? include("../Agriculture/headere.php") ?>



መምህር ይስሓቅ ዮሴፍ

እቶም ዘይተዘመረሎም

ገዚፍ ዕዮ ኣበርኪቶም ዝሓለፉ ዜጋ

ደራስን ናይ ታሪኽ ተማራማርን ኮይኖም: ምዕቃብ ታሪኽ ራእስታትና ኣውራ ድማ ርእሲ ሃይሉ ተወልደመድህን (ሓባል)ን ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን (ጎሚዳን) ገዚፍ ስራሕ ሓዲጎም ዝሓለፉ ጅግና ሰብ እዮም:: ሎሚ ብታሪኽና ክንሓስብ ምስ ጀመርና ንኣበርክቶኦም ክንዝክሮ ተቀሲብና ኣሎና::
ሕጽር ዝበለ ታሪኽ ህይወቶም ስዒቡ ዝቀርብ ኢዩ::

መምህር ኢሳቕ የሴፍ:: መምህር ኢሳቕ ዮሴፍ ካብ ኣቦኦም ኣቶ ዮሴፍ ተስፋማርያምን፡ካብ ኣዲኦም ወይዘሮ ግምጃ ብርሃነን፡ኣብ 1934 ኣብ ዓዶም እምበይቶ ሰሓርቲ ተወሊዶም።ኣብ ከተማ ኣስመራ ድማ ዓብዮም።ኣብ 1945 ኣብ ኣስመራ ኣብ እንዳ ሃለቃ ዑቅባእንድርያስ ዓስቡ ድማ፡ፊደል ቆጺሮምን፡መንፈሳዊ ትምህርትን፡ግእዝን ኣጽንዑ።ብድሕሪ እዚ መባእታ ዘመናዊ ትምህርቲ ኣብ ኣኽርያ፡ማእከላይ ትምህርቶም ድማ ኣብ ቤተ-ጊዮርጊስ ኣስመራ ተማሃሩ።ካብ 1951 ክሳብ 1952 ኣብ ትካል ምስልጣን መምሃራን ኣትዮም ብምስልጣን፡ንኣስታት 11 ዓመታት መምህር ኮይኖም ኣገልገሉ።ብድሕሪ እዚ ናብ ምምሕዳር ከተማ ኣስመራ ተመዲቦም፡በብግዚኡ እናሓንሳብ ከም ዋና ጸሓፊ፡ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ቤት ምኽርን፡ከም ፍሉይ ጸሓፊ ከንቲባ ኮይኖም ንሓያሎ ዓመታት ኣገልገሉ።ኣብ ኣስመራ ኮይኖም ዕዮኦም እናዓመሙ ድማ፡ብናይ ርሑቕ ትምህርቲ፡ብዛዕባ ኣጸሓሕፋ ሓጺር ዛንታ፡ምምሕዳር ጋዜጣን፡ሞያ ጋዜጠኛነትን፡ቋንቋ እንግሊዝን ኣጽንዑ።ብድሕሪ እዚ ከም ሓላፊ ህዝባዊ ርክባትን፡ኣገልግሎት ሓበሬታን ኮይኖም፡ኣብ ዝነጥፍሉ ዝነበርሉ እዋን፡ዋና ኣሰናዳኢ ናይታ ድምጺ ነባሮ ከተማ ኣስመራ እትብል ወርሓዊት መጽሔት ኮይኖም ኣገልገሉ።
መምህር ኢሳቕ ዮሴፍ ኣብ ናይ ድርሰት ዓለም ክኣትዉ ዝደረኾም፡ኣብ ግዜ እንግሊዝ ማለት ግዜ ንእስነቶም፡እቲ መንፈሳዊ ትምህርቲ ብሃለቓ ዑቕባእንድርያስ ዓስቡ፡ደሓር ብርእሰ-ደብሪ ዑቕባእንድርያስ ዓስቡ ዝፍለጡ ዝዋሃብ ዝነበረ ትምህርቲ፡ምስላን፡ተረትን ዝብል ብማሕበር ካምቦኒ ዝፈረየ መጽሓፍ ኣቡነ-ያቆብ ገብረእየሱስ፡መጻሕፍቲ መምህር ኢሳቕ ተወልደመድህን፡ሰሙናዊ ጋዜጣ ኤርትራ ብቐጻሊ የንብቡ ስለዝነበሩ፡እዚ ንባብ እዚ ደራሲ ንኽኾኑ ዓቢ ድርኺት ፈጠረሎም።ብፍላይ እቶም ብዝተፈላለዩ ሰባት ኣብቲ ናይ ሽዑ እዋን ጋዜጣታት ዝጻሓፉ ዝነበሩ ምሩጻት ዓንቀጻት፡ካብ መጻሕፍቲ ንላዕሊ ዝሕረዩ ስለዝነበሩ ነዚኣቶም እናንበቡ እቲ ናይ ደራሲ ምዃን ድሌቶም ንላዕሊ ዓረገ እሞ፡ካብ ግዜ ንእስነቶም ጽሑፋት ናቶም ምሕንጣጥ ጀመሩ።በዚ መሰረት ሓደ እዋን ኣብ ግዜ ንእስነቶም ተማሃራይን፡መነባብርኡን እትብል ጽሕፍቲ ኣዳልዮም ናብ ጋዜጣ ሰደድዋ እሞ፡እቶም ኣዳለዉቲ ንኽትሕተም ኣብ ጋዜጣ ስለዘፍቀዱ፡ተሓቲማ ምስ ወጸት መምህር ኢሳቕ ዮሴፍ ኣዝዮም ተሓጎሱ እሞ፡በዚ ድማ ስራሕ ድርሰት ንኽቅጽልዎ ፍናን ረኸቡ።ብድሕሪ እዚ እታ ቦኽሪ መጽሓፎም፡ሓየሎም ወደ-ኣስመራ እትብል ድርሰቶም ኣብ 1966 ዓመተ-ምህረት ፈረንጂ የሕተምዋ።
ዋላ እኳ ብሞያ ምምህርና ዝናበሩ እንተነበሩ፡ካብ ድርሰት ምጽሓፍ ግን ንሓደ ማዓልቲ እኳ እንተኾነ፡ዓዲ ዉዒሎም ኣይፈልጡን እዮም።ኣብቲ ሽዑ እዋን ድርሰት ምድራስ ፈጺሙ ኣተባባዒ ኣይነበረን፡እቶት ስለዘይብሉ፡ህዝቢ እዉን ናይ ምንባብ ባህሉ ለጠቕ ዝበለ ስለዝነበረ፡ብዙሕ መጻሕፍቲ ገዚኡ የንብብ ኣይነበረን።

መምህር ኢሳቕ ዮሴፍ ደራሲ ማኣስ እዩ ተዓዊቱ ዝባሃል ንዝብል ሕቶ ክቐርበሎም እንከሎ ወትሩ ዝምልስዋ ዝነበሩ፡ደራሲ ተዓዊቱ ዝባሃል መጽሓፉ የሕቲሙ ናብ ኣንበብቲ እንተ ኣብጺሑዋ ክንዮ እዚ ዓወት የለን እዮም ዝብሉ ኔሮም።ንኣብነት ሓየሎም ወደ-ኣስመራ እትብል መጽሓፎም ናብ ዕዳጋ ምስ ኣዉረድዋ፡ዋላ እኳ እቲ ተመን ዋጋኣ ዉሑድ፡ሓንቲ ቅርሺ ትሸየጥ፡ኣንበብቲ ግን ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ጫምጫም ኢሎም ስለዝዓደግዋ ብኡንብኡ ቀዳማይ ሕታም ተወደአት እሞ፡ፍናኖም ከም ደራሲ ሰማይ ተሰቕለ፡እዚ ድማ እዩ ከም ዓወት ዝቆጽርዎ ዝነበሩ እምበር፡ድርሰት ብምጽሓፍ እንትርፎ እተዉጽኦ ልዑል ወጻኢታትን፡እትሃልኮ ላዕልን ታሕትን፡መኽሰብ ከምዘይብሉ እዮም ዝገልጹ፡መምህር ኢሳቕ ዮሴፍ።
ኣየናይ ድርሰት እዩ ዝያዳ ፍትው ንዝብል ሕቶ ክምልሱ እንከለዉ፡ትሕዝቶ ድርሰትካ፡ነቲ ዘሎ ሃዋህው ናይቲ ህዝቢ ዝገልጽ ምስዝኸዉን፡እቲ ድርሰት ፍትውን፡ተጠላብን ይኸዉን እዮም ዝብሉ መምህር።
መምህር ቅድሚ ዝኾነ ድርሰት ምጅማሮም፡ብዛዕባ እቲ ደልዮሞ ዘለዉ ሓሳባት፡ሓበሬታ እዮም ዝእክቡ፡ምስቲ ሓሳቦም ዝተኣሳሰሩ መጻሕፍቲ የንብቡ፡መጽናዕቲ ብምግባር ጽፉፍ ሓበሬታ ምስ ኣከቡ ድማ፡እቲ ዝኣከብዎ ሓበሬታ ንምህዘኦም ከምዘደንፍዕ ይገልጹ።ሓንቲ መጽሓፍ ምስ ደምደምዋ፡ወትሩ ብዓይኒ ነቀፌታ ጠሚቶም፡ሃናጺ ነቀፌታ ንዝህብዎም ሰባት እዮም ዘርእይዎ ድርሰቶም።ሓንቲ ማዓልቲ እዉን ትኹን መጽሓፎም ብነቀፍቲ ከየሕለፍዋ፡ንሕትመት ዝበቀዐት ድርሰት ከምዘይብሎም እዮም ዝገልጹ።ከምዚ ዓይነት ስነ-ምግባር ኣዝዩ ሃናጽን፡ኣገዳሲ ሓበሬታን ንኽትረክብ ስለዘኽእል፡እትጽሕፎ መጻሓፍቲ ጌጋታቱ ብኣጋ ንኽጽሀ ዓቢ ጥቕሚ እዩ ዘለዎ።

መምህር ኢሳቕ ዮሴፍ ኣብ እዋኖም ጽቡቕ ዝና ኣጥርዮም ስለዝነበሩ፡እቲ ዝነበረ መግዛእቲ ንጥበቦም ናብ ማዓልኡ ንኸዉዕሉ ንመምህር ኢሳቕ ዮሴፍ ብዛዕባ ጅግንነት ኣሉላ፡ከም ኤርትራዊ ጌሮም መጽሓፍ ክጽሕፉ ተወከስዎም፡መምህር ግና ወለንተኛ ስለዘይነበሩ፡እዚ ቀንዲ ጸላኢ እዩ ብምባል ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ከም ዝኣሰርዎም ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።መምህር ነዚ ክገልጹ እንከለዉ፡ምናልባት ከምቲ ዝበሉኒ ጌረ ኔረ እንተዝኸዉን፡ሰልዲ ምረኸብኩ ዘልኣለማዊ ዉርደት ግን ምተሰከምኩ እናበሉ እዮም ነቲ ናይ ሽዑ እዋን ኣብያ ንዘይኣምንሉ ነገር ብሓበን እናዘከሩ ዘዕልሉ

።ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከለዉ መምህር ኢሳቕ፡ብድሕሪኦም ወታሃደራት ደርግ ገዝኦም ብምኻድ፡ጽዑቕ ተፍትሽ ብምግባር ንዝነበሮም ንሕትመት ዘይበቀዐ ጽሑፋቶም ወሰድሎም።ገለ ካብተን እተወስዳ ጽሑፋቶም፡
1፡ኣብ ከዉሒ ዝቦቆለ ፍረ ደም
2፡እምቢ ክልተ ግዜ ኣይመዉትን
3፡እቲ ዘይተመልሰ ወደ-ኣስመራ
4፡መስፍናዊት ጓል ሃገር ኣብ ኣጎልግሎት ሃገር
5፡ደሃብ ጓል ኣስመራ ዝብላ ጽሑፋቶም ወሰድሎም።ደሃብ ጓል ኣስመራ ግን ኣብዚ ሕጂ ክፍሊ ዜና ዝባሃል ዘሎ ስለዝጸነሐት፡ናጽነት ምስኮነ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሚኒስተር ሕርሻ ዘለዉ እታ ጽሕፍቲ ምስረኸብዋ፡ንመምህር ኢሳቕ ዮሴፍ ብምጽዋዕ ከምዝሃብዎም እዮም ዝሕብሩ።እንተ እተን ካልኦት ድርሰታቶም ኣበይ ከምዘእተዉወን ስርዐት ደርግ ደሃይ ዘይብለን ዓረባ።
መምህር ብዛዕባ ድርሰት ወይ መጽሓፍ ምጽሓፍ ክዛረቡ እንከለዉ፡መጽሓፍ ምጽሓፍ ልዑል ጥንቃቐ ዘድልዮ ብምዃኑ፡ይትረፍ መጽሓፍ ዋላ ናብ ጋዜጣ እትወጽእ ንእሽቶ ዓንቀጽ እዉን ትኹን ልዑል ጥንቃቐ ክገብር ኣለዎ እቲ ጸሓፊ፡ከመይሲ ጸሓፋይ ሓደ እዩ፡ኣንበብቲ ግን ብዙሓት ስለዝኾኑ እትፍጽሞ ጌጋ ዘይተመላሲ ስለዝኾነ፡ዝኾነ ጸሓፋይ ቅድሚ ናብ ሕትመት ምቕራቡ ክጥንቀቕ ከምዘለዎ እዮም ዝላበዉ።
መምህር ክሳብ እለተ ሞቶም መጻሕፍቲ ጽሒፎም ናብ ህዝቢ ዝዘርግሕዎም እዞም ዝስዕቡ እዮም።
1፡ሓየሎም ወደ-ኣስመራ
2፡ሓደ ኤርትራዊ
3፡ሕንዛም ፍቕሪ ህድኣት
4፡ኣስመራ ከተማና የኣስመራ ከተማ ማዘጋጃ ቤት መጽሔት
5፡ድንገተኛ ፍቕሪ ንጽህቲ
6፡ዛንታ ህይወት መምህር ኢሳቕ ተወልደመድህን
7፡ዛንታ ከተማ ኣስመራ
8፡ደሃብ ጓል ኣስመራ
9፡እምቢያለ ወልዱ

10፡ቀዳሞት ጀጋኑ ኤርትራን ባህልናን ዝብላ መጻሕፍቲ ንኣንበብብቲ ዘቕረቡ ደራሲ እዮም።

መምህር ኢሳቕ ዮሴፍ ምስ ወይዘሮ ገዛችኝ ኣብርሃ ሓዳር ጌሮም፡ኣቦ ዓሰርተው ሓደ ዉሉዳት እዮም።መምህር ኢሳቕ ዮሴፍ ኣብ መበል 78 ዕድሚኦም ኣብ 2012 ዓሪፎም፡ኣብ ዓዶም እምበይቶ ሰሓርቲ ድማ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም።ኣብቲ ፈነወ ናይዞም ኣቦ ብርክት ዝበለ ቀባራይ ተረኺቡ እዩ ኣፋንይዎም።
መምህር ኢሳቕ ዮሴፍ እቶም ክቱር ተኸታታላይ ናይ ቁርሲ ቀዳም ኣብ ጠዓሞት ዝነበሩ፡ንሓንቲ ማዓልቲ እዉን ኣብቲ ቀዳም ቀዳም ዝግበር ዝነበረ፡ናይ ተመክሮ ምልዉዋጥ ኣብኪሮም ዘይፈልጡ ኣቦ እዮም።
መምህር ኢሳቕ ዮሴፍ ኣብ ግዜኦም ክብ ዝበለ ዝና ዘጥረዩ፡ኣብቲ ትሕቲ ጸሓይ ኣስመራ ድማ ዘይሃስስ ኣሰሮም ዘንበሩ ህቡብ ጸሓፊ እዮም።
ምንጪ
- ኣብ 2006 ዘካየድኩዎ ሰፊሕ ቃለ መሕትት
- ብሓ ደስበለ መሓሪ - ኣብ ነጸብራቕ ቁጽሪ 9 ለካቲት 2002 ተሓቲሙ ዝወጸ ጽሑፍ
- ብሓው ወዲ ኻዳ ኣብ ፌስቡክ ካብ ዝቀረበን

source Raesi Woldemichael Solomon

 

The Horn of Africa Research and Knowledge Exchange Platform
The Horn of Africa Research and Knowledge Exchange Platform
© 2010-2016 www.harep.org rkidane@talk21.com Contact:
Please click Here to send your feedback