-->

ቢትወደድ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል መን እዮም?

ካብ'ቲ ብ ዘውደ ረታ ዝተጻሕፈ "የኤርትራ ጉዳይ 1941-1963 ካብ ገጽ 484 ክሳብ
535 " ዘርእስቱ ታሪኽ ዝተጸምቈ ኣቕራቢ፡ ሰመረኣብ ገብረተንሳኤ 6 ሓምለ 2014 ማንሃይም ጀርመን

ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ብ 13 መጋቢት 1914 ኣብ ሰገነይቲ፡ ኣከለ ጉዛይ ተወሊዶም፡ ኣብ ከረን "ዘርአ ክህነት" ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ናይ ጥልያን ቤት ትምህርቲ ተማህሩ።
ካብ መበል 18 ዓመት ዕድመኦም ጀሚሮም ከኣ ንዓሰርተ ዓመታት ዝኣክል ከም ተርጓሚ ኮይኖም ሰርሑ።

መንግስቲ ኢጣልያ ንኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ኣብ ዘእተወሉ ብ 1936 ከኣ ኣብ ሞያ ምትርጓም ዝኣከብዎ ፍልጠት ንናይ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ዱካ ዳኦስታን ጀነራል ናዚን
ከገልግሉ ኣብቅዖም። ብሓገዝ ሰብ ስልጣን መግዛእታዊ ስርዓት ኢጣልያ ናብ ሮም ተላኢኾም ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ኮሎንያላዊ ምምሕዳር ናይ ስራሕ ተመኩሮ ድሕሪ ምድላቦም ኣብ ሃገር ኢጣልያ ተሓዪሮም ምስ ዝነበሩ ዓበይቲ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ከም መራኽብን መረዳድእን ኮይኖም ኣገልገሉ።

ብ1937 እቲ ግኑን መምህር ፋሺዝም ኤንሪኮ ቸሩሊ ናይ ዱካ ዳኦስታ ኣመሓዳሪ ኢትዮጵያ ምኽትል ኮይኑ ከገልግል ኣብ ዝተመዘዘሉ ግዜ፡ ንኣስፍሃ ናይ ካቢነ ኣባልን
መማኸርን ክኾኑ ሸሞም። ኣብቲ እዋን እቲ ድሌት ኣስፍሃ ኣብ ሮም ጸኒሖም ትምህርቲ ምድላብ እዩ ነይሩ። ቸሩሊ ግን ዘሎካ ፍልጠት ንምምሕዳር ኢትዮጵያ እኹል እዩ ብምባል ናብ ኢትዮጵያ
ክምለሱ ቀሰቦም።

ቅድሚ ናብ ኢትዮጵያ ምምልሶም በቲ ዘበርክርትዎ ጽዑቕ ኣገልግሎት ተመጕሶም ካብ ኢድ ሙሶሊኒ ኣብ ፓላሶ ቨነስያ ሹመት መዓርግ ካቫሌሪ ምስ መዳልያ ተዋህቦም።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትዉ ኸለዉ ከኣ እቲ ኣብ መተካእታ ግራስያኒ ዝተሸመ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ኢትዮጵያ ዱካ ዳኦስታ ናይ ፊትኣውራሪነት መዓርግ ሃቦም።
ብድሕሪ ስዕረት ኢጣልያ ኣስፍሃ ኣብ ትሕቲ ሃይለስላሰ እውን ኣገልጊሎም እዮም። ገለ ኢትዮጵያውያን ኣስፍሃ ሽሕኳ መሳርሕቲ መግዛእቲ እጣልያ ይንበሩ ደኣ እምበር
መሳርሒ መግዝእቲ ኢጣልያስ ኣይነበሩን፡ እዃ ደኣ ብሕቡእ ንድሕነት ኢትዮጵያ ዝሰርሑ "ስዉር ተጋዳላይ" እዮም ዝነበሩ ክብሉ ከለዉ፤ ገሊኣቶም ከኣ ኣይፋሉን
ብጀካ ገለ ደቀቕቲ ዋጋ ዘይብሎም ስርሓት ንኢትዮጵያ ዘበርከትዎ ቁም ነገር የብሎምን ይብሉ። ካልኦት ከኣ ናይ ኣስፍሃ ናይ ዘበነ ፋሽሽት ታሪኽ ዘሕፍርን ሕሱርን እዩ
እናበሉ፡
source from facebook Kesete Abrahaley

ናይ ናዚ ተርጓሚ፡
ናይ ሙሶሊኒ ተሸላሚ፡
ናይ ዳኦስታ ፊትኣውራሪ፡
ናይ ቸሩሊ ኣማኻሪ"
እናበሉ ይጸርፍዎም ነበሩ።
ኣስፍሃ ሓደ እዋን ኣብ እንግዶት ድራር ኣብ ዝተዓደሙሉ ምሸት ሓደ ደገዝማቲ ከናሽውዎም፡ " ንሕና ዘውጻእናዮ ንድፍታት መጥቃዕቲ ንስኻትኩም ባንዳ ከመይ ጌርኩም ኢኹም ንጸላኢ ተቃልዕዎ ኔርርኩም?" ምስ በሎም ኩሉ ሰብ ዝብሎ ጠፊእዎ ሰምቢዱ ኸሎ፡ ኣስፍሃ " ስርሐይ ምትርጓም ደኣ እምበር ሰለያ ኣይነበረን። ካብ
ተዛረብኩም ግና፡ ሓርበኛታት ኢና ዝብሉ ተሓቢኦም ናብ ምምሕዳር መግዛእቲ ምስጢራት ክንህበኩም ክንደይ ትኸፍሉና ኢሎም ብኣምሓርኛ ንዝጽሓፍዎ ናይ
ጥልመት ደብዳበታት ናብ ቋንቋ ጥልያን ከም ዝተርጎምኩ ይዝክር።" ኢሎም ድሕሪ ምምላሶም እቶም ደገዝማቲ ብሕፍረት ብድድ ኢሎም ከም ዝኸዱ ይንገር።
ድሕሪ ስዕረት ኢጣልያ ኣስፍሃ ናብ ሃገሮም ናብ ኤርትራ ኣይተመልሱን። ምስ ልዑል ኣልጋ ወራሽ ኣስፋ ወሰን ተፋሊጦም ፈለማ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ወሎ ከም ዋና
ጸሓፊ ኣገልጊሎም። ንጉስ ሃይለ ስላሰ ከኣ ብ 9 ጥቅምቲ 1945 ናይ ትግራይ ዋና ጸሓፊ ክኾኑ ሸሙዎም። ብድሕሪኡ ንሓደ ዓመት ናይ ንብረት መንግስቲ ዋና
ዳይረክተር፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ድማ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስትሪ ዋና ዳይረክተር
ኮይኖም ኣገልገሉ።

ብዙሕ ግዜ ናብ ኤርትራ እናተመላለሱን ምስ ኣባላት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር እናተራኸቡን ከኣ ሓሳባት እናኣከቡ ንምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ምኽርታት የስንቑ ነበሩ።
ብ 1952 ምምሕዳር ፈደረሽን ክትከል ከሎ ኣስፍሃ ኣብ ትሕቲ እንዳርጋቸው መሳይ ምኽትል ምስሌነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኮይኖም እሽየሙ ኢሉ ዝሓሰበ ሰብ
ኣይነበርን፡ ሃይለስላሰ ግና መዓርግ ፊትኣውራርነት ሰሊሞም ሾምዎም። ሓደ ግዜ ን ተድላ ባይሩ ቀዳማይ መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ክትክኡን ካልእ ሕቡእ ውጥናት
ከተግብሩን ተባሂሎም ዝተደጎሉ እዮም ነይሮም ክበሃል ይከኣል እዩ። ድሕሪ ምፍራስ ፈደረሽን እውን ፈለማ ሚኒስቴር ፍርዲ፡ ብድሕሪኡ ሚኒስቴር ጥዕና፡ ኣብ መወዳኢታ
ከኣ ኣባል ዘውዳዊ ቤት ምኽሪ ኮይኖም ኣገልጊሎኦም እዮም። ኣዳላዊ ናይዚ ዛንታ " የኤርትራ ጉዳይ፡ ዘውደ ረታ" ኣስፍሃ ክሳብ ሩሖም ትሓልፍ
ወዳስን ፈታውን ሃይለስላሰን ዋላውን ብድሕሪ ናጽነር አርትራ ሓሳባቶም ዘይቀየሩ ምንባሮም ይምስክሩሎም። 8 ነሓሰ 1955 ኣስፍሃ መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኖም ተመርጹ። እዚ ስልጣን እዚ
ኣብቲ ቅድም ዝጸንሖም ምኽትል ምስሌነ ኢትዮጵያ ደሪቦም እዮም ተቐቢሎሞ። መራሕ መንግስቲ ኤርትራን ምኽትል ምስሌነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራን።
ኣብቲ ነዚ መዝነት እዚ ዝረኸብሉ መዓልቲ ኸኣ ነዚ ዝስዕብ ግልያዊ መንፈስ ዘንጸባርቕ
ቃል ተዛረቡ፡ " ዋላኳ ኤርትራ ካብተን ካልኦት ኣውራጃታት ዝተፈልየ ምምሕዳር ይሃልዋ፡ እምበር ካብ ቤተ ሰብ ኢትዮጵያ ዝተፈልየትሲ ኣይኮነትን። ነቲ ናይ ንጉሰ
ነገስትና ፍቕሪ ኣጽኒዕና ክንሕልዎ ይግብኣና። ኩሉ ኣብ ኢድ ቅዱስ ኣቦና ንጉሰ ንገስት እንተ ኣቐመጥናዮ ደኣ እምበር ባዕለይ እዚ ክገብር፡ እዚ ክፈጥር ምባል ከኣ
ኣይጠቕመናን እዩ።" እምበኣር ናይ ኣስፍሃ መበገስን መደምደምን ዕላማ ፈደረሽን ኣፍሪስካ ኤርትራ ምስ
እትዮጵያ ምሕዋስ ምዃኑ ካብ ፈለምኡ ንጹር እዩ ነይሩ። ኣብ ጽምብል ሽመቶም ኣስፍሃ ነቶም ካብ ስልጣኖም ዝፈንቀልዎም ተድላ ባይሩ ሓወይ እናበሉ እኳ እንተነኣድዎም፡ ተድላ ባይሩ ፈደረሽን ከይፈርስ ዝደልዩ ናይ ኤርትራ

ውሽጣዊ ምምሕዳር ከደላድሉ ዝጽዕሩ ስለ ዝነበሩ፡ ካብ ስልጣኖም ሰቕሲቖም ዝገምጠልዎም ባዕሎም ኣስፍሃ ምዃኖም እውን ኣይከሓድዎን።
ዘውደ ረታ ኣብ ጉንበት 1987 ንኣስፍሃ ኣብ ሮም ከም ዝረኸብዎም እሞ፡ ኣስፍሃ፡" ኣብ ፖለቲካ ሓወይን ሓፍተይን ፈታውየይን ምባል የለን። ናይ ተድላ ፈረደራላዊነት
ምቅዋመይን፡ ካብ ስልጣኑ ንኽወድቕ ምስርሐይን ኣይክሕድን፡ ብዝገበርክዎ ከኣ
ኣይጠዓስን።" ከም ዝበልዎም ይገልጹ 24 መስከረም 1955 ኣስፍሃ ንሓደ ወርሒ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽንሖም ናይ ባይቶ
ምኽትል ፕሬዚደንት ዝነበሩ ብላታ ደምሳስ ወልደሚካኤል ካብ ስልጣን ከም ዝወርዱ ገበሩ ብቀሺ ዲመጥሮስ ከኣ ተክእዎም።
ብ 1953 ተድላ ባይሩ ብኣፈይ እትዮጵያዊ እየ እናበልኩ ኣብ ግብሪ ግን ንቕዋም መንግስት ኤርትራ ከሐይልን ከደልድልን እየ ኢሎም ከም ዝፈከሩ፡ ብ 1955 ድማ
ኣስፍሃ ፈደረሽን ንምፍራስ ጥዑም ኩነታት ክሳዕ ዝረክብ ንቕዋም መንግስት ኤርትራ
ከድክምን ከማህምንን እየ በሉ። ሓደ ናይ ምድኻም ቅዋም ኤርትራ ኸኣ ደጃዝማች ገብረዮሃንስ ተስፋማርያም
ዝመርሖም ኣባላት ባይቶ ዘውጽእዎ ንድፊ እዩ።
1. ኣምሓርኛን ትግርኛን ንዓረብ ወጊደን ናይ ኤርትራ ወግዓውያን ቋንቋታት ክኾና
2. ሰማያዊት ባንዴራ ኤርትራ ወሪዳ ሓንቲ ባንዴራ ኢትዮጵያ ጥራሕ ከተምበልብል
3. መንግስቲ ኤርትራ ዝብል ማሕተም ተሪፉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝብል ጥራሕ
ክኸውን
4. ሃይለስላሰ ሓንሳዕ ኣስላማይ ሓንሳዕ ክርስትያን እናባራረዮ ባዕሎም ንኤርትራ
መራሕ መንግስቲ ክሾሙላ ናይ ፓርላመንት ፕረሲደንት እድሪስ መሕመድ ኣደም ግና ዝቐረበ ንድፊ ቅዋም ዓንቀጽ 91 ዘየይፍቅዶ ግህሰት ምዃኑ ኣመልኪቱ ስለ ዝተቓወሞ ግና እቲ ንድፊ ፈሸለ።
ኣስፍሃ ብውዲት ንመሓመድ እድሪስ ኣደም ኣውደቕዎም ብ ሸኽ ሓሚድ ፈረጅ ከም ዝትክኡ ኸኣ ገበሩ። በዚ ፍሽለት እዚ ዝጎሃዩ ኣስፍሃ ካብተን ተኣሚመን ዝነበራ ነጥቢታት እታ ራብዓይቲ ፡
"ሃይለስላሰ ሓንሳብ ኣስላማይ ሓንሳብ ክርስትያን እናባራረዮ ባዕሎም ንኤርትራ መራሕ መንግስቲ ክሾሙላ" ትብል ክትረግኣሎም ንሃይለ ስላሰ ከጽድቑሎም ለመኑ። ሃይለ ስላሰ
ግና ምስ ሰበ ስላጣኖም መኺሮም ፈደረሽን ክሳዕ ዘሎ ቅዋም ፈደረሽን ከም ዘይጥሕሱ መለስሎም። ኣብ ምምሕዳር ኣስፍሃ ገና ፌደረሽን ከይፈረሰ ኸሎ ብ 24 ታሕሳስ 1959 እታ
ሰማያዊት ናይ ኤርትራ ባንዴራ ወሪዳ ሓንቲ ባንዴራ ኢትዮጵያ ከተምበልብል ተወሰነን ተፈጸመን። ብ 1960 ከኣ እቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝብል ኣጸዋውዓ ብ ምምሕዳር ኤርትራ፡ እቲ
መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ዝብል ድማ ብ ኣመሓዳሪ ኤርትራ ዝብል ከም ዝትካእ
ተገብረ።

Agordat Operation

From Wikipedia, the free encyclopedia
Jump to navigationJump to search

The Agordat Operation was part of the Eritrean War of Independence, and took place on 12 July 1962.

It was intended to kill the Ethiopia's Representative in Eritrea, General Abiye Abebe, and other dignitaries who included Asfaha Woldemichael, the head of the Eritrean government and Hamid Ferej, president of the Assembly, who traveled to Agordat that day to address the soldiers and police and to intimidate the residents of Agordat who by that time were receiving news of the movements of the Eritrean Liberation Front on a daily basis.

In the operation, the Eritrean Liberation Front was able to kill 8 Ethiopian dignitaries, while wounding several others. It was planned by Mohamoud Mohamed Salih (Hanjemenjee), and executed by Adem Mohammed Hamid (Ghidifil).

https://en.wikipedia.org/wiki/Agordat_Operation

 

[Back to the Table of contents]-------- [NEXT PAGE]