መስኮት ሌላ


ተበርህ ተስፋሁነይ

ቢንያም ዮሴፍ

ሓምለ 1994

(ነዛ ቃለ መጠይቕ ኣብ 1994 ዝጸሓፍኩዋ እያ። ኣብ ህይወት እታ ፍትውቲ ደራፊት ንእሽተይ መስኮት ሌላ ክኸፍት ስለ ዝደለኹ ድማ'የ፡ ነዛ ጽሕፍቲ ከም ዘላታ ከካፍለኩም ዝሕልን ዘለኹ። ጽቡቕ ንባብ እምነየልኩም!!!)

ንተበርህ ተስፋሁነይ ኣብርሃ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ኣፍቃር ሙዚቃ ደኾን ይህሉ፧ ንምናልባት ቁሩብ ቦታ ገዲፍካ፡ እንትርፊ
ብዕድመ ኣዝዩ ንእሽተይ፡ የለን ክትብል ትደፍር ኢኻ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ታሪኽ ዘበናዊ ሙዚቃ ኤርትራ፡ እታ ቦዅሪ፡ ህብብቲ፡ ደራፊት ጓል ኣንስተይቲ ስለ ዝኾነት። እዛ ኣብ '60ታት ንግስቲ ሙዚቃ ዝነበረት ተበርህ፡ ክሳብ ሎሚ ኣብ ፍቖዶ ኣብያተ ሙዚቃ ዝሽየጥን ኣብ ገዛውትን ካልእ መዛናግዒ ቦታታትን ዝስማዕ ልዕሊ ሳላሳ (30) ዘይምኖ ደርፍታት እያ ኣበርኪታ። ነቲ ሽዑ ተዓብዒቡ ዝነበረ ውዕዉዕ
ኤርትራዊ ስምዒት፡ ብሽፉን ግን ክኣ ብዓውታ ኣብ መድረኻት ዳሕዲሓ ሰብ ንበረኽኡ ሃጽ ዘበለት ጥራይ ዘይኮነት፡ ንባዕላ'ውን ሞሮር ወፊራ ብረት ዝዓጠቐት ሰብ'ያ። ኣብ'ዚ ቐረባ እዋን ምስ "ድምጺ ሓፋሽ" ክልተ ጊዜ ቃለ መጠይቕ ጌራ ስለ ዝነበረት ክኣ፡ ብዙሓት ሰባት ሃለዋታ ፈሊጦም ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም። እቲ ብዛዕባኣ ክበሃል ዝከኣል'ውን ዝተወደአ ክመስል ይኽእል'ዩ።

ግዳ እቲ በብመንገዱ ምስ ተበርህ ዝተላለየ ሰብ፡ ማዕረ ኽንደይ እዩ ብዛዕባኣ ዝፈልጥ፧ መቸም፡ ባህሪ ወዲ ኣዳም ክበሃል ይከኣል'ዩ፡ ሰባት ብዛዕባ ናይ ዝኾነ ውሩይ ወይ ህቡብ ሰብ ኩነታት ክፈልጡ ይህንጠዩ እዮም። ንዓይ ክኣ እዚ ውራመ'ዚ ደሪኹኒ'የ ንደቀምሓረ ኽበጽሓ ከይደ። ኣብቲ ባራ፡ "ባር ዓቢ ህድሞ" ኣትየ፡ መንነተይ ገሊጸ፡ ብዛዕባ ህይወታ ከተዕልለኒ ተማሕጺነያ።

"ሕራይ፡" ኢላትኒ ተበርህ፡ ሽጋራ እናወለዐት። "ግን ጌሸ'ንድየ ውዒለ፡ መጀመርያ ጾማ ዓጽየያ ዝኸድኩ ንእሽተይ ድሙ ኣላትኒ፡ ንዓኣ ጸባ ከየስተኹ ፈጺመ ኣይዛረበካን'የ። ኮፍ በል።"

ኣነ ብታህዋኽ፡ ብኣመና ህጹጽ ታህዋኽ፡ ኣብቲ ጥቓይ ዝነበረ ሰድያ ዅድጭ። እታ ናይ መወዳእታ "ኮፍ በል" ዳርጋ
ወትሃደራዊ ትእዛዝ ኮይና'ያ ተሰሚዓትኒ። ንሳ ድሙኣ እናተኸናኸነት ክኣ፡ ነታ ገዛእ ርእሰይ ሓቦ ከስንቕ ተቓሊሰ ሕቶታተይ ኣብ ምድላው ኣትየ።

እታ ቐዳመይቲ ደርፍኺ እንታይ ኔራ፧ ፈለማ እንታይ ተሰሚዑኪ፧ መን ደሪሱልኪ ...ወዘተ ክሓታ ኣይደለኹን። ሃንቀውታይ ካልእ'ዩ ኔሩ። ከመይ ጌራ እያ ኣብቲ ንጓል ኣንስተይቲ ናጽነት ዝነፍግ እዋን፡ ናጽነታ ዓቂባ፧ ከመይ ጌራ ዝማእማኣ ፈጺማ ተዓዋቲት ኮይና፧ ንእስነታ ብኸመይ ኣሕሊፋቶ፧ ህይወት ንዓኣ ሕያወይቲዶ ኔራ ጨካን፧

"እ-ህ-ም..." ኢላ ተበርህ ርእሳ ነቕኒቓ፡ ድሙኣ መጊባ ኮፍ ኢላ ኸተዕልለኒ ምስ ጀመረት። "ኣተዓባብያኺ ከመይ ኔሩ ዲኻ ዝበልካ፧ ... ሕማቕ! ኣቦይ ጓል ዓመት ደርብዩኒ፡ ኣደይ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ደርብያትኒ። ካልእ እንታይ ደሊኻ፧"

"ኣይተረድኣንን ተበርህ፡ ከመይ ማለትኪ'ዩ ምድርባይ፧" ሓቲተያ ጋን ኮይኑኒ።

"ምድርባይ ኣይትፈልጥን ዲኻ፧ ባስታ ደርብዮምኒ ይብለካ'ለኹ ... ደርብዮምኒ ..."

ተበርህ ሽጋራ ወሊዓ ትኪ ኸተእቱን ከተውጽእን ንገለ እዋን ዝን ኢላ። ኣነ ከዕገርግራ ኣይደለኹን። ዋላ ክትዅትዅ እንተ ዝደሊ'ውን በየናይ መኣዝን ከም ዝጅምር ኣይፈለጥኩን። ሽዑ ብኡነት፡ ኪደለይ ውጸለይ፡ ከይትብለኒ'የ ፈሪሐ ኔረ። ስለ'ዚ ኣነ'ውን ንገለ እዋን ኣስቅጥ ኣቢለ። መወዳእትኡ ግን ሽግራታ ኸተዕልለኒ ጀሚራ። ፈለማ ምስ ብዙሕ ሰጋእ መጋእ፡ ድሓር ግን ከም ውሕጅ ብዘይ ምቍራጽ። ምስ ብትኩዝ ፍሽኽታ ዝበርህን ብእምብዛ ምጽዋግ ዝጽልምትን ገጽ።

ተበርህ ተስፋሁነይ ኣብ ሃዘሞ እያ ተወሊዳ። እምባ ብዳሓን፡ ጋብር ኮኾባይ ኣብ ዝበሃል ዓዲ። ጓል ዓመት ህጻን ከላ፡ ኣቦኣ ዓስከር እንግሊዝ ኢሉ ምስ ተኸትበ፡ በጺሑዎ ብኣ ኣቢሉ ድሃይ ዘይብሉ'ዩ ጠፊኡ። ተበርህ ክኣ ክሳብ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ትኸውን፡ መሓስእ እናጓሰየት ምስ ኣዲኣ ዓብያ።

ሃንደበት ሓደ መዓልቲ፡ ኣዲኣ፡ ንተበርህ ተማሊኣታ ናብ ኣስመራ ደበኽ ትብል። እቲ መገሻ ነታ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ህጻን ሓድሽን ምስጢራውን እዩ ኔሩ። ኣብ ዕዳጋ ዓርቢ እንዳ ዓባያ፡ ኣደ ኣዲኣ፡ እየን ድማ ኣዕሪፈን። ንጽባሒቱ፡ ተበርህን ወላዲታን ብሓደ ቘልዓ ተመሪሐን፡ ኣብ ሓድሽ ዓዲ፡ ጥቓ ሓንቲ ጸባብ ማዕጾ ጠጠው ይብላ። ብድሕር'ዚ ኣዲኣ ምስቲ መራሒአን ቈልዓ ኣተሓሒዛ፤

"ኪዲ፡ እዚ'ዩ እንዳ ኣቦኺ፡" ኢላ ንገዛእ ጓላ ዝባና ሂባታ ተበጊሳ።

ተበርህ ምሒር ሰንቢዳን ተጨኒቓን፡ ደድሕሪኣ ዘብዘብ እናበለት፡ እናነብዐት ምስኣ ክትማላኣ ለሚናታ። ኣዲኣ ምስ ጽፍዒት ዝተሓወሶ መግናሕቲ ምስ መለሰታ፡ እቲ መራሒአን ቈልዓ፡ ናብቲ እንዳ ኣቦኺ ዝተባህለቶ ገዛ ወሲዱ፡ ንሓንቲ ሰበይቲ፤

"እዚኣ ጓል ኣቦይ ተስፋሁነይ'ያ፡" ኢሉ ኣረኪቡዋ ተዓዚሩ።

ካብ ሓንጎል ተበርህ ክሳብ ሎሚ ዘይወጸት ቀዳመይቲ ሰላምታ ሰይተ'ቦኣ ኸ እንታይ እስከ ኔራ፧

"ዋይ ኣነ ግዲ! እንታይ'ያ ኸ ትመስሎ፡ ከርፋሕ!"

ቈልዓ በዚኣ ባህሪራ፡ ድሕሪ ማዕጾ ተሸጒጣ ፍርዳ ኽትጽበ ውዒላ። ኣብቲ ገዛ ወላ ሓደ ትፈልጦ ሰብ ኣይነበራን። ዋላ ንኣቦኣ ወላዲኣ።

"ኣያይ (ኣቦይ) ንዓይ ምስ ረኣየኒ ኣይሰዓመንን!" ተስካሕክሕ ተበርህ። "እታ ሰይተ'ቦይ፡ 'እዚኣ ጓልኩም'ያ፡' ምስ በለቶ፡ ''ታ ዓዲ ዝነበረት፧' ጥራሕ ኢሉ ብዓይኑ ክውሕጠኒ ኣይጸልአን። ድሓር ቁሩብ ጸኒሑ፡ ብመቐዝ ጌሩ፡ ነቲ ቍንጭ ቝንጮይ ቅርድድ ኣቢሉዎ!"

ተበርህ ዘረባ ኣቋሪጻ ዓይኒ ዓይነይ ጠሚታትኒ። ፍሩያት ኣዒንታ ኣብ ንብዓት ይሕምብሳ ኔረን። ግን ቂዕ ኣየበላን። ንዓይ
ብኡነት እንተ ትነብዕ ምሓሸኒ። ቢሮን ኖትቡክን ቀደም'የ ረሲዐየን ኔረ። ነተን ሕዱር ጓሂ ዝተፍኣ ኣዒንታ ምጽዋረን ስለ ዝሰኣንኩ ግን፡ ኣእዳወይ ኣበይ ከም ዘቐምጠን ጠፊኡኒ፡ ኣብ ሰድያይ ፍሕትሕት ኢለ።

"ጨጕረይ፡ ቍንጭ ቝንጮይ ቍርጽርጽ ኣቢሉለይ ..." ዕላላ ቀጺላ ተበርህ፡ ድሕሪ መዋእል። "ክሳብ ሎሚ ዘይርስዓኒ፡ እተን ኣደይ ኣብ ጨጕረይ ዝሸለመትለይ ክልተ ዛዕጎል ምስ ደርበየን ክነብዕ ጀሚረ። ንሱ ግን ነዛ ዓይኑ ፈንፊኑኒ፡ ጥስቲ ኣምጺኡ ተሓጸቢ ኢሉኒ ኸይዱ። ድሓር፡ ነታ ረሳሕ ጀለብያይ ደርብዩ፡ ሓድሽ ሹት ከዲኑ፡ 'ምስ መን መጺእኪ፧' ኢሉኒ። 'ምስ እነይ፡' ኢለዮ። 'እነኺ ኣቤላ፧' ሓቲቱኒ። 'ምስ እንኣ፡' መልሸሉ።

"ሽዓ ምሸት ሰይተ'ቦይ ዝሃበትኒ ቍራስ ጣይታ በሊዐ፡ ኣብ ጥቓ'ቲ ማዕጾ ክሻ ተነጺፈ ሓዲረ። ንጽብሒቱ ኣያይ ናብ እንዳ ዓባየይ ሒዙኒ ኸይዱ። ኩሎም ጫው ጫው ይባሃሉ ኔሮም ግን እንታይ ፍረ ነገሩ ኣይዝክሮን። ኣደይ ክትነብዕ ግን ኣጸቢቑ ይዝከረኒ። ካብኡ፡ ኣነ እናነባዕኩ ኣያይ ብኢደይ እናወጠጠ፡ ናብታ ዝሓደርኩላ ገዛ ደርብዩኒ ስርሑ ተበቊጹ። ... ሕሰቦ፡ ኣብ ዝደርበዩኒ ዝጸንሕ ንእሽተይ ቈልዓ'የ ኔረ። ዋላ እንዳ ዓባየይ ክኸይድ ኣይሓሰብኩን፡ ዋላ 'ተደለኹዎ'ውን ሸጓሽጕ ዕዳጋ ዓርብን ሓድሽ ዓድን በየን ኣትየ
በየን ክወጾ፧ ብቐንዳ እታ ኣስመራ ትባሃል ከተማ ኣብ ዓለም ምህላዋ'ኳ ዘይፈለጥኩ!"

ተበርህ ከምብሓድሽ ብዝተገረማ ኣዒንታ ኣዒንተይ እናመርመረት ዘረባ ኣቋሪጻ። እንድዒ'ምበር፡ ኣነ'ውን ከምኣ ተገሪመ ፈጠጠጠጥ ይብል ኔረ ይኸውን'የ። ሕጂ ግን ውጥምናይ ከም ሕሱም ስለ ዝተቐስቀሰ ከተቋርጸለይ ኣይደለኹን።

"ድሓርከ ተበርህ፧" ሓቲተያ ብትሕት ዝበለ ድምጺ።

"እ.....!" ኢላትኒ ዓው ኢላ። "እዝነይ ጽቡቕ ጌረ ኣይሰምዕን'የ ዓው በል!" ደጊማትኒ ሓሪቓ።

ኣዕሩኸይ፡ ኣቐዲሞም፡ ንተበርህ እዝና ከም ዝጻናዓን ምስቲ ዝነበራ ማህረምቲ ርእሲ ቀቀልጢፋ ከም ትቝጣዕን ኣጠንቂቖምኒ ኔሮም። እቲ ቃለ መጠይቕ ቅድሚ ምጅማርና፡ "ኮፍ በል!" ምስ በለትኒ ቀልጢፈ ኵድጭ ዝበልኩሉ ምኽንያት'ውን ንሱ'ዩ ኔሩ። ርእሰይ ገኒሐ፡ ሕቶይ ተኲሰ። ግን እታ ዝደለኹዋ ልክዕ ሕቶ ኣይነበረትን። ኦሮማይ! እታ ኣጋጣሚ ሓንሳብ ስሒተያ! ኣብ ክንድኣ፡ ዓው ኢለ፤

"ድሓርከ ተበርህ ሓፍተይ፡ ምስ ሰይተ'ቦኺ ከመይ ኣሕሊፍክዮ፧" ክብል ሓቲተያ።

"ቀደም ጸማቚት ስዋ'ያ ኔራ። ሸቃጢት ስዋ። ኣያይ ምስ ኣከባ ገዲፋቶ። ጠባያ ግን ከምኣይላ ኮማሪት'ያ ኔራ። ተውርደለይ ዝነበረት ጸርፊ እዚ ኽብለካ ኣይክእልን። ሸኽሚ ... ሸኽሚ'ዩ። ኩሉ ድማኒ ናይ ብዓለገ። ኣያይ ንጕሆ ስራሕ ምስ ወፈረ፡ ኪዲ ኩቦ እረዪ ትብለኒ። እቶም ደቂ ኸተማ ከይሃርሙኒ ፈሪሐ እናተሓባእኩ፡ ኩቦ ኵምር ኣቢለ የምጽኣላ። ኣያኺ ከይኣተወ ምጺ ድማ'ያ ትብለኒ። ሽዑ ካብ ድኳን እንዳ ጀበሊ ናይ ክልተ ወይ ሰለስተ ሳንቲም ሽሮ ከምጽእ ትልእከኒ። ድሓር ዝኾነ ተረፍ መረፍ ወይ ዝዓሰወ ጣይታ ፈታፊታ፡ ብሓይሊ፡ ገለ ገለ እናጨነወኒ ክበልዕ ትቕስበኒ። 'ተዘየሎ ብመንቀርቀር ወይ ብሞኾስ'ያ ትዅዕተኒ። ምእንቲ ኣያይ
ከም ዝጠመኹ ከይፈልጥ። ... ካብ ኩሉ ተሳቕየኒ ማይ ምውራድ'ያ ኔራ። ሕሰቦ'ሞ! ገረወኛ ሂባ ካብ ማይ ባውዛን ንሓድሽ ዓዲኸምጽኣላ እኳ'የ! ... ዋይ ኣነ ተበርህ ኣነ! ኣንታ ሽዑስ ኩሉ ሰብ'ዩ ዝጸልኣኒ ኔሩ ... ዋላ'ተን ኣንስቲ፡ ኣብቲ ማይ ባውዛን ዝጸንሓኒ፡ ኣሻኽማኒ ግዳ፡ 'ተበልኩወን ከም ገለ ጌረን'የን ዝጥምታኒ። ግን የሸክማኒ። ግን ገረወኛ ምሉእ ማይ ልዕሊ ዓቕመይ'ዩ። ሓንሳብ ሓንሳብ ወዲቐ ስለ ዝደፍኦ ካልኣይ ጊዜ ይምለስ ወይ ፍርቂ ጌረ የምጽኦ። ሰይተ'ቦይ ክኣ መሊአ ዘየምጻእኩላ ብጽፍዒት ... ስጋ'ደይ ማርያም!
ኩሉ ሰብ'ዩ ዝጸልኣኒ ..."

"ዋላ ኣቦኺ ... ማለተይሲ ኣቦኺ ቁሩብ ኣይሓልየልክን ኔሩ፧"

"ምሸት ምሸት ንዒ ምሳይ ተደረሪ ይብለኒ ኔሩ። ግን እታ ሰበይቲ ስለ ተፋራርሓኒ፡ ዋላ ጠምየ ኸለኹ ጸጊበ'የ ዝብሎ። ንሱ ድማኒ ሓንሳብ ምስ ተዛረበ ካልኣይ ሻዕ ኣይሓተንን'ዩ። ስለ'ዚ እታ ሽሮ እንዳ ጀበሊ በየን ገጻ ኽትገድፈኒ ... ብሰንኪ ሕመቕ ኣያይ። ንሱ ካብ ንዓይ ንዓኣ ይፈቱ ስለ ዝነበረ። ... ወይለይ ዝረሳዕኩልካ'ባ፡ ሓደ ማዓልቲ ብሰንከይ ተባኢሶም ኔሮም። ምስኦም ዳርጋ ኽልተ ዓመት ምስ ተቐመጥኩ፡ እታ ሰበይቲ ንመጀመርያኣ ሓንቲ ጓል ሓሪሳ ኔራ። ሓደ ምሸት ኣያይ ከም ኣመሉ፡ 'እዛ ቘልዓ ተደሪራዶ፧' ክብላ ሰሚዐዮ ዝደቀስኩ ተመሲለ። ሽዑ ንሳ፡ ጸጊባ'ንድያ፡ 'ተደሊኹም ዘይተፋንዉኒ፡ እንታይ ኢኹም ኩሉሻዕ ከምዛ ዘየብልዓ ትቖጽሩኒ!' ኢላ ገንጨርጨር ኢላትሉ። 'ኪዲ ሃጽ በሊ! ኣዲኣ'ኳ ከመይ ዝበለት ቅጭን፡ ወረጃ'ያ። ከማኺ ኮማሪት ኣይኮነትን፡' ምስ በላ፡ 'ርእየያ እንድየ'ዛ ጨናዊት፡ ዘይ ለማኒት'ያ ትመስል፡' ትብሎ። ሽዑ ኣያይ መታን ከይተእዊ ኣፋ ዓቢሱ፡ ኩሉ ነብሳ ክሳብ ዝሓብጥ ቀጥቂጡዋ። ኣነ ጠስመይ ሰትየ። ግን ንጽብሒቱ ኩሉ ትሃና ናባይ ኣውጺኣቶ። ስለ'ዚ ካብ ዝባኣሱ እንተ ዘይተባእሱ ይሕሸኒ ኔሩ። ኩሉ ተጠቕሊሉ ናባይ ስለ ዝምለስ።"

ተበርህ ተስፋሁነይ፡ ምስታ ሓንሳብ "ኣዴኺ'ኳ ዝደርበየትኪ ድርባይ!" ሓንሳብ "መጺእክኒ'ምበር መጺአኪ ድየ፡" ትብላ ዝነበረት ሰይተ'ቦኣን ምስ ዘይግደሰላ ወላዲኣን፡ ፍቕሪ ኣብ ትደልየሉ እዋን ፍቕሪ ስኢና ዳርጋ ኽልተ ዓመት'ያ ጸኒሓ። ይኹን'ምበር፡ ሓደ መዓልቲ ጸሓይ በሪቓትላ። ነቲ ኹሉ ሽግራ ዝሰምዑ ኣባሓጎኣ፡ "ጓል ወደይ ባዕለይ ከዕብያ" ኢሎም፡ ኣቦኣ እናተቓወመ ይወስዱዋ። ከይደንጐዩ'ውን ትምህርቲ የጀምሩዋ። ቈልዓ ብፍቕሪ ዓባያን ኣባሓጎኣን ተተባቢዓን ካብ ኩሉ ሽቕለት ተማሒራን ኣብ ሓደ ዓመት 1ይን
2ይን ክፍሊ ብሓንሳብ ጠቕሊላ፡ ኣብ ታሽዓይ ዓመት ዕድሚኣ ናብ 3ይ ክፍሊ ሓሊፋ።

እቲ ቤት ትምህርቲ ኣግኣዝያን እዩ ኔሩ። ተበርህ ክኣ ንመጀመርያ ጊዜኣ መሓዙት ኣጥርያ። ከም ንኣሽቱ መጠን፡ ተኣኪበን፡ ብ"ኣምለሰተይ መዓረይ፡ ተኽሊ ወይኒ ብስለይ ..."ን ካልእ ናይ ቈልዑ ዜማታትን ኣብ እዋን ዕረፍቲ ምድራፍ ካብ'ቲ ኣዝዩ ዝምስጠን ጸወታ እዩ ኔሩ። ካብ'ዚ ጊዜ'ዚ ንኔው እዩ ኽኣ፡ ተበርህ ንመጀመርያኣ ዓው ኢላ ክትደርፍ ዝጀመረት።

ሓደ መዓልቲ ኣርኣያ በላይ ዝበሃል መምህር፡ "መን ኣሎ ባንዴራ ክትስቀል ከላ 'ኢትዮጵያ ሆይ' ዓው ኢሉ እናዘመረ ዝመርሕ፧" ኢሉ ንተማሃሮ ይሓትት። መሓዙት ተበርህ፡ "ተበርህ ትኽእል'ያ፡" ይብላ። ኣርኣያ በላይ በይና ወሲዱ ድምጻ ይፍትኖ። ጽቡቕ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዖ ኽኣ ንጕሆ ንጕሆ፡ እታ ሓንቲ ባንዴራ እናተሰቕለት ንሳ ድማ ካልእ ባንዴራ ኢትዮጵያ ሒዛ መዝሙር ክትመርሕ ይሕብራ። ተበርህ መጀመርያ መዓልቲ እናፈርሐት ግን ብጽቡቕ ዘሚራ። ድሕሪኡ እናለመደቶ ኸይዳ። ብዙሓት ሰባት፡ "እዚኣ እታ ጥዑም ድምጻ
ጓል'ንድያ፡" እናበሉ ኽዛረቡላ ምስ ሰምዐት ድማ ንመጀመርያ ጊዜ፡ "ሰባት እምባኣር ይፈትዉኒ'ዮም፡" ኢላ ንነብሳ ኸተጸናንዓ ጀሚራ። እታ ሓንቲ ኣቓልቦ ሰባት ትረኽበላ ድልድል ከይትፈርሳ ፈሪሓ፡ ምሉእ ኣድህቦኣ ኣብ ደርፊ ምስ ኣውደቐቶ ግን፡ ኣብ ትምህርቲ እናሰነፈት ከይዳ፡ ን3ይ ክፍሊ ብኽንደይ ቀይቀይ እያ ሰጊራታ። ምኽንያታ ክትገልጽ ከላ ተበርህ፤

"ኣባሓጎይ፡ ኣምሓራ ሰረቕቲ'ዮም ኩሉሳዕ ዘይናቶም'ዮም ዝደልዩ፡ ይብለኒ ኔሩ። ኣነ ኽኣኒ ናቶም መዝሙር ይዝምር ስለ
ዝነበርኩ የሳቕየኒ። ነባሓጎይ ስለ ዘፍቅሮ ከም'ዚ ዝጠለምኩዎ ኾይኑ ይስምዓኒ ኔሩ'ምበር እቲ ፖለቲካ ኣይርድኣንን'ዩ ኔሩ። ግን ክኣ ደርፊ ጥዑም ጥዑም ጥዒሙኒ ኣብ ክልተ ተጨሪመ። ሽዑ ትምህርቲ ፈጺመ ጸሊአዮ።"

ተበርህ ብደርፊ ፍቕሪ ኻልኦት ከም ዝረኸበት ኣይረስዓቶን። ጓል ትሽዓተ ዓመት ስለ ዝነበረት ግን ደሪፍካ ኽንበር ከም ዝከኣል ትፈልጥ ኣይነበረትን። ምስ እንዳ ኣባሓጎኣ እንተ ተቐሚጣ ድማ ተማሃሪ፡ ኣጽንዒ ከም ዝብሉዋ ትፈልጥ ስለ ዝነበረት ገለ ኻልእ ብልሓት ክትጣበብ ኔሩዋ። ወያ ጥበባ ድማ ኣብ ፋብሪካ እንዳ ዓለባ ስራሕ ኣጀሚራታ። ተበርህ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ሰሙን ኣርባዕተ (4) ቕርሺ ኣዋህሊላ። ሽዑ ኣርባዕተ ቕርሺ ... ይኹን'ምበር ወረ ስራሕ እንዳ ዓለባ ነዊሕ ኣይተሓብአትን። ባጫ መሓዙታ ብዙሕ
ኣይምገደሳን ኔሩ። ሓደ መዓልቲ ኣባሓጎኣ ስራሕ ከም ዝጀመረት ፈሊጦም ምስ ገንሑዋ ግን፡ ካብኦም ፈሊላ፡ ኣብ ጸጸራት ምስ እንዳ ሰብ ከም ከዳሚት ተዓሲባ። ብኽልተ ቕርሺ ንወርሒ።

ካብ'ዚ ንኔው ኣብ እንዳ ሰብ ከዲምካ ምንባር ናተይ ኢላ ተተሓሒዛቶ። ንኽልተ ዓመት ምሉእ፡ ስድራ ቤታ ሃለዋታ ጠፊኡዎም ዳርጋ ፍጹም ቀቢጾማ። ሓንቲ መዓልቲ ግን፡ ኣብ ገዛ ኸንሻ ከም ዝነበረት ኣጣዪቓ፡ ካልእ'ኳ ከይትኸውንሲ፡ ሰይተ'ቦኣ ደበኽ ትብላ።

"ከምዛ ኽትበልዓኒ ዝመጸት ሓርገጽ ኮይና ተራእያትኒ፡" ትቕጽል ተበርህ። "ምኽንያቱ ኣነ ናጻ ሰብ ዝነበርኩ'ዩ ዝመለኒ ኔሩ። ኣነ ነቶም ዘስርሑኒ ጕልበተይ ይህቦም፡ ንሳቶም ገንዘበይ ይህቡኒ፡ ባስታ! ከም ገለ እንተ ኣባሳጭዮምኒ ሕሳበይ ዓጽየ ይኸይድ፡ ተወዲኣ! ኣብ ኢድ ሰይተ'ቦይ 'ተኣትየ ግን ናብ ባርነተይ'የ ኽምለስ። እግሪ እግራ ኣያይ ምስ መጸ'ሞ ኽኣ መሬት ጽልምት ኢላትኒ። ነታ ተስርሓኒ ዝነበረት ሰበይቲ ብሕቡእ ገንዘበይ ሃብኒ ኢለ፡ ኣያይ እናተጸበየኒ ምሉቕ ኢለ ዕዝር! ድሕሪኡ ምስ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ኣብ ገጀረት ስራሕ
ኣትየ። እታ ሰበይቲ በይና'ያ ትነብር። ንጕሆ ትወፍር፡ ምሸት ትኣቱ። ኣነ ድማ ስራሕ ስለ ዘይብለይ፡ ሓደ ጽቡቕ ድሙ ኔሩዋ፡ ንዕኡ ሓቚፈ ዓው ኢለ ኽደርፍ ጥራይ'የ ዝውዕል ኔረ። ሓንሳብ እናነባዕኩ ሓንሳብ እናሰሓቕኩ። ዝሰምዓኒ ሰብ ዳርጋ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ገጀረት ሽዑ በረኻ'ዩ ኔሩ።"

ተበርህ ክሳብ 14 ዓመት ዕድሚኣ ትመልእ ካብ ሓደ ገዛ ናብ ካልእ እናለዋወጠት ምኽዳም ቀጺላ። ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ግን እንዳ ሰይተ'ቦኣ እያ ዘይትበጽሕ'ምበር፡ ምስ ካልኦት ኣዝማዳ ድሓን ርክብ ጀሚራ ኔራ። ተበርህ ዝበዝሕ ዝረኸበቶ ገንዘብ ኣብ ክዳንን ሳእንን እያ ተጥፍኦ ኔራ።

"ስለ ምንታይ፧" ሓቲተያ ኣነ።

"እታ ንእሽተይ ከለኹ ሰይተ'ቦይ 'ከርፋሕ!' ኢላ ዝጸረፈትኒ ጸርፊ ኣብ ስነይ ነኺሰያ ኔረ 'ዝሓወይ! ከም ገለ ርስሕ ተበልኩ ኩሉሰብ ከርፋሕ! ኢሉ ዝጸርፈኒ ዘሎ ኾይኑ ስለ ዝስምዓኒ'የ ከምኡ ዝገብር ኔረ። ምስ ሰበይ ክመዓራረ።"

ተበርህ፡ ሓደ መዓልቲ ብዓል ብዙነሽ በቀለ፡ ጥላሁን ገሰሰን ካልኦት ደረፍቲ ኢትዮጵያን መጺኦም ሰሚዓ፡ ኣብ ሲነማ ኦድዮን ትኣቱ። ብምሉኡ እቲ ምርኢት መሲጡዋ ውዒሉ። ደርፊ ብዙነሽ በቀለ ግን ፍጹም ኣዕቢዳታ። እታ ደርፊ ሰለስተ ጊዜ ምስ ተደግመትን ብዙነሽ ዝረኸበቶ ስልማትን ኣድናቖትን ምስ ረኣየት እሞ'ንካ ብዘይመጠን'ዩ ደንጽዩዋ።

"ክሳብ ሽዑ ከምኡ ዝኣመሰለ ደርፍታት ኣብ ራድዮ ጥራሕ ዝስማዕ'ምበር፡ ልክዕ ከም ናይ ራድዮ ዝጥዕም ደርፊ ኣብ መድረኽ ዝቐርብ ኣይመስለንን'ዩ ኔሩ፡" ትብል ተበርህ፡ ግርህናኣ፡ ድንጉር ፍልጠታ ክትገልጽ።

እንተኾነ፡ "ከም'ዚ እንካ ኣሎ'ዩ" ኢላ ጥራይ እያ ሓሊፋቶ'ምበር፡ ሓደ መዓልቲ ከም'ታ ዝመሰጠታ ኢትዮጵያዊት ደራፊት ክትከውን ከም ትኽእል ትፈልጥ ኣይነበረትን። ድሕሪ ቑሩብ መዓልታት ዓባያ፡ ኣደ ኣዲኣ፡ ብዘማጽኣላ ስራሕ፡ ኣብ ቶከር ዝተባህለ ቦታ ሸቂላ ክትበልዕ ናብ ሱዳን ተሰዲዳ። እቲ ስራሕከ እንዳ ምንታይ ኔሩ፧ እንዳ ሜስ። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ምስታ ተስርሓ ዝነበረት ኤርትራዊት ሸቃጥ ሜስ ስለ ዘይተሰማመዐት፡ ከምብሓድሽ እንዳ ዓባያ፡ ዕዳጋ ዓርቢ፡ ተመሊሳ። ግን ደቂ ዕዳጋ ዓርቢ ብድሓን ኣይተቐበሉዋን። ደርፊ እኳ ድኣ ኣውጺኦምላ፤

"ተበርህ ሓሊፋ'ላ ቦርቶ ሶዳን፡
ደብዳቤ ልኣኸላ ናይ ቃል ኪዳን፡
ጥዒምካዮዶ ሓወይ ተረፍ ሶዳን፡
ፈውሲ ግስም ክኾነካ ፈውሲ ዕብዳን።"

ሽዑ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ኣይመልአትን። ግን ቁሩብ ምልክታት ጕብዝና ኣርእያ ኔራ። ዓባያ እቲ ሽምጠጣን ደርፍን
ከይተላበዐ ኸሎ ተቐላጢፈን ሰብኣይ ኣምጺአን ከመርዕዋኣ ወሲነን፡ ሰሊጡወን'ውን። እንተኾነ፡ ሓማታ "ክትኩለል ኣለዋ" ኢለን ንቕጽ ኢለን። ተበርህ ድማ፡ ተኾሊላ፡ ድንግልናኣ ኣረጋጊጻ፡ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ተመርዕያ። እቲ ዝገርም ግን ኣብ ዓሱራ፡ ካብ ኣስመራ ናብ ባጽዕ ሃዲማ ስውር ኢላ። ስለምንታይ፧

"ነቲ ወዲ ኣይፈትዎን'የ ኔረ በጃኻ ኢለካ፡" ትብል ተበርህ። "ልዕሊ ኹሉ ግን ነታ ተረፍ ሱዳን ትባሃል ደርፊ ከሕቅቓ ስለ ዝደለኹ'የ ሕራይ ክምርዖ'የ ኢለ። ሰብሲ እንታይ በዲለዮ'የ ዘካፍኣኒ፧ ስለምንታይ መዋእለይ ክጽላእ ይነብር ዝብል ህልኽ'ዩ ሒዙኒ። ድሓር ካኣ ኣያይ ኣብ መርዓይ ኣይነበረን። ፈሊጡ ኸሎ። እዚኣ ማራ ኣሕሪቓትኒ። ኣደይ ግን ድሮ ኻልእ ሰብኣይ ተመርዕያስ ቈልዓኣ ሒዛ መጺኣትኒ። እንድዕሉ፡ ኩሉ ኹሉ ተሓዋዊሱኒ በጃኻ!"

ሓደ መዓልቲ ግን እታ ንተበርህ፡ ተበርህ ዝገበረታ ዕድል መጺኣ። ኣብ ከተማ ምጽዋዕ፡ ኣብ ሓደ ባር ካሴሪ ኮይና እናሰርሐት ከላ፡ ማሕበር ትያትር ኣስመራ (ማ.ት.ኣ.) ትበሃል ማሕበር ከም ዝተመስረተት ሰሚዓ ከምብሓድሽ ናብ ኣስመራ ተመሊሳ። ምስ ሓንቲ ለተብርሃን ዳኘው ትበሃል ናይ ቀደም መማህርታን መሓዛኣን ኮይና፡ ንኣቶ ትካቦ ወልደማርያም ናብቲ ማሕበር ከእትውወን እውን ትልምኖም። ድሕሪ ብዙሕ ልመና፡ እቶም ኣካየድቲ ማሕበር ንተበርህ ከም ደራፊት፡ ንለተብርሃን ድማ ከም ሳዕሳዒት ይቕበሉወን። ተበርህ ኣብ ህይወታ ትዝክራ ብርህቲ ዕለት እንተ ኔራ እምበኣር፡ እዛ ዕለት'ዚኣ ጥራይ እያ።

ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ልብን እዝንን ኣፍቀርቲ ሙዚቃ ሰሊባ እዚ ኽትብሎ ዘይከኣለት ኣድናቖት ኣትሪፋ። እቲ ጽሙው
ዝነበረ ህይወታ፡ ሃንደበት፡ ጨብጨባ፡ ወኻዕታ፡ ሓጐስ፡ ስልማት ኣፍ መስፈሩ መሊኡ ፈሲሱ። እቲ ኹሉ ተነጽሎ ተቐንጢጡላ፡ እንታይ ይሕሸኪ፡ እንታይ ክንገብረልኪ ዝብል ሓላዪኣ በዚሑ። እታ ግልጽ ብዝበለቶ ጸርፍን ቈየቛን ትቕለብ ዝነበረት ተበርህ፡ ናብ መጎስን ናእዳን ዓቕላ ዘበበላ ተበርህ ተለዊጣ። ሳላ ጐሮሮኣ ዓለም ብተኣምር ተገላቢጣ! ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ዲስኮ ምሕታማ ኽኣ፡ ኣብ መጀመርታ '70ታት ናብ ሃገረ ሽወደን ናይ ምብጻሕ ዕድል ኣጋጢሙዋ።

ኣብ 1975 ነቲ ኹሉ ምቾት ጠንጢና ክትጋደል፡ ካብ ሽወደን ናብ ሜዳ፡ ናብ ህዝባዊ ግንባር ተጸንቢራ። ኣብ ውግእ ናቕፋ፡ ኣፋዕበትን ካልኦትን ካብ ብጾታ ከይሰነፈት ተሳቲፋ። ኣብ 1978 ድማ፡ ኣብ ግንባር ዓዲ ሓወሻ፡ ከባቢ ኣስመራ፡ ኣብ ግንባራ ተሃሪማ ኣኽሊል ስንክልናኣ ተቐቢላ።

ተበርህ ካብዚ ንኔው ኣይጠዓየትን። ክትቆጻጸሮ ስለ ዘይትኽእል፡ እቲ ሕልሚ ዝጥዕም ዝነበረ ድምጻ ሎሚ የለን። ኣእዛና ተጻኒዑዋ። ካብ ኩሉ ርእሳ ብዘይመጠን እዩ ዘሳቕያ። ትቕንዞ። ነገራት ምምዝዛን ዝከኣል ጥዑይ ርእሲ ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ። ተበርህ ድሕሪ ማህረምታ ኣብ ሜዳ ብዙሕ ጸኒሓ ኔራ። ግን ሓደ እዋን ንሜዳ ገዲፋቶ። ድሕሪ ናጽነት ናብ ኤርትራ ምስ ተመልሰት፡ ኣብ ደቀምሓረ ሰሪሓ ንኽትበልዕ፡ "ባር ዓቢ ህድሞ" ኣብ ምኽፋት ገለ ደገፍ ተጌሩላ እናነበረት ከላ ድማ'የ ኣነ መጺአ ብዝዕባ ሕሉፍ ህይወታ ክሓታ ውዒለ። ኣብ መወዳእታ ዕላልና፤

"ሕጂ ከመይ ኣለኺ ተበርህ፧" ኢለ ሓቲተያ።

"ይጽምወኒ ..." መሊሳትለይ ተበርህ፡ ከም ሓውሲ ቍዘማ፡ ነታ ከም ውላዳ ብፍቕሪ ትድህስሳ ዝነበረት ንእሽተይ ድሙ ደኒና እናረኣየት። "ብዘ.....ይመጠን ይጽምወኒ!