደ ኰዝ ማይ ብሽኰር ሰቲና ጸላኢ ቅልጡፍ ዓወት ስለዝደለየ ኣብቲ ዘለናዮ ጎቦ ብኸቢድ ብረት ብርቱዕ ደብዳብ ገይሩ ክሃጅም ፈቲኑ ጸፍዕና ግስጋሲኡ ዓጊትና ኣብ ድውታ ኣብጺሕናዮ።
ድሮ እተን ካብ ዒላበርዕድ ዝማረኽናየን ታንክታት ናብቲ ኪናት ክንጥቀመለን ጀሚርና :ንጽብሒቱ ልክዕ መበል ሳልሳይ ምዓልቲ ወጋሕታ ዳዝዳዝ ኣብ ብሙሉኡ እቲ ግንባር ሓያል መጥቃዕቲ ፈኒና ብምሉኡ ገዛእቲ ቦታታት ንጸላኢ የሕዲግና ኣብ ጎልጎል ደፊእናዮ።
ብምቅጻል ብሙሉኡ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ጎላጉል መጥቃዕቲ ብምፍናው ብዙሓት ታንክታት የሕሪሩን ማሪኹን ብዙሓት ወትሃደራት ቀቲሉን ማሪኹን ካብቶም ምሩኻት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ነይራ ኣርሆ (ኣዝማሪ) ኣለሚቱ ድያስ ዋላስ ዘውዲቱ ስማ ተማሪኻ : ህዝባዊ ሰራዊት ድሕሪ ናይ 12 ምዓልትን ለይትን መሪርን ደማውን ኲናትን ጽበባን ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ንጸላእቱ ስዒሩ ትንፋስ ዘሪኡ ጎብለል ኰይኑ ቀጻልነት ቃልሱ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ግዜ ምንስሓብ ዝጠፍኡና ብጾት ብሓገዝን ብምትሕብባርን ህዝቢ ድሕሪ ሰለስተ ኣርባዕተ ወርሒ መጺኦምና:ገለ ውግኣት ብጾትና ህዝቢ ኣብ ገዝኡ ብምስጢር ሓኪሙ ኣደልዲሉ ዘፋነዎምን ብምስጢር ናብ ብጾትና ዘብጽሖምን ብዙሓት ኢዮም።
ድሕሪ ዝተወሰኑ ግዜ ህግሓኤ ንኣፍዓበት ንጸላኢ ገዳፉሉ ሓድሽ መካላኸሊ ዕርዲ ግንባር ናቅፋን ሰሜናዊ ምብራቅ ሳሕልን ኣቂሙ ናብ ዝተናውሓ ቅድ ኲናት ኣትዩ።
ኢዮብ በይን ኣስፍሃ (ጎጀላ)
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ሓበንን ንጀጋኑ ስውኣትና!!
ፌስቡክ፦ https://www.facebook.com/100002218178573/posts/2476047322479183?sfns=mo

yob Gogela Bein

12 December 2018 · 
እዋኑ 1983 ኮይኑ :ህግሓኤ ኣብቲ ጽዕጹዕ ኪናት ግንባር ሓልሓል ተጸሚዱሉ ዝነበረ ግዜ ኣነ ዝነበርክዋ ኣሃዱ እውን ኣብ ማይ ካላሽን ዓሪድና ንጸላኢ እንዳቋመትና ቀኒና :ናይ ኣጋ ምሸት ስዓት 5ይኸውን ብግምት ኣብዛ ክትቅይረና ዝመጽኤት ጋንታ ናይ ቤትምህርቲ ካድር ሓንቲ ዝፈልጣ ምቅልልቲ ተጋዳሊት ሙሉ ጓል ኣፍሮ ብሃንደበትምስቲ ድፋዕ ዘትሕዛ ሰብ ኣብዛ ዝነበርክዋ ጉድጓድ ውትፍ ይብሉኒ: መርሓባ ተባሂልኔ ተሳዓዒምና ድሃይ እቲ ዝፈትዎ ሃይለ ዓርከይ ሓተትክዋ :ድሓን ከምዘሎ ሓቢራትኒ በሊ ኣይትሕመቂ ኣብ ዓወት ኢለ ካብዛ ድፋዕ ወጺኤ ናብቶም ኣብሪኾም ዝነበሩ ደቂ ጋንታይ ተጸበርኩ ::ጊዕዞና
ንቀጠር ዝተባህለ ጥቃ ደብረ እምን ነበረ:ድሕሪ ምቅያርና ነዞም ቤትምህርቲ ካድር ጸላኢ ሃንደበታዊ ናይ ለይቲ መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣብታ ኣነ ዝገደፍክዋ ድፋዕ ሙሉ ጓል ኣፍሮ ኣብኡ ተሰዊኣ :ጸላኢ እውን ነቲ ድፉዕ ተቋጻጺርዎ ንጽብሒቱ ብዝተገብረ ጸረ መጥቃዕቲ እቲ ድፋዕ ከምእንደገና ብጾትኔ ተቋጻጺሮም ንጸላኢ የህተፍዎ :ኣብቲ ግዜ እቲ ግንባር ሓልሓል ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ብበርጌድ ኣትየን ዳርጋ ትሕቲ ሓደ ቦጦሎኒ እንዳተዳኸማ ካብቲ ኩናት ነተን ዘይደኸማ ይቅይርኣን ነበራ :ኣብዚ ንሕና ዝነበርናዮ ሰሜናዊ ምብራቅ ሳሕል እውን :ነቲ ናይ ግንባር ሓልሓል ጸቅጢ ከነፍኩስ መጥቃዕቲ ፈኒና እቲ ዝነበረ ግዜ ወርሓቱ ብርቱዕ ሙቀት ዝነበረሉ እቲ ኣሃዱ እውን ብሓደስቲ ዝተመልኤ ብምንባሩ:ንሓደ ጎቦ ንምዉጻእ ካብ ስዓት 5ወጋሕታ ስጋብ ስዓት 13 ብዙሕ መስዋእቲ ተኸፊሉ ኣብ መጠረሽታ ግን ነቶም ኣትኪሎም ዝዋግኡን ኣብ ልዕሊ ህድሞ ወጺኦም ዝታዀሱ ዝነበሩ ንብምሉኦም ኣብቲ ካናለታት ዛሕዚሕና ንጎላጉል ኣስራይ ኢና ዝገስገስና። ኣብ ጎላጉል ኣስራይ ኣብ ሓንቲ ኩጀት ኬንና ብየማን ብጸጋም እንዳተታኾስና ንጸላኢ ንሓደ ምዓልቲ ገጥ ኣቢልናዮ ብየማንናን ብጽጋምናን እተን ኣሃዲታትና እንዳተኻላኸላልና። ጽሓይ ምስ ዓረበት ኣብቲ ዝነበርናዮ ድፋዕ ኣንሳሒብና :እቲ ውግእ ድሕሪ ምውዳእና ሓደ ምሸት ሰሚናር ኣሎ ተበገሱ ተባሂልና ጉዕዞና ናብ ገረግር ኣስመራነበረ: ሓመድ ሓፋሽ ተጋዳላይ ሁጭ ኢሉ :ብጀኔረተር ልቺ ተወሊዑ:ዕቁበ ኣብርሃ ናይቲ ግንባር ኣዛዚ ኣብ ሓንቲ ሶድያ ኮፍ ኢሉ የእዳው ኣብቲ ጣውላ ኣሞርኪሱ እሕሕ እስማዕ ኣለኹ ዶ ?ኢሉ ብኢዱ ነዛ ማክሮፎን ጠብጠብ ድሕሪ ምባል ኩነታት ጸላእን ዓቅሞ ሰቡን ዝጎንፎ ዘሎ ክሳራን ድሕሪ ምግላጽ :

ሕጂ ክትሕጎሱ ብሽራት ሒዘልኩም መጺኤ ኣለኹ :ኣብ ኣስመራ ባራት ቢራ ስጋብ ዝውዳኣ ክስተ ሓዲሩ ህዝብና ተሓጊሱ ድሕሪ ምባል ህዝበይ ጸጥ ኢላ ብኣንክሮ ክትሰምዕ :እወ ኣብ መንጐናን ኣብ መንጎ ተ•ሓ•ኤ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ስለ ዘሎ ኣባላት ተ•ሓ•ኤ•ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምሳና ክዓርዱ ካብ ሱዳን ክመጽኡ ኢዮም :ውድብና ከም ውድብ ክዓብዩ ክውድቡን ክኸትቡን ከም ሃገራውያን ምሉእ ምትሕብባር ክገብረሎም ኢዩ :ብማለት ሕቶ ወይ ርኢቶ ዘለዎ ብማለት ንኣኼበኛ ሓተተ መሰኪን ካብ ገዝኦም ገፊፎም ዘምጽእዎም ብዙሓት ሓደስቲ ስለዝነበሩ ዝሓትት ኣይነበረን ኣነ ግን ንድሕሪት ተመሊሰ ክሓስብ 01•05•1979 ብምኽንያት ሓደ ጉንበት ምዓልቲ ሸቃሎ ካብ ታባ ሰማይ ተበጊስና ናብ ሓሊበት ዑቅበ ኣብርሃን :ኣሕመድ ኣልቀይሲን ናይ ተጋድሎ ሓርነት መራሕትን ተራ ተጋደልቲ ኣብቲ ድፋዕ ዝነበርና ሰሚናር ተገብረልና ኮምኡ እውን ሓዳስ ኮሚቴ ብክልቲኡ ውድባት ከምዝወጽኤትን ክልቲኤን ውድባት ብስምምዕ 20 ጥቅምቲ ክምእዘዛን ዝብልን ሓይሊ ጸላኢን ኣሰላልፍኡን እንድሕር ተሳማሚዕና ብዙሕ ዓወታት ከነመዝግብ ምኻንናን ገለ ካብቲ ዝዝክሮ :እታ ህብብቲ ደራፊት ብርኽቲ ታንኪ መስዋእቲ ዋጋ ናይ ሓርነት ኢዩ ኣብ ቃልሲ ትብል ደርፍን ብዓል ገብርኣብ ወዲ ጋይም ትደገም ክብሉን:እቲ ብድሕሪኡ ዝስዓበ ኣስካሕካሒ ኩናት ሕድሕድ ጀሚሩ ስጋብ ዝውዳእ ስለዝተኻፈልክዎ እቶም ካብ ክልቲኡ ወገን ዝወደቁን እቲ ኪናት ሕድሕድ ክንብገስ ከለና ዝበሉና ተ•ሓ•ኤ። ካብ ሜዳ ኤርትራ ክንኣልያ ኢና:ሕጂ ኽኣ ምሉእ ምትሕብባር ክንገብረላ ኢና ሓይላ ከተደልድል :ዓጀብ ---ብምግራም ንሓደ ገዲም ተጋዳላይ ሕሹኽ መባህልተይ የሚን ኢሎም ካብ ስልጣኑ ኣውሪዶም ሓለዋ ሰውራ ብዙሕ ዓመታት ኣሲሮሞ ዝነበሩ ኣብታ መስርዕና ዝነበረ :ዕቁበ ድኣ ደይ ኢሳያስ በል ዝበሎ ኢዩ ዝብል ሕጂ ክኣ ኣብታ ግንባር ሓልሓል የእትዮም ክህንኩትዎም እንበር ውድብ ክሰርሑ ክፈቅዱሎም ምዓስ ኮይኖም ብምባል ገለጸለይ።

Eyob Gogela Bein

10 June 2019 · 
Part 1
ብምኽንያት 20 ሰነ በቲ ድሩትን ውሱንን ፍልጠተይን ዓቅመይን ንስውኣት ንምዝካር ገለ ኣብ ዝኽርታተይ ዘሎ ወስ ክብለኩም ኢየ።
ታባ ሰላም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቅ ሳሕል ዝርከብ ናይ በጣሕ ዝመስል ቅርጺ ዘለዎ ኰይኑ ብድሕሪኡ ታባ ሰማይ ቀብርውኦት ብየማኑ እንዳምኪኤልን ብርሑቁ ግሬቶን ወዲ ጋንን ብጸጋሙ ኣብ እግሩ ሩባ ኣልጌናን ታባ ወዲ ጎብሩ ብቅድሚኡ ኣንባሳደርን ንያላን ወዘተ ዝተባህለ ጎቦታት ዝተማእከለ ጎቦ ኢዩ፣
ኣብ መጅመርያ 1979 ድርግ ምስ ምሉእ ሓይሉ መጥቃዕቲ ከፊቱ ብሙሉኡ ብየማኑን ብጸጋሙን ዝነበረ ጎቦታትን ኣኻውሕን ብኸበድቲ ብረትን ነፈርትን ተድራቢ እግረኛ ሰራዊትን ክነድድን ክቃጸልን ከሎ ኣብዛ ታባ ዝነበረ ሰላምን ጸጥታን ባሕታውያን ዝነብርዎ ገዳም የዛኻኽረካ:
ብድሕሪ ራብዓይ ወራር ናይ ደርጊ ኣብ መካላኸሊ ዕርድና ምትዕርራይ ጌርና ንድሕሪት ውሑድ ኪሎ ሜተራት ኣንሳሒብና ታባ ሰላም ናብ ወገን ጸላኢ ሓዲግና ናብ ሩባ ኣልጌናን ታባ ሰማይ መፈየጽ ዓረድና :
ጽላኢ ነዚ ቦታ ንምሓዝ ዝገብሮ ተዳጋጋሚ ፈተነታት ብህዝባዊ ሰራዊት ተመኪቱ ንድሕሪት ይምለስ ነበረ:
ኣብ ታሕሳስ 1979 ግን ደርግ ፍሉይ ማይክሮፎን ገይሩ ብዘይ ዕረፍቲ ንሰማማዕ ንቁሩብ ግዜ ኢና ኣይኰንናን ነበርቲ ዝብል ደርፍን ብኣምሓርኛ "ውብየ በሊ እልል ውብየ በሊ እልል ድሉያባቴ ነው ጠላትን መግደል "ዝብል ቁዘማ ኣብዚሑ ቀንዩ :
ለካ ነብሱ ነጊርዎ ብጾትና ኣብ ግንባር ናቅፋ ሕርሕራይ ገይሮም ዛሕ ዛሕ ኣቢሎም ንኣፍዓበት ድፍኦምዎ ኢዮም :ንዓና ጸቅጢ ክገብርን ናይ ግንባር ናቅፋ ጽቅጢ ንምፍኳስ ክልተ ማዓልቲ ተዳጋጋሚ ህጁማት ገይሩ ኣብ ከውሒ ተጋጭዩ ዛሕዛሕ ኢሉ ናብ ታባ ሰላም ተመልሰ:

ኣብ ታባ ሰላም ሞክርፎኑ ጸሚዱ ኣብ ልማኖን ንሰማማዕ ንቁሩብ ግዜ ኢና ኣይኰንናን ነበርቲ ዝብል ደርፍን ኣተወ :ህዝባዊ ግንባር ድሮ ከበድቲ ብረታት ናብ ናይ ጽላኢ ዕርዲ ክትኣስርን ከተዝንብ ጀመረት :ጠያይትን ቦምባታትን ብብዝሒ ኣብ ድፋዓትና ከዚንና :ስውእ ብርሃነ ሳሕልን ስውእ ወዲ ገብርሃርያት ዝመርሕዋ ናይ ቦጦሎኒና ሓይሊ 32 ኣብታ ዕርድና ሩባ

Eyob Gogela Bein

10 June 2019 · 
Part 1
ብምኽንያት 20 ሰነ በቲ ድሩትን ውሱንን ፍልጠተይን ዓቅመይን ንስውኣት ንምዝካር ገለ ኣብ ዝኽርታተይ ዘሎ ወስ ክብለኩም ኢየ።
ታባ ሰላም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቅ ሳሕል ዝርከብ ናይ በጣሕ ዝመስል ቅርጺ ዘለዎ ኰይኑ ብድሕሪኡ ታባ ሰማይ ቀብርውኦት ብየማኑ እንዳምኪኤልን ብርሑቁ ግሬቶን ወዲ ጋንን ብጸጋሙ ኣብ እግሩ ሩባ ኣልጌናን ታባ ወዲ ጎብሩ ብቅድሚኡ ኣንባሳደርን ንያላን ወዘተ ዝተባህለ ጎቦታት ዝተማእከለ ጎቦ ኢዩ፣
ኣብ መጅመርያ 1979 ድርግ ምስ ምሉእ ሓይሉ መጥቃዕቲ ከፊቱ ብሙሉኡ ብየማኑን ብጸጋሙን ዝነበረ ጎቦታትን ኣኻውሕን ብኸበድቲ ብረትን ነፈርትን ተድራቢ እግረኛ ሰራዊትን ክነድድን ክቃጸልን ከሎ ኣብዛ ታባ ዝነበረ ሰላምን ጸጥታን ባሕታውያን ዝነብርዎ ገዳም የዛኻኽረካ:
ብድሕሪ ራብዓይ ወራር ናይ ደርጊ ኣብ መካላኸሊ ዕርድና ምትዕርራይ ጌርና ንድሕሪት ውሑድ ኪሎ ሜተራት ኣንሳሒብና ታባ ሰላም ናብ ወገን ጸላኢ ሓዲግና ናብ ሩባ ኣልጌናን ታባ ሰማይ መፈየጽ ዓረድና :
ጽላኢ ነዚ ቦታ ንምሓዝ ዝገብሮ ተዳጋጋሚ ፈተነታት ብህዝባዊ ሰራዊት ተመኪቱ ንድሕሪት ይምለስ ነበረ:
ኣብ ታሕሳስ 1979 ግን ደርግ ፍሉይ ማይክሮፎን ገይሩ ብዘይ ዕረፍቲ ንሰማማዕ ንቁሩብ ግዜ ኢና ኣይኰንናን ነበርቲ ዝብል ደርፍን ብኣምሓርኛ "ውብየ በሊ እልል ውብየ በሊ እልል ድሉያባቴ ነው ጠላትን መግደል "ዝብል ቁዘማ ኣብዚሑ ቀንዩ :
ለካ ነብሱ ነጊርዎ ብጾትና ኣብ ግንባር ናቅፋ ሕርሕራይ ገይሮም ዛሕ ዛሕ ኣቢሎም ንኣፍዓበት ድፍኦምዎ ኢዮም :ንዓና ጸቅጢ ክገብርን ናይ ግንባር ናቅፋ ጽቅጢ ንምፍኳስ ክልተ ማዓልቲ ተዳጋጋሚ ህጁማት ገይሩ ኣብ ከውሒ ተጋጭዩ ዛሕዛሕ ኢሉ ናብ ታባ ሰላም ተመልሰ:

ኣብ ታባ ሰላም ሞክርፎኑ ጸሚዱ ኣብ ልማኖን ንሰማማዕ ንቁሩብ ግዜ ኢና ኣይኰንናን ነበርቲ ዝብል ደርፍን ኣተወ :ህዝባዊ ግንባር ድሮ ከበድቲ ብረታት ናብ ናይ ጽላኢ ዕርዲ ክትኣስርን ከተዝንብ ጀመረት :ጠያይትን ቦምባታትን ብብዝሒ ኣብ ድፋዓትና ከዚንና :ስውእ ብርሃነ ሳሕልን ስውእ ወዲ ገብርሃርያት ዝመርሕዋ ናይ ቦጦሎኒና ሓይሊ 32 ኣብታ ዕርድና ሩባ

Eyob Gogela Bein

12 June 2019 · 
Part2
ብምኽንያት 20 ሰነ በቲ ድሩት ፍልጠተይን ዓቅመይን ንስውኣት ንምዝካር ገለ ካብ ዝኽርታተይ ወስ ክብለኩም ኢየ ።
ገለ የሕዋት እታ ኣሃዱ ኣላልየና ስለ ዝበልኩም ግርም ሕራይ ኣሃዱና ብርጌድ 23 ትብሃል መራሕ ብርጌድና ኢድሪስ ብሬራይ ኣብ ስደት ዘሎ ምክትል መራሕ በርጌድና ኣብ ስደት ዘሎ ኣድሓኖም ገብረማርያም ኣዘዝቲ ናይ ቀዳመይቲ ቦጦሎኒ ብርሃነ ወዲ ስሑል ምስ ምክትሉ ስውእ ወዲ መረስዕ: ናይ ካልኣይቲ ቦጦሎኒ ስውእ ቾብቾብ ምስ ስውእ ወዲ ያቆብ: ናይታ ኢራብ ተባሂላ ትፍለጥ ሳልሰይቲ ቦጦሎኒና ኣዘዝታ ምስ ናይ ሕጂ ብሪጋደር ጀረናል ብርሃነ ወዲ ጽሃየ ምስ ምክትሉ ምስ ናይ ሕጂ ብሪጋደር ጀረናል ጽሃየ ካሕሳይ (ሂላል) ።
ሰናይ ንባብ>>
ኣብቲ ጥርዚ ግን 5-6 ሜትሮ ካብ ድፋዕ ጽላኢ ብቁንቁል ኣፎም ዝወደቁ ስውኣት ብጾትና ካብ ዝዝክሮም ማሕታ ዝተባህለ ሃንደሳን:መድፍዓጂ ወዲ ጴጥሮስን :መራሕ መስርዕ ወዲ ስልጣን :መራሕ መስርዕ ወዲ ኣሮን:ገሬ:ፍሊፖስ :ወዘተ ክስውኡ ከለው ብዙሓት ተወግኡ፣ ድሮ እታ ጎቦ ተታሒዛ ግን ባሩድን ትክን ደብዳብ ከበድቲ ብረታትን ዒግ እንዳበለ ኸሎ ስውእ የማነ ወዲ ሓጎስ ዝመርሓን ታንክታትን ኣንፍብያንን ጽረ ነፈርቲ ዙ 23ዝጎሰሳ ኦራላትን እታ ሩባ ብብዝሒ ሰብን ኣጽዋራትን መራሕቲ ኲናትን ተጻቢባ ተጫናነቀት :
ክልተ ቱዮታ ጋዜጠኛታት ዝጽዓና ሁሩግ ኢለን ተሓወሳ ትክን ዒግታን ቶኽስን ስኣልትን ሩባ ኣልጌን ተጻበበት :ሓደ ናይ ዓለም ጋዜጠኛ ኣብቲ ዘለናዮ ጥርዚ ወጺኡ:ተዋጋእቲ Eplf ንወታሃደራት ኢትዮጵያ ካብቲ ስትራተጅያዊ መካላኸሊ ዕርድታቶም ሓጻጺቦም ጸራሪጎም ናብ ጎላጉል ደፊኦሞም ክብል ናብ BBC መልእኽቲ ገበረ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሙሁራት ተጋደልቲ ቃል ብቃሉ ተርጊሞምልና ሞራልና ሰማይ ተሰቅለ:

ፈንጂ ከውጽኣ ኸሎ ዝተፈንጀረቶ ማሕታ ምሉእ ክልተ የእዳውን የእጋሩን ተቆሪጹ ካልኦት ብጾትና እውን ፈንጂን ቦምብ ናይ ኢድን ዝቆራረጾም ገጾም ብባሩድን ንቁጽ ድምን ተሸፊኑ ካብቲ ጸዳፍ ቦታ ብምውጻእ ነጸላ ገኒዝና ቀበርናዮም ኣብ ሓጺር ግዜ ስውኣትና ቀቢርና ውግኣትና ናብ ከውሊ ኣኪብና ናብ ድፋዕና ደየብና :
ጸላኢ ኣብቲ ሩባ ኣልጌን ጉድጓድ ኩዒቱ ስለዝነበረ ካብቲ ጎቦ ወሪዲ ናብቲ ጎዳጉዲ ኣትዮ: ወዲ ፍርዙን ምስ ስውእ ምኪኤል ወዲ ገብረዋህድ ዝመርሕዋ ሓይሊ 33 ንጸላኢ እንዳጽራረገት ንታባ ወዲ ጎብሩ ተቋጻጸረት ።
ብስውእ ማሞን ብስውእ ሃብቶም ማንዲብል ትምራሕ ሓይልና ሓይሊ 31 ድማ ናብቲ ጐዳጉዲ ብምህጃም ናይ ኢድ ብኢድ ምትሕንናቅ ዝተሓወሶ ሓጻርን ጽዕጽዕትን ግጥም ጌርና ንጸላኢ ምውትን ቁሱልን ጌርና ኣባረርናዮ ኣብዚ እውን ገዲም ናይ 1973 ተጋዳላይ ስውእ ኣስካለ ወዲ ማና ክስዋእ ከሎ :ስውእ በየነ ወዲ ዓላ ኣብ ውሽጢ 1978 ተሰሊፉ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ተሰዊኡ ኲናት ስግንጢር ኢዩ ከከም ኣሳላልፋኻ ኣይኲነን መማዓልትኻ ኢዩ:
ለይቲ ግመን ዕፍዒፍታን ስለዝገበረ ናብ ግሬቶ ወድጋን ተጓዒዝና ኣብኡ ሓዲርና።
ግመን ዒፍዒፍታን ስለዝኾነ ነፈርቲ ብብዝሒ ኡኳ ተተማላለሳ ንኽድብድባ ቁሩብ ተጸገማ:
ንጽባሒቱ ናብ ናይ ጸላኢ ድፊዕ ንምብጻሕ መሰናኽል ክንሓልፍ ነይሩና ጸላኢ ሒዝዋ ዘሎ ኩጀት ናይ 120 -150ዓቅሚ ሰብ ጥራይ ኢያ ክትሕዝ ትኽእል :ናትና ቦጦሎኒ ናይ ብርጌድ 44 ቦጦሎን ናይ ብርጌድ 31 ሓንቲ ሓይልን ነዛ ኩጀት ንምሓዝ ጉያን ዘብዘብን ጀመርና ናይ ሻዕብያ ቀይሕ ዕንባባ ዝተባህለ ሚሳይል ድዩ መድፍዕ ካብ ገረግር ኣስመራ ተወሊዑ ብልዕሌና ሓሊፉ ናብ ናይ ጸላኢ ዕርድታት ከዝንብ ጀሚሩ ብሸነኽ ግሬቶን ወዲጋንን ናትና ሃውናት ናብ ዕርዲ ጽላኢ ከዝንብ ጀሚሩ : ዝገጥመና ዘሎ ጸላኢ ቀሊል ኣይነበረን:
ጸላኢብ8 ታንክታትን ረሻሻትን ኣብ ጐልጎል ገቲሩ ብስያፍ ብጎድኒ ነቲ ገፊሕ ጎልጎል ኣሲሩ ኣንጭዋ ከምዘይትሰግሮ ገይሩ ከበድቲ ብረታትን ሞርታራትን ከዝንበልና ጀመረ :እቶም ኣብታ ኩጀት ዘለው ወታሃደራት ሰሳንዱቅ ቡምባ ኢድን ሰናዱቅ ጠያይትን ቀሪቦም ከም ማይ ከዝንቡልና ጀመሩ ብዘይካ ውሑዳት እቶም ዝተበገሱ ሓደ 8 ዝኾኑ ክሰግሩ ከለው ዝተረፍና ተዓገትና :ኣብ ሓደ ኩጀት ብብዝሒ ተጸፍጸፍና ካባና ክሰግሩ ዝፍትኑ ኣብቲ ጎልጎል ክቆልባና ስለዝጀመራ ኣብቲ ጎልጎል ክሰግሩ ዝወደቁ ብጾትና ክስሓጉ እንዳርኣናዮም ዓቅሊ ክንገብር ኣይክኣልናን መራሕ ሓይሊ ናይ ሓይሊ 32 ስውእ ብርሃነ ሳሕል ካብቶም ዝሰገሩ ናብ ናይ ጸላኢ ዕርዲ ምስ ቀረበ ኣብ ርእሱ ተወጊኡ ኸሎ ብሬድዮ ይራኸብ ነይሩ :ሓደ በታኽ ናይ ብርጌድ 44 ብጫፍ ናይጽላኢ ክትሃላለኽ ንርኢዮ ኣለና ብሬናት ናቶ ኤንፎርቲን ናብ ናይ ጽላኢ ዕርዲ ከም ማይ ክንክዕው ጀሚርና ኣብ ጎድነይ ወዲ መስርዔይ ስውእ ተኸስተ ተኪኤ (ላምፐን)ኣር ፒጂ ቶኪሱ የእዛንና ጅው ኣበለና :እዚ ህልኸኛ ምዑት ተጋዳላይ ብሓደ ግዜ ሰለስተ ኣርባዕተ ቦምባ ኢድ እንዳደርበያሉ። ከም መፍተል እንዳ ተፈትለ ነዛ ቡንባ ኢድ ናብ ጉድጓድ ጸላኢ ከእትዋን እዚ ብሙሉኡ ተዓጊቱ ዝጸንሔ ተጋዳላይ ናብ ዕርዲ ጸላኢ ክዓልብን ከም ሓንቲ ንጽብሒቱ ንግሆ ጽዕጹዕ ውግእ ብወገን ብርጌድ 44ነይሩ ብወገንና ምስ ታንክታት ጸላኢ እንዳተዋጋእና ስዓት 8ናይ ንግሆ ጎቦ ንያላ ኣብታ ርእሳ ደይብና ተቋጻጸርናያ:
ነፈርት ግን ኣይተኻእላን ጆን ዝብሃል ፓይሎት ዳርጋ ናብ መሬት ቀሪቡ ፈንጂ ክቀብር ቁሩብ ተሪፍዎ ሕጅስ ኢልና ንዋዘ ኔርና :ብኳሌታይ ኣልዒሉኒ ነይሩ እንዳበልና ንስሕቅ ብዝዀነ ኣምላኽ ተኻላኺሉልና ዝበዝሕ ተጋዳላይ ናብ ግሬቶን ወድጋን ኣንሳሒቡ :እታ ኣነ ዝነበርክዋ ጋንታን ስውእ ወዲ ኢልያስ ዝመርሓ ሓይሊናይ ብርጌድ 31 ብሓደ ውዒልና ዓይኒ ምስ ሓዘ ኣንሳሒብና ንጸላእን ንዓለምን ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይድምሰስን ንናይ ደርግ ዓወት ከጣቅዓ ዝተቀረባ የእዳው ኣብ ሃዋህው ክነቅጻ ኢየን ዝብል መደብ ብድምጺ ሓፋሽ ተቃሊሑ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ጎቦን ኣብ ጎልጎልን ክጥሕስ ዝኽእል ዓርሞሸሽ ውድብ ምኴኑ ንዓለም ኣመስከረ።
ኢዮብ በይብ ኣስፍሃ(ጎጀላ)
ይቅጽል >>ብካልእ ቅያን ጅግንነትን 20 ሰነ

ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

15 June 2019 · 
part 3
ታባ ሰበር ቀጠ
ብምኽንያት 20 ሰነ ምዓልቲ ስውኣት ብድሩት ዓቅመይን ክእለተይን ገለ ካብ ዝኽርታተይ ወስ ክብለኩም ኢየ :
ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ዝተፈጸመ መስዋእትን ቅያን ጅግንነትን ንምርድኡ በብንጽል እንተቀረበ ይሓይሽ ብማለት ኢየ:
ኣሃዱና ብርጌድ 23 ብፍላይ እታ ኣነ ዝነበርክዎ 3ይቲ ቦጦሎኒ ኣብ ናቅፋን ባርካን ንንውሕ ዝበለ እዋናት ካብ ኪናት ኣይተፈለናን ኢሉ ኢሉስ ዳርጋ ኣብ ኲናት ንጽመደሉ እዋናት ይበዝሕ:
እዋኑ ኣብ 1982 ሻዱሻይ ወራር ናይ ድርግ(የቀይ ኮኮብ ዘመቻ) ነቲ ናብ ባርካ ዝወፈረ ሓይሊ ጸላኢ ኣብ ውሽጢ 3 ምዓልቲ ጽርግርግ ኣቢልና ናብ ሓናቅ ናይ ኰከን ደፊእናዮ :
ስርዓት ድርግ ነቲ ኣዛዚ ናይ 21 ክፍለ ጦር ኰሌነል ውብሸት ማሞ ስዕረት ናይቲ ኩናት ኣሰኪሙ ኣብቅድሚ ሰራዊቱ ረሸኖ ብምሉኡ እቲ ልዕሊ 30•000ዝኣክል ዓቅሚ ሰብን ኣጽዋራትን ዝነበሮ መንጥር እዝ ናብ ግንባር ናቅፋን ሰሜናዊ ምብራቅ ሳሕል (ኣልጌና) ደረቦ:
ከየዕረፍና ብማካይን ተጓዒዝና ናብ ወጀባ ኣቲና ጽላኢ ደፊኡ ድሮ ናብ ከባቢ ፈልከት ኣትዩ :ናይ ክፍልታትን ገለ ውሕዳት ናይ ብርጌድ 44 ክካላኸሉ ጸኒሖምና: እቲ እዋን ኣብ ወርሒ ለካቲት 02 1982 ስለዝነበረ ዒፍዒፍታን ግመን ጠልን ማይን ዛዕዛዕታን ስለዝኾነ እቲ ቅርጽ መሬት ብፍላይ ንተጋዳላይ ንኲናት ምቹእ ኢዩ ነፈርቲ ኣበርኩተኤን ስለዝውሕድ :
እቶም ገባርን ተጋዳላይን ከይርኢዮም ብተናጽልን ብጽመዋን ብሑታት ኣባላት ወታሃደራዊ ክፍሊ ስለያን ክፍሊ ሃንደሳን መሪሖምና ጉዕዞና ናብ ሸነኽ ደብዓት ኰይኑ ብለይቲ ትጉዕዝ ሓዲርና ኣብ ሓደ ብዙሕ ብዓትታት ዘለዎ ቦታ በጻሕና :ኣብቲ ብዓቲ ቲዕቲዕ ዝብል ዓይኒማይ ጸንሓና ናይ ወትሩ ስንቂ መጓዕዝትና ኖርወይ ዝተባህላ ቢስኩትን ጸባን ሽኰርን ክንብጽብጸ ኣይተሸገርናን :
ምንቅስቃስ ዝብሃል የልቦን ሽንቲ ማይን ቀልቀልን ኣብቲ ዘለናዮ ክንሸይን ነይሩና ምኽንያቱ ግመን ዒፍዒፍታን ስለዝዀነ ጸላኢ ኣብቲ ከባቢና ክህሉ ይኽእል ገባር ክሕብርዎ ስለ ዝኽእሉ:

ጉዕዞና ነቲ ንመንግስቱ ሃይለማርያ ዝሕሉ ፍሉይ ሓይሊ ንምድምሳስ ኢዩ እቶም ክፍሊ ስለያ መንግስቱ ዝሓዘት ሄሊኮብተር ናብቲ ቦታ ዓሊባ ምንባራ ሓበሬታ በጺሕዎምን ይከታተሉ ነይሮም መንግስቱ ባዕሉ ውግእ ክመርሕ ይማላለስ ነይሩ:
ቦጦሎኒና ገና ምስ ምሉእ ሓይላ ኢያ ዘላ:ሓይሊ 32 ትሃጅመሉ ቦታ ዜሮ (ዛግረ ዝተባህለ ጎቦ) :ሓይሊ 33 ካብ ከባቢ ፈልከት ክትጸራርጎ :ናትና ሓይሊ 31 እተን ክልተ ጋንታ ኣብቲ ብዓቲ ክጣባበቃን ጽላኢ ከይክርድነና ክከታተላን :እታ ኣነ ዘለኽዋ ጋንታ ስዓት 8 ናይ ምሸት ተበጊስና ብጥንቃቀ ኣብቲ ናይ ቀደም ክፍሊ ሕክምና ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ሰበር ቀጠ ፈራስ ገዛውቲ በጺሕና መምስ ዕጥቅና ብኰፍና ሓደርና :
ስዓት 4 ወጋሕታ እተን ክልተ ሓይሊ ሓያል መጥቃዕቲ ፈንየን መሬት ናብ እሳተ ጎመራ ቀየርኦ :ንሕና ነዚ ጠላዕ ጎቦ ተገዲምና እንተድየብና ሰብ ዘይብሉ ገረውረው ክብል ጸንሓና ሓድሽ ታኒካ ናይ ኣስቃጥላ ዝተኸፍተን ርፍራፍ ችካ ሽጋራን ጥራይ ጽንሓና:
እቶም ክልተ ክፍሊ ስለያን ሓደ ሃንደሳን ዝብልዎ ጠፍእዎም ጸላኢ እውን ምትላል ምምሳል ብለይቲ ንድሕሪት ምምላስ ሓደ ካብቲ ወትሃደራዊ ስልትታት ተጠቂሙ ተሸርበ:
ሕጂ ድምጺ ተቋጻጺርና ብጥንቃቀ ክንንቃሳቀስ ኢና ግመ ክኸፍት ከሎ ብቅልጡፍ ከነብሩኽን ጉዕዞና ምፍንታት ዘይብሉ ክኸውን ኢዩ ቶኩስ ከይተባሃልካ ቶኽሲ ከምዘይፍቀድ ገለጹልና:
ተሰሪዕና ብጥርዘ ጥርዚ ሕቆና ሴርና ኣብ ሓደ መጽግዒ ክንበጽሕ ከለና ፕስ ፕስ ዝብል ትእዛዝ ካብ ቅድሚት ንድሕሪት ተማሓላሊፉ ኣብሪኽና ጸቅ በልና ድሮ ኣብ ትሕቲ ጸላኢ ተጸጊዕና :ሓደ ካቦት ናይ ኣባ ጦር ዝገበረ ወታሃደር ጥይት የዕምር ኣቢሉ ናብ ቲ ድሕሬና ዘሎ ጎቦ ተተተት ኣቢሉ ቶኪሱ ነቲ ዝነበረ ጸጥታ ዘረጎ እቲ ሞቶ ሓለቃ መጺኡ ምንድነው ይብሎ ምንም የለም ጌታየ ድምጽ ሰምቼ ነው ይብሎ :እታ ቁሩብ ክፍት ኢላ ዝጸንሔት ግመ ኣብ ሓጺር ግዜ ነዛ ጎቦ ሸፈነታ : ጉያ ጀሚርና ናብ ናይ ጸላኢ ድፋዕ ውትፍ በልና:
መራሕ ጋንታና ሬድዮ ወሊዑ ሃለው ሀለው ኢራብ ትሰምዓኒ ዶ ኣለኻ :እቲ ካቦት ዝገበረ ጦር መንፍት ኰይኑ ቁንቁል ኣፉ ተደፍኤ ጸላኢ ኣብ ሓጺር ቅርበት ኬንና ጠያይት ከም ማይ ኪዒናሉ ክልቲኦም መራሕቲ ጋንታ ክንሰግር ኢና ጎልብበልና ምስተጸጋዕና ቀልጢፍኩም ኣርኩቡና ኢሎሙኒ ዘሊሎም ተጸግዑ ኣብሓጺር ቅርበት ብዘይ ሓደ ጉድኣት ጋንታ ቅርጻ ካብ ጋድም ናብ ትኹል ቀይራ ሰገረት:
ምሳይ መድፍዓጂ ዝነበረ ብሌናይ ወዲ ከረን ትዕግስተኛ ከማል ዝተባህለ ቅድሚ ወርሒ ዘይመልእ ኢዩ ናባና ተመዲቡ ካብ ክፍልታት

ከቲቱ ከማል ብዘይካ ኣብ ምዓንጥኡ ዘላ ኰለይ 800ጥይት ዝሓዘት ሻንጣ ምስ ሸሪጣ ኣብ ምንኰቡ ተሰኪሙ : ከማል ክንሰግር ኢና ሓይልና ንጸጋም ክንበልዕ ኣሎና ኣለዮ ሕራይ ኢሉኒ :
ንጉየ ኢለ ጉያ ጀሚርና ዝድርበይኦ ቡንባታት ናይ ኢድ እታ ሓንቲ ኣብ ጥቃና ተፈጂራ ካብ የማናይ ጎድነይ ጻሕ ኢሉ ወዲቁ :ማህረምቱ ኣብ ርእሱ ኰይኑ ብምሉእ ኣካላቱ ከንቀጥቅጥን ዓዕ ዝብል ነብስኻ ስኽኽ ዘብል ድምጺ ክገብር ኣይደንጎየን:
ጸላኢ ክብርትዕ ማዕሪኡ ዝብርትዕ ተጋዳላይ10 -12 ሜትሮ ቡንባ ኢድ ተጀሚሩ እዞም ወታሃደራት 3ሰብ ኢዮም ኣብ ሓንቲ ጉድጓድ ሓ ደ ቡንባ ኢድ ይድርቢ ሓደ ይጉልብብ ሓደ ይትኩስ ምቅራብ ከሊኤናና ድሓር ግን ብጉልባብ ርእሰን ከምዘየቅንዓ ጌርና ብቦምብ ናይ ኢድ ካብቲ ጉድጓደን ኣነንጢርና ጓሓፍናየን :ካብ 107 ወትሃደራት 74 ተቀቲሎም 17 ተማሪዀም ውሕዳት ንብሊቃት ሃዲሞም እቲ መቶ ኣለቃ ተቀቲሉ ።ምሓሪ (ቃቡስ) ክስዋእ ከሎ ከማል ኣብ ሕክምና ምስበጽሓ ተሰዊኡ ውሑዳት ተወጊኦምና ኣብ ሰውራ ብውሑድ መስዋእቲ ዓቢ ክሳራ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ምምዝጋብ ንቡር ሂወት ተጋዳላይ ኢዩ:ሓይሊ 32 ኣብ ዛግረ ብኽቢ ጉድጓድ ኩዒቱ ምቅራብ ከሊእዎም ድሕሪ ብመጠኑ መስዋእቲ ምኽፋል መላስ ኣውያት ዘይብለን ደምሲሶመን ሓይሊ 33ንጸላኢ እንዳኸብከበት :ብሙላኣትና ሰለስቴና ሓይልታት ተማራሪሕና ናብ ብሊቃት ተራኸብና :ስውእ ቸልቸል ዝተባህለ መራሕ ቦጦሎኒና ናብቲ ጎቦ መጺኡ ንብሙላኣትና ኣሞጊሱና ኣብ ህዝባዊ ግንባር ንመጀመርያ ግዜ ምስጋና ዝሰማዕናላ ምዓልቲ :ጽብጻብ ናብ ድምጺ ሓፋሽ ተማሓላሊፉ ነቶም ምሩኻት ጠያይቲ ዘይብሉ ካላሽናትን ውግኣትን ኣሰኪምና ኣብ ጥቅምና ኣውዒልናዮም ድሮ ሓልዮት ኣብ ልዕሊ ውግኣትና ከርኢዩ ክትርኢዮም ከለኻ ወዲ ሰብ ሓልዮትን ርህራሄ ተሂብካዮስ ፍቅርን ሓልዮትን ይልግሰልካ ኢዩ :ስውኣትና ኣብ ልዕሊ ዝማረኽዎ ጸላኢ ሓልዮትን ርህራሄን ዝነበሮም ለዋሃት ኢዮም ።
ይቅጽል >>ኢዮብ በይን ኣስፍሃ(ጎጀላ)
ዘልኣለማዊ ክብሪን መጎስን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ኢዮብ በይን ኣስፍሃ(ጎጀላ)

12 December 2019 · 
ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ 1977 ተኽሊጥ ህዝባዊ ሰራዊት ምስ ገበረ ኣብ ህዝባዊ ሰራዊት እቶም ዕውታት ኣዘዝቲ ቦጦሎኒ እዚኦም ኢዮም:
እዞም መዛኑ ኣዝዮም ቀለስቲ ንኲናት ከም መፍተል እንዳፈተሉ ኣብ 1977 ብመሪሕነት እቲ ዕውት ድብተራ ናይ ኲናት ጴጥሮስ ሰሎሙን ተመሪሖም ንባጽዕ ዝገስገሱ ኣዘዝቲ ቦጦሎኒታት :
ናይ ሳልሰይቲ ቦጦሎኒ ናይ ቦጦሎኒና ኢሳያስ ፍላንሳ ምስ ምክትሉ ወድ ምነይ ክመርሑና ከለው ብሬራይ ምስ ገብረዝግሄር ወዲ መረስዕ ናይ ቀዳመይቲ ቦጦሎኒ ::ናይ ካልኣይቲ ቦጦሎኒ:ፍሊፖስ ምስ ምክትሉ ብርሃነ ጽሃየ:
ናይ ብርግድ 70 ኣዛዚ ቦጦሎኒ ውጩ ናይ ብርጌድ 44 ኣዛዚ ቦጦሎኒ ኣድሓኖም ገብረማርያም :ዓሊ ኢብሪሂም :ኣዛዚ ቦጦሎኒ ብርጌድ 51
እዚኦም ኢዮም ኣብ ህዝባዊ ግንባር ከረን ባጽዕ ዝደምሰሱ ኣብ 1978 ብሙልኣቶም ኣዘዝቲ ብርጌድ ኰይኖም ንስርዓት ደርግ ፈትዩ ስጋብ ዝጸልእ ዝደምሰስዎ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና እምኒ ኩርናዕ ኰይኖም ዘዓወቱ ዕውታት ወትሃደራውያን መራሕቲ።
ብዙሓት ክህልው ይኽእሉ ኢዮም እዚኦም ስሞም ግኑን ኣብ ህዝባዊ ግንባር ብኣማራርሕኦም ዝና ዘትረፉ ኢዮም።
ኢዮብ በይን ኣስፍሃ(ጎጁላ)
ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

Eyob Gogela Bein

8 December 2018 · 
ንምዝኽኻር ዝኣክል ነቶም ህግሓኤ ምንሳሓብ ዝገበረ1978 ንተቃወምቱ ከጥፍእን ንውሽጣዊ ስልጣኑ ንምሕያል ኢዩ ትብሉ የሕዋት 1977 በጀካ ባረንቱን ኣስመራን ዓዲ ቀይሕን ፍርቃ ባጽዕን ብምሉእ ኤርትራ ኣብትሕቲ ሰውራ ኤርትራ ኣትዩ ነይሩ:ብምትእትታው ሕብረት ሶብየት ደርጊ ሓይሊ ረኺቡ በዞም ዝስዕቡ ግብሪ ሃይሊ ተጠናኺሩ ንሳሕል ክደፍእ ክኢሉ ብዘይካ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ሓይሉ :ካብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ሓይሊ ኣምጺኡ::
ናይ ሰብ ሓይሊ 86722
155 ታንኪ
180 መድፍዕ
24ቢኤም ስታሊን ኦርጋን (ፋሉል)
ቁጽረን ዘይተፈልጣ ሚግ 21 ሚግ 23:
እዚ ሰራዊትን ኣጽዋርን ካብ ሰነ 1978-ስጋብ ታሕሳስ 1979 ሓሙሽተ ብርቱዓት ወራራት ኣካይዱ ብጅግንነት ሰውራ ኤርትራ ተሓምሽሹ ደርግ ክልተ ዓመት ወሲዱሉ ሓይሉ ከደልድል ኣብ ውሽጢ እዚ ክልተ ዓመት ኣብ መንጎ ተ•ሓ•ኤ• ህ•ግ•ሓ•ኤ መሪርን ኣድካምን ኩናት ሕድሕድ ተኻይዱ ህግሓኤ ንበይኑ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ተሪፉ: ስርዓት ደርግ ምሉእ ምድላው ብምግባር በዚ ዝስዕብ ኣሃዝ 6ይ ወራር ጀሚርዎ:
120•000መደበኛ ሰራዊት
21•000 ማልሻ
ብድምር 141•000
መሳርያ
122ሚሜ ን 130ሚሜ መድፍዕ 621
ስታሊን ኦርጋን ቢኤም 21 • 37
ሞርታራት ብዲግሪ (ብስቁል )ዝትኮስ 961
ዝተፈላለዩ ረሻሻት 5•432
ኤ•ኬ•ኤም• 47 ጠበንጃ 90•000
ቲ•55 ታንኪ 159
ድሩዓት መካይን 153
ከበድትን ፎኮስትን ትራንስፖርት መካይን 3000
ኤም ኣይ ሄሊኮብተር ቁጽረን ዘይተፈልጣ
ኣንተኖቭ ቁጽረን ዘይተፈልጣ ሚግ 21ሚግ 23 ቁጽረን ዘይተፈልጣ:ብወገን ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ተጋዳላይ ብ በራጊድ :
ብርጌድ 4
ብርጌድ 23
ብርጌድ 31
ብርጌድ 44
ብርጌድ 51
ብርጌድ 58
ብርጌድ 70
ብርጌድ 77
ብርጌድ 80
ቦጦሎኒ 75
ብርጌድ97
ሓደ ቦጦሎኒ ክፍሊ ሃንደሳ
ኣብ ነፍስወከፍ ብርጌድ ሓንቲ ጋንታ ስለያ
ኣብ ነፍስወከፍ ብርጌድ ሓንቲ ዶሽካን ሓንቲ ብቴንን ዝሓዘት ጋንታ
ኣብ ሓንቲ ቦጦሎኒ ሓንቲ ብ15 ሰባት ዝቆመት ስለላ ምስ ናይ ጸሌኢ ክዋዳደር ዝክኣል ኣይኮነን::
ሃገርና ብኸቢድ መስዋእትን ስንክልናን ምብትታን ስድራቤታትን ብረዚን ዋጋ ስለዝረኸብናያ። ንምዕቃባ ሓላፍነት ናይ ኩላትና ኢዩ: እዚ ጽሑፍ እዚ ካብ ናይ ደርጊ ወታሃደር ኣየር ወለድ ንስክላ ካብ ምድምሳስ ናቅፋ 1977 ዘምለጠ ድሓር ኣዛዚ ኣየር ወለድ ክፍለጦር ኮይኑ ንብዙሕ ዓመታት ዘገልገለ :
የጦር ሜዳ ውሎ
ብ ብሪጋደር ጀረናል ተስፋዮ ሃይለማርያም :
እንተ መቂራትኩም ኣብ ዝቅጽል ክጽሕፍ ኢየ:
ዘልኣለማዊ ክብርን ሓበንን ንስውኣት     


Part 4


ብምኽንያት 20 ሰነ በቲ ድሩት ዓቅመይ ካብ ዝኽርታተይ ወስ ክብለኩም :
ኣሃዱና ነፍስወከፍ ሓይሊ ብዓወት ዕማምና ዛዚምና ኣብ ብሊቃት ተራኺብና ነንሕድሕድና ናይ ዓወት ሰላምታ ተላዋዊጥና ናብቲ ካልኣይ ሸቶና መረሽና:
ጸላኢ ኣብ ራሕባን ፋሕን ኣብ ጎቦ ኦምጅሓይ ዓረደ ንሕና ግን ናብቲ መጀመርያ ዝተበገሰሉ ቦታ ክንመልሶ ነይሩና :እታ ዝነበርክዋ ሓይሊ ጉዕዞና ናብ ታባ ኦምጅሓይ ነበረ ታባ ኦምጅሓይ ናይቲ ከባቢ ገዛኢ ቦታ ኰይኑ ስትራተጅካዊ ጎቦ ኢዩ።
ሓይልና ነቲ ኣብ ልዕሊ ብሊቃት ዘሎ ዝተኣሳሰረ ጎቦታት ንጸላኢ እንዳ ኣጥቃዕና ዓይኒ ቀቅድሚ ምሓዙ ኣብታ ጎቦ ኦምጅሓይ ደየብና :ሓይሊ 32 ንጸላኢ እንዳኸብከበት ንፋሕ ተቋጻጸረት ሓይሊ 33 ካብ ቲ ዘለናዮ ናብ ጎላጉል ንጸላኢ እንዳኸብከበት ኣብ ማዕሬና ዘሎ ስብርባር ኰጀጅት ሓደረት :ጸላኢ ካባና ናይ 300 ሜተር ርሒቁ ኣብ ማዕሬና ዘሎ ጎቦ ሓደረ:ንግሆ ሃጂምና እቲ ናይ መጠረሽታ ዕርዱ የሕዲግና ናብ ጎላጉል ፋሕፋሕ የእቲና ዘረውናዮ:
ጸላኢ ታባ ኦምጅሓይ ከምልስ ምሉእ ምዓልቲ ክትሃላለኽ ክሃጅም ውዒሉ ብየማንና ዘሎ ስብርባር መሬት እንዳመጠጠ ልክዕ ስዓት 8 ናይ ምሸት ኣዝልቁ ዝብል ትእዛዝ ተማሓላለፈ:ግብ ዝበለ ጸላም ዓይንና ዘንቁረና ዘይንርኢየሉ ውግኣትና ተሰኪምና ንድሕሪት ኣዝሊቅና :ኣብ ሰንሰለታዊ ጎቦ ናይ ፋሕን ብሊቃትን ራሕባን ዓረድና:ታባ ኦምጅሓይ ልዕሊ ሰለስተ ግዜ ዝኸውን ንጸላኢ ደፊእና ሓዝናያ :ናትና ብልጫ ቅልጣፈን ምትዕጽጻፍን ስለዝነበረና ንጽላኢ ዛሕዛሕ ኣበልናዮ: ብወገን የማንና ናይ ብርጌድና ካልኣይቲ ቦጦሎኒ ኣብ ጀዛን ዝተባህለ ጎቦ ትንፋስ ዘይህብ ብርቱዕ ውግእን ምርብራብን ገበረት:እቶም ጦር ብዙሕ ኤሌትሮኒክ ንብረት ስለዝርከቦም ጀዛን ዝብል ስም ኣጠሚቆምዎ:

ስዓት 5 ወጋሕታ ጸላኢ ፋሕ ንምሓዝ ብሙሉኡ ኣርብጂታትን ከበድቲ ብረታትን ገይሩ ንሓይሊ 32 ስጋብ ስዓት 9 ናይ ንግሆ ተዳጋጋሚ ህጁማት ገይሩ ክሰልጦ ኣይክኣለን :ጸላኢ ብጎላጉል ነቲ ግንባር መጢጡ ድሮ ምስ ግንባር ናቅፋ ሓወሶ:ድፋዕና ንኻልኦት ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ኣረኪብና ክይድ ውዒልና ናብ ከባቢ ናሮ ተገምገምና :
እቶም ገባር ኣብ ትግሰን ናሮን መፍገር ገሊልን ንፈልጦም ኣብኡ ረኸብናዮም :ጸላኢ ገለ ስድራቤታት ስለዝቀተለሎም ኣብ ሓዘን ጸንሑና :ንዓና ምስርኣዩ ተሓጊሶም ማይ ብደልምታት ቀሪቦም ጎሮሮና ኣጥለሉና :ንጽባሒቱ ቁሩብ ተጓዒዝና ተጋደልቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ረኸብና እቶም ኣብ ባርካ ኣብ ጎድንና ምሳና ዝዋግኡ ዝነበሩ ድሮ ናብኡ መጺኦም ምስ ጽላኢ ክጫራገፉ ጸንሑና:በዚ ኣጋጣሚ ሰራዊት ወያነ ዝኣክል መስዋእቲ ከፊሉ ንድሕነት ስውራናን ህላዌናን ክምስገን ይግበኦ::
ናትና ዕማም ንጸላኢ ኣብ ክልተ ተርጊእካ ንሰሜናዊ ምብራቅ ሳሕል ንምድፋእ ኢዩ :ንጸላኢ ኣብቲ ስብርባርን ዓበይትን ኣኽራናት ርክባቱ በቲኽና ነጸልናዮ :እቲ ቅርጺ ኩናትኣብ ገለ ቦታታት ገለ ናይ ጸላኢ ኣሃዱታት ብድሕሬና ገዲፍናየን ነቲ ዝበዝሔ ሓይሊ እንዳደፋእና ናብ ጎላጉል ግራት ኣተና :በዚ ብዙሓት ባዕላቶም ኢዶም ሂቦም ተማረኹ:ብኣጣቃላሊ ጸላኢ ሰለስተ ግዜ ምስ ግንባር ናቅፋ ሓዊስዎ ሰለስተ ግዜ ከብኪብና ናብቲ ዝነበሮ ቦታ መሊስናዮ ኣብዚ የህላኺ ኩናት በብምዓልቱ ብእንኸፍሎ መስዋእቲን መውጋእትን ተካኢ ስለዘይብልና ቁጽርና እንዳውሓደ ማዕረ ማዕረ ጸላኢ እንዳተዳኸምና ኣብ ንኸደሉ ዝነበርና እዋን እቲ ቅዲ ኩናት ክቅየር ነይርዎ::
ጸላኢ ብዝኾነ ዋጋ ናቅፋ ክሕዛን ንዓና ክድምስሰናን ደጀንና ክቋጻጸርን ኣይክኣለን:ንሕና ኽኣ ንዳኸም እንበር ካብዘን ጎቦታት ከምዘይደፍኣናን ኣረጋጊጽና :ኣብ ውሽጢ ውግእ ህጹጽ ኣኼባ ገበርና :ውድባዊ ሰርኩላ ተነበበልና ድሮ እቲ ኲናት ሳልሳይ ወርሑ የሕሊፉ ብወግዒ 6ይ ወራር ፈሺሉ ስለዘሎ ደድሕሪ ዝተጸለለ ስርዓት ምጽላል ኣየድልየናን ቀዋሚ ድፋዕ ክንሕዝ ኢና ዝብል መምርሒ ውድብና ተነበበልና :ገምጋም ናይቲ ኩናት ርኢቶታትኩምን እንታይ ኢዩ ዝብል ነበረ :ቁጽርና ብጣዕሚ ውሒዱ ኣካላትና ብዋሕዲ መግብን ማይን ብዋሕዲ ድቃስን ጽምልዩ :እቲ ንሓደ ጎቦ ክነጥቅዖን ክንሕዞን ኣብ ውሑድ ስዓታት ንቋጻጸሮ ዝነበርና ብዙሕግዜ ክወስደልናን ኣብ ገሊኡ ምስላጥ ክኣብየናን ጀሚሩ ስለዝነበረ ገለ ሓለፍቲ እውን ብዘይካ እቶ ዝብል ትእዛዝ ምትዕጽጻፍ ዘየፍቅዱን ዝበልክዋ ክትከውን ኣለዋ ኢሎም ንኸምኦም ሓላፊን ተጋዳላይን ዝፍክሩን ዝድህሉን ሙርኡያት :ክቅልቀሉ ስለዝጀመሩ:
ተጋደልቲ ውድብና ኣውጺእዎ ዘሎ ስትራተጂ ምሉእ ደገፍና ገለጽና: ነዚ ሓድሽ ስትራተጂ ንምትግባር ጴጥሮስ ሰሎሙን ብኣካል ተረኺቡ ናብ ሓለፍቲ ትእዛዝ ኣመሓላሊፍ ሓድሽ ናይ ውግእ ኣታሓሕዛ ካርታ ኣቅረበ:
ስትራተጃዊት ታባ 10001 (ታባ ሓበን)
ወሳኒት ስትራተጂያዊት ጎቦ ቀዋሚት መካላኸሊትና ኰይና ድሮ ሓይሊ 32 ናብቲ ጽጋማይ ጸዳፍ ጎድና ንደብዓት ዘገምግም ዓረደት :ሓይሊ 33 ምስ ሓይሊ 32 ኣሲራ ኣብታ ቀንዲ ጎቦ ወሳኒ ስትራተጂ ዓረደት ሓይልና 31 ኣብ ከባቢ ሸመር ኣድግ ዘሎ ደብረ እብን ዓሪዳ ካብ ክልቲኤን እዘን ሓይልታትና ኣትየንኦ ዘለዋ ስትራተጅያዊ ጎቦ 10001 (ታባ ሓበን)ቅያር ክትጠባበቅን ካብ ናይ ጎድናዊ መጥቃዕቲ ክትከላኸልን ንጸላኢ ኣብ ታባ10001 (ታባሓበን)ጽቅጢ ከውሕድ ኣብ ከባቢ ሸመር ኣድግ ምስ ጸላኢ ክትታኻቶኽን ኣንፈት ናይቲ ኩናት ክትቅይርን :
ታባ10001(ታባ ሓበን)
ሓይሊ 33 ናብቲ ታባ ደይባ ናይ መጀመርያ ቀዋሚ ድፋዕ ሓዘት ታባ 10001 (ታባ ሓበን)ዓረደት ግን ሂወት ዘለዎ ፍጡር ብሂወት ዝተርፈላ ቦታ ኣይትመስልን :ቢኤም 21 ፋሉል ወንጫፊ ሮኬትን130 mm ጀረናል መድፍዕን 122mm:መድፍዕ 85mm :መድፍዕ76 mm መድፍዕን 120mmሃውን 81-82mmሃውን ብነፈርትን ብመዳፍዕን እቲ ቦታ ተቃጺሉ መሬት ተናዊጹ ሰብ ፍጡር ካብቲ ቦታ ክወጽእ ዘይሕሰብ ኢዩ :ካብ እንዳ ሓሰር ብብዝሒ pkm ብሬናትን :ቀጭሕርሙ ስናይፐር እንዳተተኰሰላ ሓይሊ 33 ክቡር መስዋእቲ ከፊላ ሓደ ምዓልቲ ተኻላኺላ ተዳኺማ ረዳት ሓተተት ::

እቶም ቅድሚት ሓሊፍና ምስ ጸላኢ ክንጓየ ዝውዓልና 11 ሰባት ዓይኒ ምስ ሓዘ ናብ ሓይልና ናብ ደብረ እብን ደየብና መግብን ማይን ቀሪቦምልና እንዳበላዕና ተበገስ ዝብል ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ምስ ድኻምና ተበጊስና በቲ ግብ ዝበለ ጸላምን ኣጻድፍን ናብ ታባ 10001 (ታባ ሓበን)ደየብና: እቶም ዝጸንሑና ተጋደልቲ ኣጆኹም ኣብዚ ትሕቴና ኢየን ዘለዋ ኢሎም እርይ ቁጽር ኣቢሎም ካብየናይ ምኣዝን ጠያይት ከምዝመጽእን በየን ሸነኽ ነብስና ዓቂብና ከምንካላኸልን እኹል ሓበሬታ ሂቦምና ናብቲ ንሕና ዝነበርናዮ ቦታ ተሳናበቱ :ኣብቲ ቦታ ክልተ ኣባላት ሃንደሳን ክልተ ስለያን ንቅድሚት ሓሊፎም ኣብቲ ጸድፊ ፍንጅታት ቀቢሮም ተመልሱ :
ኣብቲ ቦታ ምድቃስ የለን ጸጸኒሑ መዳፍዕ ይዘንበና ንመካላኸሊ ድፋዕ ዝኸውን የእዋም ክቆርጹ ዝተላእኹ ብደብዳብ ዝበዝሑ ተሰዊኦምን ተወጊኦምን :መግብን ማይን የለን ማይ ብኣግማል ይመጽእ ጸድፊ ስለዝኾነ ክድይብ ኣይተኻእለን: ጸላኢ ልክዕ መበል ካልኣይቲ ምዓልቲ ስዓት 4ድሕሪ ቀትሪ 60ደቂቅ ትንፋስ ዘይብሉ ደብዳብ ገበረ :ምሸት ምሳና ኣሎ እንዳበልናዮ ሓደ ወዲ መስርዕና ኢዱ ናብ ጸላኢ ሂቡ ድሮ ሞክርፎን ገይሩ ኣነ እገሌ ይብሃል ኢሉ ኢድና ንኽንህብ ዓዲሙና::ጸላኢ ጽቡቅ ዝኾነ መዛናግዒ ሙዚቃ ገይሩ ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት ኢድና ተዘይ ሂብና ነቲ ዓሪድናሉ ዘለና ጎቦ ናብ ጎልጎል ክቅይሮ ሙኻኑ ቃል ኣቲዩልና ፈከረ :እቲ ዲጀይ Dj ኣብ መንጎ እዚ ዝትኰሰኩም ዘሎ ቦምብታት መባራበሪ ኢዩ ደኺምኩም ስለዘለኹም መልእኽቲ ብጉቡእ ምእንቲ ክትሰምዑ ጸጸኒሕና መባራበሪ ክንገብረልኩም ኢና ኢሉ ሓጨጨልና: እቲ ድጀይ Dj :ወለዶ መራሕትናን ቁጠባዊ ትሕዝትኦምን ብዛዕባ እቲ ሕንቁቅ መናባብርኦምን ንሕና ተታሊልና ሙኻንናን ኣብዮት ምሕረት ከምዝገብረልና ተማባጽዐ:

መሬት ወጊሑ ጸጥታ ሰፊኑ እቲ ዘለናዮ ጎቦ ብዙሕ ደም ዝፈሰሶ ስለዝኾነ ብጾትና የእጋሮም ንደገ ወጺኡ ብግቡእ ኣይተቀብሩን ኣፍራዛን ባዴላን ጌርና ንገሊኦም ግቡእ ጌርና ቀበርናዮም :ደብዳብ ጸላኢ ልክዕ ስዓት 4ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ን45 ደቂቅ ቀጺሉ መሬት ኣብ ጸላም ተቀይሩ :ዓይኒ ምስሓዘ ምእንቲ ከይንድቅስ 81-82mm ብዘይ ዕርፍቲ ክትኰስ ሓዲሩ ገሊኦም ብጾትና እቲ ቦንብ ናብ ነብሶም ይዓልብ ተማታቲሮም ኣብ ጥሑን ስጋ ይቅየሩ ነይሮም :ኣነ ድፍዔይ ኣብታ ጥርዚ ኰይና ነተን ክልተ ጋንታታት ኢየ ብጎድኒ ዝወቅዓለን ኣብታ ጥርዚ ቡንባ ኢድ ሒዝና ኣነን ስውእ ስባህቱ ወልዱን ስዓት 5 ወጋሕታ ካብ ጎላጉል ዝውንጨፍ ሮኬታትን ቦምብታትን ትንፋስ ዘይህብ ደብዳብ ንከባቢ 45ደቂቅ ዝኸውን ተደብዲብና ኣብ ድፋዕ ተወጊኦም ብርቱዕ ቃንዛን እህህታን ኣውያትን ዝገብሩ ዝቅንዘውን ብጾትና :ኣጆኻ ስንኻ ንኸስ ዝብል ድምጽን ቁልፍ ወይ ዕንጨይቲ የንክስዎም ቃንዝኦም ዝጽወር ኣይኰነን:ጽላኢ ካብታ ዘለናያ ጥርዚ 20 ሜትሮ ምስ በጽሔ ሓደ ሓላፍ ሓባሪ ገምበል ቶኪሱ ጎበዘ ተጠግቻለሁ ኢሉ ንመራሕቱ ሓበሮም ብዓይንና ንርኢዮ ብእዝንና ንሰምዖን ነበርና : ስባህቱን ኣነን ከክልተ ቡንባ ኢድ ወቲፍናለን ጥይት ቶኽሲ ጀሚርና እቲ ከውሒ ክኳዓት ጀሚሩ ብጠያይቲ :ምሳና ናይ 4 ሜትሮ ዝትኩስ ዝነበረ ስውእ ሃብተማርያም ቁጠባ ብቀጭ ሕርሙ ርእሱ ተሃሪሙ ኣየምለሰን :መሬት ወገግ ክብል ከሎ ድሮ ቡንባ ኢድ ክውትፋልና ጀሚረን :መራሕ ጋንታና እተን ኣብ ብዓቲ ዘለዋ ቡንባ ኣምጽኣየን ኢሉኒ ነተን ቡንባ ናይ ኢድ ዝሐዘት ሳንጣ ሒዘ ናብኦም ምስ ቀረብኩ እዛ ጸላኢ ዝወርወራ ቡንባ F1 ኤፍ ዋን ንመራሕ ጋንታና ስውእ ኣስገዶም ስምኦን ምስ ስውእ መንግስትኣብ ኣርኣያ (ወዲ ብርጅዋን )ኣብ ማእከሎም ኣትያ ናብ ሰማይ የዕሪጋ ናብ መሬት ቁንቁል ኣፎም ተደፍኦም ክስሓጉ ጀሚሮም:
ንመራሕ ሓይልና ስውእ ሙሴ ዘካርያስ ታሃሪሞም ኣለው ኢለ ሓቢረዮ ንስኻ ሓዛ እታ ቦታ ኢሉኒ ራድዮኡ ብጸጋማይ ኢዱ ሽጉጥ ብየማናይ ኢዱ ሒዙ ምስቶም ዝሳሓጉ ዘለው ብጾተይ ተንበርኪኸ ብትእዛዝ ወዲ ዘካርያስ በብሓደ እተን 14 ናይ ኢድ ቦንባ ወስኸላ ኣጉድለላ ልክዕ ኣላ ዝብሉ ካብ ርሑቅ ብዝተረኽበ ሓበሬታ ደርበኽወን:

ጸላኢ ቡንባ ኢድ ክድርብየልና ጎቦ መሊሳ ብጸሊም ትኪ ተዓብሎኸት ብጸጋመይ ዝትኩስ ዝነበረ ስውእ ጆኬር ኣብ ርእሱ ተሃሪሙ ኣየምለሰን ስውእ ተኸስተ ጎይትኦም ብቀጭ ሕርሙ ክሳዱ ተወጊኡ ኣየምለሰን ስውእ ስባህቱ ብቡንባ ኢድ ተወጊኡ :ስውእ ሃይለ ርእሱ ተሃሪሙ ናብ ጸድፊ ኣንከራረወ ጸላኢኣብ ድፋዕና ኣብ ነብስና ይወድቅ ነይሩ ቴንሽን ዘይብሉ ናይ ምትሕንናቅ ውግእ ነፈርቲ ጃንጥላታት ቡምባ ፋሽሽቲ ከም ማይ ኣዝነባልና እታ ጎቦ ነዲዳ ጥቃን ጥቃን ከምዘይርኤኤ ኬንና ኣብ ሰይጣን ተቀይርና ወይከ ምንቅ :ጸላኢ ረብሪቡ ሬሳ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ኰይኑ ዘፍ ኢሉ :ስዓት ኣርባዕተ ድሕሪ ቀትሪ ሓንሳብ ትንፋስ ረኺብና ንስውኣት ብጾትና ጉድጓድ ኩዒትና በብድርብ ቀበርናዮም :ዓይኒ ምስ ሓዘ ነቶም ውጉኣት ናብ ሕክምና ልኣኽናዮም ኣብታ ቦታ ሓደ 5 ምዓልቲ ጌርና ንኻልኦት ቀይርና ናብ ደብረ እብን ግዓዝና :ነታ ናይ መጠረሽታ ጓለይ ንዝኽሪ ናይቶም ኩሎም ብጾተይ ዝቀበርኩላ ጎቦ 10001 (ታባ ሓበን)ስማ ሓበን ኣውጻእኩላ: :

እቶም ሰራሕቲ ትያትር ናይ ህግደፍ ከም ምስ ሓደ ዘይረብሕ ጸላኢ ንዋጋእ ዝነበርና ገይሮም ፍልምን ትያትርን ክሰርሑ ክርኢዮም ከለኹ ነቲ ዝፈጸምናዮ ጅግንነት የፍኩሶ ጸላኢና ብኹሉ መለኪዕታት ሓያልን ብርቱዕን ነይሩ ግን ሓያላት ህዝቢ ረኺቡ ኣብ ዘይ መሬቱ ከይዱ ዝስዓረን ንህዝቢ ዘንበርከኸን ስለ ዘየልቦ ኤርትራውያ ባንዴራና ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣንበልቢልና ተዓዊትና።
ሎሚ ድሕሪ እዚ ኩሉ መጋርያ ውግኣት የሕሊፍና ገድልና ንምዕባዩ እጃምና ዘበርከትና ተረፍ እቶም ስውኣት ብጾትና ገሊኣ ተኣሲራ ገሌና ዓድና ምእታው ከልኪሎሙና ብእልፍ ደቂእራይ ምራይ ሓንቲ ዘየበርከቱ ዓዶም ኣይፍለጥ ዓውዶም ኣይፍለጥ ክንጓነን ክንዋረድን ከለና ኣንታ ኣምላኽ ነዚ ክፋእ ክንርኢ ዲኻ ዓቂርካና ይብል እሞ ንበይነይ ፍሽኽ ይብል ሕጂ ድኣ ቀሪብና እንዲና ዓድና ክንምለስ ኢለ ይሕጎስ።
ኢዮብ በይን ኣስፍሃ (ጎጀላ)
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ሓበንን ንጀጋኑ ስውኣትናስ
 

Abede Tesfay

ምድሪ ዘይውድቕ ታሪኽን ኣተራርኻን፡ናቕፋ ንምሓዝ ጸላኢ ንሓይልታትና እናመጠጠ ክበስዕ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ህልኽ ኲናት ክሳብ ክንደይ መሪር ምንባሩ ኣብዚ ዓይነይ ይሰኣለኒ፡ኣውራ ድማ እቲ ቦታታት ኣጸቢቐ ዝፈልጦ ምዃነይ፡ኲናት ዝወስዶ ዝነበረ ሂወት ውፊያት ፡ምስ ዘይመጣጠን ዓቕሚ ሰብን ዓቕሚ ኣጽዋር፡ምስ ክፉእ መነባብሮ፡ተመሲሕካ ዘይትድረረሉ ዝነበረ ግዜ ዋጋ ናጽነት ክሳዕ ክንደይ ክቡር ምንባሩ ንግንዘብ፡ካብ ብሱል ጥረ ነዚ ከተዘንቱ ምብቃዕካ ዘሐጉስ እዩ ጎጀላ ኣቦ ሓበን።
ኣማን ተኽላይ ኣድሓኖም
ብጥዕሚ ይቀንየልና ኣያና ኢዮብ ናይብሃኪ ኩሎም ከምዛናትካ ጌሮም ነቶም ዝተሰዉኡ ብጾቶም እንተ ዝጽሕፉሎም ምስ ፡ዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ወለዶ እቲ ታረኽ ምተሰነደን ናብ ካሊእ ፊልምታት ምማዕበልአ ደጊመ ይቀንየልና ።
Zezi Tesfaldet
ክርድኣኒ ኣይክኣለን ማዕረ ማዕረ እቲ ጽሑፍ ምንባበይ ኣብ ህልም ዝበለ ሓሳባት ተዋሒጠ ይምርሽ ! ምቁር ግን ክኣ መሪር ዛንታ ኣላ እናበልክዋ ክትውዳእ ኣይተፈለጠትንን ! ዛንታ መሪር መስዋእቲ ዛንታ ከቢድ ሕድሪ ዛንታ ጅግንነትን ቅያን ዛንታ ገድልን ገደልን ! ኣብዛ መራር እዋንን መሪር ድኻም መስዋእትን ዝነበራ ግዜን ታባን ክትትርኸልና ዝጸናሕካ ኣያና ኢዮብ ፥ ኩላቶም ስውኣቶምን ውግኣቶምን ደቂ … 
Kidus Michael
ተስተውዕልሉዶ ኣሎኩም
ሓደ ቀቢላ like comment ዝገብር ዘየለ
ኣብቶም ኣብዚ ጽሑፉ ዘሎዉ ካኣ ኮምኡ
ብሌን ዓይነይ
የቀንየልነ ኣያና ኢዮብ ወዲ ጎጀላ ሕማቅ ኣጋጣሚ ረኺብኩም,ነዓና ንደቅኹም,ውን,ኣርኪብልና እሱ እቲ ክንደይ ከርተትን ህኮትን,ብዘይዕረፍቲ ውግእን ፡ኩናትን እካ ሓሊፍኩሞ ሕጂ ውን ዝቀለለ እዩ ዝተርፍ ዕድመን ጥዕናን የሃብካ!!!!

Yohannes Tseggay Berhe
ልዕሊ ኹሉ እቲ ደቀቕቲ ዝርዝራት ናይ ምዝካር ተኽእሎኻ፡ ኣብ ርእሲ'ዚ ካልኦት ብጾተይ ዝጠቐሱዎ፡ ኣዝየ አድንቐካ።
ምስ ምንዋሕ ዓመታት፡ ኣብ መብዛሕትና፡ እቲ ተዘክሮ ናይ ዝርዝር ኣስማትን ዕለታትን እናሃሰሰ፡ ሓፈሻዊ ስእሊ እናተረፈን ኢዩ ኸይዱ።
ብኸምዚ ናትካ፡ ኩሉ ዘዝኽርታቱ እንተዝምዝግብ፡ ታሪኽና ኣብ ምዕቃብን ንሓድሽ ወለዶ ንምትሕልላፍን፡ ከም ኣውራ መወከሲ (PRIMARY SOURCE OF … 
See more

 Fishalezion L Baire
ጅግና ኣያና ኢዮብ ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ።
ከምዚ ገርካ ታሪኽ ምጽሓፍካ ነዚ ወለዶ ምስ ሰማእታት ዝያዳ ብመንፈስ ዝራኸብሉ መድረኽ እሚኻ ትፈጥረልና ዘለኻ።
ኩሉኹም ጀጋኑ ኣቦታትና ከም ሰራዊት ንጉስ ዳዊት ቁዱሳትን ምሩጻትን ኢኹም ንዓና። … 
See more

Mateos Zelalem
ሕዋሓት(ወያኔ) ብዘይካ ኣብ ምድምሳስ ጀብሃን፡ሻድሻይ ወራርን ኣብ ካልእ ምስ ህዝባዊ ግምባር ብሓባር ዝሰርሕዎ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣሎ ዶ?

Abraham Araya
ሓርበኛ ተጋዳላይ ኢዮብ የቐንየልና: ወርቃዊ ታሪኽ ኤርትራውያን ጀጋኑና ተሪኽካልና:: ኣብቲ ውዕሎ ጀጋኑ ተጋደልቲ ህሰሓኤ ብኣካል ስለዝወዓልካዮ ዝነበርካዮን ድማ ኣዚዩ ብሉጽን ህያውን ይገብሮ:: ንኽትስንዶ ድማ ይላበወካ::

ይበል ኣቃራርባን ኣጻሓፍን ኣጣቓቕማ ቃላትን፡ ታኣምር ዝኾነ ታሪኽ ኤርትራውያን ተጋደልቲ መስተንክር'ዩ ንኽትኣምኖ ዘጸገም ግን ድማ ተፈጺሙ ብሓቂ ታሪኽ ብታሪኹ መደርግቲ ኣልቦ ታሪኽ፡ ዘላእለማዊ ዝኽርን ሓበንን ንሰማእታት ኤርትራ።
Bisrat Ghebremariam
ኢዮብ ጎጀላ ታሪኽ ክረትዕ እንከሎ ከምዚዩ ፡ ኣነ ዝገርመኒ ግን ዋላ ንገለ ዝተሰውኡ ብጾት ባዕለይ ዘሕልፎ ዝነበርኩ ኣስማቶም ሎሚ ምዝካር ወንጃእ ይብለኒ ከመይ ዋላ እቲ ኖርማል ዘረባ ትዝክሮ ግን ክፈልጥ ኣይካኣልኩን ።
ሓደ ነገር ግን ብግልጺ ክዕዘብ ኪኢለ መንእሰይ ታሪኽ ዝነግሮ ሲኢኑ እምበር ኣንፈት ከምዘየጥፈአ ክዕዘብ ኪኢለ ምኽንያቱ ገለ ንኣሽቱ የሕዋትና ሕሉፍ ሓሊፎም ኣነ ወያነ ክጽሕፉ … 
See more

ብርሃነ ወዲ ጽሃየ መን ኢዩ??


ብዙሓት ብርግጽ እዚ ብሪጋደር ጀረናል ብርሃነ ጽሃየ ይመስለኩም ይኸውን ንሱ እውን ድሕሪ ኢሳያስ ፍላንሳ ምቅያሩ ናብ ብርጌድ 58 ንሱ ኢዩ ኣዛዚና ኮይኑ ተመዲቡ።
እዚ ሕጂ ዘዕልለኩም ብርሃነ ወዲ ጽሃየ ወዲ ኳዜን ካርነሽም ዱልዱል ጎበዝ ብቡርኩታ ለጋዕን ድንሽን ዝዓበየ ወዲ መስርዔይ ዝነበረ ኢዩ:

ወዲ ጽሃየ ኣብ ብርጌድ 23 ክንድኡ ዝኣክል ንኽራር ዝመልኽን ዝቃንን ብፉጽም ኣይነበረን ጋንታና እታ ብጓይላ ዝተፈልጠት ጋንታ ኢያ ነይራ ኣብ ጋንታና ዋላ እቲ ኣብ ሂወቱ ሳዕሲዑ ዘይፈልጥ ኣብ ሓጺር ግዜ ክቋጻጸን ተወደብ ክስዕስዕን የሕንክሰኒ ወዲ ጽሃየ ሓወይ ዘይብልን ኣይነበረናን ስውእ ኣቦይ ተስፋይ በየነ ዝብሃሉ መራሕ ጋንታና ናይ ሓረካ ኣባል ምንባሮም ዘዘንትው ድሓር ጀብሃ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኳላ ድሕሪ 15 ዓመት ዝተፈትሑ ይኣኽለኩም ድፋዕኩም እተው ክብሉን ሕራይ እዚኣ መወዳእታ ኢያ እንዳበልና ክንስሕቅ። ወዲ ጽሃየን ወዲ ትኹልን ብሓንሳብ ኣብ ቀብርውኦት ናይ መጀመርያ መርዓ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ኣዛዚ ከቢድ ብረትን ፍስሃየ ልደገብርኤል ከምዝተጻወቱ: ሽዕኡ ይዝከረኒ ወዲ ትኹል ጽቡቅ ጎሮሮ ከምዘለዎን ምሉእ ነብሰተኣማመንነት ከምዘለዎ ግን ክንዲ ወዲ ጽሃየ ንክራር ከምዘይመልካን ወዲ ጽሃየ ሓፋር ምንባሩን ጓይላ ወዲ ጽሃየ ክዕምር ኣለዎ ጨብረቅረቅ ተኾይኑ ጣቂዒት :እንታይ ኣሳትያ ኸልቢዩ ኢሉ ጠንጥን ኣቢሉና ኢዩ ዝኸይድ::

ብርሃነ ወዲ ጽሃየ ስድሩኡ ርኹባት ሓረስቶት ኮይኖም ብንእሽቱኡ ኣብ ባሕሪ ምስ ኣቡኡ ኮይኑ ክራር ከምዝለመዳን ኣቡኡ ክራር ከምዝኽእሉን የዕሊሉኒ: ኣታ ምሳር ቅጫ ንዓስከ ክምህረካ ይብለኒ ኣነ ግን ምስዕሳዕ ተዘይኮይኑ ክራር ኣይፈተንኩን:
ወዲ ጽሃየ ኬብ ምሃይምነት ናብ 5ይ ክፍሊ ሓሊፉ ሓደ ምዓልቲ ኣብ ባርካ 1981 ጸላኢ ንሆሚብን ሓመላይትን ተቋጻጺሩ ጸረ መጥቃዕቲ ብምፍናው ካብ ደብረኣናስ ጀሚርካ ጸራረግናዮ: ኣነ ካብታ ጋንታይ ካብዝቅይር ናብ ካልእ ጋንታ ዓመታት ኣቁጺረ እኳ ተኾንኩ ድሕሪ ውግእ ድሃይ ናይቶም ናይ ቀደም ኣዚየ ዝፈትዎም ደቂ ጋንታይ ክገብር ናብታ ጋንታ ዘወር ይብል ነይረ ወዲ ጽሃየ ኣብ ሆሚብ ኣብትሕቲ ዕሙር ዓርኮብኮባይ ኣብ ሰለፉ ጥራዝ ኣተርኢሱ ድንን ኢሉ እንዳጽሓፈ :ኢሂታ ወድ ጽሃየ ምሃይምነት ኣርኪበካዶ ትብል ኣይነበርካን ይብሎ ፍሽኽ ኢሉ ብኢዱ ኣብጥቅኡ ኰፍ ክብል የመልክተለይ:
ኮፍ ኢለ ድሓን ዲና ይብሎ እወ ድሓን ኢና ግን ብዓል ሰፍኣ ዘለዎም ተሰዊኦም ናቶም ጸብጻብ ኢየ ድጽሕፍ ዘለኹ ኢሉኒ:
እወ ግርማይ (ሰፍኣ)ወዲ ዓዲ ናህባይ ኮይኑ እንግድዕኡን ጉብዝንኡን እወ ኣብ ውግእ ዒላበርዕድ ኮምሽነር ጋንታና ነጋሲ ወዲ ኣብርሃ። ሓዲዳ ዓዱ ኔቪ ዝነበረ ማህምቱ ብርቱዕ መስበርቲ ናይ እግሪ ኣጓኒፍዎ ግርማይ ሰፍኣ ጽላኢ ኣይማርኸካን ኢዩ ኢሉ ኣብ ነጸላ ቋጺሩ ኡይ እንዳበለ ብቃንዛ ናብ ገንፈሎም ሩባ ዓንሰባ ኣብጺሑ ውግእ ሞዓሚደ ዘርከበ ጅግና ኢዩ:

ኣብ ምዓሚደ ድሕሪ ውግእ: ናይ ወተሃደራዊ ካርድ ክንስኣል እንዳተቃራረብና :ማንጁስ ንዓናይ ሎምስ ቶጊርካ ምስቶጎሮኻ ክትስኣል ነብስኻ ባዕለይ ኢየ ዝሓጽበካ ኢሉ ብሑጻ ከም ድስቲ ፋሕፋሑ ኣጽርዩኒ። መስዋእቱ ብዙሕ ስቅቅ ኢሉኒ ነብሰይ
ወዲ ጽሃየ እውን ኣብ 1983 ኣብ ግንባር ሓልሓል ጋንትኡ እንዳመርሔ ብጅግንነት ኡ ተሰዊኡ
ሎሚ ንግሆ ክራር ይሰምዕ ነይረ ውቃዕ ወዲ ጽሃየ ቅልጡፍ ኮይኑ ዳርጋ መብዝሕትኦም ቅኒት ደቂ ካርነሽምን ድንበዛንን ሓደ ዓይነት ኢዩ።

 

 

                                                                                                     

The Horn of Africa Research and Knowledge Exchange Platform
The Horn of Africa Research and Knowledge Exchange Platform
© 2010-2016 www.harep.org rkidane@talk21.com Contact:
Please click Here to send your feedback

 

 

 

History & Politics

Ethiopia

Eritrea

Sudan

Somalia