? include("../Agriculture/headere.php") ?>

ሓርበኛ ስዉእ ሜጀር ጀነራል "ኣሕመድ ዑመር መሓመድ" (ካካይ)


"ሜ/ጀነራል ኣሕመድ ካካይ" ኣብ 1948 ዓ.ም.፡ ካብ ወለዱ ኣቶ ዑመር መሓመድን ወይዘሮ ሳዕድያ ኣሕመድን ኣብ “ኣፍታ” ንኡስ ዞባ “ዙላ” ዝተወልደ ተጋዳላይ ኣሕመድ ዑመር መሓመድ (ካካይ)፡ ካብ 67 ዕድመኡ፡ 47 ዓመታት ኣብ ቃልሲ ንናጽነትን ህንጸት ሃገርን እዩ ኣሕሊፍዎ። ሓደ ካብቶም ሓያል ፍቕሪ ህዝቢን ሃገርን፡ ትስፉው መንፈስ፡ ጽንዓት፡ ተበጃውነት፡ ትብዓት፡ ምቕሉልነት ዝመለለይኡ ክብርታት ዝውንኑ ጀጋኑ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ድማ እዩ። ስውእ ሜጀር ጀነራል ኣሕመድ ካካይ፡ ግዜ ንእስነቱ ኣብ ትውልዲ ዓዱ “ኣፍታ” ምስ ስድራቤቱ፡ ኣብ ሕርሻዊ ንጥፈታት እናተሓጋገዘ’ዩ ኣሕሊፍዎ። ገና ብቑልዕነቱ ትጉህን ህርኩትን ሰብ ድማ እዩ ነይሩ። ብጻይ ኣሕመድ፡ ኣብ እዋን ብጽሕናኡ፡ ጸላኢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ዝነበረ ግፍዒታት፡ ብፍላይ ድማ፡ ኣብ 1967 ዓ.ም.፡ ኣብቲ ዝዓበየሉ ከባቢ፡ ኣብ ሓያሎ ዓድታት ዝፍጸም ዝነበረ ኣረሜናዊ ቅትለትን ራስያን ብምርኣይ’ዩ፡ ኣንጻር መግዛእቲ ናይ ምቅላስ ልዑል ወኒን መንፈስን ዘሕደረ። በዚ ድማ፡ ወዲ 19 ዓመት እንከሎ፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተወዲቡ፡ ኣብ ዓዱ ኮይኑ ምስ ተጋደልቲ ክተሓጋገዝ ጀሚሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡

ኣብ ሰነ 1968፡ ኣብ መሳርዕ 4ይቲ ክፍሊ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብምጽንባር፡ ኣብ ዓጎምቦሳ ወተሃደራዊ ታዕሊም ወሲዱ። ምስ ምቛም ስሙር ሓይሊ፡ ብጻይ ኣሕመድ፡ ኣብ ሓይሊ ሮሞዳን ትረ ተመዲቡ ገድሉ ክቕጽል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ህዝባዊ ሓይልታት ምስ ተወልደ፡ ካብ ተ.ሓ.ኤ. ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሰጊሩ፡ ቃልሱ ንናጽነት ብዝለዓለ ወኒን መንፈስን ቀጺሉ። ብጻይ ኣሕመድ፡ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ምስ ተጸንበረ፡ ካብ 1971 ክሳብ 1975 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ኣብ ክፍሊ ኣጽዋር ህ.ሓ. እዩ ዝነጥፍ ነይሩ። ኣብቲ ከቢድ ሃልኪን ድኻምን ዝመልኦ፡ ብልሓት፡ ምስጢራውነትን ትብዓትን ዝጠልብ ዕማማት ምዕቃብን ምብጽጻሕን ኣጽዋርን ተተኰስቲን ብልዑል ተወፋይነት ድሕሪ ምግልጋሉ ድማ፡ ኣብ 1975፡ ኮሚሳር ክፍሊ ዕቃበ ብረት ህዝባዊ ሓይልታት ክኸውን በቒዑ። ክሳብ 1977 በዚ ሓላፍነት’ዚ ብምስራሕ ከኣ፡ ኣብ ጥሪ 1977 ሓላፊ ክፍሊ ዕቃበ ብረት ኮይኑ ተመዚዙ። ብጻይ ኣሕመድ ካካይ፡ ን9 ዓመታት ዝኣክል ሓላፊ ክፍሊ ዕቃበ ብረት ህ.ግ. ኮይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን፡ ኣብ ዕብየትን ምዕባለን ናይቲ ክፍሊ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረ ሓላፊ እዩ። ብድሕሪ’ዚ ኣብ 1986፡ ካብ ክፍሊ ዕቃበ ብረት ናብ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር ተቐይሩ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ኮይኑ ተመዚዙ። ኣብ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር ንሓደ ዓመት ብምግልጋል ከኣ፡ ኣብ ነሓሰ 1987 ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተቐይሩ፡ ኣብ ክፍለ ሰራዊት 70 ኮሚሳር ክፍለሰራዊት ንምዃን በቒዑ። ብጻይ ኣሕመድ፡ ኣብ ክፍለሰራዊት 70 ሰለስተ ዓመታት ድሕሪ ምግልጋል፡ ኣብ 1990 በዚ ጽፍሒ’ዚ ናብ ክፍለሰራዊት 96 ተቐይሩ። ክሳብ ዕለተ ናጽነትን ድሕሪኡን ከኣ ብደረጃ ኮሚሳር ክፍለሰራዊት ኣገልጊሉ። ኣብ ጥሪ 1992 ኮሚሳር ኮር 161 ኮይኑ ዝተመዘዘ ብጻይ ኣሕመድ፡ ክሳብ 1994 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብ ኮራት 161ን 271ን ብደረጃ ኮሚሳር ድሕሪ ምስራሕ፡ ኣብ ግንቦት 1994 ሓላፊ ስታፍ ሎጂስቲክስ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኮይኑ ተመዲቡ። በዚ ጽፍሒ’ዚ፡ ን5 ዓመታት ምስ ሰርሐ ድማ፡ ካብ 1999 ክሳብ

2002፡ ሓላፊ ስታፍ ዞባ ስርሒት 4፡ ካብ 2002 ክሳብ 2004 ኣዛዚ ዞባ ስርሒት 3 ኮይኑ ኣገልጊሉ። ካብ 2004 ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ድማ፡ ሓላፊ ስታፍ ኣጽዋር ሚኒስትሪ ምክልኻል ኮይኑ ብተወፋይነት ክገልግል ጸኒሑ። ስውእ ሜጀር ጀነራል ኣሕመድ ዑመር መሓመድ፡ ኣብ ኩሉ ዝተመደቦ ስርሓት፡ ሃገርን ህዝቢን ዘሰከሞ ሓላፍነት፡ ብልዑል ተወፋይነትን ብቕዓትን ብምፍጻም፡ ኣብ ቃልሲ ንናጽነትን ህንጸት ሃገርን ብሓፈሻ፡ ኣብ ምስፋሕን ምምዕባልን ንጥፈታት ዕቃበ ብረት ድማ ብፍላይ ዓቢ እጃም ዘበርከተ ዜጋ እዩ።
ስውእ ሜጀር ጀነራል ኣሕመድ ዑመር መሓመድ (ካካይ)፡ ኣብ ፈለማ ናይ ቃልሲ ህይወቱ፡ ማለት ኣብ 1969፡ ኣብ ኩመይላ፡ ሓሽሻይ፡ ሓልሓል ኣብ ዝተኻየደ ውግኣት ከምኡ’ውን፡

ኣብ 1971፡ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ፈልሒት ብደረጃ ተራ ተዋጋኣይ ክሳተፍ እንከሎ፡ ካብ 1987 ንደሓር፡ ብደረጃ ኮሚሳርን ኣዛዚን ክፍለሰራዊት፡ ኣብ ውግኣት ግንባር ናቕፋ፡ ኣብ ስርሒት ፈንቅልን ምርብራብ ግንባር ጊንዳዕን ከምኡ’ውን ኣብ ውግኣት ምሕራር ሰንዓፈ፡ ድግሳ፡ ሰገነይቲ ተሳቲፉ፡ ጅግንነቱ፡ ተወፋይነቱን ብቕዓት ኣመራርሓኡን ዘመስከረ ዜጋ እዩ። ብጻይ ኣሕመድ፡ ኣብ 1978 ኣብ ናቕፋ፡ 2ይ ዙርያ ፖለቲካዊን ፍልስፍናዊን ትምህርቲ ክቐስም እንከሎ፡ ኣብ 1985 እውን ኣብ ዓራግ ትምህርቲ ወተሃደራዊ ሳይንስን ካርታን ቀሲሙ እዩ። ስውእ ሜጀር ጀነራል ኣሕመድ ዑመር መሓመድ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓንቲ ውላድን እዩ። ተጋዳላይ ኣሕመድ፡ ብሃገራዊን ሞያዊን ኣበርክቶኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ውልቀሰብ፡ ብሰብኣዊ ባህርያቱ እውን ፍቱው ብጻይ እዩ ነይሩ። ምስ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ብቐሊሉ ክረዳዳእ ዝኽእል ብጻይ ኣሕመድ፡ ኣዝዩ ምቕሉልን ሕያዋይን ብምንባሩ፡ ብመቓልስቱን መሳርሕቱን ቅቡልን ምስጉንን እዩ ነይሩ። ምሉእ ዕድመኡ ብልዑል ሓቦን ጽንዓትን ስለ ሃገርን ህዝቢን ተወፍዩ ዝተቓልሰ ብጻይ ኣሕመድ ብዘጋጠሞ ሕማም፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ሱዳንን ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ወጋሕታ ናይ 14 ለካቲት 2015፡ ኣብ ሃገረ ሱዳን ኣብ ሆስፒታል ዓሪፉ።
ብሰላም ዕረፍ ጂግና!
ሰማእታትና ወትሩ ይዘከሩ!

The Horn of Africa Research and Knowledge Exchange Platform
The Horn of Africa Research and Knowledge Exchange Platform
© 2010-2016 www.harep.org rkidane@talk21.com Contact:
Please click Here to send your feedback