} --> ? include("header2.php") ?>

ኣብ መወዳእታ 1974 ኣብ ዛግር ምትሕንፋጽ (ተኽሊት) ናይ ዝነበርና ሓይልታት ተኻይዱ።ኣብዚ ተኽሊት እዚ ንሓይልና ፍሉይ ዝገብራ ፣ ብዝሒ ደገፍቲ ናይቲ ገስጋሲ ምንቅስቓ ምንባርናን ከም በዓል፣
ስምኦን ኢማን ፣ የማነ ቻይና፣ ብርሃነ ካርሎ ምስ በዓል ጰጥሮስ ሰሎሞን ብሶማል ዝተሰለፈ፣ ኣልኣዛር ተስፋሁነይ፣ ካሕሳይ ሓሚድ፣ ወዲ ፍረ፣ ወልዱ ያዕኒ፣ ገብረሂወት መድፍዓጂ ብረን ኣነ ወዘተ ኢዩ። ብዘይካዚ እታ ሓይሊ ብገፊላን ኣባጋላን ኢያ ክትምራሕ ከም ኮሚሽነር ድማ ዑስማን መሓመድ ዑመር ንመሪሕነት ጸብጻብ ዘቕርብ ሓውሲ ሰላዪ ተመዲቡ። እዚኦም ድማ ብዂናት ኣዝዮም ውሩያት፣ ሃጀምትን ብመሪሕነት ዝጽልኡን (ብፍላይ ኣባ ጋላ) ኢዮም ነይሮም ብኣንጻሩ ዑስማን ሓመድ ዑመር ካብ ኲናት ምኽንያት ጌሩብ ፍጹም ተሳቲፉ ዘይፈልጥ ኢዩ ኔሩ ።
ብዙሕ ሰብ ብዛዕባ እዛ ኣሃዱ ክዛረብ እንከሎ ፣ ብመደብ ከጥፍኡኹም ኢሎም ኢዮም ዝብል ኣረኣእያ ኔርዎም። ብወገና ግን ሕጉሳት ኔርና ምኽንያቱ ጽልዋና ከነዛይድ ዕድል ስለ ዝህበና፣ በቲ ሓደ ወገን ድማ ብዙሕ ግጥማት ምስ ጸላኢ ክንገብር ተኽእሎ ስለ ዘሎ።
ካብ መሪሕነት ንምርሓቕና ናብ ጎላጉል ሰምሃር ምስ ሓይሊ በርሀ ጻዕዳ ብሓባር ተመዲብና። ኣብ ሰምሃር ኣብ ዝነበርናሉ ግዜ በርሀ ጻዕዳ ኲናት ኣብ ደጎሊ ከካይድ ረድዮ ዓጽዩ እንዳተዳለወ እንከሎ መልእኽቲ ንረዳት ዓዲ ቢደል ( ኲናት ሓድሕድ) ንጽዋዕ። በዚ ድማ ንከበሳ ንድይብ። ጸላኢ ካብ ደጎሊ ምውጻእ ስለዝኣበየን ፣ ንጽባሒቱ ንበርሀ ጻዕዳ ኣታ መልእኽቲ ትበጽሖ ንከበሳ ድማ የርክበና።
ብድሕሪዚ እቲ ኩነታት ተወዲኡ ንሕና ንሳሕል ዝወርዱ ሓደ 60 ሓደስቲ ስለዘለው ንማይ ኡለ ውረዱ ንበሃል ፣ ብሃታሃታ ንወርድ ፣ በርሀ ጻዕዳ ግን ኣይወርድን ኢየ ኢሉ ይኣቢ።
ብምኽንያት ጥምየትን ( ገንዘብና ፣ መሳሪፍ ዑስማን ስለዘረከቦን) ስለምታይ ንሕና ጥራይ ወሪድናን ብምባልን ኣኼባ ኣካይድና። መልሲ ኣባ ጋላ - መሪሕነት ስለ ትጸልኣኒ ፣ ከተርሕቐኒ ስል ዝደለየት ተለኪምኩም ፣ ንበርሀ ጻዕዳ ግን ብምእባዩ ዘይኮነ ስለዝፈተውሉ ኢዩ ክብል መልሲ ሂቡና። ብድሕሪዚ 600 ፣ 800 ወዘተ እዳበሉ ሓደስቲ ብብዝሒ ክውሕዙ ጀሚሮም።
እዝን ካልእን ናይ ብዓል ስምኦን ኢማንን ኣብ ናይ ሎሚ ምሸት 27/01/2020 የራኽበና።
Foto of Simon Iman
 
Share

ng of the end of RICE’s existence

Alene Medhane
Amaniel
ኣሻዓል ብሂወቱ የለን፥ ምስኡ ዝቅጥቕጥ ዝነበረ ኣብ ደቀምሓረ መታዓብይትና/ምዕባይና/ረዘነ ስዩም፥ ወዲ እውህነ (ዓድቀይሕ) ግን ኣሎ።
Michael Abatregh

Alene Medhane
 ! አለነ ሐወይ : እዚ አሽዓል ወዲ ዘርኤ ንሕና አብ ቤት ትምህርቲ ሕብረት 5 ክፍሊ ከለና ናብ ቤትማእሰርቲ አትዩ : አቦይ ዘርኤ አጸቢቀ እየ ዝፈልጦም ናብ አቦይ እንዳመጹ የዛርብዎ ነይሮም : ነዊሕ ድልዱል ጸሊም ሰብአይ ናይ ፖይንት ፎር ዋርዲያ እዮም ነይሮም : ደንጉየ ክመጽእ ከለኹ ናይ ሕብረት ካንቸሎ ይዕጾ ብፖይንትፎር የእትውኒ ነይሮም ::

Tesfamicael Tecleberhan
ctt1Sp0onoshol Joaddrendufariry
 · 
ከመይ ጌረ ክርስዓኩም ኣብ ህግ ዝተሰውአ ቴድሮስ ገብረሃንስ ( ተጻዋታይ ጋንታ እምባሶይራ) ተስፋይ ሰረቐ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ደርጊ ኣብ ኣስመራ ዝተቐትለ ፡ ሬስኡ ዘይተረኽበ (ተጻዋታይ ጋንታ ተሌ)
ካብ ጸጋም ናብ የማን፡
(ኮፍ ኢሎም ዘለው ፡ ተስፋሚካኤል ተኽለብርሃን(ኣነ) ,ተስፋይ ሰረቐ፡ ደው ኢሎም ዘለው ፡ዳንኤል ሓወልቲ፡ ተድሮስ ገብረሃንስ፡ ብርሃነ ኣስገዶም(ሳልቫቶረ፡ ተጻዋታይ ተሌ))
Tesfamicael Tecleberhan
uc2s9 mStepgStponmeemlbSmessrl ore2e0n1orhd8d · 
ስዩም ጸሃየ ታሪኽ ህዝብኻ ዝሰንድካ ከመይ ጌርና ክንርስዓካ።
ኣብ 1975 ኣብ ኣስመራ ጃምላዊ ህልቂት ፡ ኣብ ዝባን ስንቀ ኣምሓሩ ወተሃደራት ገዛገዛ እንዳኣተው ብጥይት ሰብ ምስ ኮስተርዎ፡ ኣብ ፓሎታት ከተማ ኣስመራ ኤርትራውያን ብስልኪ ምስ ሓነቕዎም ፡ ንስኻ፡ኪዳነ ተኽለብርሃን (ሓወይ)። ዲሞ፡ ተስፋማርያም (ተሸ) ኣብ ኢሉባቡር (ኢትዮጵያ) መማህራን ኔርኩም። እዚ ምስ ሰምዕኩም ፡ ህልቂት ህዝብኹም ኣሰቢድኩም ስራሕኩም ጠንጢንኩም ሕዝብኹም ንምድሓን ናብ ሰውራ ንምጽንባር ተበጊስኩም ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክትተሓዙ መልእኽቲ ሓሊፉ ፡ ብሜላ ሰጊኩሞ መቐለ ኣቲኹም። ካብኡ ገንዘብ ከፊልኩም ብኣስገርቲ ጾሮና ብእግርኹም መሬት ዓድኹም ኣቲኹም።
ንህዝቡ ዝሓምም ፡ ምእንቲ ህዝቡ መስዋእቲ ዝመርጽ ፡ ከመይ ጌርና ፡ ኣንታ ከመይ ጌርና ክንርስዖ።
ኣብቲ ረመጽ ኲናት ፡ ኣብ ጽንኩር ደብዳብ ነፋሪት ብ1990 ዝሰነድካዮ "ቅብጸት" ትብል ህልቂት ምጽዋዕ መን ክርስዖ።
እታ ታሪኽ ዝሰነደት ካሜራኻ ፡ ብ2001 በዓል ናጽነት ምስናድ ምስተኸልከለት ፡ ኣብ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዝጸሕፍካዮ "ካሜራይ ኣታ ኣብ ጽንኩር ኩነታት ታሪኽ ዝሰነደት ሎሚ ናብ እስታድዩም ኣትያታ ጽምብል ናጽነት ከይትስእል ተኸልኪላ" ብምባል ዝጸሓፍካዮ፡ ወዮ ህዝቢ ድኣ ኣይትረድኦን እምበር እቲ ጥልመት፡ክሕደት ከምዘጋጠመ ንህዝብኻ ገሊጽካዮ ኢኻ ። ብዛዕባኻ ክበሃል ዝኽእል ብዙሕ ኢዩ ። ኩሉ ኣብ ልብና ኣሎ። ነዚ ኹሉ መን ክርስዖ።
ጀጋኑና ኣይረሳዕናኩምን። ከመይ ጌርና ክንርስዓኩም። ብህዝቡ ዝሓምም፡ ንህዝቡ ዝብጆ ጅግናዶ ይርሳዕ ኢዩ።