? include("../Agriculture/headere.php") ?>
ብሰላም ዕረፍ
ኣምላኽ ኣብ ገነቱ ይቀበልካ
Short Biography of Late Journalist
Aaron was born on October 06, 1969 in Asmara (Eritrea). He was the fourth among his 5 brothers and 2 sisters. (Four of his siblings were martyrs for Eritrea’s freedom.) In November, 1978 at the age of 9, he joined the liberation struggle at such a young age.. As he was very young, he was assigned in the EPLF “School of Revolution ” (Bet Temhrti Sewra). As part of the campaign to eradicate illiteracy in the liberated areas, in 1983 he participated in the campaign and later was assigned as teacher.
After 1991, Journalist-Aaron worked in different parts of the country, mainly as a teacher at St. Giorigio School (Mendefera) until he joined university in 1996. Once he joined Asmara University, he co-founded Setit newspaper and was editor-in-chief until he escaped during the clampdown of private newspapers in 2001.
Aaron Berhane is an award-winning journalist and professor at George Brown College. He has been a professor at the department of Liberal Arts and Sciences since 2016. He has also been working as a research assistant at Ryerson University since 2015.
Aaron worked briefly as a researcher at Lifeline Syria at the pick of Canada’s response to the Syrian Refugee and humanitarian Crises. He also worked at Sheridan College as a research assistant during 2005 -2006. Aaron has also participated in different volunteering activities helping newcomers, refugees, displaced people and anyone in need of emergency help. He is known by different international organizations and acted as a contact person for journalists at risk in various parts of the world.
In addition to his academic work, Aaron was also a founder and owner of Mefthi Enterprise. Since 2004, he has been the owner, publisher, general manager and Editor-in-chief of Meftih Enterprise. It is with this enterprise, Aaron impacted the Eritrean-Canadians Community in GTA and across the world through his print and online version.
Between 2003-2004, Aaron was a Journalism Fellow at the University of Toronto. During 2005 – 2006, he was working as a “Special Projects Coordinator” at George Brown College and a PEN Lecturer in Residence.
While he was in Eritrea, Aaron graduated from the School of Journalism with a Bachelor’s degree from Asmara University. As part of continuing his academic career in Canada, Journalist-Professor Aaron got his Master’s Degree in Immigration and Settlement Studies from Ryerson University. Previously, he also obtained a Certificate of Professional Development in Teaching Program from Ryerson University. Aaron was also a graduate of Political Science and Literature with Certificate from University of Toronto.
Aaron received several numerous awards for his media and human rights advocacy work. At the time of this writing, even though we are still trying to get further information , the following can be mentioned:
Award-winning journalist, publisher, lecturer, writer, activist, life-long human rights advocate, Aaron was a brother, a son, a husband and father to his three children and a grandfather. He was a mentor to many, advocate to those who were in hardship, and an esteemed member of the Eritrean Canadian community in Toronto (Canada).
Aaron was survived by his wife, Miliete, his children Freweini, Mussie and Eiven, and his grandchild Elnathan.
https://setit.org/5208-bwrnhb/
****ሓጺር ታሪኽ ሂወት ጋዜጠኛ ፕሮ. ኣሮን ብርሃነ [1969-2021] ****
ነፍሰ-ሄር ኣቶ ኣሮን ብርሃነ ካብቶም ሓምሽተ ኣሕዋቱን ክልተ ኣሓቱን መበል ራብዓይ ኰይኑ፡ ብ 06 ጥቅምቲ 1969 ኣብ ኣስመራ ተወልደ። እቶም ሰለስተ ኣሕዋቱ ኣብ ቃልሲ ንሓርነት ኤርትራ ዝተሰውኡ ኣሮን፡ ኣብ ኣዝዩ ንኡስ ዕድመ - ወዲ 09 ዓመት ኣብ ዝኣኸለሉ’ዩ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 1978 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ፣ ብኡ ንብኡ ኸኣ ናብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ተላእከ። ኣብ 1983፡ ኣብ ሓራ መሬት ኤርትራ፡ ከም ኣካል ናይቲ ኣንጻር መሃይምነት ዝካየድ ዝነበረ ሰፊሕ ወፍሪ መምህር ኰይኑ ተመደበ።
ድሕሪ 1991 ኣሮን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ መንደፈራ መምህር ኰይኑ ክሳብ’ቲ ንዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዝኣተወሉ እዋን ሰርሐ። ኣብ 1996 ናብ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ምእታዉ፡ ትምህርቱ እናተኸታተለ መስራትን ዋና ኣሰናዳኢን ፈላሚት ብሕታዊት ጋዜጣ “ሰቲት” ብምዃን፡ ክሳብ’ቲ ኵለን ብሕታውያን ጋዜጣታት ብመንግስቲ ዝተዓጸዋሉ መስከረም 2001 ሰርሐ። ማዕረ-ማዕረኡ ኸኣ፡ ብዓውዲ ጋዜጠኝነት ብቀዳማይ ዲግሪ ተመረቐ።
ኣብ 2001 ናብ ካናዳ ድሕሪ ምምጻእ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ፡ ካብ 2003-2004 ኣባል ክፍሊ ጋዜጠኝነት፣ ካብ 2005-2006 ኣብ ጆርጅ ብራውን ኮሌጅ ኣብ ‘ምትሕብባር ፍሉይ ፕሮጀትታት’ን መምህርን ኰይኑ ሰርሐ።
መምህር-ጋዜጠኛ ኣሮን፡ ናይ ድሕረ-ምረቓ ትምህርቱ ኣብ ካናዳ ርየርሰን ዩኒቨርሲቲ ብምቕጻል፡ ንስደኛታትን ምጥያሶምን ኣብ ዝብል ዓውዲ ናይ ማስተርስ መጽናዕቱ ብዓወት ፈጸመ። ብተወሳኺ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ’ውን፡ ብዓውዲ ፖለቲካዊ ሳይንስን ስነጽሑፍን ብደረጃ ሰርቲፊኬት ኣጽንዐ።
ጋዜጠኛ ኣሮን ሓያለ ኣህጕራዊ ሽልማትን ኣፍልጦን’ውን ዝረኸበ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ 2005-2006 ኣብ ሸሪዳን ኮሌጅ ተሓጋጋዚ ምርምር፣ ካብ 2015 ንነጀው ኣብ ዩኒቨርሲቲ ርየርሰን ከም ተሓጋጋዚ ምርምር፣ ካብ 2016 ኣትሒዙ ኸኣ ኣብ ክፍሊ Liberal Art & Science ኮሌጅ ጆርጅ ብራውን፡ መምህር [ፕሮፈሰር] ኰይኑ ክሰርሕ ጸንሐ። ብተወሳኺ ኣሮን፡ “Life-line Syria” ኣብ ዝተባህለ ንሰብኣዊ ቅልውላውን ስደተኛታትን ሶርያ ዝግደስ ትካል፡ ንሓጺር ግዜ መጽናዕታዊ ስርሓት ኣካይዱ እዩ።
ብተወሳኺ ኣሮን፡ ሓደስቲ መጻእቲ፡ ስደተኛታት፡ ተመዛበልትን ህጹጽ ረዲአት ዘድልዮም ሰባትን ኣብ ምሕጋዝ፡ ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ብወለንታ ክዋሳእ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ብኣህጕራውያን ትካላት ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ዓለም ኣብ ሓደጋ ናይ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ተጸዋዒ ኰይኑ’ውን ጸኒሑ እዩ።
ብዘይካ’ዚ ኣካዳሚያዊ ጕዕዞኡ፡ ካብ 2004 መስራቲ፡ ወናኒ፡ ኣካያዲን ዋና ኣሰናዳእን ትካል ጋዜጣ መፍትሕ ኮይኑ ንነዊሕ ዓመታት ኣገልጊሉ። ብመገዲ’ዚ ትካል፡ ተሓቲሙ ይዅን ብመገዲ ኢንተርነት ብዝዝርጋሕ ጽሑፋቱ ኣቢሉ ድማ ኣሮን ንማሕበረሰብ ኤርትራውያን-ካናዳውያን ከተማ ቶሮንቶን ከባቢኣን ይዅን ኣብ መላእ ዓለም ጽልዋኡ ከስርጽ ጽዒቱ። ብኣበርክቶኡ ኣብ 2009 ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ነበር ስቲፈን ሃርፐር፡ ሽልማት ክወስድ ዝበቕዐ፡ ዕውት በዓል ሞያ ከኣ እዩ ነይሩ።
ኣሮን፡ ንስለ መሰል ፕረስን፡ ሰብኣዊ መሰላትን ኣመልኪቱ ዘካየዶ ሰፊሕ ምጕትን ምጥባቕን ሓያለ ሽልማትን ተዋሂብዎ እዩ። ገለ ካብኡ፡
ጋዜጣ መፍትሕ ‘National Ethic and press Council Canada; “ሃገራዊ ቤትምኽሪ ስነምግባር መድያን ፕረስን ካናዳ” ብዝብል ትካል ንብሉጽ ዓንቀጽን ስእልን ዝወሃብ ሽልማት። - ሽልማት ሀልማን ግራንት - ሂዩማን ራይትስ ዋች!
ኣብቲ ዝተኸበረ Donner/CJFE ጋዜጠኛታት ኣብ ሓደጋ ዝብል ኣብ ኮሌጅ ማሰይንን ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶን ብኣባልነት ክርቛሕ እንከሎ፡ PEN Lecturer-in-Residence ዝብል ሽልማት ከኣ ተዋሂብዎ እዩ።
ጋዜጠኛ፡ ኣሕታሚ፡ መስራቲ፡ ዋና ኣሰናዳኢ፡ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላትን ዕውት ሽልማታትን ዝዀነ ኣሮን ብርሃነ ሓው፡ ውሉድ፡ በዓል ሓዳር፡ ኣቦ ሰለስተ ውሉዳትን ኣቦሓጐን እዩ። ንብዙሓት ዝመሃረ፡ ዘተባብዐ፡ ሞራል ዘስነቐ፡ ኣብ ጸበባ ንዘለው ብጾቱ ከይተሓለለ ዝተማጐተ፡ ህርኩት ኣባል ማሕበረኮም ኤርትራውያን ካናዳውያን ኸኣ ነበረ። ነፍሰ-ሄር ኣሮን ብርሃነ፡ በዓልቲ ቤቱ ምልእተ ምስ ደቖም፡ ፍረወይኒ፡ ሙሴ፡ ኤቨን፡ ከምኡ ድማ ወዲ ጓሉ ኤልናታን ሓዲጉ ካብ'ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና ይርከብ። መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ! ሕሰም ኣይትርከቡ!
ቤተሰብ ኣሮን ብርሃነ
ኣሰናዳእን ኣዳላውን ጋዜጣ ሰቲት ነበር፡ ኣሮን ብርሃነ
ኣዳላዊ ጋዜጣ ሰቲት ዝነበረ ፍሉጥ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነ ኣብ ስደት ከም ዝዓረፈ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ሓቢሮም።
ኣሮን፡ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ፡ ካናዳ ክነብር ምጽንሑ ይፍለጥ። ጠንቂ ሞቱ ብንጹር'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ "ሃንደበታዊ" ምዃኑ እቲ ንሱ ዝመርሖ ዝነበረ ሰቲት ሜድያ ኣፍሊጡ።
እቲ ሎሚ 3 ግንቦት፡ ኣብ መዓልቲ ፕረስ ዓለም፡ ዝዓረፈ ኣሮን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብስም'ታ ዝመስረታ ጋዜጣ፡ ሰቲት ሜድያ ብምምስራት ኣብ መርበብ ኢንተርነትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ክነጥፍ ጸኒሑ'ዩ።
ኣሮን ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ስደት ትምህርቱ ብምድላብ፡ ኣብ ሓደ ኣብ ከናዳ ዝርከብ ብራውንስ ዝተባህለ ኮለጅ ከም ፕሮፌሰር ክሰርሕ ምጽንሑ እቲ መግለጺ ይሕብር።
"ብዛዕባ እዚ ፍጻሜ ኣብ ቀጻሊ ኣስፊሕና ከነቕርበልኩ ምዃና እንዳ ሓበርና፡ በዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሃንደበታዊ ሞት ሳርሕትናን መቓልስትናን ኣሮን ብርሃነ፡ ሰቲት ሜድያ ንምሉኣት ስድራቤት ጽንዓት ይሃብኩም ትብል" ክብል እቲ ትካል ገሊጹ'ሎ።
ኣሮን፡ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምዃን ኣብ ገድሊ ንናጽነት ድሕሪ ምስታፉ፡ ድሕሪ ናጽነት ናብ ትምህርቲ ዓለም ተመሊሱ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብጋዜጠኝነት ብዲግሪ ተመሪቑ።
ኣብ ነሓሰ 1997 ድማ፡ ምስ ብጾቱ፡ ስምረት ስዩምን ሃብቶም ምሕረትኣብን ብምዃን ጋዜጣ ሰቲት ብምምስራት ን4 ዓመታት ናብ ህዝቢ ክትዝርጋሕ ሰሪሑ።
ስዊድናዊ-ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ይሳቕን ጸሓፊን ገጣሚን ፍስሃየ ዮውሃንስ (ጆሽዋ)ን ካልኦትን ድማ ነቲ ተበግሶ ተጸምቢሮሞ።
ምንጪ ስእሊ,PEN ERITREA/ ABRHAM T.
መግለጺ ስእሊ,
ዝተዓጽዋ ብሕቲ ጋዜጣታት
ጋዜጣ ሰቲት፡ ካብተን ድሕሪ ናጽነት ንፈለማ እዋን ናብ ህዝቢ ዝተዘርግሓ ቀዳሞት ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ምዃና ይንገረላ።
ኣብ ሰነ 1996 ሕጊ ናጻ ፕረስ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ሓያሎ ጋዜጠኛታት ናብ ኢድ ኣንበብተን ክበጽሓ ኪኢለን ምንባረን ይዝከር።
እንተኾነ ግን፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መስከረም 2001 ነተን ውልዶ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ንሓያሎ ካብ ጋዜጠኛታትን ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ሰዊርዎም ይርከብ።
ክሳብ ሕጂ'ውን፡ ፍስሃየ ዩውሃነስ ጆሽዋን እቲ ንዝተሰወሰነ እዋን ኣሰናዳኢ ናይታ ጋዜጣ ዝነበረ ዳዊት ኢሳቕን ሃለዋቶም ኣይፍለጥን።
ኣብ ጋዜጣ ሰቲት ጽሑፋት ዘበርክት ዝነበረን ሓደ ካብ መስረትቲ ተሌቪዥን ኤርትራ ምዃኑ ዝንገረሉ፡ ብ"ተጋዳላይ ስኣላይ" ዝፍለጥ ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነበር ስዩም ጸሃየ'ውን ብዘይ ድሃይ ኣብ ማሕዩር ይርከብ።
ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ኣሮን ኣብርሃም ዝርከቦም ውሑዳት ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን፡ ሃዲሞም ካብታ ሃገር ብምውጻእ ሂወቶም ከድሕኑ ኪሎም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መስራትን ዋና ኣዳላውን ናይታ ኣብ 1998 ተመስሪታ ኣብ 2001 ዝተዓጽወት ጋዜጣ ቀስተ ደበና ዝነበረ ጋዜጠኛ ሚልኪያስ ምሕረትኣብ ከምዝዓረፈ ይዝከር።
ኤርትራ ክሳብ ሎሚ፡ ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታት ዘይተፍቅድ ሃገር ኮይና፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ዝወጸ ናይ ዶብ-ኣልቦ ጋዜጠኛታት ጸብጻብ ደረጃታት ናጻ ፕረስ እታ ዝኸፍአት ተባሂላ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ትርከብ።
https://www.bbc.com/tigrinya/news-
ሞትሲ ንሞት ግዳ ዘይተምውት!
ከምዚ ዝበለ ምጻሩ ዘይከኣል መሪር መርድእ ብንግሆኡ ክመጽኣካ እንከሎስ፡ ነታ እናሻዕ እንርስዓ፡ ሓርያ እናመንጠለት
ከምዘይትምሕር ተዘክር ጨካን ሞት፡ ክሳዕ ሞትሲ ዋላ ንሓንሳእሲ ንሞት ዘይትመውት - ኢሉ ዘዛርብ ከቢድ እዩ። ምስ መረረ፡ ብውሑዱ እቲ ገሊኡ ንብዓታት እንተጸሓየ፡ እንተደረቐ፡ እንተተኣበደ፡ ደበስ እንተቐደመ - ከም ገለ
እንድዒ ኣንታ ኣሮን! ኣንታ ኣሮን! ምስ ገበታ ታሪኽኻ፡ ትልምኻ፡ ውህሉል ተመኵሮኻንሲ በቃ ዕዝር - ንሓዋሩ!
እንታ ሞት ሕስምቲ እንብላስ ኣከከምዚ ውሽጥና ኵምትርርር ኣቢላ እንከተሕርረና እዩባ - እዋይ ሞት - ኣንቲ
ሓንሳእ ሲ ባ ንባዕልኺ ሙቲ?!
ኣብ ታሪኽ ብሕታውያን ጋዜጣታት ሃገርና፡ ካብ ፍልም ክሳብ ርግጣ ከየባተኽካ - ንሓሙሽተ ዓመታት ኣቢሉ፡ ምስ ኵሉ ወረድ ደይብ ብትብዓት ዝሰራሕካ፡ ዝመራሕካን ዘስራሕካን፡ ዝተረፈ ሓደ ንስኻ ምንባርካ ነጋሪ ኣይደልን’ዩ። ዝሓሸ ምልኣት ዘለዎ ገጽ ናይቲ ምዕራፍ 'ቲ ከኣ ምሳኻ ነይሩ - እኣምን። እዛ ዓድና ሰላሳ ዓመት ሓርነታ ትምልእ ኣላ'ሞ፡ ካብ ወሰንቲ ምዕራፋት ድሕረ-ናጽነት ኤርትራ፡ እቲ ንመሰል ብናጽነት ምግላጽ ሓሳባትንምርግጋጽ ዝተኸደ ጕዕዞን ተመኵሮን፡ ዝሓተቶ ዋጋ ን እዩ'ሞ ንሰንዶ! ክትብል ወናም ኔርካ -ርእየካ! “ነቲ ታሪኻዊ ምዕራፍ ዝምጥኖ ታሪኻዊ መዘከሪ [ዓይነቱ ብዘየገድስ] ክንሃንጸሉ፡ ብሂወት ናይ ዘለና ታሪኻውን ሞራላውን ሓላፍነት እዩ!” ክትብል ጸቒጥካ ምስ ፍናንካ፡ ፍሽኽታኻ፡
ምቕሉልነትካ፡ ክፉትነትካን እልቢ ባህግታትካን ዶ ኣይነበርካን . . .ደኣ?!፡ “ብሂወት ዘለና፡ ብሂወት ዘለና.
. .” ዝደጋገምካዮ ዘረባስ ነዚ እዩ ነይሩ ለካ!?፡ እቲ ዘረባ፡ ኣብቲ ፍኑን ገጽካ መሊኡ ነዚ ሓዘን ዝመልኦ ልበይ ሕጂ ይርብሾ - ስቕ ኢሉ፡ እዋይ ዘይትመውት ሞት ሕስምቲ ሰዓታ ትቘጽር ነይራ ማለት ድዩ ደኣ እናበልኩ ዘረባኻ እስመዕ… እንታ ኣሮን. . .!
ኣብተ 2-3 ድሕሪ ዕስራ ዓመታት ግን ከኣ ብራሕቂ ዝተረኣኣናለን፡ ናይ መወዳእታን ዕላልና፡ እቲ ኻልእ ገጽ ጋዜጣታት ብዕላል ምስ ከድናዮ፡ ምስቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝዓረፈ ሚልክያስ ስራሕ ዝመንቀሊኡ ንሕንሕ ከም ዝነበረኩም ዘኪርና - ኣይረሳዕኩን። ኣብ ስደት ምስ ኵሉ ሕልኽላኻቱ፡ ናብራ፡ ትምህርቲ ግዜን ዕድልን ከምዘይተረኽበን ብዙሕ ከምዘየዕለልኩም ኣውኪእካለይ፡ ግዳስ ሕክምናኡ ምስ ወድአ፡ እቲ ሕሉፍ ‘እናሰሓቕና ብናፍቘት ክንዝክሮ እየ ዝደሊ’ ዝበልካኒ ኸኣባ እዝክር - እሞ ጻውዒት ዶ ድኣ ዀይኑ፡ ጻውዒት መሳርሕቲ፡ መነሓንሕቲ፡ . . .እንድዒ. . . እቲ ክንድዚ ሃንደበትን ህጺን ደኣ ብምንታይ ክምኽነ እዩ?! መላሲ ዘይብሉ ሕቶታት ጼርካ ሕሉፍ እናዘከርካ፡ እናስደመመካ፡ ብላሽነት
ዓለም እናኸራህካ፡ እናሓረርካ፡ እናቘዘምካ ኵምትር ኢልካስ ስቕ እዩ እምበር. . . በቃ ስቕ! ዝዀነ ዀይኑስ
በል፡ ኣብቲ ሞት ንዘልኣለም ትሞተሉ ናይ ዘልኣለም ሂወት ኣሎ እንኣምኖ፡ ምስቲ ዝተረፈ ዕላል ነይሩኒ ዝበልካዮ ሚልኪያስ፡ ንዘላኣለም ብሰላም የንብርኩም!
ንስድራቤት፡ ፈተውትን መሳርሕትን ከኣ ጽንዓት!
**""ብዕረፍቲ ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነ ልበይ ተተርቲሩ"*"
መስራትን ዋና ኣሳናዳእን ጋዜጣ ሰቲት ዝነበረ ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነ ብሃንደበታዊ ሕማም ምኽንያት ጉንበት 1, 2021 ኣብ ቶሮንቶ ዓሪፉ። ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነ ኣብ 2001 ካብ መንጋጋ ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ምምላጡ ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ሰለስተ ደቁን እዩ ክነብር ጸኒሑ። ጋዜጠኛ ኣሮን መምህር፡ ፕሮፊሰር፡ ተጠባቂ ሰባዊ መሰላት፡ ተሸላሚ ተባዕ ጋዜጠኛ ብዓለም ለኸ ማሕበር ጋዜጠኛታት፡ ሓው፡ ዓርኪ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ በዓል ቤትን ኣቦ ሰለስተ ደቁን እዩ ነይሩ።
ኣሮን ብርሃነ መጀመርያ ናጽነት ፕረስ ምስ ተኣወጀ ትርግታ ልቢ ህዝቡ ኣድሚጹ ንሰቲት ዝመስረተ ተባዕ መሰታ ኣልቦ ጋዜጠኛ እዩ። ኣሮን ብርሃነ ነታ ፈላሚት ብሓታዊት ጋዜጣ ሰቲት ክምስርታ ከሎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓቢ ብድሆ ከይፍርሖ ንህዝቡን ሃገሩን ከገልግል ካብ ኣብኡ ገንዘብ ሓገዝ ሓቲቱ ከምዝኸፈታ ኣብ ሓደ ቃለ መጠየቅ የዕሊልኒ ነይሩ።ጋዜጣ ሰቲት ካብተን ኣብ ሓጺር እዋን ብዙሓት ኣንበብትን ሰዓብትን ዘጥረየት ብሕታዊት ጋዜጣ ንክትከውን ተራን ኣበርክቶን ናይ ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነ ቀሊል ኣይነበረ። ኣሮን ብርሃነ ከም ዋና ኣስናዳእን ኣካያዲ ስራሕን፡ ጋዜጣ ሰቲት ንክትዓቢ ካብቲ ዝይነበሮም ኣታዊታት ንሓያላት ጋዜጠኛታት ዳዊት ኢሳቅን፡ ፍሰሃየ የውሃንስ (ጆሽዋን) ከም ዝቖጸሮም የዕሊሉኒ ነይሩ። ኣብ ኩሉ ዝተራኸብናሉ ዕለት ወትሩ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሸላታት ህግደፍ ዘለዉ መሳርሕቱን የዕርኩቱን ጋዜጠኛታት እዩ ዘዕልለኒ ነይሩ። ቅድሚ ክልተ ወርሒ ብምክንያት መበል 20 ዓመት ምዕጻው ፕረስ ኤርትራን ምእሳር ጋዜጠኛታትና ኣመልኪትና ፍሉይ ናይ ዝኽሪ መደብ ንኽነዳሎ ንብዙሓት ኣብ ደገ ዘለና ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታት ዝነበርና ኣኬቡ ሓሳብ ንሓሳብ ክንለዋወጥን መደብ ክንሕንጽጽን ገይሩና። ኣብ መውዳእታ ድማ ኩልና እቶም ጋዜጠኛታት ብመሪሕነት ኣሮን ነተን ንሰርሓለን ዝነበርና ጋዜጣታት ሓሓሙሽተ ገጽ ጌርና ዳግማይ ኣብ መስከረም 18, 2021 ሂወት ክነልብሰን ተሰማሚዕና ናብ ስራሕ ተበጊስና። ኣሮን ነቶም ገዲፍዎም ዝመጸ ብጾቱ ወትሩ እንዳተዘከሩ ክነብሩ ኣብ መገባእያታት ዓለም ካብ ዝሞጎቱ ውሑዳት ሓደ እዩ።ሎሚ ንጉሆ ዜና ዕረፍቲ ናይ ኣያናን መምህርና ኣሮን ምስ ሰማዕኩ፡ ልበይ ብሓዘን ተተርቲሩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንካልኣይ ግዜ ሃገርና ኤርትራ ዓቢ ኮኮብ ውዲቅዋ። ኣምላክ ንቤተሰቡን ፈተወቱን መቅርቡን ጽንዓት ይሃቡ። ንኣሮን ድማ ኣብ መንበረ ዝፋኑ ይቀበሎ።
ተዘክሮታተይ ብዛዕባ ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነ
ኣብ መዓልቲ ብውሕዱ ሓደ ግዜ፡ ሓደስቲ ሓበሬታታት እንተለው ንምክትታል ውሱናት መርበባት ዩትዩብ ሃሰስ ምባል ልማድ ኣሎኒ። ኣብ መንጐ’ዚ ስእሊ መስራቲን ኣሰናዳኢን ጋዜጣ ሰቲት ነበር ኣሮን ብርሃነ ተዓዘብኩ’ሞ ንሱ ዝገበሮ ቃለ-ምልልስ’ዩ ዝኸውን ኢለ ክሓልፎ ምስ በልኩ ግን መርድእ ምዃኑ ተገንዘብኩ። ኣእምሮይ ነቲ ዜና ንምቕባሉ ደኣ ይሓንግድ እምበር፡ እቲ ዜና ብቴለቪዥን ኣሰና ዝተዳለወ ምዃኑ ኣስተውዒለን ኣድላዊ ኣማኑኤል ኢያሱ ምስ ኣሮን ብርሃነ ዝነበሮም ቅርበት ዘኪረን ስኑዕ ዜና ክኸውን ከም ዘይክእል ተገንዘብኩ። ዝያዳ ንምርግጋጽ ከኣ፡ ዳርጋ ከይተረድኣኒ፡ እቲ ዓጽየዮ ዝነበርኩ ፈይስቡከይ ዳግም ኣበራቢረ እቲ ዘይተርፍ ሓበሬታ–ብቐንዱ ከኣ ዘይጽወር መርድእን–ክብርብር ጀመርኩ።
እቲ ኣብ ህይወተይ ዓቢ ስፍራ ዝነበሮ፡ ከም መሳርሕተይን ሓላፊየይ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ከም ዓቢ ሓወይን ከም ምሳሌይን እናረኣኽዎን ዝዓበኹ ኣሮን ብርሃነ፡ ንሓዋሩ ካብዛ ዓለም ከምዝተሰናበተ ክኣምን ምእማን ቀሊል ኣይንበረን፣ ንዓመታት’ውን ቀሊል ኣይክኸውንን’ዩ።
ሌላና ምስ ኣሮን
ረቡዕ 17 ግንቦት 2000 ዓ.ም ከም ቀዋሚ ኣባል ጋዜጣ ሰቲት ኰይነ ስራሕ ጀመርኩ። ቅድሚኡ ኣብ ሓምለ 1999፡ ብዛዕባ ፈስቲቫል ኤክስፖ ዝነበረ ንጥፈታት ጽሑፍ ሒዘ ናብ ቤት ጽሕፈት ጋዜጣ ሰቲት ከይደስ ፈለማ እዋን ነቲ ብስሙ ጥራይ ዝፈልጦ ዝነበርኩ ኣሮን ክረኽቦን ክላለዮን በቒዐ’የ። ኣብቲ ፈለማ ዘርኣየኒ ኣዝዩ ኣተባባዒ ኣቀባብላን እታ መላለዪት ክትኰነኒ ዝበልኩዋ ፈላሚት ጽሕፍቲ ኣብታ ኣዝያ ዘኽብራ ጋዜጣ ምውጻኣን እምበኣር፡ ኣብ ሞያ ጋዜጠኛ ንኽቕጽል ናይ ፈለማ ድርኺት’የን ነይረን።
ድሕሪ 10 ወርሒ ግን፡ መጻኢ ህይወተይ ዝቐለሰ ሓደ ፍጻመ ኣጋጠመ። ኣብቲ ብልምዲ «ሳልሳይ ወራር» ኢልና እንጽውዖ ኲናት ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ ሓያሎ ምዕራባዊ መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኢትዮጵያ ስለ ዝወዓለ፡ ልዕሊ 18 ዝዕድመኡ ተመሃራይ ካልኣይ ደረጃን ተመሃሮ ዩኒቨርስቲን ንታዕሊም ንጋሕቴላይ፡ ኣቐዲሞም ታዓሊሞም ዝነበሩ ድማ ንግንባራት ብቐጥታ ክኸቱ ተእዛዝ ወረደ።
ኣብዚ ህሞት ወዲ 17 ዓመት ስለዝነበርኩ፡ እቲ ናይ ክተት ኣዋጅ ኣይምልከተንን ነበረ። ነቶም ደቂ ገዛውተይ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ንምፍናው፡ ናብ ስታድዮም ኣስመራ ምስ ከድኩ ግን እቲ ኣቐዲመ ዝተላልኹዎ ኣሮን ብርሃነ እንደገና ዝርኣኹዎ። ኣሮን ነቲ ናይ ክተት ጻውዒት ብምቕባል፡ ሳንጥኡ ጠቕሊሉ ሓደ ካብቶም ንግንባራት ዝወፍሩ ዝነበሩ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ነበረ። ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ተሰቒሉ እንከሎ፡ ክፋነዎ ስሙ ጸዋዕኩዎ፣ ንሱ ግን ኢዱ ደኣ የወሳውሰለይ እምበር ቈላሕታኡስ ናብ በዓልቲቤቱን ደቁን ጥራይ ይመስል ነበረ። ኣሮን ተመሃራይን ጋዜጠኛን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን’ውን ነበረ። ሓዳሩን ስራሑን ብምጥንጣን፡ ነታ ዕድመ ንእስነቱ ዝሃባ ሃገር፡ ሕጂ’ውን ህይወቱ ከወፊ ናብ ዓውደ ኲናት ክፋለም ነቐለ።
ብድሕሪ እዚ ፍጻመ፡ ሓደ ነገር ናብ ኣእምሮይ ቅጅል በለኒ። እታ ወትሩ ብሃንቀውታ ዝጽበያ ዝነበርኩ ወትሩ ዓርቢ እትሕተም ዝነበረት ጋዜጣ ሰቲት፡ ብዘይ ኣሮን ብርሃነ እንታይ ክትከውን’ያ ዝብል። ካብቲ ዝፈራኩዎ ኣይወጻኹን፡ ጋዜጣ ሰቲት ካብ ዕዳጋ፡ ሓደ ዓርቢ ጠፍአት። እታ ንጽባሒቱ ቀዳም እትሕተም ዝነበረት ጋዜጣ ዘመን’ውን ከምኡ። በዚ ድማ፡ ኣነ ኣብቲ እዋን ትምህርቲ ተዓጽዩ ብምንባሩ፡ ገለ ከበርክት ይኽእል’የ ኢለ ብምሕሳብ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ጋዜጣ ሰቲት ኣምራሕኩ።
ዳዊት ይስሓቕ’ዩ ተቐቢሉኒ። ንዳዊት ንፈለማ ግዜ እየ ዝርእዮ ዝነበርኩ። ቅድሚ ሕጂ ናብ ጋዜጣ ሰቲት ጽሑፍ ኣበርኪተ ምንባረይን፡ ምስ ኣሮን ከም ዝፋለጥን ብምሕባር፡ ብዛዕባ ኣብተን ካልኦት ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ዝነበረኒ ሓጺር ኣበርክቶ’ውን ብምዝርዛር፡ ምስ ጋዜጣ ሰቲት ናይ ምስራሕ ድሌት ከምዘለኒ ሓበርኩዎ።
ኣሮን ብርሃነ፡ ስምረት ስዮም፡ ምሉእብርሃን ሃብተገብሪኤልን ያቆብ ርእሶምን ብምኽታቶም ዓቢ ሃጓፍ ተፈጢሩ ብምንባሩ፡ ዳዊት ሰብ ከም ዘድልዮም ሓበረኒ። ምሉእብርሃን ሃብተገብሪኤል ዓምዲ ትንታነ ዜና፣ ያቆብ ርእሶም፡ ዓምዲ ስፖርት ዘዳልው ዝነበሩ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣሮን ኣብ ምርታዕ ጽሑፋትን ምስ ዲፕሎማሰኛታት ቃለ-መሕትት ኣብ ምክያድን ብዝያዳ ይነጥፍ ነበረ። ስምረት ስዩም ድማ ኣብ ምሕደራዊ መዳያት እታ ጋዜጣ።
ዳዊት እምበኣር፡ «ብቕዓትካ ንምርግጋጽ ሓጻር ካብ እንግሊዝኛ እትትርጎም ጽፍሕቲ ክህበካ’የ እሞ፡ ድሕሪኡ ምሳና ክትሰርሕ እንተደኣ ብቕዓት ሃሊካ ክግምግም ኢየ» ብምባል፡ ሓንቲ ብሮይተርስ ዝተጻሕፈት ዜና ክትርጒማ ሃበኒ። ኣብ ሓጺር ግዜ ብምትርጓመይ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣሰራርዓን ኣጠቓቕማን ቃላት ዝነበረኒ ብቕዓት ብምንኣድ፡ ኣብ ጋዜጣ ሰቲት ክሰርሕ ኣፍቀደለይ።
ኣብቲ እዋን እቲ፡ ከም ጋዜጠኛታት ኰይኖም ኣብ ሰቲት ክሰርሑ ዝጸንሑኒ ፍሰሃየ የውሃንስ (ጆሽዋ)ን ኤደን ኢያሱን ጥራሕ ነበሩ። ዳዊት ይስሓቕ’ውን፡ ንዓይ ድሕሪ ምቝጻሩ፡ ናይ ሽወደን ዜግነት ስለዝነበሮን፡ በዓልቲ ቤቱን ደቁን’ውን ኣብኡ ብምባሮም፡ ቀጻሊ ናብ ሽወደን ይመላለስ ነበረ። ድሕሪ ክልተ ሰሙን ስራሕ ምጅማረይ እምበኣር፡ ዳዊት ናብ ሽወደን ብምምላሱ፡ ኣነን ጆሽዋን ኤደንን ጥራሕ ተረፍና። ጀሽዋ ከም ዋና ኣሰናዳኢ፡ ኣነን ኤደን ድማ ከም ጋዜጠኛታት። ለይቲን ቀትሪን ብምስራሕ፡ ነቲ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ብምዕባስ፡ ንቐጻልነት ጋዜጣ ሰቲት ኣውሓስና።
ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተዛዚሙ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብውዕል ኣልጀርስ ዝፍለጥ ውዕል ሰላም ኣብ ታሕሳስ 2000 ምስ ተኸተመ፡ ኣሮን ከምቶም ካልኦት ዝኸተቱ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ፡ ናብ ኣስመራ ተመልሰ። ስምረትን ያቆብን’ውን፡ ብተመሳሳሊ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ብምንባሮም፡ ካብ ግንባር ተመሊሶም ኣብ ሰቲት’ውን ስራሖም ቀጸሉ።
ነዊሕ ከይጸንሐ ኣሮን፡ ትምህርቱ ብዓውዲ ጋዜጠኝነት ብዲግሪ ካብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ተመረቐ። ኣሮን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዝመሃረሉ ዝነበረ እዋን፡ ዳዊት ይስሓቕ’ዩ ከም ዋና ኣሳናዳኢ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ። ድሕሪ መመረቕታ እምበኣር’ዩ ኣሮን፡ ንዳዊት ብምትካእ ከም ዋና ኣሰናዳኢ ብምኻን፡ ኣብ ጋዜጣ ሰቲት ሓደሽቲ ዓምድታት ከምዝተኣታተው ብምግባር፡ ከምኡ’ውን እታ ሓደ ግዜ ጥራሕ ኣብ ሰሙን እትሕተም ዝነበረት ጋዜጣ ናብ ክልተ ሰሙናዊት፡ ማለት ዓርቢን ሰሉስ ከም እትሕተም ብምግባር ቀላሲ ተራ ተጻወተ።
ኣነ ኣብቲ እዋን ክቱር ፍቕሪ ሞያ ጋዜጠኝነት ደኣ እምበር፡ እኹል ስልጠና ኣብቲ ሞያ ኣይነበረንን። ኣሮን ንዝነበረኒ ጽምኣት ብምርኣይ፡ ዜና ብኸመይ ከዳልው ከምዘለኒን፡ ነቐፌታውያን ጸብጻባት ብኸመይ ክጽሕፍ ከምዘለኒ ስልጠና ብምሃብ፡ ንመንግስቲ ዝብድሁ፡ መረረ ህዝቢ ምርኵስ ዝገበሩ ዓንቀጻት ክጽሕፍ የተባብዓኒ ነበረ። ከም ኣብነት ብዛዕባ ካብቶም ኣብ ማእከል ገዛውቲ፡ ከም ምህራም ጭራን ኣርባዕተ ኣስመራን፡ ተደኲኖም ዝነበሩ ፋብሪካታት ጡብ፡ ዝወጽእ ዝነበረ ትክታትን ጠንቂ ጥዕና ነበርቲ ብምዃኖም ንዝቐርብ ዝነበረ ጥርዓንን መረረን ህዝቢ፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ምስሕሓብ መሬት ዓድታት ስኛራን ሮራ ቤት ገብሩን ዞባ ዓንሰባ፡ ካብተን ሓያለ ዝጸሓፍክወን ዓንቀጻት ይዝክር። ኣሮን ኣብ ምድላው እዘን ዓንቀጻት፡ ብምትብባዕን ዓቢ ሞያዊ ምኽሪ ብምልጋስን ኣገዳሲ ተራ ተጻዊቱ።
ኣሮን ከም ጋዜጠኛ
ኣሮንን ምስ ስምረትን ቀልጢፉ ዝገደፎ ሃብቶም ምሕረትኣብን ብምዃን ንጋዜጣ ሰቲት ኣብ 1997 መስሪቶማ፡ በዚ ድማ ቦኽሪ ብሕታዊት ጋዜጣ ብምዃን በሪ ከፈተት። ኣሮን ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ዝነበሮ ፍቕሪ፡ ካብቲ ንህዝቡ ንምግልጋል ዝነበሮ ዓቢ ጽምኣት ዝምንጩ ነበረ። ከም ኩሉ ሰብ ስለ ነጻነት ኤርትራ ሰለስተ ኣሕዋቱ ሰዊኡን፡ ንሱ’ውን ገና ወዲ 9 ዓመት እንከሎ ንሳሕል ኣብ 1978 ወሪዱን ኢዩ።
ኣሮን፡ ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ናጽነት ከስተማቕር ሓሳቡ ብግቡእ ክገልጸሉ ዝኽእል ዕድል ክህሉዎ ምስ ዝኽእል ጥራሕ ምዃኑ እምነት ነበሮ። በዚ ምኽንያት እምበኣር’ዩ፡ ጋዜጣ ሰቲት ኣብ ምጅማር መሪሕ ግደ ዘበርከተ። ፍቕሪ ጋዜጠኝነት፡ ብሞያዊ ብቕዓት ምስ ዝስነ ኣድማዒ ከም ዝኸውን ብዝነበሮ ተሪር እምነት፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ብምእታው፡ ጋዜጠኝነት’ውን ከጽንዕ ወሰነ።
ካብተን ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ብሕታውያን ጋዜጣታት፡ እቲ እንኮ ብሞያ ጋዜጠኝነት ዝተመረቐ ኣሰናዳኢ ነበረ። ብጋዜጣ ሰቲት ዝሕተም ጽሑፋት ሚዛናውነት ክሕሉን ኣብ ጭቡጥ ሓበሬታ ክምርኰስን ኣሮን ወትሩ ጸቒጡ ይዛረብ ነበረ።
ኣሮን ከም ኣሰናዳኢ፡ ንጸሓፊ ምሉእ ናጽነት ዝህብ፡ ኣብ ዝቐርቡ ጽሑፋት ድማ ምኽኑያት ገምጋም ብምሃብ ዘርትዕ ኣሰናዳኢ ነበረ። ንፉዕ ጸሓፊ፡ ንፉዕ ጋዜጠኛ ማለት ኣይኰነን ዝብል እምነት ነበሮ። ጋዜጠኛ ናይ ምጽሓፍ ብቕዓት ጥራሕ ዘይኰነስ ሞያዊ ስነ-ምግባር ዘለዎ፣ ስሚዒታዊ ዘይኰነ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ንኹርናዕ ጠመተ ህዝቢን መንግስቲን ብምትእንጋድ ሚዛናዊ ጽሑፍ ከምዝቐርብ ብምግባር፣ እቲ ፍርዲ ነቲ ኣንባቢ ክሕደግ ኣለዎ ይብል ነበረ።
ኣሮን ሓያለ ጻዕርታት ብምግባር፡ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ዛዕባታት ብምልዓል፡ መጽናዕቲ ብምግባር፡ ሓያለ ጽሑፋት ንንባብ ኣብቂዑ ኢዩ። ገለ ካብቶም ዝጸሓፎም ዓንቀጻት፡ ብዛዕባ ምዕዳል መሬት ኣብ ዞባ ማእከል፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ኦርቶክስን ኣባላት ተሓድሶን ዝነበረ ምስሕሓብ፡ ሰፊሕ መጽናዕታዊ ዓንቀጽ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ኣሮን ኩነታት ሃገርና ኣዝዩ የተሓሳስቦ ነበረ። ብፍላይ ድሕሪ ኣድማ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲን፡ ምጅማር ተቓውሞ ብጉጅለ 15ን፡ ኣሮን መንግስቲ ንኹለን ጋዜጣታት ብሕቲ ክዓጽወን ከምዝኽእል ዝነበሮ ስክፍታ የካፍለኒ ነበረ። ብፍላይ ቀቅድሚ ምዕጻው ጋዜጣታት፡ ንኹላትና ጋዜጠኛትታ ብሕቲ፡ ብቤት ጽሕፈት ፕረዝደንት ኣብ ዝተጸወዐ ኣኼባ፡ ብኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ፕረዝደት ዝነበረ የማነ ገብረመስቀልን፡ ሓላፊ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ዘምህረት የውሃንስን ዝተመርሐ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ተኻይዱ። እቲ ኣኼባ ዋላ’ኳ ኣብ ምንታይ ዛዕባ ከም ዝካየድ ኣቐዲሙ ዝተሓበረና ነገር እንተዘይነበረ፡ እቲ ትሕዝቶ ናይቲ ኣኼባ ግን፡ ብጥቕልሉ ናጽነት ፕረስ ዝበሃል ከምዘየለ፡ እተን ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዘለዋ ማዕከናት ዜና’ውን እንተዀና፡ ንጸቢብ ረብሓ ጉጅለታት ዘገልግላ ምዃነን ብመረዳእታታት ብምስናይ እናተበራረዩ መግለጺ ሃቡና።
ድሕሪ ኣኼባ ነናብ ቤት ጽሕፈትና ምስ ተመለስና፡ ንኣሮን ነቲ ኣኼባ ከመይ ረኺብካዮ ኢለ ምስ ሓተትኩዎ፡ ‘መንግስቲ ብዝኾነ ሰበብ ነዘን ጋዜጣታት ክዓጽወን ከም ዝእኽል ዘአንፍት ኣኼባ ኢዩ ነይሩ’ ክብለኒ እንከሎ ይዝክር። ኩላትና ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸብና ጋዜጠኛታት ምሉእ ሽምና ብምጽሓፍ፡ ክታምና ከነንብር’ውን ተገደድና። ብርግጽ ከምቲ ኣሮን ዝበሎ፡ ናይ መወዳእታ ደወል ኢዩ ነይሩ እቲ ኣኼባ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ድማ እታ ናይ መወዳእታ ሕታም ጋዜጣ ሰቲት ሰሉስ ምስ ወጸት፡ ኩለን ጋዜጣታት ብምሕቲ ካብ ስርሐን ንግዚኡ ከምዘቋርጻ ተገይረን ኣለዋ ዝብል ኣዋጅ፡ ሰሉስ ንግሆ 18 መስከረም፡ ኣብ ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ ብጋዜጠኛ ነፍሲሄር ሰለሙን ኣበራ ተነበ። ኣብዚ ህሞት እዚ፡ እቲ ኣቐዲሚ ዝነቐሐ፡ ጋዜጠኛን ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ቀስተደበናን ዝነበረ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ብሕማም ዝዓረፈ ሚልኪያስ ምሕረተኣብ፡ ካብ ኤርትራ ሃዲሙ ምስ ካልኣዩ ናብ ሱዳን ከምዝኣተወ ማዕከናት ዜና ኣቃልሓ።
መንግስቲ ብብሓደ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ጉጅለ 15ን፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ንኣሰናዳእቲ ጋዜጣ ብሕቲ’ውን ክኣስር ጀመረ። ኣብዚ ህሞት ፍስሃየ የውሃንስ (ጆሽዋ)ን ዳዊት ይስሓቕን፡ ካብ ሰቲት ክእሰሩ እንከለው፡ ኣሮን ብርሃነን ስምረት ስዩምን ግን ተሰወሩ። መዓጹ ጋዜጣ ሰቲት ተሸጎረ። ተዓሺጉ ዝብል ጽሑፍ ኣብቲ ልዳት ተለጢፍዎ ይርአ።
ኣነ ኣቐድም ኣቢለ፡ ኣብ መንጎ ዓድታት ስኛራን ሮራ ቤትገብሩን ዝነበረ ናይ መሬት ምስሕሓብ ዓንቀጽ ንምጽሓፍ ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ብፖሊስ ዞባ ማእከል ተኣሲረ ነበርኩ። ኣሮን ካብ ቤት ማእሰርቲ ንኽወጽእ ብዙሕ ጻዕርታት ገበረ። እቲ ዝጽሕፎ ዝነበርኩ ጉዳይ ምስ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝተኣሳሰር ብምንባሩ፡ ኣዝዩ ተነቃፊ ጽሑፍ ነበረ። ኣነ በቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘጋጠመኒ ምፍርራሕን ምግቡዕባዕን በርጊገ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጻእኩ፡ ነቲ ጽሑፍ ከም ዘይቅጽሎ ንኣሮን ሓበርኩዎ። በዚ ድማ ኣሮን ንዳዊት ይስሓቕ እቲ ጉዳይ ዋላ’ኳ ተነቃፊ እንተነበረ፡ ሓቅነቱ ህዝቢ ክፈልጦ ኣለዎ ብምባል፡ ክሳዕ ናብ ከረን ብምኻድ ጽሑፍ ከምዝቐርብ ገበረ። ዳዊት’ውን ሰፊሕ ጸብጻብ ብምቕራብ፡ ኣዝዩ ዝንኣድ ስራሕ ሰርሐ።
ኣሮን ከም ሰብ
ኣሮን ብርሃነ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ህይወተይ ዝርኣኽዎም ብባህርያቶምን ትሕትናኦምን ኣብነታውያን ዝበሃሉ ሰባት ኢዩ። ኣነን ኣሮንን ብዕድመ ይኹን ትምህርቲ ዋላ’ኳ ዓቢ ፍልልይ እንተነበረና፡ ንኣሮን ግን ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ብዘየገድስ፡ ንኹሉ ዓቢ ክብሪ ብምሃብ ምስ ኩሉ ሰብ ብቐሊሉ ክረዳዳእ ዝኽእል ሰብ ነበረ።
ኣነን ኣሮንን መዓልታዊ ንግሆ ከባቢ ሰዓት ዓሰርተ፡ ካብ ቤት ጽሕፈትና ብምውጻእ፡ ኣብታ ኣብ ናቕፋ ሃውዝ እትርከብ እንዳ ሻሂ ብምኻድ፡ ቡን ናይ ምስታይ ልማድ ነበረና። በዚ ድማ ንኣሮን ከም ጋዜጠኛ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ከም ሰብ መን ምዃኑ ክፈልጦ ዕድል ረኸብኩ። ኣሮን ብዛዕባ ማሕበራዊ ኵነታት ህዝቢና፡ ብዛዕባ ደቁን በዓልቲ ቤቱን፡ ብዛዕባ መጻኢ ትልምታቱን፡ ገለ ካብቶም ዘካፍለኒ ዝነበሩ ዕላላት ነይሮም።
ኣሮን ብዘይካ እዚ ኣዝዩ ህዱእን ዓቃልን ሰብ ነበረ። ይዝከረኒ ሓደ መዓልቲ፡ ሓንቲ ብዙሕ ዝደኸመላ ዶክመንት ብጌጋ ካብ ኮምፒተር ደምሲሰያ። እቲ ዝገበርኩዎ ጌጋ ምስተረድአ፡ ኣነ ኣዝዩ ክቝጣዕ’የ ተጸብየዮ። ካብቲ ዝገረመኒ ግን፡ ኢዱ ኣብ ኣፍ ብምሓዝ፡ ነዊሕ ዝንን ብምባል ‘ብዙሕ ዝደኸምክሉ ስራሕ’ዩ ነይሩ፡’ ብምባል ከም ቀሊል ነገር ሰጊሩዎ ሓለፈ።
ኣሮን ኣብ ስደት
ኣሮን ኣብ ስደት ናብ ሃገረ ካናዳ ምስ ገዓዘ፡ ኣነ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ዝነበርክሉ ወትሩ ደሃየይ ይገብር ነበረ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣነ’ውን ከም ሰበይ ናብ ስደት ኣብ መወዳእታ 2007 ኣምራሕኩ። ካብ ሱዳን ብመንገዲ ው.ሕ.ሃ ናብ ሃገረ ኖርወይ ከም ዝግዕዝ ኣብ ምግባር ከይተሓለለ ሰርሐ። ዳርጋ መዓልታዊ ኢሜል ብምጽሓፍ ሃለዋተይ ይከታተል ነበረ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ነሓሰ 2009 ናብ ሃገረ ኖርወይ ምስ ገዓዝኩ’ውን ርክብና ቀጸለ።
ምስ ኣሮን ኣብታ ብሓባር እንነጥፈላ ዝነበርና ማሕበር ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ስደት፡ ምስ ካልኦት ብጾት ብሓደ ብምስራሕ ኣፍ እቶም ኣብ ፍቖዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዓጽዮም ንሞት ዝተፈርዱ ብጾትና ብምዃን ሰራሕና። ኣሮን ኣብዚ ማሕበር፡ ሓደ ካብቶም መሪሕ ግደ ዝነበሮም ጋዜጠኛታት’ዩ።
ብድሕሪ እዚ ኣብ 2015 ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ኣሮን ካብ ካናዳ ኣነ’ውን ካብ ኖርወይ ንምስታፍ ስለ ዝመጻእና፡ ድሕሪ 14 ዓመት ንፈለማ ግዜ ገጽ ንገጽ እንራኸበሉ ዕድል ተፈጥረ። ነዊሕ ድማ ብዛዕባ እቶም ዘሕለፍናዮም ምቁራት ግዜን፡ ዝሓለፉ ፈተናታትን ከነዋግዕ ዕድል ረኸብና።
ድሕሪ እዚ ኣነ ካብ ሞያ ጋዜጠኝነት ተኣልየ ናብ ካልእ መገዲ ህይወት ስለ ዝቐጸልኩ፡ እቲ ምስ ኣሮንን ካልኦት ጋዜጠኛታት ብጾተይን ዝነበረኒ ርክብ’ውን እናዛሕተለ መጸ። በዚ ድማ ምስ ኣሮም ነዊሕ ከይተራኸብና እንከለና’ዩ፡ ሃንደበት መርድእ ሞቱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝሰማዕኩ።
__________________
*ቴድሮስኣብርሃምጸጋይካብግንቦት 2000 ኣትሒዙኣብጋዜጣሰቲት «ትንታነዜና» ዝብልዓምዲኣብምድላውነይሩ።ምሩቕክፍሊጋዜጠኝነትዩኒቨርስቲኣስመራዝዀነቴድሮስካብታሃገርኣብ 2007 ድሕሪምስዳዱሕጂኣብሃገረኖርወይይርከብ።ጸሓፊኣብዚእዋንኣብኖርወይከምኣማኻሪስደተኛታትከምኡ’ውንመምህርኣብዩኒቨርስቲቪድይሰርሕኣሎ። teddi_ab@yahoo.com ብዝብልኢመይልምርካቡድማይከኣል።
FEBRUARY 17, 2012 5:37 am assenna
ንኡስ ኮሚተ ኣህግራዊ ሰብኣዊ መሰል ፈደራላዊ ባይቶ ካናዳ፡ ዘስካሕክሕ ጸብጻብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ሰሚዓ
ፍልጥቲ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰል ኤልሳ ጭሩምን ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነን፡ ንኡስ-ኮሚተ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰል ፈደራላዊ ባይቶ ካናዳ ብዘቕረበትሎም ዕድመ መሰረት ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ቃል ሂቦም። ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ዝወርዶም ኣስካሕካሒ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ መደበር ዑቕበኛታት ዘጋጥሞም ብድሆታት ከምኡ ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ካናዳውያን ዝፍጸም በደላት፡ ሓደ ብሓደ ብምዝርዛር ነታ ኮሚተ ብ14 ለካቲት 2012 ኣረዲኦም።
ኤልሳ ጭሩም ኣብቲ ዘቕረበቶ ዝርዝራዊ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ዶብ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እናዓረገ ከምዝኸደ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንሃገራዊ ጸጥታ ከም መመኽነይታ እናተጠቕመ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝግህስ፣ ነጻ ፍርዳዊ ኣካል ከምዘየለ፣ ማሕበር ወይ ፖለቲካዊ ሰልፊ ምቛም ከምዘይፍቀድ፣ ሰላማዊ ሰልፊ ወይ ካብ ሸውዓተ ሰብ ንላዕሊ ምእካብ እጉድ ምዃኑ፣ ሰብ ንዝደለዮ እምነት ሃይማኖት ክስዕብ ከምዘይፍቀደሉ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዘይተወሰነ ግዜ ተዘርጊሑ ነጻ ጉልበት መንእሰያት ኣብ ዕደና ወርቅን ካልእን ብቀጻሊ ከምዝመዝ፣ ንወለዲ ውላድኩም ሃዲሙ ብዝብል ምስምስ $50 ሽሕ ናቕፋ ከምዝኸፍሉ ከምዝግበር ወይ ከምዝእሰሩ፣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ እሱራት ከምዘለዉ፣ ልዕሊ 300 ቤት ማእሰርቲ ኣብታ ሃገር ከምዘሎ፣ እታ እንኮ ዩኒቨርስቲ ከምዝተዓጽወት፣ ብኣማኢት ዝቑጸሩ መንእሰያት መዓልታዊ ካብ ሃገር ከምዝሃድሙ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን፡ ሊብያ፡ ግብጺን ካልእ ሃገራትን ዘስካሕክሕ ሽግር ከምዘሕልፉን ቆላሕታ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከምዝተነፍጎምን ወዘተ ሓደ ብሓደ ብምቕራብ መንግስቲ ካናዳ ዝከኣሎ ክገብር 11 ነጥብታት ዝሓዘለ ምሕጽንታ ኣቕሪባ።
ኣሮን ብርሃነ ብወገኑ ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ ናጽነት ፕረስ ከምዘየለ፣ ኣሰናዳእቲ ናይተን ኣብ 2001 ዝተዓጽዋ ጋዜጣታት ኣብ ማእሰርቲ ብዘይፍርዲ ይበልዩ ከምዘለዉ፡ ድሮ ሓሙሽተ ካብኦም ከምዝሞቱ፣ ኣስታት 30 ጋዜጠኛታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለዉ፣ 11 ካብ ብጉጅለ-15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ነበር ከምዝተኣስሩ፡ 6 ካብኦም ከምዝሞቱ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ቆንስል ኤርትራ ኣብ ካናዳ ዝፍጽሞ በደላት ሓደ ብሓደ ዘርዚሩ። ቆንስል ኤርትራ ንኤርትራውያን ካናዳውያን ኣብ ምፍርራሕ፡ ምብስባስን ምጉብዕባዕን ከምዝነጥፍ፣ ኤርትራውያን ካናዳውያን 2% ብግዴታ ክኸፍሉ ከምዝግደዱ፣ ገንዘብ ንምውጻእ ኣብ ዝግበር ንጥፈታት ወይ ኣኼባ ክሳተፉ ከምዝእዘዙ፣ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ክሳተፉ፡ ፌርምኦም ኣብዘይኣምንሉ ጉዳይ ከንብሩ ከምዝቕሰቡ፣ ብድሕሪ 1998 ካብ ሃገር ዝወጽኡ ዜጋታት ዝፈጸምዎ በደል ዘይብሎም ክነሶም፡ ገበን ፈጺመ’የ ኢሎም ናይ ጣዕሳ ፎርም ክመልኡ ከምዝግደዱ፣ ቆንስል ኤርትራ ንማሕበር ኤርትራውያን ካናዳውያን ኣብ ኦንታርይ (ማ.ኤ.ካ.ኦ.)፡ ኮምኒቲ ኤርትራውያን ኣብ ዊኒፐግ ኢንኮርፐረሽንን ካልኦትን እናተጠቕመ ኣብ ዓመት ካብ $10 ክሳብ $20 ሚልዮን ዶላር ብግዴታን ካልእ ሸርሕታትን ገንዘብ ከምዝእክብ ነጥቢ ብነጥቢ ዘርዚሩ ብምቕራብ፡
መንግስቲ ካናዳ ዕቱብ ኣቓልቦ ሂቡ ክሰርሓሉ ዝጽውዕ 9 ነጥብታት ዝሓቖፈ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ብድሕሪ’ዚ ኣባላት’ታ ኮሚተ ሓደ ድሕሪ ሓደ ዝተሰምዖም ከቢድ ቅሬታ ብምግላጽ ሕቶታት ኣቕሪቦም። ተራ ቆንስል ኤርትራ ኣብ ካናዳ፣ ንካናዳውያን ዜጋታት ኣገዲድካ ዝግበር ምኽፋል ግብሪ፣ ናይ ካናዳ ዕደና ኩባንያ ነጻ ጉልበት ኤርትራውያን ትምዝምዝ እንተላ፣ ስለምንታይ እዚ ዘሕዝን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝግባእ ቆላሕታ ዘይረኸበ ወዘተ ዝብል ብዙሕ ሕቶታት ኣቕሪቦም። ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩምን ኣቶ ኣሮን ብርሃነን ድማ ንኩሉ ዝቐረበ ሕቶታት ኣዕጋቢ መልሲ ብምሃብ ንምርዳእ ክሕግዞም ዝኽእል ተወሳኺ ሰነዳት ኣረኪቦሞም።
ኣብቲ ዝቐጸለ መዓልቲ ምስ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ካናዳ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ክቱር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ቆንስል ኤርትራ ደረት ሓላፍነቱ ሰጊሩ ንኤርትራውያን ካናዳውያን ዝገብሮ ምብስባስን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝእክቦ ገንዘብ ብምስትብሃል፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፈጥሮ ዘይምርግጋእ ብምስትውዓል፣ ካናዳ ነዚ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ውሳነ 1907 ከምኡ ውን 2023 ብዝቐልጠፈ ከተተግብሮ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ነቲ ምሕጽንታ ብጽሞና ድሕሪ ምስማዕ ምስ ዝምልከቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ከመያየጥሉ ምዃኖም ቃል ኣትዮም።
ብድሕሪ’ዚ ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም ምስ ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናልን ማይኒኒ ዎች ካናዳን ተራኺባ ሓጺር ጸብጻብ ህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ከምዘቕረበት ይፍለጥ። https://archive.assenna.com/ንኡስ-ኮሚተ-ኣህግራዊ-ሰብኣዊ-መሰል-ፈደራ/?
ሕልፈት ፕሮፈሰር ኣሮን ብርሃነ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ዘሰንበዱና ዘናታት ኢዩ። ምስ ኣሮን ነዊሕ ኢና ንፋለጥ። ዝያዳ ምፍላጥና ግን ኣብ 1988 ኣብ ሳሕል ኣብ ሓደ ናይ ሓለፍቲ ኣብያተ ትምህርቲ ኮርስ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን ኢዩ።
ኣሮን ጉልቡት ኮይኑ ምሉእ ኣካላዊ ብቕዓት ዝነበሮ ተጋዳላይ ኢዩ። ልዕሊ ኩሉ ግን ኣዝዩ ዓቃል ምንባሩ መለለይኡ ኢዩ።
ኣብ ልዕሊ ኣሮን ዘሎንኒ ክብሪ ግን ኣብኡ ዝሕጸር ኣይነበረን። ቤት ትምህርቲ ሰውራ ተማሂሮም መማህራን ዝኾኑ ተጋደልቲ ብዙሓት ኢዮም። ኣብቲ ንማህደረ ትምህርቲ ኮነ ንዝተፈላለዩ ሓጸርቲ ኮርሳት ዝምልከት ግን ንኹሎም ሓደ ዓይነት ዕድል ነይሩዎም ክብል ይጽግመኒ ኢዩ። ውሑዳት ፍሉይ ሓለፋ ዝነበሮምን ብሓልዮትን ጉንዖን ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ትካል በብግዝይኡ ብዝተዋህቦም ዕድላት ክብ ዝበለ ደረጃ ትምህርቲ ዝበጽሑ ሓላሎ ኢዮም። ኣሮን ናይዚ ዕድል'ዚ ተጠቃሚ ኣይነበረን። ፕሮፈሰር ዝኾነ ብናይ ባዕሉ ጻዕርን ሓይልን ኢዩ።
ኣብ 1992 ዓ.ም ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ናይ ምእታው ዕድል ዝረኸብና ተጋደልቲ፡ ድሕሪ ናይ ሓደ ኣካዳምያዊ ዓመት፡ ኣብ 1993 ዓ. ም ኩልና ተጋደልቲ፡ ተጋደልቲ ስለ ዝነበርና ጥራይ፡ ናይ ምምሃር ዕድል ተነፊጉና ከም ንወጽእ ተገይሩ። ብዙሓት ነናብ ሚኒስትሪታትና ከድና፡ ካብቲ ውድብ ብዘይ ዝኾነ ጉንዖ ወይ መሰል ተፋኒና ትምህርትና ክንቅጽል ክፍቀደና ነቲ ኣብያተ ጽሕፈታት ተመላሊስናዮን ረቢሽናዮን ኢና። ኣሮን ከኣ ሓደ ካባና ኢዩ።
ሓደ ግዜ በዚ ጉዳይ'ዚ ናብ ሚኒስትቲ ትምህርቲ ምስ ከድኩ፡ ኣሮን ቅድመይ ኣብኡ ምስ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣብ ቆይቊን ክትዕን ተጸሚዱ ጸኒሑኒ።
ኣሮን "ትምህርቲ'ኮ መሰል ኢዩ። ኣነ ከኣ ሓንቲ ነገር ኣይሓተትኩኻን። ከም ዝኾነ ሲቪል ኣብ ገዛይ ኮይነ ክመሃር መፋነዊ ጻዕዳ ወረቐት ሃበኒ ጥራይ ኢየ ዝብለካ ዘለኹ" ክብል፡ ሚ/ር ዑስማን ሳልሕ "ኣይህበካን ኢየ፡ ውጻለይ ኪደለይ" ክብል ኣብ ብርቱዕ ክርክር ጸኒሖሙኒ። ኣሮን ነቲ ቆይቊ ገዲፉ ክወጽእ ከሎ ፈኪሩ ኢዩ ወጺኡ። "በል ክትሪአኒ ኢኻ። ናይ ትምህርቲ ድሌተይን ዕድለይን። ብኣኻ እንተ ተዓንቂፉ ስረይ ንቑልቁል ከም ዝዓጠቕኩዋ!!!!!" ኢሉ ፈኪሩ ኢዩ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ክወጽእ ከሎ ቀው ኢለ ጠሚተዮ።
ኩልና ናይ ምምሃርን ምፍናውን ድሌት'ኳ እንተ ነበረና፡ ኣብቲ ናይ ኣሮን ዝበጽሕ ፈኸራ ግን ኣይበጻሕናን። ብሓቂ'ውን ብዘይ ሓገዝ ኣብዚ ናይ ኣሮን ደረጃ ክንበጽሕ ዝከኣል ኣይነበረን። ኣሮን ግን ከምታ ዝበላ ብዘይ ዝኾነ መንግስታዊ ኮነ ካልእ ሓገዝ፡ ተማሂሩን ፕሮፈሰር በጺሑን። ኩሉ ከኣ ብውልቃዊ ጻዕሩ። ሓንቲ ፍልይ ዝበለት ዕድል እንተ ነይራቶ፡ ብዙሓት ዘይረኸብናያ ፡ ሳላ ስድርኡ ኣብ ኣስመራ ክቕመጥ ምኽኣሉ ጥራይ ኢያ። ኣብ ኣስመራ ቀዳማይ ዲግሪ ገይሩ፡ ጋዜጠኛ ኮይኑ ናቱ ትካል ኣቚሙ። መስርስትን ኣሰናዳእን ጋዜጣ ሰቲት ክኸውን በቒዑ። መኣስ ንሱ ጥራይ ከምታ ምስ ዑስማን ዝፈከራ፡ ካብ ሞት ንዋራ ወጺኡ ካናዳ ምስ በጽሐ'ውን ዝለዓለ ትምህርቲ ተማሂሩ ፕሮፈሰር በጺሑ።
ፕሮፈሰር ብጽፍሩ ኢዩ በጺሑዎ። ከምቶም ንኹሉ ኮርሳትን ዲግሪታትን ከምጽኡ ልዑል መንግስታዊ ሓገዛትን ናይ ሓለፍቲ ድፊኢትን ኣይተገብረሉን። ባዕሉ ብውልቁ ኢዩ በጺሑዎ።
ኣሮን እምበኣር፡ ንፈኸርኡ ኣብ ግብሪ ዘርኢ ሓያል ተጋዳላይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ትእምርቲ ጽንዓትን ጻዕርን፡ ትእምርቲ ሓቦን ግብርን ኢዩ። መምህር ሓቦን ጻዕርን ከኣ ኢዩ። ንኹሉ ብጻዕርን ሓቦን ኢዩ በጺሑዎ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግን፡ ትምህርቱ ብኣድማዒ ከይሰርሓሉ ሕልፈቱ ሰሚዕና። ሕማቕ ስማዕ። ከላእ ትስማዓዮ።
በዚ ኣጋጣሚ ንፕሮፈሰር ኣሮን መንግስተ ሰማይ፡ ንስድርኡ ደቁ በዓልቲ ቤቱን ኮሎም ቤተ ሰቡን ጽንዓት እምነየሎም።
ታደሰ ኪዳነ
በርሚንግሃም፡ ዓባይ ብሪጣንያ
The Horn of Africa Research and Knowledge Exchange Platform © 2010-2016 www.harep.org rkidane@talk21.com Contact: Please click Here to send your feedback |