? include("../Agriculture/headere.php") ?>

ኣማጻጽኣ ፊደላት


ወዲ ሰብ ፊደላት ቀሪጹ ሓሳቡ ብጽሑፍ ክገልጽ ዝጀመረ መዓስ ዘመን ኢዩ ምስ ዝበሃል? ብዛዕባ እዚ ታሪኽ እንተተመልክትና፡ ቅድሚ ማይ ኣይሂ በብዓይነቱ ጥበባትን ጽሑፋትን ተፈላሲፉ ከም ዝነበረ፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን ኣሪት ዘፍጥረት ምዕ 4 ቁ. 16-26 ይገልጽ። ሓዲስ ኪዳን እዉን ቀጺሉ ኣብ መጽሓፈ ግእዝ ይሁዳ ኣብ መልእኽቱ፡ መጽሓፈ ሆኖክ እናበለ ይጠቅስ። እዚ ሄኖክ እዚ ቅድሚ ማይ ኣይሂን ቅድሚ ኖህን፡ ሻቡዓይ ትውልዲ ዝነበረ ኢዩ።
ገሊኦም ነዚ ታሪኽ እዚ ሓቂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ እናበሉ ይትርኹ። ከምይ እዛ ዓለም እዚኣ ወትሩ ብእሳተ ጎመራን ብምንቅጥቃጥ መሬትን ብከቢድ ዝናምን ብውሕጅን ብኣውሎ ንፋስን ምኽንያት፡ እቶም ጎቦታት ዝነበሩ ውቅያኖሳት፡ እቶም ውቅያኖሳት’ውን ጎቦታትን ሜዳታትን እናኾነት እንዳ ተለዋወጠት ስለዝመጽኤት። ከሙኡ’ውን ቻይናውያን ንኣሽሓት ዓመታት ቅ.ል.ክ. ፊደላት ቀሪጾም ሓሳቦም ብጽሑፍ እናጸሓፉ ይገልጹ ነበሩ፡ ብማለት ስለዝትረኽ። እንተኾነ ግን ቅድሚ ማይ ኣይሂ ናይ ጽሕፈትን ናይ በብዓይነቱ ካልእ ጥበባትን ምንባሩን ዘይምንባሩን፡ እቶም ዘመናውያን ኣርኪዮሎጂስት ሊቃውንቲ ጥራይ ኢዮም ዝፈልጥዎ።
ዝኾነ ኮይኑ፡ ብድሕሪ ማይ ኣይሂ፡ ፈኒቃውያን ኣብ ታሪኽ ስነ-ጽሑፍ ፊደላት ኤውሮጳ(ላቲን)፡ ካብ ግብጻውያን ጥንታዊ ስነ ጽሑፍ ፐፒረስ ዝተባህለ ወረቐቶም ተለቂሖምን ቀዲሖምን ንመጀመርያ ግዜ ኣመሓይሾም ምሉእ ሓሳባት ከም ዝጸሓፍን ዝንበብን ዝገበሩ፡ “ኮንስታንትን ቫወልስን” እናሰርዑ ንምሉእ ዓለምን ብሕልፊ ን ኤውሮጳውያን(ላቲናውያን/ ሮማይስጢ) ፊደላት ኣማሓይሾም ዘበርከቱ ፈኒቃውያን ሕጂ ፍሊስጤማውያን ዝበሃሉ ብላዕላይ ትውልዲ ነገደ ካም ዝኾኑ እዮም። ከም ኖህ ንካም ወለደ። ካም፡ ንከነኣን ወለደ። ከነኣን ድማ፡ ንፍልስጤማውያን ወለደ። ናይዚኣቶም ታሪኽ፡ ብሉይ ኪዳን ብሰፊሑ ተሪኹዎ ኣሎ። ኣብኡ ተመልከት።

ብድሕሪ ፈኒቃውያን፡ ብ ኣራማይስጢን ብዕብራይስጥን ቋንቋታቶም ካብ ፈኒቃውያን ስነ ስእለ-ጽሑፍ ተቀቢሎም፡ ብጣዕሚ ፊደላቶም እናመሓየሹ መጻሕፍቶም ዝጸሓፉ፡ ማለት ካብ ሙሴ 1250 ዓመተ ዓለም ጀሚሮም ክሳብ ዘመነ ሓዲስ ስነ ፊደላት፡ ጽሑፍ ጽሒፎም መጻሕፍቶምን ሓሳባቶምን ዝገለጹ ነብያት እስራኤል እዮም። ቀጺሎም ሮማውያን ነቲ ናይ ፈኒቃውያን ስነ ጽሑፍ መሰረት ብምግባር፡ ንሮማይስጢ/ ላቲን ፊደላት ከማዕብልዎ ተረኽቡ።
ኣብርእሲ እዚ’ውን ፈኒቃውያን ቅልክ 1500 ዓዓ መሬት ኩዒቶም “መዳብ” ዝበሃል ማዕድን ረኺቦም ንመጀመርያ ግዜ ምስ ሓጺንን ምስ ነሓሲን ሓዊሶም፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዝርከቡ ዓሳታት ቀርኒ ዘውጽ ኡ፡ ካብ ኣቶም ቀይሕን ጸሊምን በብዓይነቱ ገሊኡ ሸውዓተ ቀለማት ረኺቦም ቅሔ ጽልሚ ክዳውንቲ ንዓለም ኣበርከቱ። ቀጺሎም ዓበይቲ መራክብ ባሕሪ ሰሪሖም ክሳብ ዓዲ እንግሊዝን ክሳብ እስጳንያን እናተጓዕዙ፡ ኣብ ብዙሕ ሃገራት ኤውሮጳን ኤስያን ኣብ ናይ ዓለም ወደባት ንወዲ ሰብ ዝጠቕሙ ምዕባለ ንግድታት ኣቑሑትን ክምህሩን ከሰልጥኑን ዝጀመሩ፡ ፈኒቃውያን ከም ዝኾኑ ኣብ ታሪኽ ተተንቲኑ ይርከብ።
ፊደላት ግእዝ ኣብ ምድረ ኣግኣዚት ኤርትራ
ንፊደላት ግእዝ ጽሑፋት ኣብ ሃገርና ኤርትራ ምድረ ኣግኣዚት ንመጀመርያ ግዜ ዘእተውዎም፡ ምስ ኣተው እዉን ዘማዕበልዎም መን ኢዮ ምስ ዝበሃል? ናይዚ መልሲ
1. ሓለቃ ክፍለጊዮርጊስ በዓል እንኮባር ሽዋ፡ ኣብቲ መዝገበ ቃላት ግእዝ መጽሓፎም
2. ኣባ ጋስባሪኒ ኮምቦኒ፡ ኣብቲ ታሪክ ኢትዮጵያ ዝብል መጽሓፎም ብኣምሓርኛ
3. ዲልማን ዝተባህለ ታሪኽ ጸሓፊ፡ ኣብቲ ብዛዕባ ግእዝ ቋንቋ ዝናገር መጽሓፍ፡ ወዘተ

እዚኣቶም ከምዝብልዎን ከምዝትርኽዎን፡ ብድሕሪ ማይ ኣይሂ፡ ደቂ ኖህ ኣብ ከባቢ ሩባታት ጤግሮስን ኤፍራጥስን ኣብ ሃገራት ዒራቕን ኢራንን ኮይናቶም ብዙሕ በብዓይነቱ ናይ ኢደ ጥበባት ስልጣኔ ክመራመሩ እንከለው፡ ሱመራዊ ዝበሃል ቋንቋ ይናገሩ ነበሩ። ካብቲ ሱመራዊ ከለዳዊ ዝተባህለ ፊደላት ስነ ጽሑፋት እዉን ነበርዎም። ካብቲ ሱመራዊ ከለዳዊ ከኣ እዚ ሕጂ ግእዝ ዝበሃል ቋንቋ ይናገሩ ነበሩ። ካብኣቶም ማለት ካብቶም ደቂ ኖህ ነገደ ሴም ብፍላይ ካብ ደቂ ዮቅጣን፡ “ሳባ” “ቢልቂስ” ዝተባህሉ ዓበይቲ ከተማታት ሰሪሖም ንዝኽሪ ኣብዞም ዝተባህሉ ከተማታቶም ዝተተኽሉ ሓወልትታቶም እቶም ከለዳዊ ጽሑፋቶም ይጽሕፍዎም ነበሩ። እንተኾነ ግን እቶም ፊደላት ብናይቶም ኣብ የመን ዝነበሩ ሳባውያን ዝበሃሉ ስም ምኽንያት፡ ኣብ ክንዲ ከለዳዊ ተባሂሎም ዝጽውዑ ሳባዊ ፊደላት ዝብል ስም ኣብ የመን ተጸውዑ።
ብድሕሪ’ዚ እዞም ሳባውያን’ውን ኣብ የመን ብዙሕ ኣሽሓት ዓመታት ድሕሪ ምቕማጦም፡ ብግምት ቅልክ 1000 ዓመት፡ ምስ ራህማ ዝበሃል ንጉስ ህንዲ ተዋጊኦም ምስ ተሳዕሩ፡ እቶም ቤተ መንግስቲ ዝኾኑ ጥራይ ምስ ቆልዓ ሰበይቶም ካብ የመን ሃዲሞም ብወሽመጥ ባሕሪ ዓሰብ ባብ ኤልመንደብ ተሳጊሮም ኣብ ኣውራጃ ደንከል ዓሰብ ዓሳታት እናተመገቡ ምስቶም ነገደ በለው ተሰማሚዖም ንሓያሎ ዓመታት ተቐመጡ።

ብዛዕባ እዚኣቶም እቶም ሰብ ታሪኽ ሃለቃ ፍስሓየ በዓል ዓድዋ እንክትርኹ፡ ብላዕሊ ጠቕላላ ስሞም ሳባውያን ይበሃሉ። ኣብ ታሕታይ ትውልዶም ግን ሓበሳት፡ ሳባ፡ ኣባል (ኦፊር) ተባሂሎም ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ክፍሊ ዝተኸፋፈሉ ነበሩ። እቶም ሓበሳት፡ ትግርኛ፡ እቶም ሳባ፡ ግእዝ፡ እቶም ኣባል፡ ትግረ ይናግሩ ነበሩ። ካብቶም ኣባል (ኦፊር) “ዓፋር” ዝብል ስም ተረኽበ። ብዛዕባ ቋንቋታቶም ግእዝ፡ ንትግርኛን ንትግረን ኣይኮነን ወሊዱዎ። ኣብ የመን እንከለው በብክፍሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ይቕመጡ ስለዝነበሩ፡ ብቦታ ዝ ኣክል ካብቲ ከለዳዊ ቋንቋኦም ትግርኛን፡ ግእዝን፡ ትግረን ተፈጥረ እሞ፡ እቶም ሳባውያን ግእዝ፡ እቶም ሓበሳውያን ትግርኛ፡ እቶም ኣባል ትግረ እናተዛረቡ፡ ናብዚ ሃገር እዚ መጽ ኡ። ግን ሰለስቲኦም ቋንቋታት ብትኽክል ብሓንሳብ ኢዮም ካብ ከለዳዊ ቋንቋ ተፈጢሮም። እናበሉ ይትርኹ። እቲ ሳባዊ ፊደላቶም ድማ ኣብ ወደባት ኣዱሊስን ዙላን እንከለው ንደቃቶምን ንካል ኦት ደቂ በለው ነገደ ኩሽ

ሕዝቢን እናመሃሩን እናማዕበሉን በብቑሩብ ኣብ መሬት ኣከለ ጉዛይ በጺሖም። ኣብ ሽመጃና ቆሓይቶ ከስከሰ ተኾንዳዕ ዝተባህሉ ከተማታት ሰሪሖም። ኣብ ገሊኡ ንመዘከርታ ኣብ ሓወልቲታቶም ብጥንታዊ ሳባዊ ፊደላት ዝጸሓፍዎ ክሳብ ሕጂ ኣሎ። ብድሕሪ’ዚ እዚኣቶም ካብ ደንከል ወሰን ወሰን ባሕሪ ኤርትራ ክሳብ መርሶ ጉልቡብ፡ መርሶ ተኽላይ፡ መርሶ ፋጥማ፡ መርሶ ቃሮራ፡ ክሳብ ሃገረ ናግራን መሬት ሒዞም፡ ሃገር ተረስትዩ። ቀጺሎም እዚኣቶም ናብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ ኣትዮም ኣብ ሓማሴን ደቀምሓረ፡ ኣብ ስራዮ ድባርዋ፡ ኣብ ኣከለ ጉዛይ ማዕረባ፡ ዓበይቲ ከተማታት ሰሪሖም፡ ብፍላይ ንድባርዋ ዓባይ ከተማ ገቢሮም፡ ንኤርትራ ሃገር ተረስተይዋ።
ኤርትራ ዝብል ቃል ስም ዝተናገረ ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቢይ ሙሴ ኢዩ። ሙሴ ከምዚ ዝበለ ድማ ቅድሚኡ ባሕሪ ኤርትራ ብማለት ይጽዋዕ ስለዝነበረ ኢዩ እምበር፡ ኤርትራ ኣይምበለን ነይሩ ኢዩ። ጸላእቲ ግን ብጣልያን ኢዩ ኤርትራ ምባል ዝተጀመረ እናበሉ ጸሓፉ።
ብዛዕባ እቶም ጥንታውያን ፊደላት ግእዝ ታሪኽ እንተ ተመልከትና፡ ቅድሚ ጳጳስ ኣቡነ ፍሬምናጦስ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ማለት ቅድሚ 325 ዓም ፊደላት ግእዝ ሀ ለ ሐ መ ወበዘተረፈ እምበር፡ ሁ ሂ ሃ ሄ ህ ሆ ዝበሃሉ፡ ካዕብ፡ ሳልስ፡ ራብዕ፡ ሓምስ፡ ሳድስ፡ ሳብዕ ፊደላት ዝተጻሕፉ ከምዘይነበርዎም፡ በቲ ኣብ ወደባት ኣዱሊስን ዙላን ኣብ ሽመጃና ኣከለ ጉዛይን ኣብ ደቀምሓረ ሓማሴንን ኣብ ኣኽሱምን ኣብ የሓ ትግራይን ብዝተረኸቡ ጥንታውያን ትኹላት ኣእማንን ሓወልቲታትን ግእዝ ፊደላት ጽሑፋት ከረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ። ከምኡ’ውን ናይእዞም ጥንታውያን ሳባውያን ፊደላት ኣጸሓሕፋ ከም ናይ ዓረብ ካብ የማን ናብ ጸጋም ይጸሓፉ ከምዝነበሩ በቲ ኣጸሓሕፋኦም ተረጋጊጹ ኣሎ።
ካብ ኣቡነ ሰላማ ንደሓር ግን ካብ ጸጋም ናብ የማን ከምዝተጻሕፉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ን ኣብነት ሁ ሂ ሃ ሄ ህ ሆ እናበለ ንምሉእ ሓሳባት ዓረፍተ ነገር ከምዝኣኽሉ ገቢሩ፡ ኣመሓይሹ ዝጸሓፈ፡ ብንጉስ ኤዛና ( ኣብርሃ ወኣጽብሓ) ዘመነ መንግስቲ ጳጳስ ኣቡነ ፍሬምናጦስ ኢዩ ክንብል ንኽእል። ከመይ ቅድሚ ጳጳስ ፍሬምናጦስ ዝተጻሕፉ ሓወልቲታትን ኣእማንን፡ ብጥንታዊ ፊደላት ግእዝ እንተዘይኮይኑ ካዕብ ሳልስ ራብዕ ወዘተ ዘለዎም ጽሑፋት ክርከቡ ብዘይምኽ ኣሎም፡ ኣቡነ ፍሬምናጦስ ንፊደላት ግእዝ ኣመሓይሹ ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዓረብ ናብ ግእዝ ከምዝተርጎሞ ክረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ ማለት እዩ። ከምዚ ስለዝነበረ’ውን ብድሕሪኡ ዝመጹ ኣብ ኤርትራ ሰባኼ ወንጌል ብ430 ዓም ኣቡነ ሊባኖስ መጣዕ ንወንጌል ማቴዎስ ንመጀመርያ ጊዜ ካብ ዓረብ ናብ ግእዝ ከምዝተርጎምዎ ገድሎም ይትርኽ። መጣዕ ማለት ብዕብራይስጢ ማቴዎስ ማለት ስለዝኾነ፡ ኣቡነ ሊባኖስ ካልኣይ ስሞም ኣብ ድጓ፡ መጣዕ ብማለት ተጸውዑ።
ኣብ ርእሲ’ዚ እውን እዞም ጥንታውያን ሳባዊ ፊደላት ግእዝ ካብቲ ሰባዊ ፊደላት ዝበሃል ዝነበረ ናይ ጥንቲ ስሞም “ግእዝ” ፊደላት ዝብል ስም ክረኽቡ ዝኸኣሉ ምኽንያት ከኣ ኣብዚ ኣቐዲምና ከምዝገለጽናዮ ሀ ለ ሐ መ ወዘተ ግእዝ ፊደላት እምበር ሁ ሂ ሃ ሄ ህ ሆ ዝበሃሉ ካዕብ፡ ሳልስ፡ ራብዕ ወዘተ ፊደላት ስለ ዘይነበሩዎም ኣብ ክንዲ ሳባዊ ፊደላት ተባሂሎም ዝጽውዑ ፊደላት ግእዝ ዝብል ስም ተረኺቡ። ንሳቶም እዉን ማለት እዞም ሓበሳት፡ ሳባ፡ ኣባል ነገደ ሴም፡ ነቲ ብገበል ዝምሰል ኣብ ኣኽሱም ዝገዝእ ዝነበረ መንግስቲ ግብጺ ተዋጊኦም፡ ነቶም ነገደ ኩሽ ሕዝቢ ትግራይ ነጻ ስለ ዘውጽእዎም ኣግኣዝያን ዝብል ቅጽል ስም ረኸቡ።
መጽሓፍ ታሪኽ ወለዶ ሕዝቢ ኤርትራ ገጽ 427-431
www.semayat.com

Mekonnen Tesfai

 

 

 

 

The Horn of Africa Research and Knowledge Exchange Platform

The Horn of Africa Research and Knowledge Exchange Platform
© 2010-2016 www.harep.org rkidane@talk21.com Contact:
Please click Here to send your feedback

 

 

History & Politics

Ethiopia

Eritrea

Sudan

Somalia