Ghirmay Solomon

4 February 2019

ኣርባዕተ ፊደላ ዶ ኣርባዕተ ነጥባ -ስነ ጥበበኛ ግርማይ ሰለሙን
ተረካብ ዘረባ፣ ብሉጽ ተውህቦ ውሑዳት ሰባት ኢዩ። ልሳናውያን ብእኡ ንብኡ ኢዩ ልክዕ ዝምልሱ፣ ዝገልጹ። ብብዙሕ ተወክሎታት ክምሰሉ ይኽእሉ። ንመስታ ዘርክቡ ወይ’ውን ከምዚ ኣመጋግባ ዓሳ ኣብ ገምገም ባሕሪ፣ ጅልብ ጥብስ ቅርብ። መልሲ ኣብ ደረት ከናፍሮም ክብሃሉ ይስምዑ። ምስ ቋሕ ሰም ዘመሳስልዎም’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። እቲ ካብ ቅልጣፈ እቲ ልክዕ መልሲ ብልጸት የውህቦም።
ኩሉ ሰብ ብዝገርም ቅልጣፈ ኣፍ ክኸፍት ይኽእል። ልክዕን ማዕቀንን ልሳን ዝውንን ግን ኩሉ ኣይከውንን። ካብዞም ሰብ ፍሉይ ውህበት ሓደ ኣቦና ስነ ጥበበኛ ኣቦና ግርማይ ሰለሙን ኢዮም። ንዝተመርጸ ኣርእስቲ ብዝተላዕለ ጉዳይ፣ ኣብ እንካን ሃባን ፈጣን መላሲ ክህቡ ኣይድንጉዩን። ኣፍ ዘየኽድን ዋዝኦም እቲ ካልእ ጸጋ ወይ ተውህብኦም’ዩ- ንሱ’ውን ንባዕሉ ስነ ጥበብ ኢዩ። ምስ ኣያቶም፣ መዛንኦም ደቆምን ደቂ ደቆምን ሚዛን ገጢሞም ኣብ ዕላል ክሕብሩን ክስምሩን ኣይሽገሩን። ድሕሪ ቃል ዝቕጽል ስሓቕ ዓቢ እቲ መልሶም ዝቕጽል ዛንታ፣ ዘየቋርጽ ዝደጋገም ዕላል፣ እቲ ምሩጽ ቃላት ሓረጋትን ምሉእ ሓሳባትን ከኣ ገዛእቲ ኣርእስቲ ይቕይሮም። ብሓጺሩ ሓደ ካብቶም በሉ ዝበሃለሎም በሃልቲ ነበሩ- ድሮ ዕስራ ሰዓታት ቀሪቡ።
ነውሐ እንተተባህለ ኣብ ስሙን ኣርባዕተ ግዜ ንራኸብ ነበርና። ኣርባዕተ ሳዕ ስሩዕ ቃል መሕተት ኣካዪደሎም። እታ ድሓር ኣብ ራድዮ ኑማ ዝዓደምኩዎም ሰፋሕ ቃል መሕተት ዝያዳ ስሓቢትን ምቅርትን ዝቐየራ ክፉትነት ግሉጽነትን ተራኺ ዕላሎም ነበረት። ብዘይተረፍ ከዕልሉ ዕድል ዝፈጠረት ብልጽቲ ኣጋጣሚ ከኣ ነበረት። ሰማዕቲ ኣብ ስነ ጥበባዊ ጉዕዞኦም፣ ዕለታዊ ህይወቶም ሕማቕን ጽቡቕን ኣጋጣምትን ተጓንፎን ነጊፎም ሓቲቶሞም፣ ብስሓቕን ሸፈፍን ከይሓለፉ ከኣ መሊሶም።
ገጣማይ ዘያማይ ሙዚቀኛን ደራፋይን ነበሩ። ጥበብ ሙዚቃዊ ኣጸዋውትኦም ናይ ገዛእ ርእሶም ኣሰር ዘትርፍ ኢዩ። ገና ብህጻኖም ኢዮም ትዕድልቶም ኣላልዮም። ካብቶም ደቀንስትዮ ጥበብ ሙዚቃ ዝምሃርኦም ስነ ጥበበኛ ኢዮም። ካብ ከተማ ደቀምሓረ ኣስመራ መጺኦም ግዜ ንእስነቶም ኣስተማቒሮም። ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ሱዳን፣ ጅዳን ዘይርስዑን ዘይሃሱን ስነ ጥበባዊ ፍርያት ኣበርኪቶም። እታ ቀጻሊ እዛ ዓመት ኣይሰግራን እየን ዝበልዋስ ...ኣርባዕተ ነጥቢ! source Memories of the Legends & Tunes of Eritrea Qienit

Mike Seium Pele Junior
3 February 2019

Another legendary Eritrean artist passes away at age 87. Baba Ghirmay Solomon whose many songs stand out was a kind and gentle soul. I personally got to know him as a child while traveling to Sudan with our freedom fighters. He was part of our entourage and once in Sudan we spent a couple of weeks with him. After independence I saw him again in the late 1990’s and we spoke at length about life and the good times we had.He had a great passion for his trade as an artist and his incredible talent playing the instrument known as OUD remains a fond memory for millions. His greatest hit in my personal opinion is “Arbate Fidela” in reference to the 4 Geez letters that is Eritrea 🇪🇷.......
May you Rest In Peace! source Memories of the Legends & Tunes of Eritrea Qienit