<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> REPORT ON ELECTIONS FOR THE SECOND ASSEMBLY OF ERITREA

Eritrean Tigriyna Press
2ltS2 Soe0acnop1tembe04ur 20ai1i5  · 
ባሕሪ ነጋሲ ድሩይ ፍጋጋ ዮሓንስ
ወዲ ባሕሪ ነጋሲ ብሌንሰገድ
ናይ ቀደም ታሪኽ ናይ ሃገር ንኽዝከር ጽቡቕ እዩ። ነቲ ዝፈልጦ ሰብ የሐጉሶን ሞራል ይኾኖ። እቲ ዘይፈልጦ ድማ ከምዚ ኽዝንተወሉ ከሎ ክፈልጦ ይኽእል ። ኣምበኣር እዚ ታሪኽ `ዚ ናይ ብዙሕ ዘበናት ኣማኢት ዓመታት ስለ ዝኾነ ኩሉ ወዲ ሃገር ኣይፈልጦን እዩ። እምበኣር ምሉእ ታሪኽ ናይ ባሕሪ ነጋሲ ድሩይ ፍጋጋን ነታ እምኒ ሓይሊ ኣብኡ ዘቐመጡዋ ምኽንያትን ካብ ቀዳሞት ዓበይቲ ዓዲ ዝነገሩኒን ዘጽናዕኩዎን ኢዩ። ከምኡ`ውን ሊቅ ልቃውንቲ ኣባ ተወልደብርሃን ዓንደመስቀል ሰናድን ዓቃብን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ብራናታት ከምዘሰፈርዎ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ።
ባሕረ ነጋሲ ድሩይ ፍጋጋ ዮሓንስ ወዲ ባሕሪ ነጋሲ ብሌን ሰገድ ወዲ ባሕረ ነጋሲ መዋኢክርስቶስ ኢዩ።
እምባኣር ናይ መሪሕነት ስልጣን ድማ ድሕሪ ሞት ባሕሪ ነጋሲ ተስፋልኡል ናብ ምንኣሱ ሓው
ባሕሪ ነጋሲ ድሩይ ፍጋጋ ዮሓንስ ሓለፈት። መሪሕነት ቅያር ተረከበ። ኣብዚ ግዜ`ዩ ባሕሪ ነጋሲ ድሩይ ፍጋጋ ምሉእ ናይ መሪሕነት ስልጣን ዝሓዘ። እምበኣር ኣብ`ዚ ውግእ ናይ ነፋሲት ጥራይ ግራይ ብዙሕ ሰራዊት ስለ ዝሞቶን ዝቆሰሎን ዝሓሰቦ ከይፈጸመ ምውታት ከይቀበረ ቁሱላት ከይኣልዓለ ናብ ገዳም ደብረቢዘን ከይደየበ ብዝመጾ ሃዲሙ ተመልሰ። ፈለስቲ ደብረ ቢዘን ወይ ገለ ካብ ካህናት ግን ግራይ ንደብረ ቢዘን ከንድድ ነፋሲት ምስ በጽሐ ገዳም/ደብረ ቢዘን ተሰዊራቶ ኢሎም የዘንትዉ፡ እዚ ዛንታ ዚ ግን ብልምዲ እዩ ዝዘንተው። እምበር እቲ ርግጸኛ ታሪዅዚ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኪዎ እዩ። እምበኣር ግራይ ኣብ ሃገርና ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ሃይማኖት ኣኸራነት ግብረ ሽበራ ኣብ ኤውሮጳ ተሰሞዐ`ሞ ሰራዊት ፖርቱጋል ተግባር ናይ ግራይ ክዕዘብ መጸ። ካህናት መራሕቲ ሃይማኖት ብባሕሪ ነጋሲ ድሩይ ፍጋጋ ዝምራሕ ሰራዊት መረብ ምላሽን ተቐበልዎ። መሪሖም ድማ ኣሰር ግራይ እናተኸተሉ ከዱ። ካብ ኤርትራ ተሳዒሩ ሃዲሙ ድማ ምስ ከደ ኣብ ሰሜን ጎንደር ድማ ሃገር ከበሳብስ ረኸብዎ፡ ኣብኡ ድማ ብርቱዕ ውግእ ተኻየደ። ግራይ ድማ ኣብዚ ውግእ`ዚ ምስ ሰራዊቱ፡ ተደምሰሰ። እምበኣር ባሕሪ ነጋሲ ድሩይ ፍጋጋ ኣብ ልዕሊ ግራይ ዓወት ምስ ረኸበ፡ ብምዕራባዊ ቆላ ኤርትራ፡ ምስሪ ካብ ሱዳን ሓሊፉ ኣብዚ ሕጂ ባርካ ዝበሃል ዘሎ ምዕራባዊ ቆላ ኤርትራ ናይ ሃይማኖት ኣኸራርነት ተካይድ ስለ ዝነበረት፡ ባሕሪ ነጋሲ ድሩይ ፍጋጋ ዮሓንስ ኣብ ልዕሊ ግራይ ዝተገበረ ዓወት ብምዕራብ ቆላ ኣብ ልዕሊ ኣኽረርቲ ክንደግሞ ኢና ኢሉ፡ ብቆራጽነት ተላዒሉ ከየዕረፈ ኣብቲ ግዜ`ቲ ብ1520 ዓ.ም. ሰራዊቱ ኣኽቲቱ እናተዋግአ ዓወት እናረከበን ኣብዚ ሕጂ ከሰላ ዝበሃል ዘሎ ሱዳን በጽሔ። ኣብኡ ምስ በጽሔ ግን ሰራዊቱ ብሕማም ዓሶ መብዛሕትኦም ሓሚሞም ተወድኡ።ባሕሪ ነጋሲ ድሩይ ፍጋጋውን ኣብኡ ሞተ። ኣብቲ ግዜ`ቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሃገርና ብርቱዕ ግድኣት ወረደ፡ ባሕሪ ነጋሲ ድሩይ ፍጋጋ ዮሓንስ ቅድሚ ናይ መሪሕነት ምሉእ ስልጣን ምሓዙ ኣብ ዘላምብርሳ ኣብ እምኒ ሓይልን ኣብ ነፋሲትን መገዲ ባጽዕን ምስ ግራይ ኣብ ዝተገብረ ውግኣት ምእንቲ ናጽነትን ባህልን ክብርን ሃገርና ብዙሕ ቃልስን ጅግንነትን ዝፈጸመ እዩ።
ከምኡ`ውን
ድሩይ ኣብ ኤርትራ ግዝኣት ባሕሪ ነጋሲነት ምስጠቕለለ ከምኡ ኸኣ ግዝኣት ትግራይ ስጋዕ ዓዲ ባርያ ይበጽሕ ነበረ። ኣቤቶ ረዳእ ወዲ ራእሲ ደጌናይ ሰብኣይ ሮማን ጓል ሃጸይ ኖኦድ ኣእትዩ ብዓል ብዙሕ ሓበን ነበረ እሞ ካብቲ ማእኸል ግዝኣት ሓሊፉ ስጋብ ቆሓይን እናተሳገረ ይዘምት ነበረ።
ባሕሪ ነጋሲ ድሩይ ኸኣ ብሕርቕሩቶት ተላዓኢሉ ሰራዊት እኽቲቱ ተዓጠቕ መጻእኩኻ ኢሉ ፈረሰኛ ለኣኸሉ። ኣቤቶ ረዲእ ኸኣ ከምልማዱ ሰብ ኣኽቲቱ ዓጢቑ ናብ ቆሓይን ዓዲ መርሆ ትብሃል ክሳድ ዓዲ ዓሪዱ ንድሩይ ይጽበዮ ነበረ። ኣብ መበል 15ክፍለ ዘመን ኪዳነ ምሕረት ጥሪ ክልቲኦም ሓያላት ተራኺቦም ኣብኡ ተናቖቱ። ብዙሕ ሰብ ከም ቆጽሊ ረገፈ፣ ክልቲኦም ሓያላት ሓመድ ተጋበሩ።
እንተ ዀነ መወዳእትኡ ድሩይ ዓወት ረኸበ` ሞ ኣቤቶ ረዳእ ሃዲሙ ናብ ወልቃይት ከደ። ድሩይ ዘሚቱን ኣገቢሩን ንዓዱ ክምለስ ከሎ ካብ ማእከል ሩባ ተከዘ ንውልድ ወለዶ መዘከርታ ትኸውን ኢሉ ሓንቲ ክምብልብል ጸላም እምኒ ሓይሊ ብግምት 80 ኪሎ ግራም ትምዘን ኣብ ሰራየ መንጎ መራጉዝን ማይ ጻዕዳን ተኸላን ስለስቲአን ወረዳታት ዝዳወባሉ ቀራና ኣብ ወሰን መገዲ ኣብ ድርኮ ተኸላ። ካብቲ እዋን እቲ ዝተወርሰ ዛንታ ዘለዋ እምኒ ስካብ ሎሚ መዘከርታ ኰይና`ላ። ባሕሪ ነጋሲ ድሩይ ፍጋጋ ብሰሪ`ዚ ዝተላዕለ ግዘኣቱ ስጋብ ተከዘ ኣግፈሑ ሓዘ።
ትውልዲ ባሕርጋስ ዮሓንስ ድሩይ ፍጋጋ፡ ወረዳ ተኸላ
ዘርኢ ድሩይ ፍጋጋ ወዲ ዳግማይ ብሌንሰገድ ብዙሓት ኣይኮኑን። ድሩይ ፍጋጋ ዝፈረዮም፡ ኣብ ወረዳ ተኽላ፡ ዓዲ ባሪን ጥቓ መንደፈራ፣ ኣብ ወረዳ ደቡብ፡ ኣብ ማይ ሓርማዝ ኣለዉ። ከምኡ`ውን ኣብ ዓዲ ሕዱግ ወረዳ ኣዝማች ዑቅቢት ዘርኢ ድሩይ ፍጋጋ ኣለዉ። ብዘይካ እዚኣቶም ዘርኢ ድሩይ ፍጋጋ ዝፈረይዎም፡ ኣብ ማይ ጸብርን፣ ዓዲ ኣርቃይን፣ እምባ ላጅን መሬት ትግራይ ኣለዉ።
ባሕርጋስ ድሩይ ፍጋጋ ዮሓንስ፡ ንዳግማይ ባሕርጋስ ብሌንሰገድን፣ ንሃሺምን፣ ንማመት ወለደ።
ባሕርጋስ ብሌንሰገድ ወዲ ድሩይ ፍጋጋ፡ ንደርማስን ንተኽለን፣ ንዓንዱን፣ ንኣከሎምን፤ ንስላስን ወለደ። እዚኣቶም ዝወለዱዎም ኣብ ዓዲ ባሪን ኣለዉ።
ደቂ ስላስ (ጓል)፡ በዓል ቀሺ ገረፍኤል ደቂ ብሪን ዝግብ ኢዮም።
ካብ ተኽለ ዝውለዱ፡ ኣብ ገዛ ዋዛ ኣለዉ። ከምኡ`ውን ገሊኦም ደቂ ተኽለ ኣብ
እምባላጅን ትግራይ ኣለዉ።
ሃሺም፡ ወዲ ድሩይ፡ ንማዕልን፣ ንሳምሩይን ወለደ። ማዕል፡ ንድብሎምን፣ ንሓይሎምን፣ ንቴድሮስን፣ ንኣሮንን ወለደ። ደቂ ሳምሩይ ንበዓል ቀሺ ተስፋማርያምን ንበዓል እይተ ገረንስኤን ወለደ፡ ኣብ ዓዲ ባሪን ኣለዉ።
ማመት ወዲ ድሩይ፡ ንካልኣይ ድሩይ ፍጋጋ ወለደ። ካልኣይ ድሩይ፡ ንገብረድንግልን፣ ንዓንደማርያምን፣ ንኣብርሃምን ወለደ።
ገብረድንግል፡ ንዑቝባይ ወለደ። ዑቝባይ ድማ፡ ንሃይሉን ንዘነቢሽን ወለደ። ደቂ ወልዳት፡ ተኽሉን ዓርኩን ይበሃሉ። ብዙሓት ኢዮም። ደቂ ዓንደማርያም፡ ገዛ ፋኑኤልን ገዛ ክብረኣብን ይበሃሉ፡ ብዙሓት ኢዮም። እዚኣቶም ኣብ ማይ ሓርማዝ ኣለዉ።
ምስ ደቂ ድሩይ ፍጋጋ ካልኦት ጋንታ ትውልዲ፡ ኣብ ማይ ሓርማዝ እንዳ ኣበይቶ ዝበሃሉ፡ ገዛ ክፍሊትን ገዛ ኣስቡን ካብ ነገደ በለው ኣለዉ። ከምኡ`ውን ደቂ ተንስኤ ክርስቶስ ቁንጹብ ካብ ማይ ጻዕዳ ማይ ሻኻ ዝውለዱ፡ እንዳ ቀንጣብ መዓር ዝበሃሉ ኣብ ማይ ሓርማዝ ኣለዉ።
ትውልዲ ደቂ ባሕረ ነጋሲ ድሩይ ፍጋጋ ዮሓንስ ብሓደ ዘርፊ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ፡ ካብ ገዛ ማዕል ዝረኽብክዎ።
ካብ ቀዳማይ በለው ኣብ ታሕታይ ትውልዲ፡
1. ቀዳማይ ይትሃርም
2. ንሳልሳይ ቀለምሲስ
3. ንዳግማይ ንይትሃርም ወለደ፡ ይትርሃም
4. ንንጉስ ወልደጊርጊስ ወለደ፡ ንጉስ ወለደጊርጊስ
5. ኣብዮቶ ፈሊጶስ ወለደ፡ ኣብዮቶ ፊሊጶስ
6. ንጉስ ምራራ ገብረክርስቶስ ወለደ፡ ንጉስ ምራራ ገብረክርስቶስ
7. ንንጉስ በሌንኮ ወይ (በሌኒጃኖ) ወለደ፡ በሌንኮ
8. ንንጉስ ምራራ ተክለ ሃይማኖት ወለደ፡ ንጉስ ምራራ ተክለ ሃይማኖት

9. ንንጉስ ጠጣው ውድም ወለደ ንጉስ ጠጣው።
10.ንሃጸይ ጃን ስዩም ወለደ ።ሃጸይ ጃን ስዩም።
11.ንሃጸይ ምራራ ገብረማርያም ወለደ። ሃጸይ ገብረማርያም።
12.ንቀዳማይ ቅዱስ ሃጸይ ላሊበላ ወለደ። ሃጸይ ላሊበላ።
13.ንሃጸይ ይትባርኽ ወለደ። ሃጸይ ይትባርኽ።
14.ንዳግማይ ሃጸይ ምራራ ጃን ስዩም ወለደ።ሃጸይ ጃን ስዩም
15.ንዳግማይ ሃጸይ ምራራ ገብረማርያምን ወለደ።
16.ንኣቤቶ ኣንበሳጅርን፣ ንጅራተቀጭንን፣ ንኣንዳለው ቀርን ወለደ።ካብዚኣቶም
ኣንበሳጅር፡
17.ንኣቤቶ ጅር ገደላ ወለደ። ኣቤቶ ጅር ገደላ
18.ንኣቤቶ ሰርብደም ወለደ። ኣቤቶ ሰርብደም
19.ንኣቤቶ እልፍ ደም ወለደ። እልፍ ደም
20.ንኣቤቶ ሰብ ከምዓንቋ ወልደ። ኣቤቶ ሰብ ከምዓንቋ
21. ንኣቤቶ ኣከለጽዮን ወለደ። ኣከለጽዮን
ካብ ነገደ በለው ዝኾነት፡ ጓል መሓመደ ጻዕዳ ቴድረር ኣከለ ጉዛይ፡ ወይዘሮ ሽመዲን ዝተባህለት ንክልተ ኣሕዋት
ማናቱ፡ ኣድከመን ምልጋእ,, ዝተባህሉ ወልደት።
ኣድከመ
22. ንሹም ስእለጽዮን ወለደ። ሹም ስእለጽዮን
23.ንቀዳማይ ንጉስ ባሕሪ ነጋሲ ሩስ ብሌን ስገድ ወለደ። ንጉስ ባሕሪነጋሲ ሩስ ብሌን ስገድ
24.ንባሕሪ ነጋሲ በግዓጽዮን ዳኹር ወለደ። ባሕሪ ነጋሲ በግዓጽዮን ዳኹር
25. ንባሕሪ ነጋሲ መዋኢ ክርስቶስ (ማኢ) ወለደ። ባሕሪ ነጋሲ መዋኢ ክርስቶስ
26. ንዳግማይ ባሕሪ ነጋሲ ብሌንሰገድ ወለደ። ባሕሪ ነጋሲ ብሌን ሰገድ
27. ንባሕሪ ነጋሲ ድሩይ ፍጋጋ ዮሓንስ ወለደ። ድሩይ ፍጋጋ
28.ንሃሺም ወለደ። ሃሺም
29.ንማዕል ወለደ። ማዕል
30.ንቴድሮስ ወለደ። ቴድሮስ
31.ንቀሺ ዑቐቡ ወለደ። ቀሺ ዑቐቡ
32.ንገብረድንግል ወለደ። ገብረድንግልን
33.ሓድጉን ፤ ንገብረመስቀል ወለደ። ሓድጉ
34.ንወልደሳሜኤልን፤ ንወልደስሞአን፤ ንወልደገርማን ወለደ። ወልደሳሜኤል
35.ንዳግማይ ገብረድንግል ወለደ። ዳግማይ ገብረድንግል
36.ንቀሺ ክፍሉ ወለደ። ቀሺ ክፍሉ
37.ንኣብርህትን፣ንምንያን፣ንለተጽየን፣ንስላስ፣ንለተሱስን፣ንለተንጉስን፣ንገብሩን፣ንሉቻያን፣ንመንግስተኣብን ወለደ።ካብዚኣቶም
38.ገብሩ ወዲ ቀሺ ክፍሉ፡
39.ንኣፍርቂን፤ንሚከኤል፣ ንዳዊትን ወለደ።
ገብረመስቀል ሓዊ ሓድጉ፡ ንወልደጋብርን፣ንከንቲባ የከተምን፣ንንጉሰን፣ንተማኑን፣ ንዳግማይንገብረመስቀልን፣ንጐበዘን ወለደ።
ኣብ ወረዳ ተኽላ ዝርከባ ዓድታት
ዓዲ ሞንጎንቲ፣ ኵዶ ፈላሲ፣ እግሪ መኽል፣ ደርዓንቶ፣ ማይ ልቡስ፣ ዓዲ ጋርማ፣ ዳንዴር፣ ዓዲ -ቀ ግነት፣ ዓዲ ዛርና ላዕላይ፣ ዓዲ ዛርና ታሕታይ፣ ዓዲ ሓረ፣ ዓዲ ብላይ፣እንዳ ኣማኑኤል፣ ዓዲ ወግሪ፣ ዝባን ዑና፣ ኪለውሊዕ፣ ዓዲ ባሪን፤ እምባ ዛርብ፣ ዓዲ ባድም፣ ኣረጊት መኽረም፣ ዓዲ ቀዳበት፣ ዓዲ ጎድባ፣ ቅነ ሓየላ፣ ዓዲ ባርዲ፣ ደበዛና፣ ማእዶ፣ መፋልሶ፣ ዓደ ሰክሕ፣ ዓዲ ቆዶ፣ ዓዲ ዓዳ፣ ዓዲ ሳሓርቲ፣ ጥረ፣ መኽረም፣ ቤት ማርያም፤ ዓዲ ኣውሓዛ፣ ዓዲ ዓጓ፣ ኵዶ ጭራ፣ ዓዲ ገሃድ፣ ኣውሓዛ፣ ደብብቲ፣ ጽግሪ ዳለ፣ ዝባን ሰራው፣ ዓዲ ሸቋኖ፣ ዓዲ ቀርኒ፣ ጸፍሖ፣
ባሕሪ ነጋሲ ድሩይ ፍጋጋ ቅድሚ ምስውኡ ውላድ ገድፉ ስለ ዝነበረ ሕጂ ኣብ ሰራዬ ክልተ ዓድታት ኣለዉ። እተን ዓድታት ድማ ቀዳመይቲ ዓዲ ባሪ ኣብ ጥቓ መንደፈራ ዘላ እያ፡ ካልኣይ ድማ ማይ ሓርማዝ ኢያ። ከምኡ`ውን ኣብ ባርካ ምስ ህዝቢ ቢንዓሚር ዝተሓወሱ ኣለዉ። ኣብ ከባቢ ከሰላ ሓለንጋ ተባሂሎም ዝስመዩ ኣለዉ። እዚኦም`ዮም ንምዕራባዊ ቆላ ሰራዊቱ ኣኸቲቱ ዘመቻ ምስ ከደ ኣብኡ ዝወለዶም ኢዮም። እምባኣር ባሕሪ ነጋሲ ነገስታት ሃገርና ምስ ናይ ወጻኢ ጸላእቲ ናይ ምክልኻል ቃልስን ውግእን ናይ ብሱሓት ኣማኢት ዓመታት ስለ ዝኾነ፡ ገሊኡ ዝተረሰዐ እዩ። ካብቲ ዝተረስዕ እዩ። ካብቲ ዝተረስዕ ገሊኡ ብባሕረ ነጋሲ ያዕቆብ ቆራይ ዝምራሕ ሰራዊት ኤርትራ ምስ ግራይ ዝገበሮ ውግእ ኣብ ዘላምበሳ ኣብ ታሪኽ ኣይተዝንተወሉን ኢዩ።

ናይ ባሕሪ ነጋሲ ተስፋልዑል ግን ብናይ ሃገርና መጸሕፍቲ ይንገረሉ ኢዩ። ግን ናይ ኩሎም ታሪክ ውሑዳት ዓበይቲ ዓዲ ክሳዕ እዚ ቀረባ ግዜ የዘንትዉዎ ኔሮም ኢዮም። ከምኡ`ውን ኣብ ጥንታዊ ገዳም ደብረ መንቆርዮስ ኣብ ከባቢ ዓረዛ ዝርከብ ገዳም፡ ብዛዕብኡ ናይ ቀደም ጽሑፍ ኔሩ ኢዩ። ዳሕራይ ግን መሪቱ ተበላሽዩ ዘይንበብ ኮይኑ ካብቲ ዝመረተ መጽሓፍቲ እየ ኣኪበዮ። ብዙሕ`ካ ዘይንበብ እንተነበረ፡ ካብቲ ውሑድ ኣሰር ዝተረኸበ ኢዩ። ግን ካብ`ዚ መጽሓፍ እዚ ዝተቐደሕ ኣብ ዛንታ ኤርትራ እትብል መጽሓፎም፡ ፈተውራሪ ሚኪኤል ሓሰማ ኣብ ገጽ 126 ሓለንጋ ብዝብል ኣርእስቲ፡ ምንም`ካ ኩሉ እንተዘይጸሓፍዎ ኣብ ዳባርዋ ዝነበረ ባሕሪ ነጋሲ ድሩይ ፍጋጋ ኢሎም ቅሩብ ኣሰር ጽሒፎም ኣለዉ። ዝረከብዎ ኣሰር ዝጻሓፉ ድማ ከምስጉኑ ይግብኦም ኢዩ። እዚ ስለ በዓል ባሕረ ነጋሲ ድሩይ ፍጋጋ ዝገልጽ ታሪኽ ኣብ ጥንታዊ ገዳም ዝነበረ ማኸዕ ዓመተ ምህረቱ ብ1520 እዩ ምስቲ ቀዳሞት ዓበይቲ ዓዲ ዘዘንትውዎዝነበሩ ዝተሳማዐ እዩ። እቶም ዘዘንትውዎ ዝነበሩ ዓበይቲ ዓዲ በዓል ኣቦይ ከንትባ ገብረ ሙሴ ኢዮም። ኣቦ ከንቲባ ገብረ ሙሴ ክሳዕ መግዛእቲ ኢጣልያ ብሂውቶም ዝነበሩ ኢዮም። ኣቦይ ከንቲባ ገብረ ሙሴ ኣብ እምኒ ሓይሊ እንዳ ያዕቆብ ዓዲ ዓንዴል እትባሃል ዓዲ ኢዩ ዓዶም። ኣቦይ ከንቲባ ገብረ ሙሴ ንደግያት መሓሪን ይወቕስዎም ነሮም ኢዮም። ንደግያት መሓሪ ዝወቕስዎም

ዝነበሩ ምኽንያት፡ ታሪኽ ክጽሕፍዎ ኢሎም ኢዮም። ስለዚ ኮዳኣ ብዙሕ ዓበይቲ ታሪኽ ናይ ሃገርና ከተጻሕፈ ተሪፉ ኣሎ ይብሉ ኔሮም። ንጆሜትራ ገብረኢየሱስ ኣባይ ወን የወቕስዎም ኔሮም ኢዮም። ምኽንያት ድማ፡ ኣብታ መሰረት ዓሌት ህዝቢ መረብ ምላሽ ብግዜ ሃጸይ ሃይለ ስላሴ ዝጸሓፍ ወይ ዝደረሰ ብዙሕ ጌጋ ኣለዎ። ካብቲ ጽሑፍ ብዙሕ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኢዩ። ከምኡ`ውን ቀደም ብጀጋኑ ኤርትራውያን ዝተፈጸመ ጅግንነት ከም ብመሪሕነት ንግስነት ሽዋ ዝተፈጸመ ጌሩ ጽሒፍዎ። ንኽፍቶ ንንግስነት ሽዋ ዘንጸባርቕ ጌሩ እዩ ጽሒፍዎ ኢሎም ይወቕስዎ ነሮም። እምበኣር ድሕሪ ባሕረ ነጋሲ ድሩይ ፍጋጋ ተተኪኡ ናይ መሪሕነት ስልጣን ሒዙ ኣብ ድባርዋ መሪሕነት ዝቆጸለ፡ ድማ ባሕረ ነጋሲ ዑቕባሚካኤል ጥቑር፡ ነቲ ተዳኺሙ ዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ ተኪኡን ኣበራቢሩን መሪሕነቱ ኣብ ድባርዋ ብድግንነት ቀጸለ።
መም/ ፈደል መኮነን ከተማ
copy from History of Eritrean People