? include("../Agriculture/headere.php") ?>
The Horn of Africa Research and Knowledge Exchange Platform

Agew Adkeme Mlga'e is at Devoti di Padre Pio.

te2oSpo Anuiaigucst gmsoi20rfe1au9tdl  · 
ስርዓት ፣ ኣድከመ ፣ ምልጋእ ዝተጻሕፈሉ ። 1
====================================
ብወርሒ ፣ ጉንበት ፣ 1936 ዓ-ም- 7- ዓዲ- ሕጊ- ሰየምቲ ኣድከመ ምልጋእ ።
ተሓጋጊዞም ፣ ነቲ ፣ ጥንታዊ ፣ ሕጊ ፣ ተከቲሎም ፣ ኣብ ዓዲ ወግሪ ኣቆምዎ።
ቤት ማሕተም ሲላ ጉንበት 1936
----------------------------------------
ኣቦና ፣ ኣምበሳጅር ፣ ብብዙሕ ፣ ምስጢር ፣ንመልዓሊት ፣ኣእተዋ ፣ ካብኣ ፣ ጅርገደላ፣ ተወልደ።
ስለዝይ ፣ ደጃዝማት ፣ድዕቡል ፣ክመቱ ፣ ከለው ፣ርስትንጉልትን፣ ናይ ምደረ ባሕሪ ፣ ድሕሪ ጅርገደላ፣
ሰራየ ፣ ኣውረስዎ ፣ ኣተገብረ ነገር ፣ ብዙሕ ፣ ኣሎሞ ንሕጂ ፣ ኣብዝይ ፣ ምጽሓፍ ፣ ኣድልን።
ካብ-ዝይ ትውልድና ንቅጽል ፣ ኣባሳጀር ካብ መልዓሊት ጋል ደጀዝማት ድዕቡል ንጅርገደላ ወለደ፣
ጀርገደላ፣ ንንስርብዶም ወለደ ፣ ሰርበዶም ንኣልፈዶም ወለደ፣ ኣልፈዶም፣ ንሰብ-ክም-ዓንቋ ወለደ፣
ንሰብ-ክም-ዓንቋ ፣ ንኣስተናኣድ ፣ ወለደ፣ ኣስተናኣድ ፣ ንኣከለጽዮን ፣ወለደ፣ኣከለጽዮን፣ ካብ ሰዲና ማሓመደ ጻዕዳ -
ንክልተ መናቱ ፣ኣድከመን ፣ ምልጋእ ወለደ፣፣ ካብዚይ ንነጆው ፣ ብዙሓት ደቂ ኣድከመን ፣ ምልጋእ ፣ ዝፈልጥዎ፣
ትውልዲ እዩ። በዚ ምክንያት እዚ ስርዓት ኣድከመን - ምልጋእን ይባሃል።
ናይ ጥንቲ ፣ ዶብ ፣ኣድከመን - ምልጋእ ዝነበረ ኣቦታትና ብዘዘንተውልና እዚ፣ ዝስዕብ እዩ።
ብምብራቅ ዝነበረ ገፊሕ እዩ ። ጻዕዳ ሓርማዝ ገርዞ ይባሃል ነሩ፡
1/ ሎሚ ግን መርብ ምላሽ እዪ፡
2/ ብምዕራብ ምስ መንዓምር ባዝየን እናተዳወበ መረብ ይወግእ ሎሚውን ብምዕራብ
ኣብ ቲ ናይ ጥንቲ ዶብ እዩ ዘሎ፡ ሽሙ ግን ዶብ ኮምሳርያቶ ናይ ሰራየ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
3/ ብሰምየን ወገን መረብ ድባርባ ክሳብ ዝርባን ምላሽ እየ።
4/ብደቡብ መረብ ጉንደት ምላሽ እዩ።
ኣብ ውሽጢ እዚ ዝበልናዮ ዶብ ገን በብዓይኖትም ብዙሓት ዓልየታት ኣለዉ ።
ገሊእም ቅድሚ ኣድከመ - ምልጋእ ዝጸንሑ ፣ ገሊኦም ድማ ቢኣድከመ ምልጋእ ዝተተክሉ
ግና ብናይ ስርዓት ኣካያያድ ሎጎን ጭዋን ብዝተረፉ ክሳብ ሕጂ ብስርዓት ኣድከመ-ምልጋእ እዮም ዝስርዑ።
ኣብ እዚ ስራሕ እዚ ዝጽዝዓሩ ሰየምትን ለባማትን እዞም ዝስዕቡ እዮም።
መጀርያ 7 ዓዲ ሕጊ ዝነበሩ ።
=======================
1/ ካብ ዓረዛ ፍተውራሪ ረዳ እማሃን ፣ ባሕረ ጋሲ መድሃንየ፣ መንግስቱ ፣ ኣይቀበጹ።
2/ ካብ ዓዲ መንጎንቲ ብላታ ማሩ ዘሞ ፣ ተወለመድህን ዕቁቡ ክንዲ ኣቡኡ ዕቅቡ ገብሩ።
3/ ካብ ኩደፈላሲ ባሻይ ኪዳነ ግደይን፣ ብላታ ክንፋት ወልደገርግስን ።
4/ ካብ ቅንቅሓየላ ከንቲባ ገብረኪዳን ሓረጎትን ፣ ብላታ በራኪ ክፍሉን።
5/ ካብ ዓዲ ሕይስ ቀነጅማት ታፈረ ወልደንኪኤል፣ ቀሺ ሃይለ ወርቀን።
6/ ካብ ማይ ለሓም በሮንቦራስ ተክለ ገብረስላሰ ክንዲ ኣቡኡ ገብረስላሰ መርእድን ፣ ብላታ ምራጭ ክፍለጽየንን።

7/ ካብ ቤት ገብሪኤል ከንቲባ ዘርኡ ጽገ ምስ ወዶም ሸቃ ገረዝጊሂር ዘርኡ እዮም።
ከካብ ኣውርውጃ ተመሪጾም ምስ 7 ዓዲ ሕጊ ዝግዙ ዝነበሩ
-------------------------------------------------------------------
1/ ብላታ ዑቅባጽየን ዘገርግስ ዓደ ቀቶኩላ ጉሕጭዓ ።
2/ ኣይተ ዕቁባዝጊ ደፈጭ ተራእምኒ ።
3/ ባሻይ ሃይለ ውልደገርጊስ ዓዲ ጉዕቦ ደበቡብ።
4/ ሃይለ ተማኑ ጸበላ (ደቂ ድግና) ።
5/ ባሻይ ገርንክኤል ማዓሾ ጥርቀ መራጉዝ ።
6/ ብላታ ከበደ ውልድንክኤል ዓዲ ሕይስ መራጉዝ ።
7/ ባሻይ ተውልደ ገብረ ማይ ላሓም መራጉዝ ።
8/ ባሻይ ረዳ ፍቃዱ ዓዲ ሽምስካለ (ጉንድት}
እንካብ ሰየምቲ ሕጊ ሰራየ ክቀዉም ከሎ።
===========================
1/ ኩቡር ራእሲ ክዳነማርያም ገብረመስቀል ዓረዛ።
2/ ደጀዝማች መንገሽ ዓረዛ ,
3/ ደጀዝማች ማሓሪ ዓንደመስቀል ድበዛና።
4/ ደጀዝማትች ሃይለ ተስፋማርያም ዓዲ ኳላ ።
5/ ደጀዝማች በራኪ ተክለጽዮን ድርኮ ።
6/ ደጀዝማች ወልደገርጊዮርጊስ ካሕሳይ ዓዲ ኳላ ።
7/ ደጀዝማች ተሰማ ገብረመድህን ዓዲ ገዳ ።
8/ ደጀዝማች ካሕሳይ ተፈሪ ( ኣባ ድርብ} ኣደጎልቦ ቃሓይን ።
9/ ኣዝማች ወንደፍራሽ በራኪ ዓዲ መንጎንቲ ተከለ ።
10/ ኣዝማች በርህ ገብረኪዳን ዳንባ ደብብ ።
11/ ኣዝማች መኮነን በራኪ ቅናፍና ትምዛእ።
12/ ኣዝማች ገብረልኡል ተስፋማርያም ዓዲ ኳላ።
13/ ኣዝማች ኣስፋሃ ተስፋንችኤል ዓዲ ኳላ።
14/ ኣዝማች ዘእምበለ ዓንደማርያም ኩደፈላሲ ።
15/ ኣዝማች ሓይለ ይግዛው ኩደፈላሲ ።
16/ ኣዝማች ገብረእየሱስ ገብረጽዮን ታራ እምኒ።
17/ ኣዝማች ፋሲል ሃብቱ ታራ እምኒ።
18/ ኣዝማች ተስፋይ በራኪ ድርኮ ።
19/ ኣዝማች ናይዝጊ ሰመረ ደበላስ ።
20 / ኣዝማች ተፈሪ ወልደንክኤል ጉንደት።
21/ ኣዝማች ኣፈወርቂ ነማርያም መንደፈራ ።
22/ ፊተውራሪ ኣርኣያ ተስፋማርያም ቤት ገብሪኤል ።
23/ መምህር ፍረ ገብረማርያም ዓረዛ ።
24/ ፍተውራሪ ወልደንክኤል ማሓሪ ድበዛና ።
ክቡራት እንዳቦይ ዓበይቱኩምን ናኣሽትኩምን።
እዚ ኣብ ላዕሊ ብሓጺር ተዘንትዩ ዘሎ ኩሉ ካብ መጻሕፍቲ ኣይ ቀዳሕክዎን እንታይ ዳኣ
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ደጋጊመ ኣመልልኪተዮ ዘለኩ ካብ ኣረገውትን ለባማትን ኣቦታትና ኣስተዋጺኤ በብእዋኑ
ዝኣከብክዎ እዩ። እዚ ሓሶት እዩ፣ እዚ ሓቂ እዩ ዝብል እንተሎ ድማ ከይ ነቀፈ ብዘይ ባጫ ከረዳኣነ እልምን ኣለኩ ።
ደብታሪ ትሑት ሓዉኩምን ወድኩምን።
ደጀዝማች ማሓሪ ዓንደመስቀል ፣፣
ድበዛና ተከላ ሰራየ ።
ኣብ ኮምፒተር ደብታሪ ሓውኩምን ወዱኩምን ገብረመድህን ቀሺፍረ ኣበራ እግሪመከል ተከላ ሰራየ።
ምስላታት ትግርና፥
---------------------
ስርዓትን ምስላን ክልተ ኣዝማድ ከይተፈላልያ ብዝነብራ እየን ።
ነገር ፣ብምሳሌ መዝሙር ፣ ብሃሌ እኳ ፣ ይባሃል ። ምስላ ድማ ንዝኮነት ነገር ምክፈቲት ፣እያ
ስልዝይ ክሳብ ማዓልቱ ጨሪሹ ፣ ዝፍጽም ንሕጂ ነዘን ኣብ ፣ታሕቲ ተመልኪተን ዘለዋ ቁሩብ ምስላታት
ነቅርበልኩም ኣለና ምስ ሕጊ ኣድከመ ምልጋእ ።ናይ 542 ምስላታት ህዝቢ ትግርኛ።
በቦና ደግያት ማሓሪ ዓንደመስቀል ድበዛና ተከላ ሰራየ 1936 ተጻሓፉ ።

ኣብ ክምፒተር ዘእተው ወይ ንቲ ናይ 1936 ኣብ ማዝያ2017 ተቀዲሑ።
ብ ገብረመድህን ፍረ ኣበራ እግሪመከል ተከለ ሰራየ ። ሕጂ ኣብ ሚንሶታ
ሕብራት ሃገራት ኣመሪካ ዝምቅማጠይ ተጻሒፉ ።
1= ንግራት ዓርም ደረቱ ፣ ንነገር ፈጽሚ ደረቱ ።
2= ስጋ ወዲእካ ዓጽሚ ፣ነገር ወዲእካ ፈጽሚ።
3 =ውዕል ዘውዓለ ሰንበት ዘብዓለ ።
4=ፍጽሚ ኣየናግር ፣ ምልኣት ምልኣት ትካዘ ኣየሳግር ።
5= ፍጹም ኣይኩንን ዕጹም ።
6= ፍጹም ኣይናገር ሓንካስ ኣይሳገር።
7= ዕሩቅ ኣይመድር ቋራይ ኣይሰድር ።
8= ወዲ ሰለስተ ኣየዛብዕ ወዲ ብጊዕ ኣየጻብእ።
9= {ዕርቂ ግራይ ንጉስ ኣየርሶን)
10= ድርቂ ( ደም መድርቂ ።
11= ሬታ ፣ ዝወግእ ደም , ነ ።
12= ንርስቲ ዋጋኣላ ፣ ኣንስቲ ።
13= ፋሕበላ ስድራ ።
14= ይቱ ፣ ናብቱ ፣ብርስቱ ።
15= ለላይ ፣ ገምባይ ዝፍልሓለይ ።
16= ዝርኽበ ሒወቱ ፣ናይ ዝሳኣነ ፥ ምቱ።
17= ዕምሳንኳ ፣ ኣይጉስስካ ።
18= ብናይ ኣቦካ ተናበር ብሽምካ ተቀበር ።
19= ኣባት የዋርስ እናት ተቋርስ ።
20= ንቤት ገንዙ ንግራት ወንዙ።
21= ካብ ግራት ዝፈራ ፣ ክብ ደርሆ መንፈራ ።
22= ንሓውካ ምቀሎ ፣ ወይ ቅተሎ እይትቅትሎ ምቅሎ ።
23= ኣብ ንጉስ ዝበለ ኣይከተር፣ ኣብ እዝግ ዝበል ኣይቀተል።
24= ርስቲ ንደካማ ፣ ሽመት ንሐምሓማ ።
25= ዛፍ ይተክል ፣ ንጉስ ዛፍ ይነቅል ንጉስ።
26= ዓለም ንዳሕራይ ፣ ምድሪ ንባዓል ብዕራይ።
27= ብኢዶም ኣይካሓሱ ፣ ብቋንጫ ኣይሕረሱ ።
28= ኣይትዋጋእ ብብረት ፣ ተዋጋእ ብሰንሰለት ።
29= ኣብ ጎንደር ስርዓት ኣሎ ፣ ኣብ ባሕሪ ሸሪዓ ኣሎ።
30= ኣቦ ዝሓዞ ፣ ውላዲ ይወርሶ ፣ኣደ ዝሓዘቶ ኣፍ ይቅምሶ።
31= ዝወለደ ይልሕስ ፣ ዝበደለ ይክሕስ ።
32= ሰማይ ኣይሕረስ ፣ወላዲ ኣይክሰስ ።
33= ምቅል ንሓደ ማዓልቲ እሳሕባ ንጥንቲ ።
34= ብወርቁ ዝተሸለመ ብጉዳዩ ዝተዓለመ ።
35= ስለ ንጉስ ይቆሙ ፣ ስለ ትግስቲ ይጸሙ ።
36= ንጉስ ይብይን ፣ ሕማም ይዕይን ።
37= ባዕሉ ዝኣመነ ምስክር ኣየድሊ ፣ ብሱሩ ዝማህመነ ምሳር ኣየድሊ ።
38= ኣምኖም ይምጉቱ ፣ ረጊጾም ይሽምቱ ።
39= ጸላኢ ቤት ክርስትይስን ብዓራት ፣ ጸላኢ ንጉስ ብእስራት ።
40= ንገባር መጋበርቱ ፣ ንድጉሪ መፍጋእቱ ።
41= ገባራይ ኣጻባጽቡኒ ፣ ወታሃደር ኣዋራውርኒ ።
42= ሰብ ብያታ ፣ እክሊ ብገበታ ።
43= ሰብ ብቅያ ፣ ፈረስ ብጉያ ።
44= ሰብ ብዝና ፣ ማይ ብደበና ።
45= ብዘይ መጉትካዮ ተፈረድ ፣ ብዘይ ደብካዮ ውረድ ።
46= ጭብጢ ዝጨበጦ ፣ ብዕራይ ዝሓበጦ ።
47= ዳኛ ዘፍሰሱሉ ፈረስ ዝክስከሱሉ ።
48= ቀጥቀጥ ዝበሉ ይምጉትዎ ቀጥ ፣ ዝበሉ ይምጉትዎ ይፈርድዎ ።
49= ክከሱ ይከስሱ ክከዱ ይምለሱ ።

50= ክሳሲ ደው ፣ ይብል ጸዋዒ ዋይ የብል ።
51= ዋሓስ ኣፍ የብሉ, ጻጸ ደም የብሉ ።
52= ዋሓስ ክበልዕዎ ፣ ፍትፍት ክንጸፍዎ ብዘት ።
43= ንዋሓስ ካዕበቱ ፣ ንዝብኢ ቁርበቱ ።
54= ንዋሱ ዘየውጽእ ፣ ጭሕሙ ነየውጽእ ።
55= ዋሓስ ዘይብሉ ነገር ጥፉእ ማሕለካ ዘይብሉ ጸባ ድፉእ ።
56= ኣይዕገት ሓዊ ክናብ ሕረስ ።
57= ክናብ ኣብ ማሕረሱ ኣባይ ኣብመልሓሱ ።
58= በላዒ ይናገር ሓሚሲ ይሳገር ።
59= ዝተፋሕሰ ስፍየት ዝተለክዒ መሬት ።
60= ወርቂ ይጸብጸብ ዓለባ ይተሕጸብ ።
61= ጽሕፈት ካብ ብራና ነገር ካብ ዋን ።
62= ካብ ንፍዕ ጠበቃ ንፉዕ ዋና ።
63= ዋና ተወከስ ባላ ተመርኰስ ።
65= ኣብ ሩባ ዘሎ ውሕጅ ይሰዶ ፣ ኣብ ጎቦ ዘሎ ንፋስ ይሰዶ ።
66= ኣልቦ ነገር ኣልቦ ጨንገር ።
67= ጀማሪ ይጥፋእ ሰካሪ ይትፍእ ።
68= ኣውሪካ ሽመኒ ፣ ዘሪፈ ክብድለካ ።
69= ዓጽመይ ደኪሙ ፣ ስጋይ ለምሊሙ ።
70= ድካ እንታይ የምጽእ ፣ ማይ እንታይ የጉስዕ ።
71= ከውሒ ዝርገጸ ኣሰር የብሉ ፣ ማይ ዝስተየ ጨና የብሉ።
72= ከእዊኢ መለሱለይ ሓዊ ።
73= ኣውያት ንእዝኒ ፣ ንብዓት ንዓይኒ ።
74= ዘእዊ ክረድእዎ ፣ ዝስምዕ ክሰምዕዎ ።
75= ኣሰር ምስ በሰር ፣ ሓዊ ምስ ከሰል ።
76= ሓዊ ብገልዒ ፣ ነገር ብወግዒ ።
77= ኣዳላዊ ዳኛ ፣ ገጻብ መጽዓኛ ።
78= ጉይይ ውዕልካ ክሳድ ሓዝ ፣ ምጉት ውዕልካ ጭብጢ ሓዝ ።
79= ባርያ እንተቁሒ ፣ ዘረባ እንተበዝሒ ፣ እቲ የዳዳ ፣ እቲ የጋጊ ።
80= ኡባ ዘለዎ ፈሳሲ፣ እንባ ዘለዎ መላሲ ።
81= ይበእሱ ክልተ መልእክቲ ፣ ዘይተዓረቁ ክልተ ሸጣውንቲ ።
82= ብፍትሕ ዝከደት ብቅላይ ኣይትጉሕየንን ፣ ብዘይ ፍትሕ ዝከዳ ቖሎይ የጉሕያኒ ።
83= ሓቢርካ ዝመኸርካዮ ፣ ኣድቂቅካ ዝመተርካዮ ፣ እቱይ ኣይጎድኣካ ፣ እቱይ ኣይሓንቀካ ።
84= ተሃዊኮም ይክዕውዎ ፣ ኮፍ ኢሎም ይኣርይይዎ ።
85= ንብርቱዕ ነገር ኣይትታሃወከሉ ፣ ንነዊሕ መገዲ ኣይትጉየየሉ ።
86= ንዘረባ ኣስተውዒልካ ንእክሊ ኣኩምስማካ ።
87= ንጉስ ኣይኣዝዝ ማይ ኣይሓንዝዝ ።
89= ንጉስ ዘይብሉ ኣይትግሹ ፣ ሰብይቲ ዘይብሉ ኣይትሕረሹ ።
90= መገዲ የእቱ ንዓዲ ።
91= መገዲ ዝተጋገየ ንባዳ ዘረባ ዝተጋገየ ንዕዳ ።
92= ነገር ክጠፍእ ዳኛ ቅተል ።
93= ዳኛ ኣየዳሉ፣ ካብ ዝተረትዒ ድራሩ ።
94= ዘንጊ ሓቂ ትሓቅቅምበር ኣይትስበርን ።
95= ሓቂ ብርእሳ እንተቀበርካያ ፣ ብእግራ ትወጽእ ።
96= መኮርመይ ዝረከበ ፣ መሳፍሒ ደለየ ።
97= ጽናዕ ኣብ ማዕጾ ።
98= ኣይትእተወኒምበር ውጻእስ የዳዲ ።
99= ሓብካ ኣይትከላእ ፣ ፈቲካ ኣይትጽላእ ።
100= ፈትትዮ ዝሃበ ፣ ብማይ ዝዓበ ።
101= ከምውዕለይ ደገዝማቲ ባዕለይ ።
102=ዓስቢ ጓሳ ከይፈረድካዮ ፍሩድ ፣ ስጋ ዓሳ ከይሓረድካዮ ሕሩድ ።
103= ሕማቅ ዓራቃይ ፣ ነገር የዳግም ፣ ሕማቅ መንሳዓታይ ድራር የዳግም ።
104= ኣብ ዘይ ርስቱ ይስበር ምሕኩልት ።
105= ኣብታ ናታ ኣይተማውታ ።
106= ዱር ቀስቂሰ ዓዊል ጢሒስ ።
107= ኣብ ቅድሚ ስራሕ ኣይትጽናሕ ፣ ኣብ ቅድሚ ኣንበሳ ኣይትግናሕ ።
108= ግራት ግንቦት ኣይድፍእ ስጋ ኣምላክ ኣይትፍፋእ ።
109= እግባኣና ግብሪ ይትከል ፣ እግባኣና ግብሪ ይነቅል ።
110= ዘይለቅሕ ቀታሊ ፣ ዘይመልስ ከታሪ ።
111= ገንዘበይ ውጺ ነገ ።
112= ኣየ ሰመረ ወዮ ፣ ግራትካ ስብ ገበረ ።
113= እክሊ ዘለዎ ይጥሕን ፣ሰብ ዘለዎ ይድሕን ።
114= መዳጎኒ ዘለዎ በቅሊ ፣ ሃጸይ የስርር ።
115= ፈት ዝበለ ወተት ፣ ሰተት ዝበለ ሃንደበት ።
116= ጸናዕ ከትምናዕ ።
117= ትሕትና ብልዒ የሕጥእ ፣ትሕትና ምጉት የርትዕ ።
118= ቁስሉ ዝሓብእ ፣ ፈውሱ ይሓብእ ።
119= ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣይትዝረብ ዋዛ ፣ ኣብ ቅድሚ ቆልዓ ኣይትቁረስ ሃንዛ ።
120= ዓይንኩም ጓህሪ ፣ ልብኩም ባሕሪ ።
121= ዓሳ ከምዘይ መውት ፣ ማይ ከምዘይ ነጽፍ ።
122= ወዲ ዓዲ ክንዲ ዝደቀሰ ፣ ጉሕላ ክንዲ ዝገስገሰ ።
123= ሃሃ-ዝበለ ኣንበሳ ኣይትቃለሶ ።
124= ትሕድር ንለይቲ ትዓል ንማዓልቲ ለጋዕ ይሕቡልላ ።
125= ጥርጡር ኣድጊ መጥፍኢ ናውቲ ።
126= ሕውክ ኣዳጉራ ፣ ኣብ ቁሩዕ ከሎ የጥርጥ ።
127= ነገር ኣብ መጀመርያ ፣ እክሊ ኣብ መኩመርያ።
128= ነገር ከይተጸየቀ ፣ ኣፈለ ጸብሒ ከይተጸየቀ ወሓለ ።
129= ሓጥያተይ ዝርዙር ፣ ጸሎተይ ስሙር ።
130= እዝጊ እንተገበረ ፣ ጸሓይ ወርሒ ገበረ ።
131= ትኣምነለይ መን ይክሕደለይ ።
132= ብኣፍ ዝወጸ ሰበይቲ ብዝውጸ ይቅትሎም ።
133= ነፍካ ሓቢ ስተ ብዘይ መቀጫካ ተጋላገለ ።
134= ይ ኢድካ ኣብ እንዳተመን ዕንቅሪቢት ኣእትዋ ።
135= ንጉስ ዘውዲ ብዘይ ማሕጸዲ ።
136= ውረድ ዘይበቅልካ ፣ ልቀቅ ዘይርስትካ ።
137= ምክሪ ዘይብሉ ንጉስ ፣ ሓደ ዓመት ነይነግስ ።
138= ዓገብ ዘይብል ጐይትኡ ፣ መከራ ክረክብ ምስኡ ።
139= ዓገብ ዝበለ ጐትኡ ፣ ዓገብ ከይረክብ ምስኡ ።
140= ወዲ ኣድጊ ኣብዲቁ ይረግጽ ፣ ወዲ ፈረስ ኣውዲቁ ይድንግጽ ።
141= ዘበን ከም ንጉሱ ፣ ዓውዲ ክም ንፋሱ ።
142= ዘይምለሳ ኣሓ ፈለስቲ ይዋግኡለን ።
143= ሰበይቲ ጸማም ብኮፍ ይጻወቱላ ፣ ስበይቲ ዕውር ብኮፍ ይስዕሙሉ ።
144= ፈላሲ ናብ ጓይላ ፣ ብጽሒ ናብ መጋርያ ።
145= ግዝኣት ፈላሲን ፣ ግዝኣት ሰበይትን የጥፍእ ።
146= ናይ ኩሉ እሾክ ይወጽእ ፣ እሾክ ዋይባ ዘይውጽእ ።
147= ኣስላማይ እንተነገስ ኣይምፈረድን ምሓረድ ።
148= ፈላሲ ኣንካብ ደብሪ እንተወጸ ፣ ኣንበሳ እንካብ ዱሩ እንተወጸ ፣ እቲ ንጥፍኣቱ ፣ እቲ ንሞቱ ።
149= ፈላሲ ከይጸድቅ ይሕልክስ ፣ ከይወልድ ይምንኩስ ።
150= ፈላሲ ከይመተ ስርናይ ከይሸወተ ኣይእመንን ።
151= ወካርያ ጻድቅ ክትመስል ዝዋውዕ ትእስር ።
152= ኣድጊ ስጋ ጽዒንካ ንዝብኢ ኰብኲቦ እንተበልካዮ ዘይሰልጥ ' ዕዮ ።
153= ሰብ ኣማሚ ፣ እዝጊ ፈጻሚ ።
154= እክሊ ናብ ረቂቅ መሬት ጽልኢ ለብዘበን ኣብ ብኤት ዘመድ ።
155= ብዕራይ ኣብ ዝከደ እንተከደ ዕርፊ ኣጽንዕ ።

156= ንነዊት ጨንቆ ብድሕሪ ዕርፊ ጠብቆብቅድሚት ምራን ሕነቆ ።
157= ንዘይብሉ እንታይ ተልዕለሉ ።
158= ሕኑቅ እንታይ የምጽእ ዓፍራ ።
159= ስርናይ ሰብይቲ እንተሳኣነ ግናይ ።
160= ዘእተወኪስ ይፈትሓኪ ወልኡ ዝወለደኪ ።
161= ሰበይቲ እንታይ መልክዓ ኢዳ ተሐጺባ እንኩ እዚኣ ።
162= ዘይ ሓስብ ኣይንገድ ።
163= ስጋዕ ዘላቶ ሓራስ ይልቃሕ ።
164= ሰብ ዝለዎ ኣራፊጉ ይመውት ።
165= ኲናት ጸሎት ይደል ፣ ባይቶ ሕማም የደሊ ።
166= ወለዶ ዘለዎ ኣራፊዱ ይመውት ።
167= እንካ ዝበለ ስያብ ላከ ።
168= ሱር ሰብ ዘመድ ፣ ሱር እምኒ ሓመድ ።
169= ቁጽሊ ሃምቢሃምቦ እእልካ የጽልል ፣ ጓና ፈተውኒ ኢልካ ሓውካ ኣይተቃልል ።
170= ደም ዝሰመየ ጭማራ ፣ ዓጽሚ ዝሰመየ እንጀራ ።
171= ኣብኡ ዝመስል እዝጊ ይመስል ፣ ኣኩኡ ዝመስል ሰብ ይመስል ።
172= ነውሔ ኢልካ ኣይተሕጽረሉ ፣ ሓጸረ ኢልካ ኣይትለቅበሉ ።
173= ሕጊ ይነብር ተተኪሉ ፣ ስርዓት ይነብር ተዛዊሩ ።
174= ምስ ቆልዓ ኣይትምከር ፣ ምስ ከልቢ ኣይትታሓባእ ።
175= ኣብ ውሽጢ ተጻዒና ፣ ኣብ ወገፈ ኣይትዘንብል ።
176= ኣብ ከብዳ ዘሎ ወዲድዩ ፣ ጓል ንበሎ ።
177= እተመስከረ ይፈረድ ፣ ዝሰብሕ ይሕረድ ።
178= ካብ ሰብ ዝበዝሕ ፣ ካብ ኦም ዝነውሕ ፣ ካብ ስጋ ዝስብሔ ።
179= ሓው እንተደሊካ ኣደ ትደሊ ፣ ስጋ እንተደሊካ መካን ሕረድ ።
180= ሳዕሪ ጸናዕቲ ፣ ንሕሱም ማዓልቲ ።
181= እንታካ ካብ እንዳካ ።
182= ስጋ ኣድጊ ስብሔ ኢልካ ኣይብላዕን ።
183= ካብ ኣጅቦ ብስና ሐምሊ በሊዕካ ጥዕና ።
184= (191)
185= (192)
186= (193)
187= (194)
188= (195)
189= (196)
190= (197)
191= (198)
192= (199)
193= (200)
194= (201)
195= (202)
196= (203)
197= (204)
198= (205)
199= (206)
200= (207)
201= (208)
202= (209)
203= (210)
204= (211)
205= (212)
206= (213)
207= ብዘበን ደጃዝማት ውበ ዝጸመመ ፣ እዝኒ ዝባን ውበ ክትብል ነብረት ።
208= ጐይትኣ ዝኣመነት ከልቢ ሰባብሕቲ ክሕረዳ ንሩባ ወረድት ።)
209= ዝወፈረ ንህቢ ኣብ ጐድኡ ፣ ዝውፈረ ጊላ ኣብ ጐትኡ ።
210= ተከተል ሓለቃካ ፣ ተመልከት ዒላማካ ።
211= ሰብ ኣሓ ይሃድሙ ፣ ሰብ ቁራብቲ ይዋግኡ ።
212= ዓይኒ ንዓይነይ ዝብል ሰብ ይርእዮ ፣ ከብዲ ከብደይ ዝብል እዝጊ ይርእዮ ።
213= ሓደው ውሉድ ምስ ዓጸባ ፣ ሓደው ላም ምስ ጸባ ፣ ሓደው እክሊ ተደሊባ ።
214= ተመን እንዳኡ ምስዝገጊ ይመውት ።
115= ተመን ከም ምልማጹ ቅናት ዮሐንስ ምኮኑ ።
216= ትትመን ልቡ ርእዩ እግሪ ካልእ ።
217= ካብ ቆፎ ዘሎ ከውርዳ ፍንትክሽን ይፈትሓ ።
218= ምሳር ዝርኣየ ጓሳ በትሩ ይጽይቅ ።
219= ሰዋ መዛረቢ ምሳር መጻረቢ ።
220= ድሕሪ ዋጣ ዝዋጢ ኣይክዋጥን ከውጠጢ ።
221= ዝምት እንተመተ ፣ ዝለና ንዛተ ።
222= ካብ ዝራብዕ ፣ ዝዋዓሎ ፣ ተስታይ ዘርፈዶ ።
223= ብዕራይ ዘይብሉን ኲርምቲ ዘይብሉን ፣ ካብ ጥዑም ይተርፍ ።
224= ማይ ክመስል ማጨሎት ይምህር ዘረባ ፣ ክመስል መርገም ይቀትል ።
225= ምርቃ ዘይፈልጥ ላም ኣርእዮ ፣ መርገም ዝፈልጥ ደርሆ ኣርእዮ ።
226= ዘሎ ዘይሓልፋ ይመስል ፣ ዝሓለፈ ዘይነብር ይመስል ።
227= ዝመጽእ ክትፍልጥ ፣ ዝሓለፈ ኣስተውዕል ።
228= ክልተ ግዝየ ዝፈርዱ ግናይ ይወልድ ።
229= ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ ፣ ንሓመድ ድጐሪ የውጽኦ ።
254= ድሙ ከምብጊሐታ ገልዒ መስተይታ ።
255= ዝብኢ ንዓ ምራኩት ሓሉ በይኑዩ ።
256= ዝብኢ እንታይ ይመስል ፣ እግሩ ይሕንክስ ኣፉ ይነክስ ።
257= ብዕራይ ዝሓመቆ ክዳኑ ዝረቀቆ ወዲ ሓወቦኡ ይንዕቆ ።
258= ኣሓ ኣብ ደምብኤን ከለዋ የምቃ ።
259= ገጅፍ በትሪ እንተዘይወቃዕሉ ተፍራርሓሉ ።
260= ጽቡቅ ዳንጋ እንተኮነ ንጉያ ፣ እንተዘየሎ ይከውንን ነርእያ ።
261= ወዲ ሐሊማ ሐንኪሽ ክትዘርየሉ ፣ እንተመጸእካ መታዓረቂ ይኸውን ።
262= ዝገበርኩሉ እንተዘይፈለጠኒ ፣ ዳርጋ ብኲናት ከምዝወግኣኒ ።
263= ፈታዊካ ወይ ግበረሉ ፣ ውይ ንገረሉ ።
264= ወድኡ ዝቀንኤን ፣ ኣብ እምኒ ዝተቀመጠን ፣ ረብሪቡ ይገድፎ ።
265= እንተዘይይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ ።
266= ኣይትጥለም ንኣማኒካ ከይጠልመካ ፈጣሪካ ።
267= ወዲ ኣማኒካ ሐንግሮ ወድካ ኣተትዮ ።
268= ብሸብሽቡኡ ዝወጠጥዎ ኣብዝደለዮ ይወስድዎ ።
269= ቁልዓ ብንእሱ ቁርበት ብርሕሱ ።
270= ዓመት ከይመሐሩ ሰብዓ ዓመት ይድንቊሩ ።
271= ጊላ ሸመትን ልሕጺ ክረምትን ኣይስእንን ።
272= ንተሸመ ተከተሎ ፣ ንተሳዕረ ተሰበሎ ።
273= ፍትሒ ኣይጠፍእን መጥፈኢኣ ይጠፍእ ።
274= እክሊ አየባይታን ኣብ ባይቶ ።
275= ከመይ ኣሎካ ኣይትብበሎ ኣብ ገጹ ረእዮ ።
276= ንከልቢ ብእግርካ ምውቃዕ እንካ ስጋ ማለት እዩ ።
277= መገዲ ምስ ወዲ ዓዲ ፣ ከትሪ ምስ ወዲሹም ።
278= ሳግላ ብላዕ ኣይትቅላዕ ።
279= ስኒ ይጻዕዱ ኣይጻዕዱ ይደልድል ።
300= ስመ ማርያም ኢልካ ዝሃብካዮ ፣ ተመሊስካ ኣይትብላዓዮ ።
301= ንመን ትመጾ መን ይመጻ ትመጾ ።
302= ዘይወግሕ መሲሉዋ ኣብ ቡክራ ትጽሕጽሕ ።
303= ማይ ካብ ሩብኡ ሓሪጭ ፣ ካብ በኲርኡ ።
304= ዘይሳክማካ የጣምራካ ።
305= ኣብ ከብዲ ከልቢ ፣ ዘይሓድር ጠስሚ ።
306= ከይመውት ፈውሲ ኣለዎ ።
307= ንባጅነ ላም ንሐቦ ዓቢራ እንተበለናከ ተዕብር ንስካ ተሰብሕ ንስካ ንዘሎ ።
308= ኣደይ ማርያም ዝፍርሐስ ፣ ብመብርቅ ዝቅትል ወዲ ኣልይወን ።
309= ብሓደ ሰነ ዝተነቅለ ፣ ብ 9 ሰነ ነይትከል ።
310= ተሓሳሚ ጓሳ ድራሩ ዝበልካዮ ፣ ምሳሑ ይኮኖ ።
311= መፍትሕ ሽራራ ዘለዎ ዓሰባ እይተዕሰብ ።
312= ሃመማ እንተብዝሑ መክደን ኣልባ ነይከፍቱ ።
313= ኣብ ዝሑል ጸባ ዝለመደ ፣ ጽንጽያ ኣብ ውዑይ ጸባ ኣትዩ ሞተ ።
314= ሽራፍ ስኒ ምፍሰስ ስዋ ፣ ሽራፍ ዕትሮ ምፍሰስ ስዋ ።
315= ዓድን ዋይዳን ብሓንሳብ ኣይእከብን ።
316= ሰበይትካ ተኰሪዳ ኣይበልካ ፣ ምንም እንተዘይጠርጠርካያ ልብካ ቅር ይብል ።
317= ክሰርሕ ዝዋዓለ ፣ ጸሙን ሐደራ እስክሉ እስክሉ ስራሕኪ ዝበላ ተደራ ።
318= ለካ ንዴት ምድሪ ከይረፍደት በለት ጋዕዋ ።
319= ዕዳ ኣሎኒ ኣይትበል እዝጊ ዘውጽኦ ፣ ዕዳ የብለይን የብለይን ኣይትበል እዝጊ ዘምጾኦ ።
320= ሓቂ ግበር ኣብ መገዲ ደቅስ ።
321= እናዋዓየ ብማንካ ፣ እናዛሓለ ብእድካ ።
322= እንኳን ሰብ እምኒ ትውለድ ።
323= ጭሩ ከም ዓቅማ ብብርዒ ስገም ትሕጐም ።
324= ኣብ መርዓ ጓላ ቀልቅል ምዓላ ።

325= ኣብ መርዓ ጓለን ጸይቀንኦ ባዕለን ።
326= በዕላ ሰንክታቶ በሐቄ ፣ በዓላ ሰቂላቶ ረሐቀ ከይትሕዞ ብጥቃቀ ።
327= ዓባይ ሰበይትዶ ጸሕሊ ትሰብር እንተመለቋከ ከመይ ዳኣ ክትገብር ።
328= ባሕ ክብላ ልብ ጽብሓላ ዱባ ።
329= ኣንስቲ እንተተኣከባ ፣ ቊራዕ ሀምሊ የሕርራ ።
330= ጸጉሪ ሕፍረትካ እትርእዮ ኣሎ ፣ ጸጉር መንኲራዕትካ ኣተክልኦ ኣሎ ።
331= ጠበይ ቊልቊሎ ልበይ ዝንብሎ ።
332= ንጓል ተሓጺኪ በአላ ፣ ንመሸላ ተጽሂኪ ባላ ።
333= ልበይ ሰገዳ ፣ ኣፈይ ዱዳ ።
334= ሌባ ተጸጊዑ ኣብ ገባ ።
335= ገምቢ ተጸጊዕካ ፣ ዝብኢ ውጋእ ።
336= ወርሒ ብዘይ ዘማቲ ፣ ቄልዓ በዘይሰበይቲ ፣ እክሊ ብዘይ ክረምቲ ።
337= ትክስ ድሙ መዘንጊዒ ፣ ኣንጭዋ ።
338= ነዓይ ነንጭዋዶ ፣ ኣብ ልቆታ ተእትዋኒ ።
339= ኣናጭዋ ክልተ ዓንዴል ።
340= መንካዕ ገብሪ ኣንጭዋ እየ ፣ ገብሪ መንካዕ እየ ።
341= ሰበይቲ ሓማትካ ትጸብቅካ ፣ ኣይትጽልካ ።
342= ዓሻ ሰብይቲ ወዲ ሓሙታ ፣ ዘይወዳ ይመስላ ።
343= ካብ እግሪ መልሓስ ትዕንቀፍ ።
344= ከም ሳዕሪ ዓቲሮም ፣ ከም ጓህሪ ቃቂሮም ።
345= መርፍእ ማሕረሻ ይማባጽዑላ ።
346= ገ ክብሉካዶ ትጋገ ።
347= ድሕሪ ማይ ናብ ብዓት ።
348= ደርሆ ዓዲ ውዒላ ማይ ትውቃዕ።
349= ክረምቲ ዝገይሽ ካብ ከልቡ ነይሓይሽ ።
350= ካብ ንዓመታ ደርሆ ለብዘበን እንቋቊሖ ።
351= እምኒ እንተወደቅካያ ትስብረካ ፣ እንተወደቀትካ ትስብረካ ።
352= በርበረ ኣይከውን ዕጣን ፣ ዘረባ ኣይከውን ስልጣን ።
353= ምእንቲ እማኒ ይብተክ ጥላም ስእኒ ።
354= ሳእንካ ማዕረ እግርካ ።
355= ዝስሐተ ኩቱ ጓል ጽግድም የእቱ ።
356= ዝወዓለ ይንገርካ ፣ ዝሳሓተ ይምከርካ ።
357= እይትሑሰብ ኣይቅለግስ ፣ ዕድል ይገስግስ ።
358= ቅለቶም ክምስኒቶም ።
359= ስም ይመርሕ ፣ ጥዋፍ የብርህ ።
360= ዓቢ ቀላታይ ፣ ንጋፍ ሑቦ ።
361= መርዓት ከምሕጹነታ ፣ ኣንጭት ከምናታ ።
362= ኣድጊ ዝገበረካ ጠይቂ ግበሮ ።
363= ወጮ እንተገልበጥካዮ ወጮ ።
364= ዱባ ብገርሁ ናይ መለለስ ይከውን ኣብ ወርሑ ።
365= ዳባ ዝበልኩካ ሸሎካ ዓዲ ዝበልኩካ ፣ በረካ ዘይበልኩካ ፈረካ ።
366= ምቅማጥ ጸይቆም ፣ ምስ ዓዳላይ ይባኣሱ ።
367= ንለባም ኣምተሉ ክንደይ ከይስሕቶ ፣ ንዓሻ ደርጒሓሉ ፣ ክንደይ ከይፈልጦ ።
368= ንቅድም ጨርቂ ኣቀምጠሉ ፣ ድሓር ወርቂ ኣቀምጠሉ ።
369= ክሰርቀኒ ዝራኤኩዎ ክመልሰለይ ነይኣምኖ ።
370= ኣድጊ ሳልሶይ ርእሳ እንተኮነት ዝብኢ ዝክእላ ኣይመስላን ።
371= ደረቀኛ ውሽማ ደርሆ ነቆ ይምህለል ።
372= ደረቀኛ ሰበይቲ መድሕን በቅሊ ትተክል ።
373= ስረካ ብክሳድካ ኣውጽኣዮ ።
374= ሓወይ ዝብል ኣይቃዕካ ።
375= ኣያካ ይውቃዕካ ጉምቦ መሸላ ይሃብካ ።
376= ሃዳናይ ከልቢ ጸጒሩ ኣብ ኣፉ መረረ ኣትረፈ ።

377= ኣናፍራ ቁቋሕ ዘይፈልጥ ኣይሃዳናይን ።
378= ክንፈራ ባዕለ ክሕዛ ከልበይ ።
379= ኣንስቲ ብዝብኢ ዝብኢ ብሰበይቲ ።
380= ምራክ እንድሕሪ ጠብይዋ ፣ ማሕለካ ክሕነቀሉዶ ።
381= ንሰበይቲ ጐሎ ሃባ ፣ ልቢ ይሃባ ።
382= ዊልታይ በላ ተኰልኰላ ።
383= ሙትም ባዕልካ ሕዮ ።
384= ናተይ በለኒ ባህክብለኒ ።
385= እዚ ኣፈይ ስቅ ኢሉ እዚ ኢደይ ይኳሓሰሉ ።
386= ኣንጭዋ ትሕለፎ ምእንቲ መጎጎ ።
387= ሓዊ እንተተደጐለ ዝጠፍኤ ይመስል ።
388= ሰብኣይ እንተረከብካዮ ሶል ማይ ፣ እንተሳኣንካዮ ኮክብ ሰማይ ።
389= ምሳካዶ ይላለ ዓቀበተይ ይሳለ ።
390= ኢድካ ዘይጠዓመካ ፣ ነገርካ ነይስማምዓካ ።
391= ይጽብቅ ኢሎም ይሸልምዎ ፣ ይፈልጥ ኢሎም ይሸምዎ ።
392= ስርናይ መቊረቢ ዋሓስ መቅረቢ ።
393= መባእስትካ የርሕቀልካ ፣ ዋሓስካ የቅርበልካ ።
394= ምት ናይ እዝጊ ፣ ሕዮት ናይ እዝጊ ፣ ስንቂ ተማላእ ወልዳኣብእዝጊ ።
395= ማዓራ ንክፍክፍ ዕጫ ንዳጌፋ ።
396= ብኣይ ብኣካ ፣ ቦቦይ ቦቦካ ።
397= ኣቦ ኣይቅጻዕ ሰማይ ኣይውጽዝእ ።
398= ድካ ኣይቅረብ ፣ ጽምብያ ኣይጽረብ ።
399= ብዓቢኡ ከሎ ጽድያ ብቊሩብ ማይ ትጥልቅያ ።
400= ኣብ ሐው የልቦን ቀረባ ኣብ እምኒ ፣ የልቦን ዕምባባ ።
401= እኖ ምስሊ ንዓኪ ይመስል ።
402= ብላዕ ዝበሰለ ፣ ተናገር ዝመሰለ ።
403= ብዝጊ ዝወረደ ንምድሪ ነይከበደ ።
404= ኢራ ሰለባ ነንሕድሕደን ይቃረባ ።
405= ከምዝጸልኣኒ ይሃርመኒ ፣ ከምዝፈትወኒ ይስዕመኒ ።
406= ምስደገዝማቲ መን ተማጓቲ ።
407= እሱም ተማቲ መስርሕቲ ፣ ሕሱም ኰርኳዒ መጥረጢ ።
408= ለያል ውሕጅ ክንዲ ዘንቄልቁል የንቃዕርር ።
409= ዓቅሊ ዋጋ በቅሊ ።
410= ርቃይ ጠቀወ ሓዊ ኣሕደረ ።
411= ነገር ብወግዒ ሓዊ ብገልዒ ።
412= ኣንበሳ ደወል መምሓረሉ ፣ መንም እንተኣሰረሉ ።
413= ካብ ብጾታ እትነውሕ መሸላ ወይ ንእምኒ ወንጭፍ ወይ ንዕፍ ።
414= ሕነ ጻዕዳ ክርስትያን ፣ ንጻዕዳ እንባ ፣ ሕነ ተዓንደር ንኳንደባ ።
415= ብርኪ ይየባርክ ዓቀብ የዳርክ ።
416= ዓደይ ገምገም ፣ ዘርእይ ስገም ።
417= ሰፍኢ የብለይ መበቈጺ ፣ ቈልዓ የብለይ መድንገጺ ፣ ሩባርባ ዳኣይፍኣጺ ።
418= ጥንስን ሕርስን ተረሳኦኣይ ።
419= ንቈልዓ ስኒ ኣይተርኢ ፣ ንጽንጽያ ቁስሊ ኣይተርኢ ።
420= እዝጊ ዘይኣምን ኣረደብር በዓቲ ደጊፈ ይሓድር ።
421= በዓል እኖና ልበን ቀሊል ወዲ እንተወለዳ ዝብላ እልል ፣ ሐደው ዓንጃል ይከውን ሓደው ዘሊል ።
422= ኣረደብር ብኣ ይበልዓላ ፣ ብኣ ይከደላ ።
423= ማሕበርካ በኰረ ሸራክ ተሳዕረ ኣይበልካ ።
424= ዘማቲ ኣብ ዓዲ ከታሪ ኣብ መንገዲ ።
425= መረብ እትደልዮ ብቅርቅርቲ ሰብኣይ ዝደልዮ ትሕቲ ሕምብርቲ ።
426= ኣብ መረብ ጽግኢ የብለይ ፣ ምስምበሳ ጽልኢ የብለይ ።
427= ንፍግ መገዲ ዕዳጋ ይጾቦ ።
428= ስጋ ብቊንጣብ ወርቂ ብጸብጻብ ።
429= ኣብ ዳኛ ይረበብ መጽሓፍ ቀሺ ይነበብ ።
430= ጨው ዘይብሉ እንጀራ ፣ ዕራራ ዘይብሉ መሸላ ።
431= ደሓን የሃበና ይብሉ ፣ ደሓን ዘይገብሩ ።
432= ኣይከም ግብሮም ከምጽሕፎም ።
433= እንጀራ ዘይብሉ ዕቡድ ፣ እንጀራዘለዎ ከቢድ ።
434= ዝምድና ኣድገበቅሊ ኣብሰውሒ ።
435= እዝግን ዘይረክቦ ማይ ዘየጠልቅዮን የልቦን ።
436= መዓር ክስፍሩ ፣ መዓር ይዛረቡ ።
437= ጽቡቅ ዘረባ ዓጽሚ ኣጋንንቲ ይስብር ።
438= መን ዘይከውን ጋሻ ፣ መን ዘይከውን ሬሳ ።
439= ፍጡን ኣትምዓድ ።
440= እትኣምኖ ሊእክካ እንታይ ተረፈኒ ኣይትበል ።
441= ክሰምዕ ብወረ ፣ ክርኢ ብራረ ።
442= ከይጸዋዕኩካ መጸእካ ፣ ከይጸገብኩካ ወጻእካ ፣ ክልተሳዕ ከፋእካ ።
443= ሓዱሽ እክሊ ንኲሕሊ ፣ ሓዱሽ ፍቅር መወድእ እክሊ ።
444= ብዕራይ ዘለዎ ካብ ሰብ ይሓይሽ ።
445= ብዙሓት ይሃቡካ ፣ ብዙሓት ኣይከልኩሉካ ።
446= ብዙሕ ዘረባ ዓጸባ ።
447= ሐንካስ ዝሓለቃኦም ኲላቶም የንደልህጹ ።
448= ዒሉ ውራይ ዘይብሉ ይገይሽ ።
449= ምሉእ ባዕሉ ይከዖ ፣ ሕጹይ ባዕሉ ይምርዖ ።
450= ከምዘይተሓባእና ኣዛበኣ ወድኡና ።


451= ክልተ ጐራሃት ሐምኲሽቲ ስንቆም ።
452= ተመን ዝራኣየ ብልሕጺ ተዳህለ ።

453= ብርስን ሰባሪ ፣ ሰበረ ተመራሪ ።
454= ጭሩ በላዒት ፣ ዋሪ ተመራሪት ።
455= ኣብ ዓደቦካ ኣይትክተር ፣ እብ እንዳእኖካ ጾምካ ኣይትሕደር ።
456= ንሓደ ክረክባ ንሸውዓተ ጨው የምቅራ ።
457= ዓይኒ ጠል ኣብ ጠጠም ፣ ዓይኒ ነብሪ ኣብ ጠል ።
458= ቤት ዘይብሉ ሃርጋፍ ፣ ኣቦ ዘይብሉ ዘጋፍ ።
459= ምስከብዱ ዝመከረ ፣ ኣብ እንዳቦኡ ነይተቀብረ ።
461= ብጋሻ ዘንጸርጸረ ፣ ንሓሙኡ ጸሞ ኣሕደረ ።
462= ንሱ ክሓስብ መን ይክላ ፣ ንሱ ኪፈቱ መን ይጸልእ ።
463= እዝጊ ንኩሉ ጐይታ ፣ እክሊ ንኲሉ ባይታ ።
464= አለ ንጉስ ዘውዲ ፣ አለ ማሕጸ ጉንዲ ።
465= እቲ ጭራ ጭራ ፈረስካ ፣ እቲ ቈርበት ቈርበት ጤልካ ።
466= ድሕሪ ደብረ ታቦር የለን ክረምቲ ፣ ድሕሪ ደርሆ ነቆ የለን ለይቲ ።
467= ገጽ ዘይሓፍር ፣ በቅሊ ኣይኣስር ።
468= ዝሓዘ ይረትዕ ፣ ዝበርበረ ይብትዕ ።
468= ወረጦ ንእሽክ ፣ ሕሜን ንወስክ ።
469= ንሰይጣን ኣይትሃቦ ስልጣን ።
=
505=
506=
507=
508=
470= እዝጊ ብዝፈልጦ ይቀትል ፣ ሰብ ብዝፈልጦ ይፈርድ ።
471= - ንደትሲ ኣብ ቤት እንተገደ ፍቅያ ፣ ኣብ ግዳም ወጺኣ ተእዊ ።
472= ወርቂ እንተጠፍኤ ሚዛን ወርቂዶ ጠፍኤ ።
473= ካብ ቅትርቲ ዝንእስ የሎን ፣ ብጀካኣ ዝሕረስ ይሎን ።
474= ጋሻ ይወጽእ ፣ ባዓል ቤት ይኣቱ ።
475= ኣነ ምይተስ ብድሕረይ ፣ ሳዕሪ ኣይትብቁላ በለት ኣድጊ ።
476= ዘይትመልኮ ጊላ ፣ ኣንጽፍ እንተበልካዮ ኣብርህ ይብለካ ።
477= ምጽዓንስ ጸዓነኒ ፣ ስገም ገረለይ በለት ኣድጊ ።
478= ጭሕምካ ይጽላኣኒ ፣ ምስዓምካ ይፍተወኒ ።
479= ከይመስለምካ ዓንዱ ፣ ምስ መስለምካ ዓብዱ ፣ ኣበይ ደኣ ናበይ ከይዱ ።
480= ጥምየትካ ለቃልቆ ፣ ጽጋብካ ኣርጋኣዮ ።
481= ኣመል ምስ መግነዝ ።
482= ራቅን ስዓልን ነኳዕን መስንተርን ነየሳኒ ።
483= ምኒ ግራቱ ዘይኣሪ ብእሳት ዘየዔሪ ፍኡም ኣረደብሪ ።
484= ቅን `ይመስል ፣ ከብድካ የቁስል ።
485= ቤት ዝብል ጉራሕ ይመስል ፣ ንብላዕ ዝብል ህሩፍ ይመስል ።
486= ክልተ ሰብ ዝዛረቡካ ልሳን ፣ ወይ ንዳዊት ወይ ንዕምሳን ።
487= ደርሆ እንተዘይጻሕተረት ፣ ድካ እንተዘይዞር እንታይ ምተደረ ።
488= ብንእሽቶካ ዝወለድካዮን ፣ እንጊህካ ዝከድካዮን እናሓደረ የሕጉስ ።
489= ደቅሲ እንተብልኩኪ ኣይትንቅሒዶ እለኪ ።
490= ከይሓመዩካ ዕዝር በል ከይጸዉዑካ ዋይ በል እቲ ንምንታይ ነገር ኪንናብል ።
491= መትገኒ ዝብል ኣይትሕረድ ።
492= ሕማቅ ሳኣን ዓቅሙ ዓቅሙ ፣ ወዲ ሓላል ሽሙ ።
493= ካብ ሽሕ ምስክር ፣ ዋና ብከናፍር ።
494= ንሽሕ ፈልጺ ፣ መእሰሪተን ልሕጺ ።
495= ሰማይ ኣይምለጥ ፣ ፍርዲ ሰለስተ ኣይልወጥ ።
596= ንወዲ ርስቲ ፣ ንጓል ገዝሚ ።
497= ሰብ ዝገበሮ ፣ ምድሪ ነገሮ ።
498= ንጉስ ካብ መቱ ፣ ብመን ይማጉቱ ።
499= ንጉስ ይንበር ፣ ፍትሒ ይክበር ።

500= ብሊዓ በሊዓ ጨው የብሉ ፣ ከይደ ከይደ ዓዲ የብሉ ።
501= ጸማም ኣይትጸውዕ ሓጋይ ኣይትቀውዕ ።
502= ሽም መጸውዒ ሰፍኢ መቀውዒ ።

503= ሰብ ብተዘምዶ ስጋ ብጋሊዶ
 
 
 
The Horn of Africa Research and Knowledge Exchange Platform
© 2010-2016 www.harep.org rkidane@talk21.com Contact:
Please click Here to send your feedback