? include("../Agriculture/headere.php") ?>

The Horn of Africa Research and Knowledge Exchange Platform

 

 
 

 

ስለ እንስሳታት ዝምልከት ሕጊ እንዳባ”

 

ስለ እንስሳታት ዝምልከት ሕጊ እንዳባ”
ማንዚንገር  ብ1860 ኣቢሉ ኣብ ምጽዋዕ ከም ኣስተርጓሚን ቆንስልን ኰይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ እዩ።  ካብ ከረን ጀሚሩ ናብ ከበሳታት ኤርትራ: ብድሕሪ’ዚ ተጠውዩ ናብ ምድሪ ባዛ (ኩናማ) ብምኹላል (expedition) ዝገበሮ መጽናዕቲ ከምዚ ይብለና፡-
“ እዞም ህዝቢ ብሕግን ስርዓትን ምዕቡላት ስለ ዝዀኑ፡ ከምቲ  ዝሓሰብናዮም ኣይኰኑን። ስለዚ ኣረኣእያና  ክንልውጥ ኣሎና”
ማሲሞ ራቫ ኣብቲ “ ቁጠባ ኤርትራ (Economia Eritrea) ዝብል መጽሓፉ፡-
“ እዞም ህዝቢ መነባብርኦም ብሕጊ ምስ መሬት ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ፡ ክንወስደሎም ኣይደለናን።  ስለ ብመሬት ዝተላዕለ፡ ውግእ ከይከፍቱልና ዝሰጋእና። በዚ ምኽንያት ኣብ መታሕት ዝርከቡ ኣጻምእ (no-man’s land) ብመስኖ ክንሓርሶም ተገዲድና።”  
ነዚ ብምስትውዓል፡  ኮንቶ ሮዝኒ ስለ ኣብ መላእ ኤርትራ ዝርከቡ ሕግታት ብምጽናዕ፡ ሓደ መዘና  ዘይብሉ መጽሓፍ ኣዳለወ። ብድሕሪዚ ኣብ ኣርባዓታት ናደል ዝበሃል እንግሊዛዊ-ኣይሁዳዊ፡ ስለ ኤርትራ ትሕዝቶ መሬትን ህዝባን መጽናዕቲ ኣካየደ። ብምድምዳም ከምዚ ይብል፡-
“ ህዝቢ ኤርትራ ካብ መሬት፡ ወይ እቲ መሬት ካብ ህዝቢ  ፈሊኻ ኣይትርእዮን ኢኻ። እምበኣር  እዚ ሕጂ እንርእዮ ዘሎና ሃገራዊ ስምዒት፡ ህዝቡ ካብ ንመሬቱ ዘለዎ ምሒር ስሚዒት ዝፈለቀ ወይ ዝ…እንርእዮ ዘሎና ሃገራዊ ስምዒት፡ ህዝቡ ካብ ንመሬቱ ዘለዎ ምሒር ስሚዒት ዝፈለቀ ወይ ዝተላዕለ  ኢዩ ።”
ናደል ከም ተመራማራይ ስነ ጥንቲ-ሰብ (Anthropologist): ብስሚዒትን ብጥቅምን ከይኰነስ፡ እንታይድኣ ዕምቆት ዝመልኦ ዓውደ-መጽናዕቲ (rigorous social studies) ኣካየደ። ግን  ብግዝኡ ዝነበሩ መራሕቲ ንውጽኢት ምርምሩ  ኣብ ግምት ኣይእተውዎን። ዝተናውሔ ቃልሲ ኤርትራ ናይ’ዚ መርኣያ እዩ (prediction)።
ዝገርም ግና:  ስለ እንስሳታት መሰል ወይ ሕጊ ዝምልከት ፡  ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ጥራይ ዝዝውተር ምዃኑ ስለ ዝመስለና ኢዩ። እምበኣር ሕግታት እንዳባ ንደቂ-ሰባት ጥራይ ከይኰኑስ፡ እንተላይ ንእንስሳታት ዘቤት፡ ብፍላይ ስለ መሰሎም ክጣበቁ ዘይክእሉ  ዝምልከቱ  ነበሩ። ከም ዝመስል፡  መለዮ ናይ ሓደ ስልጡኑን ርህሩሁን ህዝቢ እዩ ( a distinguished mark of kindness to animals)። እስኪ እዚ ዝስዕብ ኣንቀጽ መረዳእታ ይኹነና፡-
“ ተናኻሳይ ከልቢ ናብ ዕዳጋ ኣይውረድ። ዕዳጋ ወሪዱ ሰብ እንተነኸሰ፡ ዋናኡ ብሰለስተ ሽማግለ ከም ስርዓት ይኽሕስ።
   ተናኻሲ ከልቢ ካብ ደምበ ርሒቁ፡ ብፍላይ ሓኽሊ፡ ማሕጸ፡ ሰለስተ ሽማግለ ዝረኣይዎ ዱልዱል ጎበዝ ደርብዩ ዘብጸሓላ፡ ካብኣ ንንየው ሓሊፉ እንተነኸሰ (far from stone away throw) ይሕነቅ፣ ካብኣ ንንጀው እንተነኸሰ ግን፡ ዕዳ የብሉን። ካብኣ ንነጀው እንተቀተሉዎ፡ ይኽሕሱ።
ክልተ ኣኽላባት ኪናኸሱ ከለው፡ ምዝራይ ኣይግባእን እዩ። ዝዘረየ ሕልቂ ይኽሕስ። ከልቢ ኣብ ዝኸደ ኸይዱ ብለይቲ ሰብ እንተነኸሰ፡ ሓላው ዓዲ እዩ’ሞ፡ ዕዳ የብሉን።
ለይቲ ንዓዲ ኪሒሱ ከሎ እንተቀተልዎ ይኽሕሱ።
ሰራቂ ከልቢ ኣብ ገዛኦም ክሰርቅ ረኺቦሞ እንተቀተልዎ፡ ዕዳ የብሎምን። ኣብ ጐልጐል እንተረኸብዎ ግን፡ ንዋናኡ ይነግሩ እምበር ኣይቅተልዎ፡ ንሱ ድማ ይሕነቆ።”
ተጋዳላይ ወዲ ኣርባዕተ (ምክትል ኣማሓዳራይ መንደፈራ ዝነበረ) ዝኣከቦም ዝርዝር ሕግታት እንዳባ ከምዚኦም ዝስዕቡ ኢዮም፡-
1. ኣድከመ ምልጋእ፡
2. ኣድግና ተገልባ፡
3. ሎጎ-ጭዋ፡
4. ሰሓርትን፡ ላምዛን፡ ወቐርትን፡ ዳምባን።
5. ስርዓት ሃብተስሉስ ናይ ገብረክርስቶስ ናይ ደቂ ተሽም፡
6. ዋዕላ ሸውዓተ ዓንሰባ።
7. ሕጊ ካርነሽም ኣብ ሕርም ዛግር፡
8. ስርዓት ደንበዛን፡
9. ስርዓት ዓጽሚ ሓርማዝ እንጋንእ፡
10. እንዳ ፍግረይ ዋዕላ ሰለስተ ጽማሮ ( ትምዛእ ሰራየ)
11. ሕግታት ሻሆ ኣብ እረፋይልን ኣከለጉዛይን፡
12. ሕግታት ሻሆ ዘይተዘርዘረ፡
13. ሕጊ ዓፋር ቡርዓሊ መድዓ፡
14. ሕጊ ዓፋር ቢዲቶ ባዲር መድዓ፡
15. ሕጊ ብሌን ታርቀን ኣውቀን ዓሰርተ ክልተ ነገዳት፡
16. ሕጊ ሳሕል ኣልቃትን፡ ኣልዕሩፍ፡ ልቐባኢል፡ ኣልበኒዓምር፡
17. ሕጊ ሳሕል (ዘይተዘርዘረ)
18. ሕጊ ማርያ ኣልቓኑን ኣልዑሩፍ ልቐባኢስ፡ ኣልበኒዓምር፡             
19. ሓዲሽ ሕጊ በንዓምር ኣልቓኑን ኣልዐሩፍ ልቐባኤል ኣልበኒዓምር፡                    
20. ድግም ወፍትሕ ወለዶታት ክልአ መንሳዕ (ፍትሕ መሓሪ)፡
21. ዘይደብተር ሕጊ ሕዳርብ ኣሰሊፍ ወይ ሰዋሊፍ፡                
22.  ዘይደብተር ኩናማ ቡያ፡
23. ዘይደብተር  ሕጊ ናራ ቡታ፡
24.  ዘይደብተር ሕጊ ረሻይዳ መድዓ፡
25. ስርዓት ሓደግቲ፡
26. ስርዓት  ሎጎ-ሳርዳ፡
27. ስራዕት ዝባን ሰራው እንዳ ድቆ (ዓይ-ሸብጢ)
28. ስርዓት ማይ ኣድጊ።
29. ስርዓት ኣርባዕተ በዓል ፋን መረታ ሰበነ፡
30. ስርዓት ጻዕዳ ሓምድ ( ሕጊ መረታ ቀይሕ)፡
31. እንዳ ፍግረይ ስርዓት ምናነ ዝዋብ እገላ ሓጺን፡
32.  ሕጊ ዑፍና።
ቀዳሞት ሕግታት እንዳባ ህዝቢ ኤርትራ
1. ሕጊ እንዳባ ኣውሊታ፡
2. ሕጊ እንዳባ ኣግኣዚት።
ሃይለ ቦኹረ
* ብፍላይ  "ገመል" ከም ብሄራዊ ኣርማና ክትከውን ዝተመረጸት ሓደ መርኣያ እዩ፡ ንኣብነት  እዚ ልዕል ኢልና ዝጠቀስናዮ ኣንቀጽ....። ብተመሳሳሊ ኣብ ትግሬ ብሄረ-ሰብ ዋላ  እንስሳታት ይኹኑ፡ ሃረርታ ናጽነት ከም ዘለዎም እትገልጽ ሓንቲ ዛንታ ኣላ።
 
The Horn of Africa Research and Knowledge Exchange Platform
© 2010-2016 www.harep.org rkidane@talk21.com Contact:
Please click Here to send your feedback