<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> REPORT ON ELECTIONS FOR THE SECOND ASSEMBLY OF ERITREA

ጀነራል ተድላ ዑቚቢት

· 
‘ኣነ ጀነራል ተድላ ዑቚቢት እየ፣ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ከኣ ብህዝበይ ንኺጻወት ኣይፈቅድን’የ!’ ቃል ጀነራል ተድላ ዑቚቢት።
ጀነራል ተድላ ዑቚቢት ነዚ ቃል’ዚ ዚበለሉ ምኽንያት፡ መራሒ ጦር ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበር ጀነራል ኣቢዪ ኣበበ፡ ነተን ብስም ኩዕሶ እግሪ ንሓድሕደን እናተራጸማ ሓድነተን ዘላሕልሓን ዘጥፍኣን ሰለስተ ኣውራጃታት ኤርትራ፡ ማለት ሓማሴን፡ ኣከለጉዛይን ሰራየን ዝያዳ ንምንቛት ኢሉ ነቲ ዕግርግር ዝፈጥር ጸወታ ‘ቀጽሉዎ’ ምባሉ ንጀነራል ተድላ ዑቚቢት ስለ ዘይተዋሕጠሉ’ዩ።እንተኾነ ሓንቲ ካብተን ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ፡ ማለት ጋንታ ሓማሴን፡ ‘ጀነራል ተድላ ዑቚቢት ‘ስም ጋንታኹም ቀይሩ’ ኢሉ ምጽዋት ከሊኡና’ ብምባል ናብ ጀነራል ኣቢዪ ኣበበ ምስ ጠርዐት፡ ጀነራል ኣቢዪ ኣበበ ‘ዚቕይሮ ሰብ የለን! ኪዱ ከም ድላይኩም ግበሩ!’ ኢሉ ፈቐደ’ሞ፡ ጀነራል ተድላ ዑቚቢት ነዚ ምስ ሰምዐ፡ ‘ኣነ ጀነራል ተድላ ዑቚቢት እየ፡ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ከኣ ብህዝበይ ንኺጻወት ኣይፈቅድን’የ!’ ብምባል ነቶም ስም ጋንታኦም ምቕያር ዝኣበዩ መራሕቲ ጋንታ ሓማሴን ኣሰሮም። በዚ ምኽንያት ድማ ጀነራል ተድላ ዑቚቢት ምስ ኢትዮጵያዊ ጀነራል ኣቢዪ ኣበበ ኣብ ምፍጣጥን ህልኽን ኣተወ። ብድሕሪ’ዚ እውን ብጦር ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተኣስረ ኤርትራዊ ዜጋ ብኢደ ወነኑ ምፍታሕ ጀመረ።
ጀነራል ተድላ ዑቚቢት ግን መን’ዩ?

እቲ ርስቲ ብዓልቲ ቤቱ ንምሓዝ ኢሉ ካብ ሓሬን (ወረዳ መረታ-ቀይሕ፣ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ) ናብ ዓዲ መንጎንቲ (ወረዳ ተኸላ፣ ኣውራጃ ሰራየ) መጺኡ ዚሰፈረ፡ ተኽለጊዮርጊስ ኣብኡ ኮይኑ ንዑቚቢት ወለደ፡ ዑቚቢት ንኩንፉ ወለደ፡ ኩንፉ ንኣኪላስ ወለደ፡ ኣኪላስ ንባህታ ወለደ፡ ባህታ ንዳግማይ ዑቚቢት ወለደ፡ ዳግማይ ዑቚቢት ጀነራል ተድላ ዝርከቦም ኣርባዕተ ኣወዳትን ሓሙሽተ ኣዋልድን ብጠቕላላ 9 ደቂ ወለደ።ጀነራል ተድላ ዑቚቢት ከም ሰቡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ፊደል ምስ ቈጸረ፡ ብድሕሪኡ ባዕሉ’ዩ ብፋሕተርተሩ ትምህርቱን ፍልጠቱን ኣማዕቢሉዎ። በዚ መሰረት ከኣ ህርኩትን ንቑሕን ተድላ ኣብ ዓይኒ’ቲ ንመንግስቲ ጣልያን ስዒሩ ንኤርትራ ዝተቘጻጸረ መንግስቲ እንግሊዝ ኣተወ። ኣብቲ እዋን ናይ ሓደ ናይ ምሉእ ፖሊስ ኤርትራ ኣዛዚ ዚነበረ ኮሎኔል ራይት ዚተባህለ እንግሊዛዊ ብዓል ስልጣን ጸሓፊ ኮይኑ ንኸገልግል ድማ ተመዘዘ።ምምሕዳር እንግሊዝ ድሕሪ 10 ዓመታት ናይ ኤርትራ ምምሕዳሩ ወዲኡ ክወጽእ ከሎ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ኣወዳዲሩን ፈቲኑን ነቶም ካብኣቶም ዕዉታት ዝኾኑ 6 ኤርትራውያን ንዝያዳ ትምህርቲ ናብ ሃገረ እንግሊዝ ለኣኾም። ካብዞም ዝስዕቡ 6 ኤርትራውያን መኰንናት ፖሊስ ድማ ሓደ ኢንስፐክተር ተድላ ዑቚቢት እዩ ነይሩ፤ እቶም ዝተረፉ ሓሙሽተ ድማ፥ ኣለም ማሞ፡ ሳልሕ በራዳ፡ ረዘነ ብርሃነ፡ ስዩም ካሕሳይን ዘርእማርያም ኣዛዝን እዮም ነይሮም። ምምሕዳር እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ኣብ 1951 ዓ.ም. ንሽድሽቲኦም ኤርትራውያን ንስልጠና ናብ ሃገረ እንግሊዝ ለኣኾም።እዞም ዝተላእኩ 6 ኤርትራውያን መኰንናት ትምህርቶም ብግቡእ ወዲኦም፡ ብናይ ሜጀር መዓርግ ተመሪቖም ናብ ሃገሮም ምስ ተመልሱ፡ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ነበር ኮሎኔል ራይት ናቱ ቦታ ሌተናል ኮሎኔል ተድላ ዑቚቢት ኪትክኣ፡ እቶም ዝተረፉ 5 መኰንናት ድማ ናይ ሌተና ኮሎኔል መዓርግ ክወሃቦም ኣሚሙ ከደ።ናይ ሽዑ ፕረሲደንት መንግስቲ ኤርትራ ነበር ደጃዝማች ተድላ ባይሩ ንእማመ እንግሊዛዊ ኮሎኔል ራይት ተቐቢሎም፡ ንሽድሽቲኦም መኰንናት ናይ ሌተና ኮሎኔል መዓርግ ኪህቡዎም እንተበሉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ካብ መጀር ንላዕሊ ስልጣን ብኢትዮጵያ እዩ ዝወሃብ፡ በቲ ዝጸንሐ መዓርጎም ይቐጽሉ፡ እንተዘይደለዩ ከኣ ናብ ሲቪላዊ ስራሕ ኣዋፍሩዎም’ ኢሉ ምስ ኣበዮምም ግን ደጃዝማች ተድላ ከይፈተዉ ነቶም ሜጀራት ነቲ ዘጋጠሞም ዕንቅፋት ነገሩዎም።‘ንሕና ተመኩሮና ውትህድርና’ዩ። ስለዚ፡ ወተሃደራዊ እንተዘይኮይኑ ሲቪላዊ ስራሕ ኣይንቕበልን ኢና!’ ብምባል ሽዱሽቲኦም ነቲ ውሳነ ነጸጉዎ። ፕረሲደንት ተድላ ባይሩን ካልኦት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ግን ነቲ ውሳነ ተቐቢሎም ንኽሰርሑ ኣጥቢቖም ለመኑዎም። ኩላቶም ከኣ ኣቕበጹ። ብዘይስራሕ ደው ኢሎም መዓልቲ እናነወሐ ምስ ከደ ግን ብዘይካ ሜጀር ተድላ ዑቚቢትን ሜጀር ዘርእማርያም ኣዛዝን እቶም ዝተረፉ ነቲ እማመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐቢሎም ብደረጃ ኢንስፐክተራት (ተቘጻጸርቲ) ኣብ ሲቪላዊ ስራሕ ተዋፈሩ።ድሕሪ ምእላይ ፕረሲደንት ተድላ ባይሩ፡ ደጃዝማች ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ኣብ ስልጣን ምስ መጹ፡ ኣብ መስከረም 1955 ዓ.ም. ንሌተና ኮሎኔል ተድላ ዑቚቢት እንደገና ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ንኺኸውን መዘዙዎ። ድሕሪ’ዚ ድማ’ዩ ሌተና ኮሎኔል ተድላ ዑቚቢት፡ ኤርትራ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ፡ ኣዝዩ ጽፉፍን ግሉጽን ናይ ስራሕ ኣጋባባት ምትእትታው፡ ፖሊስ ኤርትራ ብኹሉምሉ መለክዒታት ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ከም ዝስራዕ ዚገበሮ! ብጽፈቱን ብስሉጥነት ስርሑን ፖሊስ ኤርትራ ኣብ ግዜ ሌተና ኮሎኔል ተድላ ዑቚቢት ጽቡቕ ኣብነት ኩሉ መንግስታዊ ትካላት ከም ዝነበረ’ዩ ብኹሉ ዝንገረሉ። ሕጊ ፖሊስ ካብታ ዘላታ ከይተወሰኸታን ከይጎደለታን ብጽፈት እንተዘይተፈጺማ ኣብ መዓት ሌተና ኮሎኔል ተድላ ምእታው’ዩ ነይሩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ድማ’ዮም ጃንሆይ፡ ማለት ብዕለት 26/06/1962 ዓ.ም. ንሌተና ኮሎኔል ተድላ ዑቚቢት ናይ ብርጋደር ጀነራል መዓርግ ዚሸለሙዎ።ሃጸይ ሃይለስላሴ (ተፈሪ መኰነን) ንምሉእ ኢትዮጵያ ዝመርሑ ዝተፈላለዩ ሓያላንን በላሕትን ጀነራላትን ሚኒስተራትን ነይሮሞም እዮም። ክንዲ ጀነራል ተድላ ዑቚቢት ዝርእዩዎን ዘኽቡሩዎን ጅግና ግን ኣይነበሮምን! ናይዚ ህያው ምስክር ከኣ ሓደ ግዜ ናይቲ ኣዝዮም ዚፈትዉዎ ብድንገት ዝሞተ ወዶም ወርቂ ሽጉጥን 20.000 ብርን ንጀነራል ተድላ ዑቚቢት ብግሊ ሸሊሞሞ እዮም። ነቶም ‘ንስኻ

ኢትዮጵያዊ ኤርትራዊ እምበር ኤርትራዊ ኢትዮጵያ ኣይኮንካን!’ ብምባል ብፍቕርን ክብርን “ቢተወደድ’ ኢሎም ዝጽውዑዎም መራሒ መንግስቲ ክፍለ ሃገር ኤርትራ ነበር ደጃዝማች ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ወይውን ነቶም ብቕድሚኦም መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ዚነበሩ ደጃዝማች ተድላ ባይሩ እውን ከም ናይ ጀነራል ተድላ ዑቒቢት ክብርን ሽልማትን ኣይሃቡዎምን። ካብ ጃንሆይ ጀሚርካ ዝኾነ ይኹን ብዓል ስልጣን፡ ንጀነራል ተድላ ዑቚቢት ዚደፍር ሰብ ዋላ ሓደ ኣይነበረን! ሓደ ግዜ ፕረሲደንት ተድላ ባይሩ ናይ ስራሕ ቦታ ክቕይሩዎ ምስ ሓሰቡ ‘እምቢ ኣይቅየርን’ ብምባል፡ ብዘይስራሕ ኣብ ገዛኡ ንሓጺር ግዜ ኮፍ ኢሉ ነይሩ’ዩ። ብቕዓትን ጅግንነትን ጀነራል ተድላ ዑቚቢት መወዳድርቲ ወይ መዘና ስለ ዘይነበሮ ግን ኣቃባጢርካ ናብታ ዚደላያ ስራሕ ከም ዚምለስ ተገይሩ።ኣብ ውሽጢ ፖሊስ ኤርትራ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ዓይነት ምንቅስቓስ፡ ጀነራል ተድላ ዑቚቢት ዘይፈልጣ ዋላ ሓንቲ ኣይነበረትን። ዋላ ፖሊስ ንኽኽተቡ ስራሕ ዝሓተቱ ሰባት ድሕሪ ክንደይ ስሞም እንተስሚዑዎ፡ ዘኪሩ ‘ንስኻ ስራሕ ምሽ ሓቲትካ ኔይርካ’ ኢሉ’ዩ ዚዝክር! ሓንሳብ ንዚረኣዮ ሰብ ደጊሙ እንተ ደኣ ርእዩዎ ‘ንስኻ እከለ ወዲ እከለ እንዲኻ!’ እዩ ዝብሎ።ፈደረሽን ምስ ፈረሰ ግን እቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንምሕጓስ ናጽነት ንዝበሉ ኤርትራውያን ብዘይምሕረት ዚቐጽዕ ዚነበረ ጀነራል ተድላ ዑቚቢት ቀጨውጨው ኪብሎ ጀመረ። ትኩእ ይሕደጎ፡ ወልደሚካኤል ኣብርሃ፡ ማሕሙድ እስማዒል፡ ሙሳ ኣራሖ፡ እስጢፋኖስ ባህልቢ፡ ደበሳይ ገብረስላሴ፡ ግርማይ ዮሴፍን ኑር ዓብደልሓይን ዝተባህሉ ኣብ ኣድማ ተማሃሮ ናይ 12 መስከረም 1960 ዓ.ም. ዝተሳተፉ መራሕቲ ሓራካ ኣብ ኣስመራ፡ ካብ ኣስመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክመሓላለፉ ተባሂሉ እናተጸበዩ ከለዉ ኮሎኔል ተድላ ዑቚቢት ባዕሉ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ብምኻድ፡ ፈቲሑ ብናጻ ለቐቖም።ርክብ ጀነራል ተድላ ዑቚቢት ምስ መራሒ መንግስቲ ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ዝኸውን ምስ ሓላፊ ውሽጣዊ ጉዳያት ኪኸውን ከም ዝተወሰነ ምስ ተነግሮ ከኣ ‘ኣይፋለይን ርክበይ ከም ቀደሙ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ መግስቲ’ዩ ዝኸውን’ ኢሉ እንደገና ኣበየ’ሞ በዚ ወዲ ከምዝን ምስ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ሓያል ግርጭት ኣተወ።ጀነራል ተድላ ብኸምዚ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ብህልኽን ግርጭትን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኪጓዓዝ ምስ ጸንሐ፡ ምክትል እንደራሴ ደጃዝማች ተስፋሃንስ በርሀ ዚርከቡዎም ሰበ ስልጣን ኤርትራ ‘ጀነራል ተድላ ዑቚቢት ምስራሕ ከሊኡና ይቀየረልና’ ኢሎም ብዘቕረቡዎ ጥርዓን መሰረት፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ግንቦት 1963 ዓ.ም. ንጀነራል ተድላ ‘ስራሕካ ኣረኪብካ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምጻእ፡ ስራሕ ተቐይርካ ኣለኻ’ ትብል ደብዳቤ መጸቶ። ንሱ ግን ‘ሎሚ ኣይቅየር ጽባሕ ኣይቅየር!’ ኢሉ ብምእባይ፡ ንኹሎም ሓለፍቲ ወተሃደራቱ ጸዊዑ። ‘ኢትዮጵያውያን ጠሊሞሙና እዮም! ንኣይ ከኣ ‘ናብ ኢትዮጵያ ተቐይርካ ኣለኻ’ ኢሎሙኒ ኣለዉ፡ ግን ኣቢየዮም ኣለኹ። ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ 56 ዝኾኑ ኣባላት ባይቶ ኣብዘይ ስልጣኖም ብምእታው፡ ነቲ ኣቐዲሞም ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኤርትራ መጺኦም፡ ድምጺ ህዝቢ ሓቲቶም ዝወሰኑዎ ናይ ፈደራል ህንጻ ብምፍራስ፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንኽትሕወስ ወሲኖም ኣለዉ። ነዚ ከኣ ንሕና ናይ ኤርትራ ኣባላት ፖሊስ ኣይተቐበልናዮን። በቲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሕጊ ኢና ንኸይድን ንሰርሕን፣ ህዝብና ከኣ ከምቲ ዝሓለፈ ብግፍዒ ከይቅጥቀጥን ከይግፋዕን ተጠንቀቑ! ኣነ ጀነራል ተድላ ብህዝበይ ንኽጻወት ኣይፈቅድን’የ! ክብረተይ ምስ ህዝበይ እዩ! ካብ ህዝበይ ተፈልየ ክብረት የብለይን! በዚ ምኽንያት ከኣ ናብ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣይከይድ ጽባሕ ኣይከይድ! እምቢ ኢለ ኣለኹ። ስለዚ፡ ንዝመጽእ ሓደጋ ተዳለዉ! ኣብ በቤት ጽሕፈትኩም ባንዴራ ኤርትራ ኣንበልብሉ! ኣጆኹም ትብዑ!’ ብምባል ን72 ዝኾኑ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ዝነበሩ ሓለፍቲ ፖሊስ ኤርትራ፡ ቀጺሉ ንዝወሃቦም ሓበሬታን ትእዛን ክጽበዩን ኽጥንቀቑን መኺሩ፡ ብዕለት 04/06/1963 ዓ.ም. ኣፋነዎም። ብዘይካ 2 ሓለፍቲ ድማ እቶም ዝተረፉ 70 ንመልእኽትን ሓሳብን ጀነራል ተድላ ዑቚቢት ኩላቶም ተቐበሉዎ።
ድሕሪ’ዚ ሓደ ኣብቲ ኣኼባ ዚተሳተፈ፡ ኮሎኔል እርዳቸው ዚተባህለ ብዓል ስልጣን ብቐጥታ ናብ ጀነራል ኣቢዪ ኣበበ ተሌፎን ብምድዋል መልእኽቲ ጀነራል ተድላ ስለ ዘብጽሐ፡ ሓላፊ ጦር ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ጀነራል ኣብዪ ኣበበ፡ ሰራዊቱ ልኢኹ ንቤት ጽሕፈት ጀነራል ተድላ ዑቚቢት ብቕጽበት ከበቦ።
‘ሓደ ኮሎኔል ከበደ ያዕቆብ ዚብሃል ዕቡድን መን ከማይ በሃልን ወተሃደራቱ ኣኸቲሉ ናባና መጺኡና። ‘ኣበይ እዩ ቤት ጽሕፈት ተድላ?’ እናበለ ንኣና ጥሒሱ ድማ ብቐጥታ ናብ ቤት ጽሕፈት ጀነራል ተድላ ዑቚቢት ኣተወ። ጀነራል ተድላ ዑቚቢት ኡዚ ሒዙ ምስ ጽንሖ ግን ብቕጽበት ሃዲሙ ናባና ተመልሰ።እዚ ምስ ኮነ እዚ ሰብኣይ ተጸሊሉ’ዩ ኢልና ኣነን (ጸሓፊ ጀነራል ተድላ ዶ/ር ክንፈ ተስፋጋብር) መሓመድ ናስርን እናተዘራረብና ከለና፡ ብሃንደበት ካብ ቤት ጽሕፈት ጀነራል ተድላ ኳሕ ዝብል ድምጺ ሰሚዕና። ‘ሰብኣይ ባዕሉ ነብሱ ኣጥፊኡ!’ ድማ በልና ብሓባር። ‘ኣምሓሩ ዓያሹ’ዮም ጀነራል ተድላ ሰብኣይ ሰብኡት ምዃኑ ኣይፈለጡዎን ነይሮም!’ ኢሉኒ ሽዑ መሓመድ ናስር። ድሕሪ’ዚ እቲ ሃዲሙ ዚወጸ ኮሎኔል ከበደ ያዕቆብ ናብ ጀነራል ኣብዪ ኣበበ እንደገና ተሌፎን ደዊሉ ምስ ተዘራረበ፡ ንኣይ፡ ንኮሎኔል ዘርእማርያምን ንኮሎኔል ኣደም ዓብደላን ኣምሪሑ ናብ ቤት ጽሕፈት ተድላ ሒዙና ኣተወ።
ሻቡ ጀነራል ተድላ ዑቚቢት ሽጉጥ ኣብ የማናይ ኢዱ ዓቲሩ፡ ኡዚ ድማ ኣብ ጎድኑ ኣቐሚጡ፡ ብዙሕ ደም እናፈሰሶ ወዲቑ ጸኒሑና! ሻቡ ካብቶም ምስ ኮሎኔል ከበደ ያዕቆብ ዝመጹ ዕጡቓት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ሓደ ‘ኣየ ሰብኣይ!’ ኢሉ ኪድነቕ ይዝከረኒ። ጀነራል ተድላ ዑቚቢት ከም ዚተቐደመ ምስ ተገንዘበ፡ ኢዱ ንወተሃደራት ኢትዮጵያ ንዘይምሃብ፡ ወብሊ ብዝዓይነታ ሪቮልቨር ሽጉጡ ገይሩ ብየናይ መትልሑ ብምትኳስ ህይወቱ ባዕሉ ኣሕሊፉ!’ ቃል ምስክርነት ጸሓፊ ጀነራል ተድላ ዑቚቢት ነበር ዶ/ር ክንፈ ተስፋጋብር።ጅግና ጀነራል ተድላ ዑቚቢት ብዕለት 11/06/1963 ዓ.ም. ተሰዊኡ፡ ንጽባሒቱ ረቡዕ 12 ሰነ 1963 ዓ.ም. ድማ በቶም ዝኣመኖም ኢትዮጵያውያን ስለ ዚተጠልመ፡ ጀነራል ዚኣክል ከም ተራ ሰብ ብቤተ ሰቡን ብደቂ ዓዱን ተዓጂቡ፡ ኣብታ ተወሊዱ ዚዓበየላ ዓዱ፡ ኣብ ዓዲ መንጎንቲ ሓመድ ኣዳም ለበሰ።
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!
ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
ካብ ሓውኹም መሲናስ!!
 Eyob Fishaye from facebook