-->

 

https://asenatv.com/38462-2/

ናይ 1973 ዝነበረ ምንቅስቓስ
ወርሒ 10/ 1973 ናይ 1973 ዝነበር ምንቅስቓስ ብከምዚ ኣገባብ ይጅምር* በራኺ ፈንቅል ጸጋይ ቀሺ ኣድሓኖም ኢሰያስ ተወልደብርሃን ኮይኖም ንኢሰያስ ኣፈወርቂ ከምዚ ይብልዎ፡- እዚ ኵሉ ኩነታት ኣምጺእዎ ዘሎ ሰለሙን ወልደማርያም ኢዩ። ምኽንያቱ ካብ ቀደም ጅሚሩ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ኣውራጃ


ወርሒ 10/ 1973
ናይ 1973 ዝነበር ምንቅስቓስ
ብከምዚ ኣገባብ ይጅምር*
በራኺ ፈንቅል
ጸጋይ ቀሺ
ኣድሓኖም
ኢሰያስ ተወልደብርሃን
ኮይኖም ንኢሰያስ ኣፈወርቂ ከምዚ ይብልዎ፡- እዚ ኵሉ ኩነታት ኣምጺእዎ ዘሎ ሰለሙን ወልደማርያም ኢዩ። ምኽንያቱ ካብ ቀደም ጅሚሩ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ኣውራጃ ምንቅስቓስ ሕጂ’ውን ጀሚርዎ ኣሎ። ስለዚ ንህ ዘሎና ኩሉ ክንፍድሖ ኢና። ኣጋጣሚ ኮይኑ ከአ ሽጋራ ስለ ዝተኸልከለ፤ ነቶም ደቂ ሰራየን ደቂ ኣከለጕዛይን ብሽጋራ ይሰብኮም፣ ንቶም ደቂ ሓማሴን ከአ ብኣውራጃውነት ይሰብኮም ኣሎ። ስለዚ ንሕና በብእንፈልጠሉ ክንፍድሖ ኢና። ህዝቢ ከኣ ምንም’ኳ ከይፈለጠት ትኹን’ምበር ትንፍሓልና ኣላ። ስለዚ ነዚ ሰብ’ዚ ክንፍድሆ ኢሎም ፍቓድ ካብ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ሓተቱ።
ኢሰያስ ኣፈውርቂ፡– ቅንዕናኹም ይሓግዝኩም ድኣ’ምበር ጉሩፖይ ክብልኹም ኢዮም። እምበር ሓሳቡስ ጽቡቕ ኢዩ። ኣነ’ውን ብግደይ ክሕግዘኩም፣ ማለት ምሳኹም ኮይኖም ዝሰርሑ’ውን ሰለ ዘድሊ፣ እዞም ዚስዕቡ ሰባት ወስኹ።
ርእሶም ግደይ
ሃይለ መንቆርዮስ
መሓሪ ግርማጽዮን
ወልደሚካኤል ገ/ማርያም
ወልደርፋኤል ስባህቱ
መብራህቱ ወልዱ
ተስፋይ ይትባረኽ
በዚ ተሰማሚዖም ድማ ነዞም ዳሕረዎት 7 ሰባት ጸውዑና’ሞ እቶም 11 ተጋደልቲ ተራኸብና። ብዛዕባ እንዛረበሉ ኣርእስቲ ከአ ተላዒሉ፣ አብ ውሽጢ መሪሕነት ዘሎ ዘይምቅዳው ንምርኣይ – መሪሕነት ክጽውዑ ምዃኖም ድማ በርሃልና።እሞ ክንሰምዖም እዚ ኩሉ ዝግበር ዕግርግር ናቶም ዘይምስምማዕ ኢዩ’ውን በሉና።
ካብዚ መሪሕነት ተጸዊዖም መጹ። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ኣቦ-መንበር ከይገበሩ ከኣ ዘረባ ብወዲ ፈንቅል ተጀመረ። በራኺ ፈንቅል፡- መሪሕነትንሕና ኢና ጸዊዕናኩም ዘሎና፣ ኣብ መንጎኹም ዘይምስምማዕ ዘሎ ኩሉ ገልጹልና በሎም። ካብዚ ኢሰያስ ከም’ዚ እናበለ ዘረባኡ ጀመረ።
ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡- ኣነ ናይ ብሓቂ ክሳብ ሎሚ ቀሺ ኮይነ ኢየ ዘካይዶም ነይረ። ናይ ብሓቂ ጃህራ ከይመስለኩም፣ ኣነ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክሳብ ሎሚ ቀሺ ኮይነ’የ ዝካየድ ነይረ። ናይ ብሓቂ እዚ ኩሉ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ሰለሙን ኢዩ። እሞ ሰለሙን ሰብ ምጽላም ትገድፎ። ንኪዳነ ክፍሉ’ውን ኣውራጃዊ ኢዩ ኢልካኒ ኔርካ ኢኻ።ከምኡ’ውን ንስኻ ሰለሙን ንካልኦት ሰባት ስሞም ተጸልም ኔርካ ኢኻ። ስለዚ ሰለሙን እዚ ጠባይ’ዚ ትገድፎ። ንስኻ ኣውራጃዊ ኢኻ! ኣብ ናይ መወዳእታ ዘረባይ፣ ንስኻ እዚ ጠባይ’ዚ ትገድፎ (ምስ ተግሳጽን ምፍርራሕን) እናበለ ዘረብኡብምቕጻል …ከምኡ’ውን እኒ ኣልኣሚን ስራጅ ዘዕገርግሩ ዘሎዉ መዝነት ስለ ዘይረኽቡ እዮም። ናይ ብሓቂ በዓል ወዲ ስራጅ ንሕና ዋላ ሓንቲ ክንፈልጥ ኣይከኣልናን፤ ሓላፍነት እንተሃብናዮም ጾር ናይ ጋንታታት ኢዮም ዝኾኑ። እዚ ናይ ወዲ ስራጅ ክኸውን ከሎ፤ ብዛዕባ ተመስገን ናይ ብሓቂ ፈራሕ ኢዩ። ሓንቲ ክገብር ዘይክእል ሰብ ኢዩ …እናበለ ብምቕጻል፣ ናይ ዓርኩ ሚካኤል፡ ናይ ሃይለ፡ ናይ ታደሰ ዝንፍሑልና ዘለዉ ኣነ ዋላ ሓንቲ ክፈልጥ ኣይክእልን ይብል። ነዞም ሰባት እዚኣቶም – ኣነ ኢሰያስ ኣነ – ታሕቲ ወሪደ እንታይ ኴንኩም ክብሎም ኣይክእልን ኢየ። እዚ ብዛዕባ እዞም ዘዕገርግሩ ዘለዉ ግደ ኢዩ። ብዛዕባ ናይ እዘን ኣዋልድ፣ ናይ ብሓቂ ኣነ ደጋጊመ ኣብ ቅድሚአን ይኹን ብድሕሪአን ዝብለን፡ ንሳተን ዒራ ናጻ ዘይወጻ ኢየን። ኣብዚ ንሕና ምስ ቀጻዕናየን ንዝኾነ ይኹን ዝመጸን ሰብ፡ ከምዚ ቀጺዕምና’ባ ጌሮሙና እናበላ ንሓልፍቲ መገዲ ዘውርያ ዘለዋ። እዚ ሓራ ከም ዘይወጻ ዘረጋግጸልካ ኢዩ …እናበለ ዘረብኡ ዓጸወ።
ካብ’ዚ ቀጺሉ ወዲ እዮብ፣ ተወልደ እዮብ፡- ሰለሙን እዚ ኩሉ ዘዕገርግር ዘሎ ንኢሰያስ ከውርድ ደልዩ ኢዩ። እምበር ካባና ንላዕሊ መዝነት ኣለዎ። ሰለሙን ሎሚ ጥራይ ኣይኮነን ዘዕገርግር ዘሎ፡ ካብ ግዜ ሳልሰይቲ ክፍሊ ጀሚሩ ኢዩ። ኣብ ሳልሰይቲ ክፍሊ ከሎና፡ ኣነን ንሱን ኣስመኦምን መምህር ተኽለን ከምኡ’ውን ካልኦት ኣብ መንጎና ነይሮም፣ ከምዚ ኢልና ተሰማማዕና። ንሕና ንከበሳ ደይብና ንህዝብና ከነረድእ ፍቓድ ንሕተት ኢልና ፍቓድ ሃቡና ኢልና ርእይቶ ኣብ ዘቕረብናሉ ጊዜ፡ ድሕሪ ቅሩብ ጊዜ ድማ ነዚ ሓሳባት ዘቕረብናዮ ምስ ተረድኡ ንሰለሙን ወሲዶም ንዓ ተሓዝ ገንዘብ ክንገብረካ በልዎ። ንሱ ድማ ሓራይ በሎም። እዚ ከአ ጥልመት ኢዩ። ቀጺሉ’ውን ሰለሙን ንወዲ ሓረጎት ካባና ሓቢኡ ምስ በዓል መሓመድ ኢብራሂም ኣራኸቦ። እዚ’ውን ጥልመት ኢዩ …እናበለ ዘረባኡ ዓጸወ።
ካብዚ ቀጺሉ በራኺ ፈንቅል፡- ንስኻ ሰለሙን ኣውራጃዊ ኢኻ። ንስኻ ንኣብራሃም ተወልደ ኣውራጃዊ ኢዩ ትብል ዝነበርካ ኢኻ። ንመረጋገጺ ክኾኖኩም ከኣ፡ ንወልደንኪኤል ሃይለ ኣብራሃም ተወልደ ምስኡ ኣትሪፍዎ ወዲ ዓዱ ስለ ዝኾነ ኢሉኒ። ኣነ ብጣዕሚ ሰንቢደ ንስኻስ ከምዚ ክትብል ኢለ ተቘጣዕኩ። ንስኻ ሰለሙን ካብ ቀደም ኣውራጃዊ ኢኻ (ምፍርራሕ እናሓወሰ)። ንስኻ ሰለሙን ከከም ሓይልኻ እንተዝኸውን፡ ንዓኻ ካሶቲ ጌረ ቀሊዐ ኣብ ገረብ ምስቐልኩኻ፡ ካብኡ ኣውሪደ ድማ ኣብ ጁባይ መእቶኩኻ … እናበለ ምስ ብዙሕ ምፍርራሕን ምጕብዕባዕን ይዛረብ ነበረ።
ካብኡ ደጊሙ ተወልደ እዮብ፡- ኣነን ኣስመሮምን ኣብዚ መሪሕነት’ዚ ክንነብር ዘይንኽእል ደቂ-ሓማሴን ብዘይምዃና ጥራይ ኢዩ። ኣነ ኣብዚ ግዜ’ዚ

 

 

[Back to the Table of contents]-------- [NEXT PAGE]