-->

 

ኣሕመድ ዑቤድ ብሓበሽ (ኣባ-ሓበሽ) መን'ዩ?

"ካብ ሮፋዕ ናብ ሚልየነር


  · 



ኣሕመድ ዑቤድ ብሓበሽ ካብ ኣቡኡ ዑቤድ ብሓበሽን፡ ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ዘይነብን ኣብ ከባቢ 1879 ተወሊዱ።ኣባ-ሓበሽ ጌና ብንእስነቱ ኣብ ኣስመራ ዝመጸ፡ትሑት መነባብሮ ዝነበሮ የመናዊ እዩ።ካብ የመን ድማ እቶም ብጀበሊ ዝልለዩ ዓሌት ካብኦም እዩ።ንዝነበሮ ትሑት ናይ መነባብሮ ሂወት፡ንኽቕይር ኣሃዱ ቢሉ ስራሕ ርፍዕና ተተሓሓዞ፡ኣብ ትሽክም ድርብይ ሓያሎ እዋን ከርተት ምስ በለ፡ከርፋሕ ናብርኡ በብቑሩብ ክቕይሮ ጀመረ።ኣባ ሓበሽ ኣብ ሂወቱ፡ተጨራቓይ፡ተዋዛያይ ከም ዝነበረ ገለ ፈለጥቱ የዘንትዉ።ዋላ እኳ ሰሓቕ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ከምዘየድሊ ይቆጸር፡ዋላ ሰሓቕ ይምጻእካ ክትክልክሎ፡ክትጸቕጦ ኣለካ ዝብል ናይ ዕቱብ ምዃን ድሌት እንተሃለወ፡ኣባ ሓበሽ ኣብ ርእሲ ስርሑ ሰሓቓይን ተጻዋታይን'ዩ ኔሩ። ኣሕመድ ዑቤድ ብሓበሽ፡ ንህይወት ምስቲ ሓያል ዘይሕለል ሓርኮትኮቱ ዋዛ እናተዋዘየን፡ ምስ ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ሰባት እናተሳሓቐ እዩ ጉዕዞ ሂወቱ ዛዚምዎ። ከምቲ ንሓደ ጎበዝ፡ ሓደ ኣቦ ኣብ መንገዲ ምስ ረኸብዎ፡ ማሰ ዲኻ ትብል ማሳ ኢኻ ትወቅዕ ምስበልዎ፡እቲ ጎበዝ ትቕብል ኣቢሉ፡ኣነ ዳኣ ማሳ እናወቓዕኩ እየ፡ማሰ ዝብል በሎም እሞ፡እቶም ኣቦ ድማ እዚኣ ኻኣ ግርም በልዎ ይባሃል።እዚ ድማ ዕዮኻ ብግቡእ እናዓመምካ፡ዋዛን ሰሓቕን ኣገዳሲ ምዃኑ ንምግላጽ እዩ።ኣባ ሓበሽ ድማ ሓርኮትኮቱ ከይሓደገ፡ተዋዛያይን፡ተጻዋታይን ምንባሩ ፈለጥቱ ምስሉ ብምዝካር የዕልሉ።

እዚ ስራሕ ዝትእምርቱ ኣባሓበሽ፡ድሕሪ ምርፋዕ እቲ ዉህበት ረቢ ዝኾነ፡ሞያ ኣቦታቱ ንግዲ ጀመረ።ጽርግያ ኣስመራ ባጽዕ ከይተሰርሐ እንከሎ፡ብመጽዓኛን፡ሓይሊ ሰብን ብምጥቃም፡ካብ ባጽዕ ናብ ኣስመራ ብብዝሒ ጅንጅብል እናምጸአ፡ክነግድ ጀመረ።ጽቡቕ ጠመተን፡ምስትዉዓልን ናይ ንግዲ ዝነበሮ ኣባ ሓበሽ፡ኣስመራ ብጅንጅብል የዕለቕለቓ።ጅንጅብል መን እንተበሉኻስ መን ትብል፡ጅንጅብል ከምዝባሃል፡ንኣሕመድ ዑቤድ ብሓበሽ መን ምዃኑ ካብ ዘፍለጦ፡ሓደ ካብ ዓይነት ቀመማት ጅንጅብል እዩ።ብልዑል ናህሪ፡መኽሰብን መኽሰባትን እናደለበ፡ናይ መወዳእታ ጫፍ ናይ ሃብቲ ተንከፈ፡፡ንሂወት ኣብ ርእሲ ብርቱዕ ጻዕሩ፡ ብሳሓቕን፡ዋዛ እናመቀራ እዩ ኣባ ሓበሽ ዉሃ ዘበለ ሃብታም ኮይኑ።

ኣብ ማእከል ከተማ ዘሎ ገዛዉቲ ብዓብላልነት ክዉንን ጀመረ።ካብ ጫፍ ንጫፍ ኣስመራ፡ኣባሓበሽ፡ኣባሓበሽ ኣበለ።ስሙ ፈቀድኡ ክላዓል ጀመረ፡ ጥቓ ባሕቲ መስከረም ዘሎ፡ክሳብ ሕጂ ብፓላሶ ኣባሓበሽ ዝፍለጥ፡ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዘሎ፡ክልተ ዓበይቲ ፓላሶታት፡ባር ኪትካት ዘሎ ህንጻ ብዋንነት ኣባ ሓበሽ እዩ ዝፍለጥ።ካልእ እዉን ንሞፍቲ ኤርትራ ዝተረከበ ገዛዉቲ ከምዘለዎ እዩ ዝሕበር።ኣባ ሓበሽ ኣብ ኣስመራ መሐበሪ ቦታ እዩ፡ጥቓ ፓላሶ እንዳ ኣባ ሓበሽ፡ካብ እንዳ ኣባ ሓበሽ ሳልሰይቲ ኣንጎሎ ሕልፍ ኢልኪ ወዘተ እናተባህለ ክሳብ ሎሚ፡ከም ቀንዲ መሐበሪ እዩ ስም ኣባ ሓበሽ።

ሓደ ሰብ ግን ተዘካሪ ዝገብሮ፡ብዝዉንኖ ቆዋሚ ህንጻታት ኣይኮነን፡ኣባሓበሽ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ከመይ ኔሩ ዝብል ሕቶ ኣገዳሲ ይመስለኒ።ክንደይ ኣለዉ እንዶ ብዝዉንንዎ ህንጻታት ዝፍለጡ፡ዛንትኦም ክላዓል እንከሎ ዘስገድግደካ፡እገለ ኣዝዩ በቃቕ እዩ፡ብማይ ጽምኢ ክትመዉት ደሊኻ ኩባያ ማይ ኣይህበካን እዩ፡እገለ ድኻታት ክጸልእ ማዓት እዩ፡ክጻረፍ እንከሎ እዉን ወዲ ሸዉዓተ ድኻ እናበለ እዩ ሰራሕተኛታቱ ዝዝልፍ እናተባህለ ይዕለል እዩ።እገለ ኣብ ክንዲ ንድኻታት ዝሕግዝ ኣሻሓት ኣቕራሽ ኣብ ባራት ዝቐድድ እዩ።እገለ ምራቑ ኣብ ገጽ ጽጉማት ጡፍ ዝብል ብድዐኛ እዩ እናተባህለ ክንገረሎም ንሰምዕ።ገለ ሃብታማት እዉን ዉራይ ክገብሩ እንከለዉ፡ሕምቕ ዝበለ ክዳን ንእተኸድነ፡ብጽያነ ብምሓዝ ነዉኒዎም ካብ ዳስ ዘዉጽኡ ብድዐኛታት ኣለዉ።ገለን ድማ ፈጺሞም ዓጽመ-ስገኦም ዝፍንፍኑ፡ንሓዎም ወደብኦም ወደዲኦም ኣይሓወይን እዩ ዝብሉ፡ዘመድ ሓመድ፡ሓዊ መንደዲ ሓዊ እናበሉ ዝዛረቡ ፈቐድኡ ኣለዉ።

ናይ ኣሕመድ ዑቤድ ብሓበሽ ፍልይ ዘብሎ ነገር እንተሃልዩ፡ኣዝዩ መኽበሪ ሰብ እዩ። ከምቲ ቁዱስ መጽሓፍ ዝብሎ ድማ፡ጸጋመይቲ ኢድካ ክትህብ እንከላ የማነይቲ ኢድ ክትፈልጥ ወይ ክትርኢ የብላን ዝብል ብግብሪ ኣብ ኣባሓበሽ ኢኻ ትሪኦ

ህንጻ እንዳ ኣባ ሓበሽ ኣስመራ

ዓረብ ክምስሉ እንከለዉ "ኢድካ ንድሕሪት ደርብያ ቀዲማ እያ ትጸንሓካ" ዝብል ወርቂ ዝኾነ ምስላ ኣሎ።ከምቲ ኣብ መጻሓፍቲ ቡድሃ ዝርከብ ኣባሃህላ እዉን፡ንዝኾነ ጽጉም ክትሕግዝ ኣለካ፡ክትሕግዞ ዘይትኽእል እንተኼንካ ግን፡እንተወሓደ ከይትጎድኦ ዝብል ገዚፍ ልቦና ዝሓዘለ ብህሎ ዳላይሌማ፡እዚ ኣስላማይ እዚ ክስታናይ ከይበለ፡ነታ ረቢ ዝፈጠራ ናይ ማንም ሰብ ሂወት ኣብ ምሕጋዝ፡ላዕልን፡ታሕትን ብምባል ዝፍለጥ ኣሕመድ ዑቤድ ብሓበሽ፡ኣብ ኣስመራ ኣብነታዊ ሰብ እዩ።

ትምህርቲ መግቢ ኣእምሮ እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ዝነበሮ ኣሕመድ ኣባሓበሽ፡ከምቲ ኣቦታት ክምስሉ ዘይተማህረ ነየድሕን፡ዘይተወቕረ መጥሓን ነየጥሕን ዝብልዎ፡ኣሕመድ ኣባሓበሽ ትምህርቲ ዘይምህላው፡ዝኾነ ህጻን ካብ እንስሳ መፍለዪ ክህልዎ ኣይክእልን እዩ፡ዝኾነ ወላዲ ዉላዱ ንኸምህር ቤት ትምህርቲ የድልዮ ዝብል ንጹር ርድኢት ዝነበሮ ሰብ እዩ።
ኣብርሃም ሊንከን ኣብ ሓንቲ ዝጻሕፋ ኤሰይ ዓይነት ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡

"ወደይ ንፈለማ እዋን ቤት ትምህርቲ ክጅምር፡ልዳት ገዝኡ ሰጊሩ፡ኣስካላ ኣስካላ ናይ ቤቱ ብቐሳእ ወሪዱ፡ሰንደልደል እናበለ፡ናብ ቤት ትምህርቲ ይኸይድ ኣሎ።ዓለም፡ ወደይ የእዳዉ ልስሉሳት ስለዝኾና፡ከይምናሃኪ ቀስ ጌርኪ ሓዝዮ።ጽቡቕ ጌርኪ ማሃርዮ፡ሓብሕብዮ፡ወረ ኣይትሓብሕብዮ፡ብሓዊ ዝሓለፈ ሓጺን እንድዩ ዝተረረ፡ከም ሓጺን መታን ክተርር፡ብሓዊ የሕልፍዮ።ህዝቢ ዓለም ናብ ደቡብ ገጹ እናኸደ፡ወደይ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣተሓሳስባ ቁኑዕ ከምዘሎ እንተፈሊጡ፡እሞ ንሰሜን ገጸይ እየ ክኸይድ እንተኢሉ፡ግደፍ ናዓ ንሓፋሽ ምሰል፡ኣይፋልካን ኢልኪ ካብ ሓሳቡ ኣይትኹለፍዮ፡ኣጆኻ ቀጽል ዳኣ በልዮ።"ዝብል ጽሑፍ ነቲ ካብ ስድርኡ ፍልይ ኢሉ ክማሃር ዝኸይድ፡ቤት ትምህርቲ እዩ ጽቡቕን፡ሕማቕን ዘፍልጦ፡ሓደ ህጻን ድማ፡ናይ ስድራ ቤቱ ኣተሓሳስባ ጥራይ ዘይኮነ፡ናብ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ናይ መምሃራኑን፡መማህርቱን ፍልጠት ብምክፋል፡ናይ ገዛእ ርእሱ ኣተሓሳስባ ንኽህልዎ፡ቤት ትምህርቲ ቀንዲ ሓጋዚ ሮቃሒ እዩ ዝብል፡ከም ብህሎ ኣብራሃም ሊንከን እምነት ዝነበሮ ኣባ ሓበሽ፡ኣብያታ ትምህርቲ ምስራሕ ዓቢ ባህጊ ነበሮ።

መርኣያ ናይዚ ድማ፡ኣሕመድ ኣባሓበሽ፡ኣብ ኣስመራ ቤት ትምህርቲ ንኽስራሕ፡ሓደ ካብቶም ዝላዓለ ኣበርክቶ ዝገበረ ባዓል ጸጋ እዩ።ኣብ ምምስራት ናይ ጃልያ ኮሚኒቲ፡ልዑል ተራ ዝነበሮ፡ከም ኣቦ ወንበር ተመዚዙ፡ብጽፈት ስርሑ ዘሰላስል ዝነበረ፡ኣሕመድ ዑቤድ ብሓበሽ፡ነዛ ቤት ትምህርቲ እዚኣ፡ቤት ትምህርቲ ጃልያ ብገንዘቡን፡ጉልበቱን ኣተሓሳስብኡን፡ልዑል እጃም ዝነበሮ ሰብ እዩ።እዚ ብኮሚኒቲ ጃልያ ዝተጀመረ፡ኣብ ኣስመራ ጥራይ ዘይኮነ፡ኣብ ዞባታት ዘለዋ ከተማታት፡ከም ደቀምሓረ፡ኣቑርደት ወዘተ ጨንፈራት ብምኽፋት፡ቋንቋ ዓረብ ምምሃርን፡ብኡ ኣቢልካ ድማ እቲ ኮሚኒቲ ምስ ምንቅስቃስ "ሓራካ" ድልዱል ርክብ ስለዝነበሮ፡ንተማሃሮን፡ወለዲ ተማሃሮን፡ንነጻ ኤርትራ ዝጉስጉስ ጽዑቕ ኣስተምህሮ ይህብ ምንባሩ፡ኣብ ጋዜጣ ኤርትሪያ ኣልሓዲሳ ብዕለት 3 ወርሒ 10-2008 ኣብ ዝወጸ ጽሑፍ ይሕብር።እቶም ገዛእቲ ሓይልታት፡ነታ ቤትምህርቲ ብዘይካ ቋንቋን፡ትምህርትን፡ካልእ ኣበር የብላን ብምባል፡ነቲ ትገብሮ ዝነበረት ሃገራዊ ጎስጓስ የስተብህልሉ ኣይነበሩን። ቤት ትምህርቲ ጃልያ ኣትዩ ዝወጸ ተማሃራይ፡ዓረብ ከም ከብዲ ኢዱ ገላቢጡ ፈሊጥዎ እዩ ዝወጽእ፡መብዛሕትኦም ኣብ ጃልያ ተማሂሮም ዝወጹ፡ብዙሓት ዕዉታት ሰባት ኣለዉ።ሓደ ወዲ ሰብ እቲ ጉቡእ፡መንፈሳዉን፡ዓለማዉን፡ትምህርቲ፡እቲ ንፍቕሪ ዝደፍእ፡ኣብ ሓድሕድ ምትሕቑቋፍ፡ንምድግጋፍን ኣተኪሩ ብዝምህር ቤት ትምህርቲ ዝሓለፈ፡ኣብቲ ዝነብረሉ ሕብረተሰብ፡ሕልና ዘለዎን፡ኣበርክትኡ ክንዮ ማንም ዕዙዝ ምዃኑ ምርድኡ ኣሸጋሪ ኣይከዉንን።ወዲ ሰብ ከም ቤት ትምህርቱ እዩ እኳ ዝባሃል።ንኣብነት እዚ ናይ "ዊንጌድ" ተማሃራይ እዩ ክባሃል እንከሎ፡ብኹለንትንኡ ብሉጽ እዩ ዝብል እምነት እዩ ዘሕድረለካ።ኣብዚ እንታይ ንርኢ ተራ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ኣብ ምህናጽ ሃገርን፡ሕብረተሰብን ዘለወን ኣበርክቶ ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ እዩ።ኣባ ሓበሽ ነዚ ብምርዳእ ኣብ ጃልያ ንዝገበሮ ኣበርክቶ ኣብ እምነ በረድ ተጻሒፉ፡ኣብ ዉሽጢ ጃልያ ዘሎ ስእልታት ምስክር'ዩ፡፡

ኣብ መፈጸምታ፡ከምቲ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ዘሎ፡ሓመድ ኢኻ እሞ ናብ ሓመድ ክትምለስ ኢኻ ዝብሎ፡ዝኾነ ወዲ ሰብ ኣብዛ ግዝያዊት ዓለም፡ጉዕዝኡ ምስ ዛዘመ፡ናብ ሓመድ ዝምለሰላ መዕቆቢ መካነ-መቓብር

የድልዮ።ብምቕጻል ነዛ ኣብ ትሕቲ ሓዝሓዝ ዘላ መቓብር ኣስላም ኣስመራ፡መዕረፊ ብዙሓት ነፍሳት ንኽትከዉን ኣባ ሓበሽ ነዛ መቓብር ንኽትዕደግ፡ምስ ካልኦት ሰባት ብምዃን፡ዝገበሮ ኣበርክቶ እዚ ዘይባሃል እዩ።
ኣባሓበሽ ማእለያ ዘይነበሮም ሰባት ዝሕግዝ።ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ብዙሕ ዘይድቅስ ሰብ እዩ ኔሩ።ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ዳኣ ናበይ፡እንታይ ሚስጢር ስለዝነበሮ እዩ፡ወይስ ኣጸምዩ ምንፋስ ስለዝብርሆ፡ክናፈስ ድዩ ለይቲ ምድሪ ንግዳም ዝወጽእ፡ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ እንታይ ኣሎ ድዩ ግዲ፡ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ምጽእ ምጽእ ይብሉኻ።ኣባ ሓበሽ ኣብ ማእከል ከተማ እዩ ለይቲ ክኾልል ዝሓድር፡ሰብ ከይራኣዮ ሰናይ ተግባራት ንምፍጻም ድማ እዩ።ገለን ኣዝዩ ቁንጣሮ ነገር ገይሮም፡ኣጋኒኖም ብምዝራብ፡ኣነ ንእገለ ከምዚ ጌረሉ፡እናበሉ ፈቐድኡ ጀሃርሃር ዝብሉ ኣለዉ።ዘይከምዞም ዝጃሃሩ ኣባ ሓበሽ ንኹሎም ግዳም ሓደር፡ደቂሶም እንከለዉ ከይረኣይዎ፡ክርስትያን፡ኣስላማይ ከይበለ፡ሓሓደ ኮቦርታ እናደረበ፡ብትርኣሶም ገንዘብ እናቐመጠ ብለይቲ ዋላ ሓደ ሰብ ከም ዘየላልዮ ጸላም ከዉሊ ብምግባር፡ሰናይ ተግባራት ዝገብር ዝነበረ፡ፈሪሃ ረቢ ዝነበሮ ኣዝዩ ብሩኽ ሰብኣይ ነበረ ኣሕመድ ዑቤድ ብሓበሽ።እቶም ግዳም ሓደር መን ይህቦም ከምዝነበረ እዉን ይፈልጡ ኣይነበሩን። ናይ እዝጊ፡ናይ ረቢ ዳኣ ተሓቢእካ ምሃብ እዩ፡የማነይቲ ኢድ ክትህብ እንከላ እኳ፡ካብ ጸጋመይቲ ኢድ ትሕባእ፡ኣባ ሓበሽ ጸላም ከዉሊ ጌሩ ጽጉማት ዝረድእ ዝነበረ ኣቦ ድኻ እዩ።

ኣብ ኣስመራ ግዳም ሓደር ቁሪ ክሕለቡ እንከለዉ፡እቲ ናዓቶም ዝረኽቦም ቁሪን፡ጥሜትን ብሕልና ኣባ ሓበሽ ይካፈሎ፡ነዚ ንምፍታሕ ድማ ኣባ ሓበሽ ለይተ-ለይቲ ዳርጋ ዘይድቅሶ ይበዝሕ ኔሩ።ቁዱስ መጽሓፍ ሃብ ክህበካ እዩ ዝብል።ገለን ሃብታማት ብመንጽር ኣባ ሓበሽ ክትሪኦም እንከለኻ፡ይትረፍ ንጽጉም ሰብ ክሕግዙ፡ነዛ ነብሶም ዝበቁላ ጽቡቕ ከይበልዑ፡ጽቡቕ ከይረገጹ፡ምእካብ ሰልዲ ዝብል ሕማም ስለዘለዎም፡ክንደይ ክንደይ እንድዮም።ንሶም ከይተጠቕሙ፡ነቲ ዘቐመጥዎ ገንዘብ ምስ ሞቱ፡ደቆም ብገንዘብ ናቶም ዝፋለሱ፡ፈቐዶ ቤት ፍርድን፡ገለን ኮለል ዝብሉ፡ኣረ ገለ ገሊኦም ሲ ብንብረት ኣቡኦም ዝቃተሉ ብዙሓት እንድዮም።ዋላ ሃብትኻ ክስስን፡ዘልዓልካዮ ክምልኣልካ፡ለጋስ ክትከዉን፡ዘለካ ክተካፍል፡እዚ ዋዕዲ እዩ፡እዚ ዋዕዲ እዚ ድማ፡ናይ ብሩኻት ሰባት ትእምርቲ እዩ።
ሰብ ንብር ኔሩ፡ቢሉ ቢሉ መዕረፊኡ ሞት እንድዩ፡ኣሕመድ ዑቤድ ብሓበሽ ኣብ ከባቢ ሰማንያ ዓመቱ፡ብ21 ጥቅምቲ 1959 ኣብ ኣስመራ ዓሪፉ።ኣባ ሓበሽ ምስ ሞተ፡ሓመድ ግዳም ቀባራይ እዩ፡ግምጥል ኢሉ ናብ መካነ መቃብር እስላም፡ዕልቕልቕ ብምባል ነዚ ክቡር ኣቦ ሓመድ ኣልቢሱ ዘፋነወ።ህዝቢ ኣስመራ፡ ዝፍሪ ዝፋር ንብዓት እናነበዐ ነቲ ፍትው ወላዲ ኣፋነዎ።እዞም ኩሎም ድኻታት፡ኣቦና ሞይቱ እናበሉ ዕብድ ጽልል በሉ።ኣሕመድ ዑቤድ ብሓበሽ ድሕሪ ቀብሩ፡እዚ ዘይባሃል ወረ ተንዝሐ።ገለ ካብቲ ወረታት፡

መቓብር ኣባ ሓበሽ ለይቲ ለይቲ ንበይና ብርሃን ዓሲልዋ፡ጸዳል ብርሃን ኣብ ልዕሊ መቓብር ኣባሓበሽ ለም ኢሉ፡መቓብሩ ብቡርቱዕ ብርሃን ወገግ ኢላ፡ክዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ልዕሊ መቃብር ኣባሓበሽ ጥራይ ኣቕኒኖም፡ብለይቲ ብማዕዶ ኬንካ መቃብር ኣባ ሓበሽ በሪሃ እንከላ ክትሪኣ ትኽእል፡ዝራኣይዋ ሰባት የዕሊሎም፡እቲ ብርሃን መሎኮታዊ እዩ ጨረርትኡ ካብ ሰማይ ናብቲ መቓብር ብጋህዲ እዩ ዝረኣይ፡ጸዕዳ ዝተኸድኑ መላእክቲ ድማ በቲ ብርሃን ኔው ነጀው ክብሉ ይራኣዩ፡መቓብር ኣባሓበሽ ለምሊማ፡ማይ ዛርያ፡ብቕጽበት ሓንቲ ንእሽቶ ገረብ ኣቡቂላ፡እዛ ገረብ እዚኣ ሓጋይ ምስ ክረምቲ ኣይትነቅጽን እያ፡ወትሩ ለምለም እያ፡እዚ ዓቢ ገጸ በረከት ናይ ረቢ ንኣሕመድ ዑቤድ ኣባሓበሽ እዩ፡እናተባህለ ብዛዕባ ኣባሓበሽ ኣብ ኣስመራ ነዊሕ ተዘርበ።ኣስመራ ብዕላል ኣባ ሓበሽ ተናወጸት፡ድሕሪ ሞት ኣባሓበሽ፡ስሙ ንላዕሊ ጸለል በለ፡ስግኡ ክቕበር ስሙ ንላዕሊ ዝዓርግ፡ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ከም ቀስተ-ደበና ብዝተፈላለየ ሕብሪ ስሙ ክኹላዕ፡ተሰምዐን፡ተራእየን።ስም ገለ ሃብታማት ሓመድ ክለብሱ እንከለዉ፡ስሞም ድማ ምስኦም ይቕበር፡ከምዘይነበረ ስሙ እኳ ኣይላዓልን፡ከመይሲ ቀሪም ዘይብሉ፡ድሕሪ ሞቱ ዋላ ማይ ሒፎ እንተረኸበ፡በየን ኣቢሉ ክጭብጭብ፡ኣብ ከዉሒ እተዘርአ ስም ንዋያ እንዳኣሉ ዝጠፍእ።

ብእወንታ እናልዓልካ፡ስም ባዓል ዉዕለትካ ምዉራቕ፡ዓንዱ ዓንዲ ወርቂ፡መሳኹቱ ብሩረ፡ብራና ልቡ፡ኣማዕዲኻ ዝልለ፡እናበለካ ንገባሪ ሰናይ ስሙ ምዉዳስን፡ኣኽብሮትካ ምግላጽን መግለጺ ሓደ ጭዋ ህዝቢ ስለዝኾነ፡ኣሕመድ ዑቤድ ኣባሓበሽ ስሙ ከምብሓድሽ ተላዕለን፡ተወደሰን፡፡ኣባ ሓበሽ፡መሕደር ሽሕ፡ናባዩ ኣእላፍ ኔሩ፡እሞ ከምዚ ኢልካ ክብሪ ምሃብ፡ከም ኢድካ እዩ።ኢድ ኣባ ሓበሽ፡ክትህብ ትምናዕ፡ረብሪበ

ዘይትብል፡ኣባ ሓበሽ ዝሓለፎ ድኽነት ዘይርስዕ፡ካብ ድኽነት ተናጊፉ፡ተመሊሱ ድኻታት ዝረድእ፡ብሉጽ ሰብ እዩ ኔሩ።ሕብረተሰብ ድማ እንተኣኽቢርካዮ፡ኣብ ዕለተ ሞትካ ኣብ ርእሱ እዩ ዝሰቕለካ፡ስም ከዋኒኡ ጠቐር ከይጽየቕ ይከናኸን፡ኣይትምጽኡኒ ብእኡ ብምባል ስሙ ብከንቱ ክላዓል እንከሎ፡ከም ቆፍኡ እተተንከፈ ንህቢ፡ጸርጸር ኢሉ፡ንመቆናጸብቲ ንኽነድፍ ድልዊ ይኸዉን።ኣባ ሓበሽ የመናዊ ክንሱ፡ወዲ ሕብረተሰብ ኤርትራ እዩ።ኩሉ ነገራቱ ብወዲ ሰብ ዝሓሊ፡ዉጹእ ኣርሓ ስለዝኾነ እንሆ ክሳብ ለይቲ ሎሚ፡ብጽቡቕ እናተዘከረ ይነብር።
ብሰላም ዕረፍ ክቡር ኣቦ!
ምንጪ: ኳዳ ኳዲኖይ
Neghuse Demtsu
ንኣባ ሓበሽ፡ ጓል ወዱ ዑመር " ልድያ ዑመር ኣባሓበሺ" እትበሃል፡ ሓጻር ምልክዕቲ፡ ክዳውንቲ ጣልያን "ሓጺር" ኣስላፋ ዘርኢ ፡እትኽደን፡ ኣብ ሰለዳ ክትጽፍ እነከላ፡ (እህምምምምም) ማለተይ እየ፡ ኣብ "ሳንታ ፋሚልያ=ኣስመራ-ዩኒቨርሲ… 
Yebio Woldemariam
Wow Thank you Aba Habesh the one and only who built high raise building 20 years after the inglorious exit of the Italians from the city that they built for themselves.
  

source facebook 05/2021Ababu Setey