? include("../Agriculture/headere.php") ?>

In memory of Adhanom Gebremariam
1945-2021


ብሰላም ዕረፍ
ኣምላኽ ኣብ ገነቱ ይቀበልካ

compiled by Resoum Kidane

ሓርበኛተጋዳላይኣድሓኖምገብረማርያም

OBITUARIES AI STAFF  20 FEBRUARY 2021

ካብ ኣብኡ ባሻይ ገብረማርያም ካሳን ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ውነሽ ርጆን ኣብወርሒመስከረም 1945 ኣብ ኣፈልባ ተወሊዱ። ወላዲቱ ካብቲ ዝነበራ ከቢድ ናይ ሕርሲ ኩነታት፣ ብዘይ ጉድኣት ክትገላገል ብምኽኣላ፣ ልዑል ፈጣሪ ንምምስጋን ወለዱ “ ኣድሓኖም ” ዝብል ረዚን ስም ከምዝሃብዎ ታሪኽ ቤተሰቡ ይሕብር። 
ሕሳስልደእንዳኣቦይባሻይገብረማርያምዝኾነኣድሓኖም፣ምዉቕን፡ፍቅርን፡ምሕብሓብንዝመላኦግዜህጻንነትኣብሑቕፊወለዱንኣሕዋቱንኣሓቱንየሕሊፉ።ኣብምስግጋርካብህጻንነትናብቁልዕለት፡ብፍላይምስቶምንስለናጽነትኤርትራበጃዝሓለፉየሕዋቱሓጎስንመምህርመሓርንእናተጻወተዕድመናይትምህርቲበጽሐ። 

ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ፡ ኣብታ ኣብ ከብዲ ዓዲ ተደኲና ዝነበረት ቤት-ትምህርቲ ኣፈልባ ብምምዝጋብ፣ ናይ መባእታ ትምህርቱ ተኸታቲሉ። ኣብቲ ዝውሃብ ዝነበረ ናይ ትምህርቲ ፈተናታት፡ ብልዑል ነጥቢ ብምሕላፍ ናይ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ክሳብ ዓስራይ ክፍሊ ተኸታተሉ። 
ብምቕጻል፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ንምዝዛም ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ፡ ኣብ ሰይንት ጆሰፍ (St. Joseph  School) ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ተኸታቲሉ። ብምቕጻል ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ነጥቢ ብምምጻእ፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተጸንበሩ። 
ምስእናይ ኣብቲ ናይ 1970ታት ምንቅስቃስ ተምሃሮ ውፉይ ተሳትፎኡ፡ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ክሳብ ሳልሳይ ዓመት ድሕሪ ምክትታል፣ ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕናይ 1972 ሃገራዊጉቡኡንምፍጻም፡ምስብዓልተጋዳላይብርሃነገረዝግሄር፣ተጋዳላይበራኺገብረስላሴ፡ተጋዳላይስብሓትኤፍረምንካልኦትንዝነበርዎምናይቃልሲብጾቱ ብሓባርብምዃን፣ናብህዝባዊሓይልታትተሰሊፉ። 

መዛግብቲ ታሪኽ ከም ዝሕብርዎ፣ ኣብቲ ኣድሓኖምን ብጾቱን ዝተሰለፉሉ እዋን፡ ቁጽሪ ተጋደልቲ ሰልፊ ናጽነት ኤርትራ ከባቢ 100 ተጋደልቲ እዩ ኔሩ። 
ብወትሃደራዊ ታዕሊም ዝጀመሮ ሂወት ገድሊ፡ ደረጃ ብደረጃ ካብ መራሕ ጋንታ ክሳብ ኣዛዝን ኮሚሳርን ክፍለ ሰራዊት ኮይኑ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ነዊሕ ኣገልጊሉን፣ ወሰንቲ ውግኣት መሪሑ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን። 
ኣብ 1987 ኣብ ዝተገብረ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ውዱብ ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ተመሪጹን ኣገልጊሉን። ከም ዝበዝሑ ብጾቱ፣ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ብዙሕ መውጋእቲ ዘጋጠሞን፣ ከቢድ በሰላ ኲናት ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ኣካላቱ ዝርኣየሉን እዩ ኔሩ። 
ምዝላቕ፣ ሽድሻይ ወራር፡ ምድምሳስ ውቃው እዝ፣ ምድምሳስ ናደው፡ ስርሒታት ግንባር ድሕሪ መስመርን ክትቆጽሮም ዘጸግም ብዙሓት ውግኣትን ምስ ብጾቱ ዝመከተ ኣድሓኖም፣ ዋግዋጎ ነጻነት ክርኣ ኣብ ዝጀመረሉ ማለት ኣብ ከባቢ 1989 ፡ ካብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተሳሒቡ፣ ንኽፍሊ ንግዲ ክመርሕ ተመዲቡ እናሰርሐ፡ ተረፍ መስዋእቲ ኮይኑ ምስ ኩሎም ጀጋኑ ተጋደልትን ሓፋሽ ህዝብን ነጻነት ኤርትራ ኣብ 1991 ክርኢ በቒዑ።
ኣብቲ ድሕሪ ሉኣላውነት ዝቖመ ሃገራዊ ባይቶ፡ ከም ኣባል ባይቶ ኤርትራ ኮይኑ እጅግኡ ሰብሲቡ መስርሕ ጉዕዞ ዳግመ ህንጻ ሃገር ምስ ብጾቱ ጀሚሩ።  
በዚ መሰረት ድሕሪ ምሕራር ኤርትራ፡ ከም ቀዳማይ ኣኽባር ሕጊ ሃገረ ኤርትራ ኮይኑ ተመዚዙ፣ ነቲ ቤት ጽሕፈትን ንሚንስትሪ ፍትሕን ዝኸውን መሰረት ኣንቢሩ። ኣብቲ ኣብ 1994 ዝተገብረ ዳግመ-ውደባመንግስቲ፣ኣድሓኖምከምኣመሓዳሪኣውራጃሰራየኮይኑተመዚዙብተወፋይነትንብብሕልንህዝቡኣገልጊሉ። 

ድሕሪ ምምሕዳር ኣውራጃ ሰራየ፡ ከም ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስቻንደነቭያ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ድሒሩውን ከም ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሃገረ ናይጀርያ ኮይኑ ተመዚዙ ኔሩ።
ድሕሪ እዚ ኩሉ መንግስታውንሃገራውንተልእኾታት፡ ኣብቲ ኣብ 2001 ዝተጀመረ ንፍትሕን፡ ግሉጽነትን፡ ደሞክራስን፡ ቅዋማውነትን ግዝኣተ ሕግን ዝጽውዕ ምንቅስቃስ ገዳይም ተጋደልቲ ክታሙ ኣንቢሩ፡ ዳግምቃልሲንሰባዊ-ሓርነትንክብረትን ህዝቢ ኤርትራ ድምጹን፡ ሕልንኡን፡ ምሉእግዚኡንጉልበቱንሂወቱንከወፊተበጊሱ።
ኣብቲ ድሕሪ መፋርቕ 2001 ዝቀጸለ ሂወቱ፡ ከም ልሳንን ተረካቢ ዕላማ ናይቶም ክሳብ ሕጂ ትሓይሮምን ድሃይ ኣጥፊኦም ዘለዉ ገዳይም ተጋደልቲ፡ ጋዜጠኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ናይ ሕልና እሱራትን፡ ኣብዘውዳእ ኣገልግሎት ሂወቱን ዕድሚኡን ዝኸፍል ዘሎ ዋርሳይ ወለዶን ብምዃን፡ ኣብ ደምበ ፍትሒ ብትብዓትን ብመሪሕ ተራን ደው ብምባል ተቓሊሱን ኣቃሊሱን። 
ተጋዳላይ ኣድሓኖም፣ ንሃገሩ ኤርትራን ህዝባን ኩልንትንኡ ዝኸፈለ፡ ጸላእቲ ህዝቡን ሃገሩን ዝኾኑ ባዕዳውያን ገዛእቲ ምስ ብጾቱ ኮይኑ ብትብዓት መኪቱ ዝስዓረ፣ ምሁርን ክኢላን ናይ ሕጊ፡ ኣመሓዳሪ፡ ዲፕሎማሰኛ፡ ብሉጽ ጽሓፋይን ክሳብ መወዳእታ ድማ ተቓላሳይ ፍትሕን ደሞክራስን ኔሩ። ተጋዳልይ ኣድሓኖም ብዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን እዩ።
እታ ዕትብቱ ዝተቀብረላ፣ ነጻ ንኽትወጽእ ዕድመ ንእስነቱን፡ ደሙን፡ የሕዋቱን፡ ብጾቱን ዝኸፈለላ ሓላል ሃገሩ ካብ መፋርቕ 2001 ኣትሒዙ ክርእያን ክነብረላን ኣይክኣለን፡ ኣብ ዘልኣለማዊ ፋንዉኡ እውን ክቕበረላን ኣይክኣለን። 
ብምቅላሱን ብምግዳሉን፡ ክሳብ እታ መወዳእታ ህሞት ናይ እስትንፋሰ-ሂወቱ ተጣዕሱ ኣይፈልጥን! 
ነዚክብርን፡ምዕባለን፡ሰላምን፡ቅሳነትንዝግብኦረዚንህዝቢኤርትራ፡ሽሕግዚምስዋእሓላልእዩ!“ ዝብላ ቃላት፡ ናይ ወትሩ መዛዘሚ እቲ ምቕሉልን መሃርን ኣዘናጋዕን ዕላላቱ እየን። 
ዘጋጠመየጋጥም፡ዝሓቶከቢድዋጋይሃሉ፡ንመሰልካካብምቅላስደውኣይትበል፡ኣይትበሊ“ ዝብል ለበዋ ተላብዩ ሓሊፉ፡ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም! 
ክቡር ሓርበኛ ኣድሓኖም፣ ኩሎም ኣባላት ቤተሰብካ፡ ዝኣዘዝካየን በራጊዳትካ፡ ዝመራሕካየን ክፍላተ ሰራዊትካ፡ ዘምሓደርካዮ ህዝቢ፡ ብጽሑፋትካን ኣብነትካን ዘንቃሕካዮ መንእሰይ ኤርትራ ብልብን ብመንፈስን ናይ ክብሪ ሰላምታ የቕርቡልካ። 

ኽንዲሽሕኔርካ፡ኣሽሓትድማኣፍሪኻኢኻሞ፡ብሰላምዕረፍክቡርሓርበኛጅግናተጋዳላይኣድሓኖም
ንኽብርቲብዓልቲቤቱተጋዳሊትዮዲትፍስሃየ፡ንፍቑራትደቁ፡ንናይቃልሲብጾቱንንመላእህዝቢኤርትራንጽንዓትይሃብ።
 

ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም

 

by awatestaff

 

ካብ ኣብኡ ባሻይ ገብረማርያም ካሳን ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ውነሽ ርጆን ኣብ ወርሒ መስከረም 1945 ኣብ ኣፈልባ
ተወሊዱ። ወላዲቱ ካብቲ ዝነበራ ከቢድ ናይ ሕርሲ ኩነታት፣ ብዘይ ጉድኣት ክትገላገል ብምኽኣላ፣ ልዑል ፈጣሪ
ንምምስጋን ወለዱ “ ኣድሓኖም ” ዝብል ረዚን ስም ከምዝሃብዎ ታሪኽ ቤተሰቡ ይሕብር።

ሕሳስ ልደ እንዳ ኣቦይ ባሻይ ገብረማርያም ዝኾነ ኣድሓኖም፣ ምዉቕን፡ ፍቅርን፡ ምሕብሓብን ዝመላኦ ግዜ
ህጻንነት ኣብ ሑቕፊ ወለዱን ኣሕዋቱን ኣሓቱን የሕሊፉ። ኣብ ምስግጋር ካብ ህጻንነት ናብ ቁልዕለት፡ ብፍላይ
ምስቶም ንስለ ናጽነት ኤርትራ በጃ ዝሓለፉ የሕዋቱ ሓጎስን መምህር መሓርን እናተጻወተ ዕድመ ናይ ትምህርቲ
በጽሐ።

ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ፡ ኣብታ ኣብ ከብዲ ዓዲ ተደኲና ዝነበረት ቤት-ትምህርቲ ኣፈልባ ብምምዝጋብ፣
ናይ መባእታ ትምህርቱ ተኸታቲሉ። ኣብቲ ዝውሃብ ዝነበረ ናይ ትምህርቲ ፈተናታት፡ ብልዑል ነጥቢ ብምሕላፍ
ናይ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ክሳብ ዓስራይ ክፍሊ ተኸታተሉ።
ብምቕጻል፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ንምዝዛም ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ፡ ኣብ ሰይንት ጆሰፍ (St. Joseph
School) ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ተኸታቲሉ። ብምቕጻል ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ነጥቢ ብምምጻእ፣ ናብ ኣዲስ
ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተጸንበሩ።

ምስእናይ ኣብቲ ናይ 1970ታት ምንቅስቃስ ተምሃሮ ውፉይ ተሳትፎኡ፡ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ክሳብ ሳልሳይ ዓመት
ድሕሪ ምክትታል፣ ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ ናይ 1972 ሃገራዊ ጉቡኡ ንምፍጻም፡ ምስ ብዓል ተጋዳላይ ብርሃነ
ገረዝግሄር፣ ተጋዳላይ በራኺ ገብረስላሴ፡ ተጋዳላይ ስብሓት ኤፍረምን ካልኦትን ዝነበርዎም ናይ ቃልሲ ብጾቱ
ብሓባር ብምዃን፣ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፉ።

መዛግብቲ ታሪኽ ከም ዝሕብርዎ፣ ኣብቲ ኣድሓኖምን ብጾቱን ዝተሰለፉሉ እዋን፡ ቁጽሪ ተጋደልቲ ሰልፊ ናጽነት
ኤርትራ ከባቢ 100 ተጋደልቲ እዩ ኔሩ።

ብወትሃደራዊ ታዕሊም ዝጀመሮ ሂወት ገድሊ፡ ደረጃ ብደረጃ ካብ መራሕ ጋንታ ክሳብ ኣዛዝን ኮሚሳርን ክፍለ-
ሰራዊት ኮይኑ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ነዊሕ ኣገልጊሉን፣ ወሰንቲ ውግኣት መሪሑ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን።

ኣብ 1987 ኣብ ዝተገብረ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ውዱብ ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ተመሪጹን
ኣገልጊሉን። ከም ዝበዝሑ ብጾቱ፣ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ብዙሕ መውጋእቲ ዘጋጠሞን፣ ከቢድ በሰላ ኲናት ኣብ
ዝተፈላለየ ክፋል ኣካላቱ ዝርኣየሉን እዩ ኔሩ።

ምዝላቕ፣ ሽድሻይ ወራር፡ ምድምሳስ ውቃው እዝ፣ ምድምሳስ ናደው፡ ስርሒታት ግንባር ድሕሪ መስመርን
ክትቆጽሮም ዘጸግም ብዙሓት ውግኣትን ምስ ብጾቱ ዝመከተ ኣድሓኖም፣ ዋግዋጎ ነጻነት ክርኣ ኣብ ዝጀመረሉ
ማለት ኣብ ከባቢ 1989 ፡ ካብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተሳሒቡ፣ ንኽፍሊ ንግዲ ክመርሕ ተመዲቡ እናሰርሐ፡ ተረፍ
መስዋእቲ ኮይኑ ምስ ኩሎም ጀጋኑ ተጋደልትን ሓፋሽ ህዝብን ነጻነት ኤርትራ ኣብ 1991 ክርኢ በቒዑ።
ኣብቲ ድሕሪ ሉኣላውነት ዝቖመ ሃገራዊ ባይቶ፡ ከም ኣባል ባይቶ ኤርትራ ኮይኑ እጅግኡ ሰብሲቡ መስርሕ ጉዕዞ

ዳግመ ህንጻ ሃገር ምስ ብጾቱ ጀሚሩ።

በዚ መሰረት ድሕሪ ምሕራር ኤርትራ፡ ከም ቀዳማይ ኣኽባር ሕጊ ሃገረ ኤርትራ ኮይኑ ተመዚዙ፣ ነቲ ቤት
ጽሕፈትን ንሚንስትሪ ፍትሕን ዝኸውን መሰረት ኣንቢሩ። ኣብቲ ኣብ 1994 ዝተገብረ ዳግመ-ውደባ መንግስቲ፣
ኣድሓኖም ከም ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሰራየ ኮይኑ ተመዚዙ ብተወፋይነትን ብብሕልን ህዝቡ ኣገልጊሉ።
ድሕሪ ምምሕዳር ኣውራጃ ሰራየ፡ ከም ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስቻንደነቭያ ኮይኑ ኣገልጊሉ።
ድሒሩውን ከም ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሃገረ ናይጀርያ ኮይኑ ተመዚዙ ኔሩ።

ድሕሪ እዚ ኩሉ መንግስታውን ሃገራውን ተልእኾታት፡ ኣብቲ ኣብ 2001 ዝተጀመረ ንፍትሕን፡ ግሉጽነትን፡
ደሞክራስን፡ ቅዋማውነትን ግዝኣተ ሕግን ዝጽውዕ ምንቅስቃስ ገዳይም ተጋደልቲ ክታሙ ኣንቢሩ፡ ዳግም
ቃልሲ ንሰባዊ-ሓርነትን ክብረትን ህዝቢ ኤርትራ ድምጹን፡ ሕልንኡን፡ ምሉእ ግዚኡን ጉልበቱን ሂወቱን
ከወፊ ተበጊሱ።

ኣብቲ ድሕሪ መፋርቕ 2001 ዝቀጸለ ሂወቱ፡ ከም ልሳንን ተረካቢ ዕላማ ናይቶም ክሳብ ሕጂ ትሓይሮምን ድሃይ
ኣጥፊኦም ዘለዉ ገዳይም ተጋደልቲ፡ ጋዜጠኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ናይ ሕልና እሱራትን፡ ኣብዘውዳእ
ኣገልግሎት ሂወቱን ዕድሚኡን ዝኸፍል ዘሎ ዋርሳይ ወለዶን ብምዃን፡ ኣብ ደምበ ፍትሒ ብትብዓትን ብመሪሕ
ተራን ደው ብምባል ተቓሊሱን ኣቃሊሱን።

ተጋዳላይ ኣድሓኖም፣ ንሃገሩ ኤርትራን ህዝባን ኩልንትንኡ ዝኸፈለ፡ ጸላእቲ ህዝቡን ሃገሩን ዝኾኑ ባዕዳውያን
ገዛእቲ ምስ ብጾቱ ኮይኑ ብትብዓት መኪቱ ዝስዓረ፣ ምሁርን ክኢላን ናይ ሕጊ፡ ኣመሓዳሪ፡ ዲፕሎማሰኛ፡ ብሉጽ
ጽሓፋይን ክሳብ መወዳእታ ድማ ተቓላሳይ ፍትሕን ደሞክራስን ኔሩ። ተጋዳልይ ኣድሓኖም ብዓል ሓዳርን ኣቦ
ሰለስተ ቆልዑን እዩ።

እታ ዕትብቱ ዝተቀብረላ፣ ነጻ ንኽትወጽእ ዕድመ ንእስነቱን፡ ደሙን፡ የሕዋቱን፡ ብጾቱን ዝኸፈለላ ሓላል ሃገሩ ካብ
መፋርቕ 2001 ኣትሒዙ ክርእያን ክነብረላን ኣይክኣለን፡ ኣብ ዘልኣለማዊ ፋንዉኡ እውን ክቕበረላን ኣይክኣለን።
ብምቅላሱን ብምግዳሉን፡ ክሳብ እታ መወዳእታ ህሞት ናይ እስትንፋሰ-ሂወቱ ተጣዕሱ ኣይፈልጥን!
“ ነዚ ክብርን፡ ምዕባለን፡ ሰላምን፡ ቅሳነትን ዝግብኦ ረዚን ህዝቢ ኤርትራ፡ ሽሕ ግዚ ምስዋእ ሓላል እዩ!“
ዝብላ ቃላት፡ ናይ ወትሩ መዛዘሚ እቲ ምቕሉልን መሃርን ኣዘናጋዕን ዕላላቱ እየን።

”ዘጋጠመ የጋጥም፡ ዝሓቶ ከቢድ ዋጋ ይሃሉ፡ ንመሰልካ ካብ ምቅላስ ደው ኣይትበል፡ ኣይትበሊ“ ዝብል
ለበዋ ተላብዩ ሓሊፉ፡ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም!

ክቡር ሓርበኛ ኣድሓኖም፣ ኩሎም ኣባላት ቤተሰብካ፡ ዝኣዘዝካየን በራጊዳትካ፡ ዝመራሕካየን ክፍላተ ሰራዊትካ፡
ዘምሓደርካዮ ህዝቢ፡ ብጽሑፋትካን ኣብነትካን ዘንቃሕካዮ መንእሰይ ኤርትራ ብልብን ብመንፈስን ናይ ክብሪ
ሰላምታ የቕርቡልካ።

ኽንዲ ሽሕ ኔርካ፡ ኣሽሓት ድማ ኣፍሪኻ ኢኻሞ፡ ብሰላም ዕረፍ ክቡር ሓርበኛ ጅግና ተጋዳላይ ኣድሓኖም!

ንኽብርቲ ብዓልቲ ቤቱ ተጋዳሊት ዮዲት ፍስሃየ፡ ንፍቑራት ደቁ፡ ንናይ ቃልሲ ብጾቱን ንመላእ ህዝቢ
ኤርትራን ጽንዓት ይሃብ።

ftSpronnsor4edh 
ካብ መዛግብቲ ክቡር መምህረይ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገ/ማርያም፡-

*2002/03 “ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ወፍሪ ባርነት ኢዩ” (ታሪኻዊ ካብ ውሉድ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ መጽናእታዊ ጽሑፍ)

*ንመላላእ ዶ ንከላላእ

* ንሕና ሕጂ እንተ ሓለፍና ምንም ዘጉሒ የብሉን፤ ክንደይ መናእሰይ ዲና ቀቢርና?? እንተ ወሓደ ንሕናስ ናጽነት’ኳ ርኢና (ቅድሚ ወርሒ ዝኸውን ተጸሊእዎ ሰሚዔ ምስ ደወልኩሉ ዝበለኒ)

*ኣብኣ ኣብታ ናይ ዝቐደመት ናይ ቴሌፎን ዕላል ከለና ብዓል ንስኻ “መናእሰይ ጥራይ በርትዑ” ኢሉንስ ኣብኣንከላ “ከላ ከላ ኣንታ ንስኻስ በቲ ናይ ቀደም እንዳሓሰብኩኻ ኢየ እምበር ለካስ ኣሪግካ ኢኻ እቲ ወድኻ ኤቨን ኢዩ መንእሰይ”....,

*ሓደ እዋን ኣብ አዲስ ኣበባ “ንስኻ’ኳ ዮዲት እንተ ዘይትኸውን ሰበይትኻ ቀደም ተፈቲሕካ ኣለኻ”....የእትዎ ድዩ ኣድሓኖም ዝተሰምዖ ክዛረብ!

* G15 ግን ንኢሳያስ እንዳፈለጥኩሞ ስለምንታይ እቲ ሰላማዊ መንገዲ መሪጽኩም??? ኢለ ኣብ 2005 ኣብ ጉባኤ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ/EPM ኣብ ካርቱም ሱዳን ምስ ሓተትክዎ ዝበለኒ “ምቅይያር ስልጣን ኣብዚ ሃገር ብጎነጽ ጥራይ ክቅጽል ኣይደለናን”

* በዚ ኣጋጣሚ ኣብ 2000/01 ኩሉ ናይ G15 ናይ ሚኒስተራት ይኹን ናይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት ኩሉ ኣኼባታት ኣብ ገዛ ናይ ኣድሓኖም ኢዩ ዝግበር ኔሩ....ነፍጠኛው ኢሳያስ በዚ ኣንታ ኣድሓኖም ዘይትገድፉ እንዳበለ ብውሽጢ ውሽጢ ምስ እልፊ ደናቑር ኮሮኔላት ተንኮል ይፍሕስ ኔሩ...,

*ዘይሕለሎ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ስለ ፍትሒ ክቃለስ መሊሱ (2004/05) ናብ ኢትዮጵያ ምስ መጸ የማነ ጃማይካ ኣብ ናየዲሳባ መስቀል ፍላወር ገዝኡ ዝበሎ “ኡይ...ይይይይ! ኣንታ ኣድሓኖም ሎሚውን ክትቃለስ መጺኻ”

*”ግን ኣድሓኖም በቲ ንፈልጠካ ጠባይካ (ዝተሰመዓካ ትዛረብ ምዃንካ ማለታ ኢዩ) ከመይ ጌርካ ክሳብ ሕጂ ምስ ህግ ጸኒሕካ”...ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ገድሊ ህውሓትን ህግን ኣብ 2005/6 ኣብ አዲስ ኣበባ ነባር ተጋዳሊት ኣባል መሪሕነት ህውሓት ቅዱሳን ነጋ ዳግማይ ኣብ ሂልተን ሆቴል ኣብ ሓደ ናይ ድራር ግብዣ ተዓዲሙ ምስ ረኸበቶ ዝበለቶ...

*ንሓለፍቲ ወያነ ነቶም 5 ኣብ ሚያዝያ 2004 ካብ ደቡብ ኣፍሪካ ናብ ኢትዮጵያ መጺና ምስኡ ክንቃለስ ዝወሰና ብዛዕባና ክነግሮም ከሎ ...በቲ ኮልታፍ መልሓሱ “ነዚኦም ርኤኻ ኣለኻ መናእሰይ እንድዮም እንዳኮልኮምካ/እንዳ ኮርከምካ ገለ ኣይብሉን ኢዮም”

* ኣብ 2004/05 ሓደ ጊዜ ምስ በረኸት ስምኦን ቆጸራ ኣለኒ ምስ በልክዎ ዝበለኒ “ንመብራህቱ ገብረ ሒወት ትፈልጦ ዶ” ኢልካ ሕተቶ ኢሉኒ...ንበረኸት ምስ ሓተትክዎ ብሰሓቕ መይቱ...ዳሕራይ ዝፈለጥክዎ ንበረኸት ኣብኡ ኣቦይ ገ/ሒዉትን ኣዳኡ ኣደይ ብሪ ካፍልን ክውለድ ከሎ ናይ ቅድሚ ገድሊ ሽሙ መብራሕቱ ገ/ሒወት ኢዩ ኔሩ...

*ንዓይ ክፈትወኒ መዓት ኢዩ ኔሩ ቀቅድሚ EPM ምፍራሳ (2006) ንሓደ 6ወርሒ 1 ዓመት ዝኸውን ዓረብ ቋንቋ ክትመሃር ኣብ ናይ ሱዳን ቤት ጽሕፈት ክትከይድ ኣለካ ምኽንያቱ ብዘይ ናይ ዓረብ ኛ ቋንቋ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካ ክትሰርሕ ከቢድ ኢዩ ይብለኒ ኔሩ....ኣነ ምስኡ ምዕላል ክፈቱ መዓት’የ ንሱ ምሳይ ከዕልል ክደሊ መዓት ኢዩ...

*ኣድሓኖም መባእታዊ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ክምህረካ ከሎ there is always a green snake inside the green grass...ውን ይብለካ...

* 1) “Paradigm Shift/ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ” 2) “Rent Seeking/ከይ ሰራሕካ ብጉቦን ወድ ጉቦን እንዳጠፋፋእካ ምንባር” 3) “ኣንታ ጹሉል ዲኻ”...ኣድሓኖም ኣዘውቲሩ ካብ ዝጥቀመለን ቃላት እተን ሰለስተ...

*”ስማዕ ጹሉል ዲኻ The truth is always complex for the human mind to process/ናይ ወድ ሰብ ሓንጎል ብዛዕባ ሓቂ ምሕሳብ ይኸብዶ ኢዩ”...ቅድሚ ገለ ሰሙናት ኣብ ገለ ናይ ላይቭ ገዛ ክመጽእ ሕተተልና ምስ በሉኒ እዚ ሕጂ ዘሎ ሓሶትን ተቀባልነት ላይቭ ሚድያታትን እንዳዕለልና ኣብ መንጎ ለንቅነ ካብ ዘንበብክዋ መጽሓፍ ዝረኸብክዎ ካብ ዝበለኒ...ሽዑ ን5 ደቒቕ ኢለ ዝደወልኩሉ 2 ሰዓት ተዛሪብና...ኣይርከብን እምበር ምስ ኣድሓኖም 2 ሰዓት ትሕቲ 5 ደቒቕ ኢዩ...

* “ስማዕ ኣብቲ ኣሜሪካ ኬድካ ይቃለስ ኣለኹ ኢልካ ካኣ ከይትርብሸና...ቃልሲ እንተ ደሊኻ ሓጻር ስረ ዓጢቅካ ኣብዛ ዝነበርካያ ኣብ ሽረ ኣብ ሸራሮ ኢያ ዘላ”....ኣብ 2009 ናብ አሜሪካ ክኸይድ ኢየ ኢለ ክሰናበቶ ናብ ቤት ጽሕፈት ኤ.ህ.ም/EPM ምስ ከድኩ ካብቲ ምቁር ናይ 6 ሰዓታት ዕላልና ኣብ መንጎ ዝበለኒ...

*ከም ኣድሓኖም መጽሓፍ ዘንብብ መራሒ የለን...ኣብ ሓደ እዋን ሳልሕ ጋዲ ጆሃር (Awate) ካብ ዝበሎ...,

*ነፍጠኛው ኢሳያስ ኣብ ህግ መምህር/ስታዝ ኢሉ ዝጽውኦም 2 ሰባት ኣለዉ ሓደ ኣድሓኖም ኢዩ እቲ ሓደ ሽሙ ረሲዔዮ ኣለኹ...መሓመድ ጠሓ ተወከል ኣብ 2004ን ኣብ አዲስ ኣበባ ካብ ዘዕለለኒ...

Anyways & unfortunately & finally እቲ ሓቂ ክዛረብ እቲ ሓቂ ክመክር እቲ ሓቂ ክምህር እቲ ሃቂ ክመሃር እቲ ሓቂ ክገብር እቲ ንሓቂ ክነብር ዘይሕለል ሎሚ ተሓሊሉ ሰሚዔ...

ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ንዓይን ንስድራቤተይን ብውልቀይ ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ድማ ብሙሉኡ ንዘበርከትካልና ኩሉ ዓይነት ፍትሓዊ ህያባት ኩልሻብ ኣብ ልበይን ኣብ ልብናን ኣብ ቅድመይን ኣብ ቅድሜናን ዘልኣለም ኣለኻ...መንግስተ ሰማያት ብገፋሓ ሃህ ኢላ ትቀበልካ...., RIP Aya Adhanom. 
See less


“ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ወፍሪ ባርነት ኢዩ” ” (ታሪኻዊ ካብ ውሉድ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ መጽናእታዊ ጽሑፍ)

A Conversation With Adhanom Gebremariam
By Awate Team
Jun 28, 2004, 20:21 PST


Adhanom Gebremariam is a veteran of the liberation struggle and a military commander. After the independence of Eritrea he served as governor of Seraye province [now part of the "Debub" Zone]; as an attorney general and as Eritrean ambassador to the Scandinavian countries and to Nigeria, which was his last assignment. He was a member of the G-15 who escaped jail because he was outside Eritrea when his colleagues from the leadership were arrested. In February, Adhanom left EPLF-DP (now EDP), which he, along with his colleagues, had co-founded.

Along with Abdella Adem, a veteran military commander and ex-ambassador of Eritrea to the Sudan, and Mohammed Ibrahim "Secretaire", a veteran of the liberation struggle of the ELF who had been living in exile in Sweden, Adhanom founded the Eritrean Popular Movement (EPM). The three are the transitional leaders of the new movement. EPM is considered a "cross over organization" because it is comprised of the poliarized camps of ELF and EPLF. Awate.com met Adhanom Gebremariam in Emeryville, California during his tour of the Bay Area. The interview was conducted by Saleh Gadi (in Tigrigna) and translated to Englishread more

ሓርበኛ ኣድሓኖም፡
ምሉእ ህይወቱ ንሞያኡ ዋጋ እናኸፈለ ሓሊፉ

ንኣድሓኖም ከም ሰነድ ክትግንጽሎ ዝኸብድ ርሒብ ታሪኽ ዝሓቈፈ ሰብ እዩ። ብግዳም ክትርእዮ እንከለኻ ተደፋራይ ኣይኮነን፤ እቲ ሱቕ ምባሉ ባሕሪ ከብዱ ዝጸወሮ ብዙሕ ዘይተገልጸ ምስጢር ከም ዝነበሮ የገምግመካ።

ካብ 1972 ዓ/ም ክሳብ መጀመርታ 1990 ዝነበረ ምሉእ ህይወቱ፡ ምስ ሰብ ዝበልዕ ባሩድን ሓጻውንን`ዩ ኣሕሊፍዎ። ብገዛእ ጻዕሩን ሓርኮትኮቱን ንነብሱ ብወታደራዊ ሳይንስ ስለ ዘዕጠቓ፡ ብቕዓት ናይ ኲናት ኣመራርሕኡ ኣብ ታሪኽ ቃልስና ይትረፍ ኣብ መዛግብቲ ስለያ ጸላኢ`ውን ድሙቕ ቦታ`ዩ ዘለዎ። ኣብ ሬድዮ ርክብ ድምጹ እንድሕሪ ተሰሚዑ ከም ዘባህርሮም፡ ባዕሉ`ቲ ኣብ ሓሙሻይ ወራር ብሳልሳይ ግንባር ንወታደራት ደርግ መሪሑ ዝመጸ ብህይወት ዘሎ ተኪኤ ቐሺ (ኣዘርዋይስ) ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።

ኣድሓኖም ብፍላይ ብታሕተዎት ሓለፍትን ተራ ተጋደልትን ኣዝዩ ተፈታዊ ኮይኑ፡ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ግን ስግኣት`ዩ ነይሩ። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ብብስለት ናይ ዓቕሙን ጽሩይ ኣካይድኡን እዩ። ብፍላይ እቶም ኣብ እንግድዓ ተጋዳላይ ተጸይሮም ዝኣተዉ ዕንዛርያታት ኣብ ቅድሚኡ ክውድስዎን ሓፍ ኮፍ ክብልሉን እንከለዉ፡ ብድሕሪኡ ግን ንመርዘኖም በታ ንኡስ ብርጁዋ ትብል መሕመይት ቃሎም እዮም ዝፍውስዋ።

ንሎሚ ኣድሓኖም ነታ ናይ ሕጊ ሞያኡ ዝኸፈለላ ዋጋ፡ ድሕሪ ነዊሕ ግዝያት ምቱዂታኾይ፡ ባዕሉ ዘዕለለኒ`የ ከካፍለኲም።

- ነቲ ኣብ 1973 ዓ/ም ዝተበገሰ ዲምክራስያዊ ናይ ተጋደልቲ ምንቅስቓስ (ብስም መንካዕ ዝፍለጥ) ንምህዳእ ኣብ ዝወጸት ኮሚተ ተመዚዙ ስለ ዝነበረ፡ ብሕጋዊ መዳይ ክረአ ኣብ ዝጠለበሉ ግዜ ብኢሳያስን ሰዓብቱን ቂም ተታሒዝዎ። ምኽንያቱ፥ ንሱ ኣብ ጎድኖም ክኸውን`ሞ ከም መጋበርያ ክጥቀምሉ`ዮም ሓሲቦም ነይሮም። ካብ`ዚ ብምብጋስ ኣብ ልዕሊኡ ከቢድ ጸለመን ጽልእን ብክልቲኦም ወገን ተኻይድሉ። እቲ ዕላማ ጸግዒ ዘይብሉ ኣትሪፍካ ተቐባልነት ከም ዘይህልዎ ንምግባር እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ እቶም ንሱ ኮሚሳር ሓይሊ እንከሎ ኣብ ትሕቲኡ ኮሚሳር ጋንታታት ዝነበሩ ብደረጃ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ክምዘዙ እንከለዉ፡ ናብ ማእከላይ ሽማግለ`ውን ኣየቕረብዎን። ብከም`ዚ ዓይነት ኣገባብ ብንግህኡ ዝጀመረ ጒዕዞ፡ ብብቕዓት ዝምዘን ገድሊ ንናጽነት ዘይኮነ፡ ብተንኮል ናብ ስልጣን ዝመጣጠር መስርሕ ምዃኑ ተጋሂድሉ።

- ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት፡ ህይወት ሰብ ዝጸንቐቐ ኣህላኺ ጒዕዞ፡ ኮሚሳር ክፍለ ሰራዊት 61 ኮይኑ ኣብ 1987 ዓ/ም ናይ ደባይን ተንቀሳቃስን ኲናት ንምክያድ ናብ ድሕሪ መስመር ኣብ ዝወጻሉ ግዜ፡ ናይ ክፍሊ ህዝቢ (ጆማሂር) ዓማጺ ምሕደራን ሕጊ ኣልቦ ውሳኔታትን ተዓዚቡ። ህዝቢ ይግባይ ኣብ ዘይብለሉ ባይታ ተቓቒሩ ብካድረታት ገድልን ደርግን ክሳቐ ምርኣይ ንዕኡ ኣንጻር`ቲ መስዋእቲ ጀጋኑ ዝኽፈሎ ዝነበረ ዕላማ ስለ ዝኾኖ፡ ናብ`ታ ብሮሞዳን መሓመድ ኑር ትምራሕ ዝነበረት ኣብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ዝቆመት ክፍሊ ፍትሒ፡ ህዝቢ ብሲቪላዊ ሕጊ`ምበር ብወታደራዊ ሕጊ ወይ ብስምዒት ውልቀ ሰባት ክዳነ ጉቡእ ከም ዘይኮነን፡ ንግዚኡ ሕጊ እንዳባ ከም መሰጋገሪ ክስረሓሉ ከም ኣማራጺ ምጽናዕ ከም ዘድሊ ዝምሕጸን ሰፊሕ ጸብጻብ ለኣኸ። ድሕሪ ሓደ ዓመትን መንፍቕን፡ እታ ፍትሒ እትጽውዕ ጸብጻብ ኣብ ኢድ ኢሳያስ ስለ ዝበጽሐት ካብ`ቲ ዘድመዓሉ ወታደራዊ ስራሕ ተኣልዩ ኣብ ዘይፈልጦ ሞያን ናይ ስራሕ ባይታ ዘይብሉን ክፍሊ ንግዲ ከም ዝምደብ ተገብረ። እዚ መድረኽ`ዚ ናብ`ቲ ሰፊሕ ህዝቢ ዝቕመጦ ከባቢ ብምቕልቃል ንጥፈታት ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ስለ ዝኾነ፡ ጽልውኡ ካብ ህዝቢ ንምህሳስ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ ውዲት`ኳ እንተኾነ፡ ህዝቢ ብሓይሊ`ምበር ብሕጊ ንኽመሓደር ድሌት ከም ዘይነበረ ኣነጸረሉ።

- ናጽነት ምስ ተረኽበ፡ ኣድሓኖም ከም ዋና ኣኽባር ሕጊ ኮይኑ`ዩ ተመዚዙ። ኣብ ሞያኡ ብምምዳቡ ሕጒስ`ኳ እንተ ነበረ፡ ብግብሪ ክሰርሓሉ ግን ክሳብ ክንደይ ዕድል ክወሃቦ ይኽእል ይተኣማመን ኣይነበረን። እንተኾነ ግን፡ +

ብውሑዱ ንምኒስትሪ ፍትሒ እግሪ ምትካል ጥራይ ከም ሓደ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ሕድሪ ስውኣት ምትግባር ገይሩ ተቐበሎ። ምስ`ቲ ንሓጺር እዋን ሚኒስተር ፍትሒ ዝነበረ ሮሞዳን ሓመድ ኑር ተወሃሂዱ ክዓዪ`ውን ከኣለ። ነቲ ንእስነቱ ዝወፈየሉ ናጽነት ክጽንብል ግዜ ከይሃበ፡ ለይትን መዓልትን ንሰብ ሞያ ኣኪቡ ግዝያዊ መሰጋገሪ ሕጊ ክነድፍን ጽዑቕ ናይ ሕጊ ስልጠናታት ከካይድን ነብሱ ረሲዑ ምስጋና ዘይብሉ ዓቢ ዕማም ኣሳለጠ።

ናይ ስራሕ ሓላፍነቱ ብዘሰከሞ ግዴታ፡ ምስ`ቶም ብኢሳያስ ተመዚዞም ብናይዝጊ ክፍሉ እናተመርሑ፡ ኣብ ልዕሊ`ቶም ብስም ድህንነትን ወዶ ገባን ዝፍለጡ፡ ብህይወት ንጹሃት ተኸሲሶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዓዲ-ዃላ፡ ከረን፡ ባረንቱን ዒታሮን ተቐይዶም ዝነበሩ መርመራ ዘካይዱ ጒጅለ ርክብ ነይርዎ። ድሕሪ ነዊሕ ናይ ምጽራይ መርመራ ኣብ ኣኼባ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም መስርሕ ድንነት ክካየደሎም ወግዓዊ ሓሳብ ኣቕረበ። በቶም ዝበዝሑ ኣባላት ኣጻረይቲ ኮሚተ ድማ ሓሳቡ ተቐባልነት ረኸበ። መራሕ ኮሚተ ናይዝጊ ክፍሉ ነታ ሓሳብ ከም ናይ ኣድሓኖም ጥራይ ጌሩ ብጥረኣን ውዕይታን ናብ ኢሳያስ ስለ ዘብጸሓ፡ ንጽባሒቱ ካብ ዋና ኣኽባር ሕጊ ተኣልዩ ኣማሓዳሪ ኣውራጃ ሰራየ ከም ዝተመደበ ብደብዳበ ተገልጸሉ። ብምሉኣቶም እቶም ኮሚተ ድማ ስራሓም ከም ዝወድኡ ተሓቢርዎም ተፈንጥሑ። እዚ ንኣድሓኖም፡ ኤርትራ ብሓይሊ`ምበር ብሕጊ ከም ዘይትዳነ ዝሕብር መርድእ እዩ።

- ኣድሓኖም ኣማሓዳሪ ኣውራጃ ሰራየ ኮይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ ግዜ፡ ቀዳምነት ሂቡ ዝዓየየሉ ልምዓትን ዕርቅን እዩ ነይሩ። ናይ መቐር ኣግራብ ብምትካል ነቶም መሬት ዝጸበቦም ሓረስቶት ካልእ ኣታዊ ዝረኽብሉ መገዲ ኣጣጥሓሎም። ንምሉእ ኣውራጃ ሰራየ ሰንጢቚ ናብ ትግራይ ዝሓልፍ ጸሊም ጽርግያ የማነ ጸጋሙ ናይ ኒም ኣግራብ ብምትካል ቅርጺ ከም ዝሕዝ ገበሮ። ናይ ዕርቂ ሽማግለታት ብምቛም፡ ጸላኢ ዝተኸሎ ናይ ደም ጽልኢ ንምድቃስ ከቢድ ጻዕሪ ብምክያድ ንመብዛሕትኡ ኣዕረፎ። ኣብ መንጎ ዓድታት ዝነበረ ናይ መሬት ክርክር ብምስምማዕ ኣልዘቦ፤ ነቲ ብሰንኪ ግጭት ንብዙሕ ዓመታት ቃዲሩ ዝነበረ ኣብ ልምዓት ከም ዝውዕል ገበሮ። እታ ብሰንኪ ናይ ጽልሚ ምሕደራ መሬት ብነገርን ምጒትን ትፍለጥ ዝነበረት ኣውራጃ ርእሰ ዓንቀጽ ናይ ልምዓት ዜና ብምዃን ህይወት ዘርአት። እንተኾነ `ዘራግ ማይ ከሎ ጽሩይ ማይ ስለ ዘይስተ፡` ኣብ ጒዳይ መሬት ዘይስልጣንካ ውሳኔ ኣሕሊፍካ ተባሂሉ ብቤት ጽሕፈት ፕረዝደንት ድሕሪ ምውቃስ፡ ከም ኣምባሳደር ኮይኑ ናብ ሃገረ ሽወደን ከም ዝእለ ተገብረ።

- ኣብ ስካንድናቭያን ዝነብር ማሕበረ ሰብ ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን ብዝነበሮ ጥርናፈ ንኣወዳድባ ኣድሓኖም ብእወታ ስለ ዝተቐበሎ ሓያል ስጥመት ብምፍጣር ከም ማይን ጸባን ተወሃሃደ። መተንፈሲ ዝረኸቡ ኣባላት ማሕበረ-ሰብ ኣብ ልዕሊ`ቶም ናይ ቅድም ዝነበሩ ኣካየድቲ ኮሚተ ጥርዓን ስለ ዘቕረቡ፡ ንኲሉ ንጥፈታቶም ሕጋውነት ከልብስዎ ብዘልማድ ዘይኮነ ብስርዓት ክኸዱ ከም ዝግባእ መምርሒ ሂብዎም። እዛ ሕግን ሕጋውነትን ትብል ኣካይዳ ንምጥፍፋእ ባይታ ዘይትገድፍ ብምዃና፡ ንመለኽቲ መንጸሮር እያ ተትሕዞም። ብውሽጢ ውሽጢ ብዝተኻየደሉ ምክትታል እቲ ስርዓት ስለ ዘይተሓጎሰሉ ምኽንያት ብዘይብሉ ጒዳይ ናብ`ታ ኤርትራውያን ዘይብላ ሃገረ ናጀርያ ተቐይረ።

- ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፡ እቲ ህይወት ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያትና ዝቐዘፈን ምዝንባል ናይ ኣሻሓት ሰላማውያን ሰባት ዝፈጠረ ኲናት ምስ ጎረቤት ሃገር ብኢሳያስ ምስ ተወለዐ፡ ተቋውምኡ ንምንጻርን ኣኼባ ባይቶ ብምጥላብን ምስ ጒጅለ 15 ስለ ዝፈረመ ዝተረፈ ዕምሩ ኣብ ናይ ስደት ቃልሲ ምሉእ ግዜኡ ኣሕለፎ።

እንሆ ኣድሓኖም ገብረማርያም ንስለ ህዝብን ሃገርን ክብል ሓንቲ መዓልቲ ህይወት ስድራቤቱ ከየስተማቐረ ሓሊፉ።

ንኽብርቲ በዓልቲ ቤቱን ፍቱዋት ደቊን ጽንዓት ብምሃብ ንዕኡ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ!!
ንመቓልስቱን ፈተውቱን ልቢ ይሃብ!!

ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርደን) 

ኤርትራ፡ ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ዓሪፉ

21 ለካቲት 2021, 08:33 EAT

ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም BBC
ብዝሓደሮ ሃገራዊ ፍቕሪ ናይ ሳልሳይ ዓመት ናይ ሕጊ ትምህርቱ ኣቋሪጹ ኣብ 1972 ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ዝተጸምበረ ተጋዳላይ ኣድሓኖም፡ ካብ ተራ ተዋጋኣይ ክሳብ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ኮይኑ ኣብ ብዙሕ ዓውደ ውግኣት ተሳቲፉ ፈኵስን ማእከላይን ማህረምቲ ተጻዊሩ፡ ወሰንቲ ውግኣት መሪሑ፡ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን።
ኣድሓኖም ኣብ 1987 ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይን ሓድነታውን ውድባዊ ጉባኤ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ተመሪጹን ኣገልጊሉን። ኣብ 1989 ከኣ ካብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተሳሒቡ ንክፍሊ ንግድ እቲ ውድብ እናመርሐ፡ ኣብ 1991 ነጻነት ኤርትራ ክርኢ በቒዑ።
ኣድሓኖም ካብ ዝስለፍ ኣትሒዙ ክሳብ ቅድሚ ናጽነት ዓመትን መንፍቕን ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት እዩ ኣገልጊሉ። ኣብቲ ዕረፍቲ ዘይነበሮ ኵናት ሓያሎ ሳዕ ተወጊኡ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ምድምሳስ ናደው እዝ ኣብ ኵናት ኣፍዓበት ምስ ኣዛዚ ግንባር ናቕፋ ተጋዳላይ ዓሊ ኢብሪሂም ብነፋሪት ተሃሪሙ። ዓሊ ኢብሪሂም ተሰዊኡ፡ ኣድሓኖም ግን ተወጊኡ ተሪፉ። ብድሕሪኡ ከኣ'ዩ ንክፍሊ ንግድ ክመርሕ ናብ ካብ ግንባር ተሳሒቡ።
ድሕሪ ናጽነት ቀዳማይ ኣኽባር ሕጊ ሃገረ ኤርትራ ኮይኑ ተመዚዙ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምኒስትሪ ፍትሒ ብሞይኡ መሰረት ኣንቢሩ። ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ (1994) ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኮይኑ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ዝተገብረ ዳግመ ውደባ ከኣ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሰራየ ኣገልጊሉ።

ኣብ 1996 ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ስዊድን፡ ብድሕሪኡ ከኣ ክሳብ ኣብ ኤርትራ ቅዋም ክትግበርን ሰላማዊ ደሞክራሲያዊ ምስግጋር ክካይድ ምስ ዝጠለቡ ብጉጅለ-15 ዝጽውዑ ብጾቱ ናብ ህዝብን ሰራዊትን ቅሉዕ ደብዳበ ብምጽሓፍ፡ ዝነበሮ መዝነት ገዲፉ፡ ምእንቲ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ቃልሱ ብምቕጻል ድምጺ ናይቶም ኣብ ሸላታት ዒላዒሮ ተኣሲሮም ዘለው ጋዜጠኛታትን ሰበ ስልጣን መንግስትን ኮይኒ ጽሒፉን ተጣቢቑን።
ካብ ፈለማ ሰብዓታት ኣትሒዙ ንተጋዳላይ ኣድሓኖም ዝፈልጦ ኣምበሳደር ዓብደላ ኣደም፡ "ምስ ኣድሓኖም ንናጽነት ኣብ ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልስን፡ ብድሕሪ ናጽነት፡ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ህዝባዊ መንግስቲ ንምምስራት ኣብ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምንጋስ ግዝኣተ ሕግን ብቐረባን ርሑቕን ብሓባር ሰሪሕና ኢና። ኣድሓኖም ሰለስተ ርብዒ ካብ ዕድሚኡ ኣብ ቃልሲ አሕሊፉዎ። ብፍላይ ኣብዚ ድሕሪ ናጽነት ዝካየድ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ ካብ ዝፈትዎም ደቁን ስድራቤቱን ተፈልዩ ኣብ ህይወተ ከየዕረፈ ምሕላፉ ኣዝዩ የሕዝነኒ" ክብል ንኣድሓኖም ዘለዎ ክብርን ኣድናቖትን ይገልጽ።
ተጋዳላይ ዳዊት ፍስሃየ (ወዲ መምህር) " ኣድሓኖም፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ሓወልቲ ተኺሎም ዝሓለፉ ብኽብሪ ክዝከር ዝነብር ሰብ እዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ከም ኩሉ ሃገራዊ ኣብ ብረታዊ ተጋድሎን ድሕሪ ናጽነት ንምርግጋጽ ሓርነታዊ ልዑላውነት ዘካየዶ ቃልሲ፡ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሰራየ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ካብ ኣስመራ ክሳብ ዓዲ-ዃላ ኣብ ዘሎ መገዲ ኣብ ወሰናስን ጽርግያ ብዝተኸሎ ኣግራብ፡ ህዝቢ " እዚአን ደኣ ሳላ ኣድሓኖም ዝተተኽላ እንድየን" እናበለ ዕለታዊ እዩ ዝዝክሮ" ክብል በቲ ነባሪ ኣበርክተኦ ይዝክሮ።

ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ንነዊሕ እዋን ኣብ ቃልሲ ምትካል ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ሓቢሩዎ ዝተቓለሰ ድምጻዊ ኢሳይያስ ኣስፍሃ እውን " ኣድሓኖም፡ ኣብ ቃልሲ ፍትሒ ንደሞክራሲ ብዝተፈላለዩ ሓይልታት ብዙሕ ጠቐነ እኳ እንተጋጠሞ ንሱ ግን ፍታሕን መዋጽኦን ኤርትራ፡ ዓሌትን ሃይማኖትን ዘይብሉ ኣብ ሓድነት ዝተሰረተ፡ ብሓድነት ዝስጉም ገበይ ጻዕዳ (ሮድ-ማፕ) ጥራሕ እዩ ዘዋጽእ ብምባል፡ ብደምን መስዋእትን ዝተለሰነ ሓድነትን ሙቐትን ህዝቢ ኤርትራ ክዕቀብን ክዕምብብን እናሰርሐን እናሓለመን እዩ ሓሊፉ" ክብል ምስክርነቱ ይህብ።
ኣብ መስከረም 1945 ካብ ኣብኡ ባሻይ ገብረማርያም ካሳን ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ውነሽ ርጆን ዝተወልደ ተጋዳላይ ኣድሓኖም መባእታ ኣብ ኣፈልባ፡ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ሰይንት ጆሰፍ (St. Joseph School) ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ተማሂሩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተጸንበሩ ሕጊ እናጽነዐ እዩ ኣብ ሳልሳይ ዓመት ትምህርቱ ብ1972 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተጸንቢሩ ክሳብ ትማሊ ብሞት ዝፍለ ተቓሊሱ።
ንኣድሓኖም ብርሑቕን ቀረባን ዝፈልጡዎ ብዙሓት ሰባት ብሞቱ ዝተሰመዖም ሓዘን ይገልጹን ምስክርነት ፍልጠቶም ይህቡን ኣለው። ተጋዳላይ ነጋሽ ሃይለ ንኣብነት " ኤርትራ ካብ ዘፍረየቶም ብሉጻት ደቃ ንተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም ስኢና። ንሱ ብርሃን ሃገር ከምጽእ ካብ ቅሮራ ክሳብ እምባሶይራ ካብ ኦምሓጀር ክሳብ ሰምሃር ማይ ኣጣል ንዕስራ ዓመት ተዋጊኡን ኣዋጊኡን ኣሰር ገዲፉ። ኣድሓኖም ፍሉይ መለለይ ነይሩዎ - ለይቲ ፋኑስ ኣብሪሁ መጽሓፍ ከንብብ ዝሓድር ፍልጠት ዝሃርፍ ንብጾቱ ዘንቅሕን ንኹሉ ዘኽብርን ምቕሉልን ዓቃልን ነበረ" ክብል ይገልጾ።
እቲ ካብ ንእስነቱ፡ ክቱር ፍቕሪ ትምህርቲ ዝነበሮን ኣብ ትምህርቱ ብዝምስገን ነጥብን ምክትታልን ዝስጉም ዝነበረ ኣድሓኖም ከምቲ ነጋሽ ሃይለ ዝበሎ ሓደ ካብቶም መጻሕፍቲ ብምንባብ ብቐጻሊ ነብሶም ዘማዕብሉን ዝመራመሩን ሰባት እዩ ነይሩ።
"ኣብ ጽንኩር ኩነታት እውን እንተኾነ ኣድሓኖም ንነብሱን ብጾቱን መፋሕፈቲ ብምንባብ ዓቕሞም ከዕብዩ ዘይስልክዩ መምህር እዩ ነይሩ። ድሕሪ ነብሲ ወከፍ ከቢድ ኵናት ኣድሓኖም ከም መሐደስን መዘናግዕን ዝርእዮ ነገር እንተነይሩ መጻሕፍቲ እዩ" ክብል ካብ ነዊሕ ዝፈልጦ ተጋዳላይ መጎስ ብርሃነ ይዛረብ።
ኣድሓኖም ኣብ ተጋደልቲ ዝርአ ፍልልያት ብዘተ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ መርገጺ ከምዝነበሮን ፖለቲካዊ መስርሕ ኤርትራ ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ሓዲድ ምስ ወጽአ ምስ ብጾቱ " ዓገብ" ብምባል ነገራት ክዕረን ክመዓራረን ካብ ዝጸውዑ ነባራት ተጋደልቲ ኤርትራ ሓደ እዩ።ገዲም ተጋዳላይ 70ታት ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ብሃንደበታዊ ሕማም ትማሊ 19 ለካቲት 2021 ኣብ ኒውዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዓሪፉ።

ኤርትራ ካብ ዘፍረየቶም ብሉጻት ደቃ ስኢና:ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም። ተጋዳላይ ኣድሓኖም ንሃገሩ ብርሃን ከምጽእ ኣብ ድቕድቕ ጸላም ወፊሩ ካብ ቅሮራ ክሳብ እምባሶይራ ካብ ኦምሓጀር ክሳብ ሰምሃር ማይ ኣጣል ዕስራ ዓመት ተዋጊኡን ኣዋጊኡን ኣሰር ገዲፉ። ኣድሓኖም መጽሓፍ ምንባብ ፍሉይ መለልይኡ ኢዩ። ኦፐረተራት መልእኽቲ ከብጽሑሉ ዘይስክፉሉ ለይቲ እውን ፋኖስ ኣብሪሁ ክንብብ ይጸንሖም ምንባሩ ኢዩ። ኣድሓኖም ንፍልጠት ዝሃርፍ ንብጾቱ ዘንቅሕን ንኹሉ ዘኽብርን ምቕሉልን ዓቃልን ነበረ። ኣብ መንጎ ተጋደልቲ ዝርአ ፍልልያት ኣረኣእያ ብዘተ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ መርገጺን ምስቶም ካብኡ ዝፍለ ኣረኣእያ ዝነበሮም ብጾት እውን ብቂምን ቅርሕንትን ዘይርእይ ቅኑዕ ተጋዳላይ ኢዩ ኣድሓኖም ገብረማርያም። ነፍስሄር ተጋዳላይ ገረዝጊሀር ዓንደማርያም ውጩ ንኣድሓኖም ኣብ ፍሽክሊቱ ዝመልአ ትምህርቲ ኣለዎ ብምባል ከድንቖ ይዝክሮ። ተጋዳላይ ኣድሓኖም ኣብ ዝኣተዎ ዓውዲ ብብቕዓት ዘድምዕ ተዓጻጻፋይ ነበረ። ቅድሚ ናጽነት ሓደ ዓመት ኣብ ክፍሊ ንግዲ ድሕሪ ናጽነት ኣኽባር ሕጊ ኣምባሳደርን ተመዲቡ ንኡድ ስራሕ ኣበርኪቱ። ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሰራየ ኣብ ዝነበረሉ እውን ካብ ድባርዋ ክሳብ መንደፈራን ዓዲዃላን ኣብ ደንደስ ጽርግያ ኣግራብ ከም ዝትከል ብምግባርን ሓረስቶት ደምበላስን ካልኦት ወረዳታትን ካብ ገረብ መቐር ንኽጥቀሙ ገረብ ክተኽሉ ብተግባር ኣርእዩ። ሃገሩ ናይ ምልማዕ ራእዩ ዘመስከረ ሓርበኛ ናይ ኲናት ጥራይ ዘይኮነ ሓርበኛ ልምዓት ኢዩ ተጋዳላይ ኣድሓኖም።ዕስራ ዓመት ብብረት ዝተቓለሰላ ሃገር ዓሰርተ ዓመት ጥራይ ተቐሚጥዋ ንዳግማይ ቃልሲ ንሓርነት ዕስራ ዓመት ኣብ ስደት ኣሕሊፉ ንውሉድ ወለዶ ዝዛሪ ዘይነጽፍ ታሪኽ ገዲፉ 19 ለካቲት 2021 ዓሪፉ።
መንግስተ ሰማይ የዋርሶ ንስድራቤት ንመቓልስቱን ፈተውትን ጽንዓት ይሃብ።

Negash Haile

ኤርትራ ካብ ዘፍረየቶም ብሉጻት ደቃ ስኢና:ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም። ተጋዳላይ ኣድሓኖም ንሃገሩ ብርሃን ከምጽእ ኣብ ድቕድቕ ጸላም ወፊሩ ካብ ቅሮራ ክሳብ እምባሶይራ ካብ ኦምሓጀር ክሳብ ሰምሃር ማይ ኣጣል ዕስራ ዓመት ተዋጊኡን ኣዋጊኡን ኣሰር ገዲፉ። ኣድሓኖም መጽሓፍ ምንባብ ፍሉይ መለልይኡ ኢዩ። ኦፐረተራት መልእኽቲ ከብጽሑሉ ዘይስክፉሉ ለይቲ እውን ፋኖስ ኣብሪሁ ክንብብ ይጸንሖም ምንባሩ ኢዩ። ኣድሓኖም ንፍልጠት ዝሃርፍ ንብጾቱ ዘንቅሕን ንኹሉ ዘኽብርን ምቕሉልን ዓቃልን ነበረ። ኣብ መንጎ ተጋደልቲ ዝርአ ፍልልያት ኣረኣእያ ብዘተ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ መርገጺን ምስቶም ካብኡ ዝፍለ ኣረኣእያ ዝነበሮም ብጾት እውን ብቂምን ቅርሕንትን ዘይርእይ ቅኑዕ ተጋዳላይ ኢዩ ኣድሓኖም ገብረማርያም። ነፍስሄር ተጋዳላይ ገረዝጊሀር ዓንደማርያም ውጩ ንኣድሓኖም ኣብ ፍሽክሊቱ ዝመልአ ትምህርቲ ኣለዎ ብምባል ከድንቖ ይዝክሮ። ተጋዳላይ ኣድሓኖም ኣብ ዝኣተዎ ዓውዲ ብብቕዓት ዘድምዕ ተዓጻጻፋይ ነበረ። ቅድሚ ናጽነት ሓደ ዓመት ኣብ ክፍሊ ንግዲ ድሕሪ ናጽነት ኣኽባር ሕጊ ኣምባሳደርን ተመዲቡ ንኡድ ስራሕ ኣበርኪቱ። ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሰራየ ኣብ ዝነበረሉ እውን ካብ ድባርዋ ክሳብ መንደፈራን ዓዲዃላን ኣብ ደንደስ ጽርግያ ኣግራብ ከም ዝትከል ብምግባርን ሓረስቶት ደምበላስን ካልኦት ወረዳታትን ካብ ገረብ መቐር ንኽጥቀሙ ገረብ ክተኽሉ ብተግባር ኣርእዩ። ሃገሩ ናይ ምልማዕ ራእዩ ዘመስከረ ሓርበኛ ናይ ኲናት ጥራይ ዘይኮነ ሓርበኛ ልምዓት ኢዩ ተጋዳላይ ኣድሓኖም።ዕስራ ዓመት ብብረት ዝተቓለሰላ ሃገር ዓሰርተ ዓመት ጥራይ ተቐሚጥዋ ንዳግማይ ቃልሲ ንሓርነት ዕስራ ዓመት ኣብ ስደት ኣሕሊፉ ንውሉድ ወለዶ ዝዛሪ ዘይነጽፍ ታሪኽ ገዲፉ 19 ለካቲት 2021 ዓሪፉ።
መንግስተ ሰማይ የዋርሶ ንስድራቤት ንመቓልስቱን ፈተውትን ጽንዓት ይሃብ
ሓርበኛ ኣድሓኖም፡
ምሉእ ህይወቱ ንሞያኡ ዋጋ እናኸፈለ ሓሊፉ

 

Stefanos Temolso
ኣድሓኖም ገረማርያም ኣዝዩ ንፉዕ ወተሃደራዊ ክኢላ ከም ዝነበረ ትፈልጡዶ? ጅግንነት ተጋደልቲ ህግሓኤ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ናደው እዝ ስዉእ ዓሊ ኢብርሂምን ኣድሓኖምን ብዝሓንጸጹዎን ዝተግበሩዎን እስትራተጂ እዩ ተደምሲሱ። ኢሰያስ ግን ንኣድሓኖም ንነዊሕ እዋን ደርብዩዎ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ኣብ ማእከላይ ሽማግለ ከም ዝመጽእ ገይሩዎ።

ኣድሓኖም ገረማርያም ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ኣመሓዳሪ ከሎ ኣብ ህዝቢ ጽቡቕ ተቐባልነት ኣሕዲሩ ነይሩ። ኣውራጃታት ናብ ዞባታት ክቕየራ እየን ኣብ ዝተባህለሉ ግዜ ኣድሓኖም ምስ ሓደ ዝኣምኖ ሰብ "እዚ ሰብኣይ ሕጂ ካብ ህዝቢ መታን ከርሕቐኒ ክቕይረኒ እዩ፡" ክብል ተዛሪቡ። እቲ ሰብ ከምኡ ይገብርዶ ትብሎ ክብል ምስ ሓተቶ፡ "ኣይምሰልካ ካብ ህዝቢ መታን ክንጽለኒ ንደገ ክሰደኒ እዩ፡" ምስ በሎ፡ "እሞ ጽቡቕ ጥዕናዃኳ ትከታተል፡" ኢሉዎ ኣድሃኖም ናይ ጥዕና ጸገም ከም ዝነበሮ ስለ ዝፈልጥ። ኣድሓኖም ግን፡ "ንሕናኮ ህዝቢ ክጥዕሞ ኢና ተቓሊስና፡ ስለዚ ኣብዚ ኾይነ ኵነታት ህዝበይ ንምምሕያሽ ክጽዕርን ህዝበይ ዝረኸቦ ክረኽበንን እየ ዝመርጽ። ንዓይ ክጥዕመኒ ኢለ ኣብ ደገ ክምደብ ኣይደልን'የ፡" ክብል መሊሱሉ። ከም ዝበሎ ድማ ኣብ ሽወደን ከም ኣምባሳደር መዲቡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣርሑቑዎ። ይዝከረኒ ሓደ ኣብ መንደፈራ ዝነብሩ ሰብኣይ ኣብ 1993 ነድሓኖም "ሎሚ ሰራየ ሰብ ረኺባ ኣላ፡" ኢሎም ክንእዱዎ ሰሚዐዮም።ኣድሓኖም ገረማርያም ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ኣመሓዳሪ ከሎ ኣብ ህዝቢ ጽቡቕ ተቐባልነት ኣሕዲሩ ነይሩ። ኣውራጃታት ናብ ዞባታት ክቕየራ እየን ኣብ ዝተባህለሉ ግዜ ኣድሓኖም ምስ ሓደ ዝኣምኖ ሰብ "እዚ ሰብኣይ ሕጂ ካብ ህዝቢ መታን ከርሕቐኒ ክቕይረኒ እዩ፡" ክብል ተዛሪቡ። እቲ ሰብ ከምኡ ይገብርዶ ትብሎ ክብል ምስ ሓተቶ፡ "ኣይምሰልካ ካብ ህዝቢ መታን ክንጽለኒ ንደገ ክሰደኒ እዩ፡" ምስ በሎ፡ "እሞ ጽቡቕ ጥዕናዃኳ ትከታተል፡" ኢሉዎ ኣድሃኖም ናይ ጥዕና ጸገም ከም ዝነበሮ ስለ ዝፈልጥ። ኣድሓኖም ግን፡ "ንሕናኮ ህዝቢ ክጥዕሞ ኢና ተቓሊስና፡ ስለዚ ኣብዚ ኾይነ ኵነታት ህዝበይ ንምምሕያሽ ክጽዕርን ህዝበይ ዝረኸቦ ክረኽበንን እየ ዝመርጽ። ንዓይ ክጥዕመኒ ኢለ ኣብ ደገ ክምደብ ኣይደልን'የ፡" ክብል መሊሱሉ። ከም ዝበሎ ድማ ኣብ ሽወደን ከም ኣምባሳደር መዲቡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣርሑቑዎ። ይዝከረኒ ሓደ ኣብ መንደፈራ ዝነብሩ ሰብኣይ ኣብ 1993 ነድሓኖም "ሎሚ ሰራየ ሰብ ረኺባ ኣላ፡" ኢሎም ክንእዱዎ ሰሚዐዮም።

Wedeb Tedros

ብሰላም ዕረፍ ክቡር ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም!
ሞት ወላ እኳ ዘይተርፍ ዕጫ ወዲ ሰብ እንተኾነ: ኣብ ሂወትና ዝፈጥሮ ሃጓፍ ግን ዓቢ እዩ: ስለዝኾነ ድማ ብሓዘን ይስነ። ነቶም ዝተረፍና ድማ: መዋቲ ከከም ቅርበቱን ተሞኩሮናን ገዲፉልና ዝኸይድ በሰላን ዝኽሪን ይህሉ። ኣብ ታሪኽ ኤርትራን: ምእንቲ ኤርትራ ሂወቱ ዘወፈየ ዜጋን ግን ናይ መቕርብ ወይ ፈለጥቲ ዘይኮነ: ናይ ምሉእ ኤርትራ ስለዝኾነ: ክፍለ ከሎ ምሉእ ኤርትራዊ ይሓዝን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ንኩሉ ኤርትርዊ ዘሰንበደ ዓቢ ጉዳይ ተረኺቡ። እቲ ካብ ወዲ 26 ዓመት ክሳብ ዕለተ ሕልፈቱ ንኣስታት ፍርቂ ዘመን ምእንቲ ኤርትራ ዝኸርተተ: ዝደመየ: ዝረሃጸ: ዝጎየየ: ምስ ኣራዊት በረኻ ዝሰፈረ: ዝተዋግአ: ዘዋግአ: ዝመርሐ: ዝተቃለሰ: ኮታ ምእንቲ ኤርትራ ዝነበረ ክቡር ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም ዓሪፉ። እዚ ኩሉ ንዘበርከተ በዓል ውዕለት ኤርትራ: ብሂወት ዝጸንሓሉ እዋን ወዲኡ ክፍለ ከሎ: እታ ልዕሊ ኩሉ ዝሰርዓ ኤርትራን ህዝባን ብዓቢ ሃገራዊ ክብሪን ስነስርዓት ኣብ ከረሳ ከተዕርፎ እዩ ዝግባእ ኔሩ። ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም ግን: ይትረፍ ከምዚ ዝኣምሰለ ክብሪ ክረክብ: ድሕሪ እቲ ናይ ኣስታት 20 ዓመታት ተሳትፍኡ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ: ንኤርትራ ካብ ኢድ መግዛእቲ መንጢሉ ናብ ዋናታት ምምላሱ: ጕሓላሉ ጨወይቲ ክፍርዝኑ ምስረኣየ: "ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኣይኮነን ዕጭኡ: ብፍትሕን ዴሞክራስን ክመሓደር ኣለዎ!" ብምባል ንዝተቃለሰሉ ዕላማ እሙን ኮይኑ ስለዝተረኽበ: ካብታ ንእስነቱ ዘበርከተላ ሃገሩን: ንቡር ናይ ወዲሰብ ናብራ ከከናውን ብሂጉ ዝመስረታ ስድራቤቱን ውሉድን ክእለን: ዝተረፈ ዕድሚኡ ኣብ ስደት ክውድኦን ተፈሪዱ። እቲ ብዋጋ ሂወቱ ንኤርትራ እሙን ኮይኑ ዝተረኽበን ዘፍቀራን ውሉድ ኤርትራዊ ዝኾነ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም እምበኣር: ድሕሪ እዚ ኹሉ: ነታ ዝፈትዋ ሃገሩ ከምቲ ባህጉ ኮይና ከይረኣያ ኣብ ስደት ምሕላፉ ንኩልና ኤርትራውያን መሪር ሓዘን ኮይኑና ኣሎ። ብዛዕባ ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረሚካኤል ብዙሕ ዝበሃል ነገር እኳ እነተሃለወ: ኣብ ሓጺር ግዜን ብኸምዚ መገዲን ኣይከኣልን እዩ። ብመልክዕ መጽሓፍ ክሳብ ዝስነድን: ኣብቲ ዓቢ ምዕራፍ ሰውራ ኤርትራን ድሒሩ ዝሰዓበ ምዕባለታትን ክሳብ ዕለተ መስዋእቱን ዝተሓልፈ ዛንታ ታሪኽ ኤርትራ ደጊምና ክሳብ ንረኽቦን: በብወገንና ተሞኩሮና ምስ ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ከነካፍል ግቡእ እዩ።

ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም ፈለማ ብታሪኹን በቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝዝርግሖ ዝነበረ ጽሑፋትን የድንቖን ይከታተሎን እኳ እንተነበርኩ: ብቕረባ ክንፋለጥን ንዝተረፈ እዋን ክሳብ ዕለተ ሕልፈቱ ድማ ከም ውሉድን ወላድን ክንማኸርን: ልዕሊ ኹሉ ድማ እቲ ኣዝየ ዝፈተዎ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ክካፈልን ዘብቅዐት ሓንቲ ጽብቕቲ ኣጋጣሚ ተፈጢራ። ኣብ መወዳእታ ሓምለ 2016 "trust building" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ብ ሰልፊ ዴሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP) ዝተወደበ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዋዕላ እዩ። እቲ ብጉብዝንኡን ሮጊድ ድምጹን ጥራይ ዝፈልጦ ዝነበርኩ ተጋዳላይ: ቅድሚ ናብቲ ኣኼባ ምምጽኡ ሓሚሙ ስለዝነረ ደጋዊ ትርኢቱ ተቀይሩ ነበረ። ብኩነታት ጥዕንኡ እንዳሓሰብኩ ቀሪበ ተላለዮስ: ብቕጽበት ድማ ብተጋደልቲ ስድራይ ጀሚርና ናብ ሰውራን ታሪኹን ዓᎁቕ ዕላል ኣቲና። ስድራቤትይ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ምንባሮም ምስ ኣዕለልክዎ ንኣቦይ ይፈልጦ ብምንባሩ " ዋይ ወደይ: ንዓኻትኩም ድማ ኣርኪብልኩም እዚ ቃልሲ" ብምባል ብሓዘን ርእሱ ክንቕንቕ ይዝከረኒ። ካብታ መዓልቲ ጀሚርና ድማ ንነዊሕ እዋን ብቐረባ ክንተሓታተን: ንሰውራ እንዳልዓልና ከነዕልልን ክኢልና።
ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ከም ሰብ ወናኒ ብዙሕ ጽቡቅ ባህሪ ከምዝነበረ: ኣብቲ ብሓባር ዝነበርናዮ ግዜ ክግንዘብ ክኢለ። ኣብቲ ኣኼባ ብዕድመ ዝነኣስኩ ምንባረይ ጥራይ ዘይኮነ: ኣበርኩቶይ ውን ኣዝዩ ውሱን እኳ እንተነበረ: ኣብተን ሓጸርቲ ዝተዛረብክወን ነጥብታት ብተገዳስነት ርኢቶ ክህብን: ኣብ ገለ ይህቦ ዝነበረ ኣብነት ድማ ሽመይ ክሮቁሕን ምስረኣኹ:ዕድመን ተሞኩሮን ከይንዓቐ ክሳብ ታሕቲ ወሪዱ ንሰባት ግምት ዝህብ ሙቕሉል ሙኻኑ ተዓዚበ። ብተወሳኺ ኣብቲ ወዕላ ዘቕረቦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ: ዋላ እኳ ምርምራዊ ትሕዝቶ እንተነበሮ: ከቅርቦ ከሎ ግን ካብ ልቡን ከም ሓደ ኣፍቃሪ ኤርትራ ተቓላሳይን ኮይኑ: ልብኻ ብዝትንክፍ ቃላት ዝተሰነየ ብምንባሩ ኩሉ ተሳታፊ ብተመስጦ ክሰምዖ ርእየ። ተጋዳላይ ኣድሓኖም ክልተ ምሉእ ሓሳባት ከይወድአ ከሎ ካብ ዝጥቀመሎም ቃላትን ዘርእዮ ስምዒትን ንኤርትራ ማዕረ ክንደይ ከምዘፍቅራ ክትርዳእ ቀሊል እዩ። "ሕጂ ዘድልየና ዘሎ ናይ ቃልሲ paradigm shift እዩ" ብዙሕ ግዜ ዝደጋግማ ሓሳብ እያ። ኣብቲ ኣኼባ ንዝነበሩ መራሕቲ ጀብሃ ነበር: ሕጂ ድማ ፖለቲካዊ ውድባት ዝመርሑ ዝለዉ ኣካላት ብሽሞም ብምጥቃስ " ኪዱ ምስ እከለ ሕበሩ: ኣነ ድማ ምስ እከለ ክሓብር እየ: ሽዑ ኩልና ኣብ ሓደ ቁራዕ ንጥጠቕን ሓባራዊ ሓይሊ መስሪትና ሃገርና ነድሕን" ብምባል ነቶም ኣብ ጀብሃ ዝነበሩ እሞ ሕጂ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ውድባት ዘለዉ ክሓብሩን: ንሱ ድማ ምስቶም ናይ ህግ መራሕቲ ዝነበሩ ሕጂ ኣብ ቃልሲ ዘለዉ ክሓብርን: ኣብ መወዳእታ ድማ ኩሉ ተቃላሳይ ዝነበሮ ፍልልይ ንጎኒ ገዲፉ ኣብ ሓደ ባይቶ ክጥርነፍ ልመና ብዝተሓወሶ ቃና ልባዊ ጻዊዕት ከቅርብ ይዝከረኒ። ወላ እኳ ጥዕናዊ ኩነታቱ ኣብ ከቢድ ስምዒት ኣትዩ ክምድርን ክጭርሕን ዘየፍቅደሉ እንተነበረ: ብፍቅሪ ሃገሩ ዝነድድ ተጋዳላይ ስለዝነበረ ንኩሉ ጥዕናዊ ሽግራት ብምጽዋር ዕርቂ: ሓድነት: ፍትሒን ዴሞክራስን ብዓውታ ጨሪሕዎን። ጥዕንኡ ዘምጽኦ ጸቕጢ በቲ ኣብ መንጎ ዘረባ ብምዕራፍ "እህህ" ዝብል ከቢድ ናይ ምስትንፋስ ቃና ይርአ። ድሕሪ ናይ ኣስታት ሰሙን ኣኼባን ፈስቲቫልን ድማ ጥዕና ክረክብን ቃልሲ ተዓዊቱ ኣብ ሃገሩ ክሕንቅቅን ዘለኒ ትምኒ ገሊጸ ተፈላሊና። "እዚኣቶም ኣብዚ ዕድመ’ዚ ኣብ ከምዚ ክወድቁ ኣይግባእን ኔሩ: ብሂወቶም ከለዉ ዓዶም እንተዝሪኡ ጽቡቅ ኔሩ" ምስ ተጋዳላይ ኣድሓኖምን ካልኦት ነኽብሮም ተቃለስቲን ሓቢርና ምስተሰኣልና: ኣነን ናይ ቃልሲ ብጻይ ሰናይን ዝተዘራረብናዮ እዩ።

ድሕሪ’ዚ ኣጋጣሚ ኣብ ኣሜሪካ ስለ ዝነብር ርክብና ብተሌፎን እዩ ዝነበረ። መብዛሕትኡ ዕላልና ብዛዕባ ገድሊ ኤርትራን ወተሃደራዊ ግጥማትን እዩ ኔሩ። ተጋዳላይ ኣድሓኖም ካብ 1972 ክሳብ 1989 ንኣስታት 17 ዓመታት ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ስለዝነበረ ኣብ ብዙሕ ግጥማት ተሳቲፉ እዩ። ኣብ መወዳእታ ናይ ተሌፎን ርክብና ብዛዕባ ምድምሳስ ናደው እዝ ሓበሬታ ይእክብ ስለ ዝነበርኩን ንሱ ውን ኮምሽነር ክ/ሰራዊት 61 ኮይኑ ኣብቲ ኩናት ተሳቲፉ ስለዝነበረን: ንድሕረባይታን ውዕሎ እቲ ኩናትን ከዕልለኒ ነዊሕ ብተሌፎን የዕሊልና። ንእግረ መንገዱ ድማ ናይ ኣዛዚ ክ/ሰራዊት 61 ስዉእ ዓሊ እብሪሂም ኣሰዋውኣ ውን ኣዘንቲዩለይ። ተጋዳላይ ኣድሓኖም ንመቃልስቱ ስዉእ ዓሊ እብሪሂም ብሓበን ይዝክሮ ኔሩ። ተጋዳላይ ኣድሓኖም: ዓሊ እብሪሂም ምኩሕ ተዋጋኣይን ኣዛዝን ከምዝነበረ ይዛረብ። "ከም ኣዘዝቲ ናይ ክ/61 መጠን ነቲ ተዋሂቡና ዝነበረ ቦታ እንዳተበራረና ንመርሖ ኔርና። ድሕሪ ቁሩብ ዕረፍቲ "ዓሊ ንዓ ንስኻ ኣዕርፍ: ኣን ክቅጽሎ እየ ኢለዮ ናብኡ ምስ ተጸጋዕኩ: ዓሊ ‘ኣብ ታሕቲ ቁሩብ በርቲዔን ኣለዋ ዝሓሸ ቦታ ክንርኢ እሞ ክነግሮም’ ኢሉኒ ብግስ ኢሉ። ኣነን ሓላፊ ኣሃዱ ከቢድ ብረት ወዲ ስኞራን ድማ ተመራሪሕና ንስዕቦ። ሃንደበት ዝተተኮሰልና ደብዳብ ኣብ ሞነጎና ስለ ዝዓለበ: ኣነ ተወጊአ: ወዲ ስኞራ ወላሓንቲ ኣይረኸቦን: ንዓሊ ግና ሃስያቶስ መሰዊኢቱ ኮይና" ብምባል እታ ናይ መጨረሽታ ህሞት ብጻዩ ኣዘንትዩ። ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ወላ እኳ ኣብ ብዙሕ ኩናት ተሳቲፉ እንተኾነ: እቲ ንከዕልለሉ ዝፈትዎ ክፋል ታሪኽን: ኣብ ሰውራ ኤርትራን ድማ ዓቢ ትርጉም ዘለዎን ኩነታት ምዝላቕ እዩ ኔሩ። ሰውራ ኤርትራ ነቲ ዝተፈጥረ ምቅይያር ሓይሊ ጸላኢ ብኸመይ ተዓጻጺፍሉን: ካብ መጸሰብቦ ወጺኡ ናብ ዓወት ተሰጋጊሩን ብዓቢ ፍናን ይዛረበሉ። ዝበዝሐ ናይ ተሌፎን ዕላልና ወላ እኳ ታሪኽ ግድሊ ኤርትራ እንተነበረ: ብፍልጠት ውን ዕቑር ሃብቲ ሰለዝነበሮ ኣብ ካልእ መዳይ ከም ፖለቲካ: ሕብረተሰብናን ድሕረባይትኡን ብዙሕ ይምህረንን ኣብ ገሊኡ ድማ ኣብ ዲቕ ዝበለ ክትዕ ንኣቱን ኔርናን። ክንዮ ቃልሲ ኤርትራን ፖለቲካን: ነቲ መሰታይ ዝኾነ ፍረ ብረኩ ዉላዱ ዝረኸበ ግዲ ይመስሎ ኔሩ ከም ወላዲ ብዙሕ ማዕዳን ምኽሪን ይልግሰለይ ኔሩ።
ተጋደላይ ኣድሓኖም እምበኣር ኣብ ልቢ ኩሉ ዝተርፍ ዝኽሪ እዩ ገዲፉ ሓሊፉ። ኣብ ነኣሽቱ ከም ወላዲ: ምስ ዓበይቲ ከም መቃልሰቲ: ልዕሊ ኹሉ ድማ ዓቢ ሃገራዊን መራሒን እዩ ኔሩ። ብዙሓት ሃገራውያን ከም ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣድሓኖም: ነታ ምሉእ ሂወቶም ዝተቃለሱላ ሃገር ከም ትምኒቶም ኮይና ከይርኣይዋ ሓሊፎም እዮም። እዚ መሪር ዕጫ’ዚ ከብቅዕ: ህዝቢ ኤርትራ ራህዋን ሰላምን ክረክብ: ልዕሊ ኹሉ ድማ ሃገርና ዓዲ ፍትሒን ዴሞክራስን ኮይና: ብደቃ ክትህነጽን ክትምዕብልን: ሕድሪ ተጋዳላይ ኣድሓኖምን ኣሽሓት ስውኣትናን ክኽበርን: ሓላፍነትን ዕማምን ናይ ኩልና ኤርትራውያን ሙኻኑ ታሪኽ ተጋዳላይ ኣድሓኖምን ኣሽሓት ስውኣትናን የዘኻኽረና። በዚ ኣጋጣሚ ብሓፈሻ ኑኹልና ኤርትራውያን ዓቢ ሃገራዊ ብምስኣንና: ብፍላይ ድማ ነታ ንቡር ሂወት ክየሰተማቐረት ዝተወፈየት ስድራቤት ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረሚካኤል ኣብዚ ከቢድ እዋን ጽንዓት ይምነ።
ተጋዳላይ ኣድሓኖም: ከም ሰብ ንቡር ሂወት ከየስተማቐረ ንኣስታት ፍርቂ ዘመን ንኤርትራ ዘነበረ ናይ መትከልን ዕላማን ዓቢ ኣብነት እዩ!
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብሪን ንሰማእታት!
ወደብ ቴድሮስ
23.02.2021

 

Desta Ghebre

ኣድሓኖም ካብቶም ገዳይም ተጋደልትን መራሕትን እዩ ነይሩ። ንጅግንነቱ ብዝምልከት ክኣ ብዙሓት ክምስክሩሉ ሰሚዐ እዩ። ካብ ኩሉ ዝሰማዕኩዎ ምስክርነታት ግን ናይ ሓደ ብጻይና ኣባል ሃንደሳ መራሒ ጋንታ ዝነበረ ቅድሚ 8 ዓመታት ኣቢሉ ይኸውን ብሓደ ድራር እንዳ በላዕና ባዕሉ ዘዕለለኒ ምስ ሰማዕኩ፣ ኣድሓኖም ከመይ ዝበለ ሓያል፣ዓቃልን ውፉይ ጅግናን ከምዝነበረን ክርዳእ ክኢለ።ኣዝየ ድማ እየ ሓዚነሉን ደንጊጸሉን።ኣብቲ ዝነበረ ዕላልና ብዛዕባ እታ ሕብእቲ ሰልፊ ብዙሕ ሕቡእን ዘይተነግረን ኣርእስታት ኣልዒልና የዕሊልና ኢና። ብሓቂ ኣብቲ ውድብ ህ.ግ ዝነበረኒ ኣጠማምታ ምልክት ሕቶ ዘእተወ እዩ ነይሩ። ካልእ ንኻልእ ግዜ ገዲፈ ናብ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ክምለስ። ከም ንፈልጦ ኣድሓኖም ባዕሉ እዉን ዝገልጾ፣ ኣባል እታ ሰልፊ ኣይነበረን። እዚ ክኣ ሓደ ነገር ወይ ጸገም ከምዝነበረ ብቐሊሉ ከረድኣና ዝኽእል እዩ። ኣድሓኖም ብኹሉ መዳያቱ ምሉእ ከምዝነበረ ኩሉ ዝሰማምዓሉ ካብ ኮነ፣ ኣባል ሰልፊ ንምኻን እቲ ዝድለ መምዘኒታት እንታይ እዩ ነይሩ ዝብል ሕቶ ከነልዕል ክንግደድ ኢና። ናብ ቀንዲ ምስክርነት ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ብጻየይ ክወስደኩም እሞ ጽሑፈይ ክድምድም።" ኣባል ሰልፊ ስለ ዝነበርኩ፣ ንኣድሓኖም ክከታተሎ (ክስልዮ) ጸብጻብ እውን ከቕርብ መምርሒ ተዋሂብኒ። ብደረጃ ጽፍሒ ክርኣይ እንከሎ ኣይንመጣጠንን ኢና ኔርና፣ መምርሒ ስለዝኾነ ግን ክገብሮ ነይሩኒ። ኣብ ዝገብሮ ዝነበርኩ መጽናዕቲ ዝኾነ ኣሉታ ወይ ኣበር ክረኽበሉ ኣይከኣልኩን። ካብ ሰቡ ንላዕሊ ይዋጋእ የዋግእ፣ ኣብ ልዕሊ ብጾቱ ዝነበሮ ፌቕሪ ሓልዮት እቲ ካብ ሓደ ተጋዳላይን ሓላፍን እትጽበዮ መስፈሪታት ዘማልአ ሰብ ኮይኑ እየ ረኺበዮ። ጸብጻበይ ከረክብ ስለዝነበሩኒ ክኣ፣ ኩሉ እቲ ዝተዓዘብኩዎ ኣበር ዘይረኸብኩሉ ጸብጻብን ናተይ ርእይቶን ኣድናቖተይን ገሊጸ ጸብጻበይ ኣረኪበ።" ኢሉኒ።ካብዚ ንላዕሊ ምስክርነት የለን እመስለኒ። ንምንታይ ድኣ ኣባል ሰልፊ ክኸዉን ዘይበቕዐ ንዝብል ሕቶ ግን ናባኹም እገድፎ። ብርግጽ ግን ኣበር ዘይብሉ ሰብ ኣባል ሰልፊ ከምዘይከውን ብሩህ እዩ።ብሰላም ዕረፍ ክቡር ብጻይ

 

Tedros Tecle
5tlSeponslohredr  · 
ምስ ኣምብሳደር ኣድሓኖም ኣብ 1975 ወርሒ ኣርባዕተ ኣብ መጨረስታ ኩናት ርእሲ ዕዲ፡ ጸላኢ ካብ ከባቢ ካርንሽም ከርሕቐናን ብፍላይ ድማ ነታ ማእከል መራኸቢ ዝነበረት ጎቦ ርእሲ ዕዲ ንምቁጽጻር ኣብ ዘካየዶ ወፍሪ ኢዩ ዝነበረ ፍልጠትና። ኣብቲ እዋን ጽላኢ ብዓዲ ንፋስ፡ ኻዜን ፡ ሰለሙና ስለ ዝወፈረ ነቲ ሓይሊ ንድሕሪት ንምምላስ ደቂ ኣራዊት(ፈዳይን) ኣስመራ ኣቲኻ ራዕድን ሸበራን ናይ ምግባር ዕማም ተዋህቦ።

ነዚ ዕማም ንብትግባር ደቂ ኣራዊት ተውሳኺ ሓይሊ የድልዮም ስለ ዝነበረ ፡
ኣድሓኖም ኣብቲ እዋንቲ መራሕ ሓይሊ ሓንቲ መስርዕ ኣርፒጂ ዝሓዘት ንከም በዓል ብርሃነ ኣፍሮ፡ ተኽለማርያም ራሻይዳ ዝኣመሰሉ ሓያላት ተጋደሊ ሒዙ ኢዩ ዝተሓወሰና ፡ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ክሳብ እቲ ውድብ ብበጦሎኒ ዝውደብ ብሓንሳብ ጸኒሕና፡ ኣብዚ እዋንዚ ድማ ኢየ ኣጸቢቐ ንድሓኖ ክፈልጦ ዝኻኣልኩ።

ኣተን ናይ መጀመያ ሰሙናት ጽላኢ ንድሕሪት ንምምላስ ዘካየድናዮም ስርሒታት፡ እንዳ መረንጊ(ፋብሪካ ጥርሙዝ) ደቦዚቶ ፡እንዳመሎቲ ምስ ትጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብሓድሽ ወልደገግሽ እትምራሕ ካብ ዓዲ ጋዕዳድ ብሮከት ሓይሊኣየር ምራም ዝኣመሰሉ ነይሮም ከምቲ መደብ ድማ ጸላኢ ቀልጢፉ ነስመራ ከም ዝምለስ ኮይኑ።
ኣዚ ግዜዚ እተን ክልተ ውድባት ክሰምራ መጀመርታ ክፍልታት ብሓንሳብ ይስርሓ ተባሂሉ ስለ ዝነበረ ኣብ ከባቢ ሰሓርቲ ምስ 104 እትብሃል ክፍሊ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ብሓንሳብ ንሰርሕ ነርና ኣብዚ ታራ ናይ ኣድሓኖም ኣብ ዘተ ፖለቲካዊ ክተዓትን ዓቢ ተራ ነሩዎ።
ኣብዚ ዘይርስዓኒ ኣድሓኖም ኣብ ምምዕባል ፖለቲካዊ ንቕሓት ናይ ተጋደልቲ ዝነበሮ ተራ ልዑል ኮይኑ ግን ኩሉ ግዜ በቲ ላዕለዋይ መሪሕነት ጸቕጢ ምክትታል ይግበረሉ ነይሩ ናዚ ክልተ ኣብነታት፡ ኣብ ማሕፉዳይ ዘቐመጥኩዋ ብማዎ ብእንግሊዝ ዝተጻሕፈት ህዝባዊ ቕዲ ኩናት (On people's war)ትብል ንእሽቶ መጽሓፍ ነራትኒ ነዚኣ ኣንቢቡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ዘይመልእ ንሱን ብርሃነ ኣፍሮን ኮይኖም ናብ ትግርኛ ተርጊሞማ ኩላትና ቀዲሕናያ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ግን ብትእዛ መሪሕነት ተኣኪባ ተቓጺላ።
እታ ካላኣይቲ ድሕሪ ምቓም በጦሎኒታት ወርሒ ሸውዓተ 1975 ቀዳማይ ዙርያ ካድር ኣብ ዝተጀመረሉ ግዜ ኣድሓኖም ካብታ ቦጦሎኒ ናቱ ሰባት ኣዋጺኡ ፖለቲካዊ ንቕሓት ናይ ተጋደልቲ ክብ ንምባል ክምህር ምስ ጀመረ ካድር ድርፎ ተባሂላ ብትእዛዝ መርሕነት ከም ትፈርስ ተገይሩ።
ኣድሓኖም ብባህርያቱ ህዱኣን መተውዓልን ኢዩ ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢዩ ድማ ንኹሉ መሰናኽላት ዝብድሆን ዝሰግሮን ዝነበረ።
ኣብ ኩናት ኣንተኾነውን በሊሕ መራሒ ኢዩ ኣብ ብዙሕ ዓውደ ውግኣት ዝተዋግኤን ዘዋግኤን ሓርበኛ ኢዩ ነይሩ።
ኣድሓኖም ተዋዛያይ ኢዩ ነይሩ እውን

ሓደ ግዜ ኣብ ዓላ ኢዩ እንዳ ተዋዘና ከሎና ስቕ በል እስከ እዛ ስምካ ኣይፈትዋን ኢየ ይብለኒሞ ዋእ ስመይ እንታይ ኮይና እብሎ "ረ" ስለ ዘላታ ይብለኒ
ድሕሪ ናጽነት ንሱ ካብ ናይጀርያ ኣብዚ ዝነብረሉ ዕዲ ይመጽሞ ኣብ መንጎ ዕላልና ኣብ ናይጀርያስ ኣንታይ ትምገብ ኣሎኻ ኢለ ይሓቶ ሕማሙ ስለዝፈልጥ፡
ቕጫ ይብለኒ እዋእ መን ደኣ ይቕጭቅጨልካ ኢለ ምስ ሓተትኩዎ ነቲ ኣውቲስታይ ምቕጭቃጭ ሚሂረዮ ምስ በለኒ እሞ ጋና ኣብ ገድሊ ኢኻ ዘሎካ ተበሃሂልና ንስሕቕ።
ናይ በሓቂ ኣድሓኖም ካብ ህይወት ገድሊ ከይወጸ ሕድሪ ብጾቱን ስዋቱን ኣኽቢሩ ሓሊፉ እወ ሓሊፉ ዓቢ መምህር
ሓሊፉ ኤርትራና ከሲራ

ኣድሓኖም እግዚኣብሄር ኣብ ሕቕፎኡ ይቀበልካ ንስድራ ድማ ጽንዓት ይሃብ።
ቴድሮስ ተኽለ +

 

ሠሎሞን ዮውሃንስ
 
.
 
ገድልን ገደልን ኣሕሊፍና፡ ድሕሪ ገድሊ ዘሎ ገደል እንዶሞ ከፊኡና


መስርሕ ገድሊ ካብ ሕሳስ ልደ ክሳብ ቦኹሪ ገዛን ኣቦን ኣደን ከይተረፈ በሊዑ። ነዚ ርዝነት መስዋእትን ባህጊ ህዝብና ዝምጥን ውጺኢት ድማ ፍጹም ኣይተረኽበን።
ሎሚ ቅነ ከም ዝርእናዮ ዘጉሂ መስዋእቲ ናይ ሓርበኛ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገረማርያም ካብቲ ኣዝዩ ብዙሕ ዘጉሂ ሓደ ኣብነት እዩ።
ኣነ መጀመርያ ንኣድሓኖም ብወረ እንበር ብኣካል ዝፈልጦ ዝነበርኩስ ንዓቢ ሓው ስውእ ሓጎስ ገረማርያም እዩ። ሓጎስ ኣብ 1977 ኣብ ሓራ ከተማታት ኮይኑ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ እዩ ዝነበረ። ሓጎስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲት ወዲኡ ማስትረት ግይሩ ካብ ስራሕ ዓለም ናብ ሜዳ ተሰሊፉ። እንተ ዘይተጋግየ ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ኣሃዱ እንዳ 4 ኣብ ናይ ብርጌድ ቁጦባ እዩ ነይሩ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ወትሃደራዊ ምዕባለ ሰውራ ሓይልታት ኤርትራ ንመጀርያ ላዕላዋይ ኢድ ዝጨበጠሉ ዝነበረ ግዜ እዩ ነይሩ። ብጀካ ወደብ ዓሰብ፡ ኣስመራ ድማ ኣብ ከበባ ኣትያ ወደብ ባጽዕ 'ን ፍርቃ ሓራ ወጺኣ ዝነበረትሉ፡ ሞራል ናይ ሓርነት ህዝብና ሰማይ ዓሪጉሉ ዝነበረ ግዜ እዩ።

*ለሚን ለሚነይ.....ኣብ ዓላ ተርእዩ ምስ በሉኒ ነዛ ዓይነይ ክርእዮ ሎሚ ጽባይ ኣይበልኩን
ዓላ ኣትየ እንተ ኣጣያቁ ግን ብቀሊሉ ኣይትረክቦን ኢክን ኣይትድከሚ ....ትብል ናይ ወዲ ትኹል ደርፊ ግን ኩሉ ግዜ ምስ ታሪኽ ናይ ሓጎስ እየ ዘተኣሳስራ።
ኣደይ ኣኽበረት ሰበይቲ ኣቦይ እንባየ ገረማርያም ካብ ኣስመራ ምስ ሓፍታ ንንእሹተይ ሓሙታ ሓጎስ ገረማርያም ክትረክብ ካብ ኣስመራ ብኽንደይ መከራ ጉዕዞ ብእግረን ናብ ደቀምሓረ መጺኤን። እንተ ኾነ ግን ስውእ ሓጎስ ከም ዚ ሎሚ ንስምሃር ተበጊሱ፡ ብዓል ኣደይ ኣኽበረት ድማ ንጽቢሒቱ መጺኤን። ኣይትረኽብኦን ኢኽን ኪዳ ተመለሳ ተባሂለን። ኣደይ ኣኽብረት ዝርንዝሕ ክትነብዕ ይዝከረኒ። እዞም ሩጉማት ቀበሌ "ይለፍ ወረቀት" እንተ ዘየዳናጉዩኒስ መርከብኩዎ ነይረ ነዛ ዓይነይ ስኣን ሓንቲ ሓንቲ ምዓልቲ ኣቀዲመ ምምጻእ እናበልት ኣልቀስት። ገለ ኣይፍለጥን ኣብ ዓላ ከይደ ከጣይቅ ኢላ ንዓላ ወሪዳ ከየርከበቶ ብጉልዒ ገይረን ንኣስመራ ተመሊሰን። ሓጎስ ግን ኣይጸንሐን ኣብቲ ኣድሓኖም ዝኣልዮ ዝነበረ ኩናት ሰምሃር ኣብ ባጽዕ ተሰዊኡ። ናይ ስውእ መምህር መሓሪ ገረማርያም ከምኡ ኣብ ኣድሓኖም ዝኣልዮ ስሪሒት ይሳተፍ ምንባሩ ድማ ናይ ታሪኽ መዝገብ ዝገንጸለ ዝንብቦ እዩ።
እዚስ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዘመነ ደርጊ ብሰንኪ ናይ "ይለፍ ወረቀት" ምድንጓይ ዝልኣለም ምፍልላይ ምስ ስውእ ሓጎስ ገረማረያም ኮይኑ ኣደይ ኣኽበረትን ኮይኑ።
ናይ ሎሚ ገደደ ድሕሪ ገድልን ገደልን ዝስዓበ፡ ናጽነትና ጽንተት ኮይኑ ኣብ ዘመን ዩሁዳ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ፡ ዝወርደና ዘሎ ኣደራዕ ስቃይ ማእለያ የብሉን። እዚ ድማ ካብ ብዙሕ ሓደ ኣብነት ናይ ስድራ ቤት እንዳበይ ባሻይ ገረማርያም ንምጥቃስ ይካእል።
ሎሚ ድማ ስቃይ ናይ ስድራ ቤታት ውርሻ ኮይኑ። ካብ ናይ ስውእ ሓጎስ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ኣድሓኖምን ደቁን ን20 ዓመት ሃንቀው እናበሉ "ይለፍ ወረቀት" ከይረኸብን ከይተራኸብን ሎሚ 'ን ኣምባሳደር ኣድሓኖም ሓሊፉ።
ኣብ መፋርቅ 80ታት ብኣካል ምስ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ንመጀመርታ ዝረኽብኩሉ ቦታ ኣብ ናቅፍ እዩ ነይሩ።
ናብ ናቅፋ ኽንጓዓዝ ኣብ መንገዲ መኪና እንዳ ተጸብኹ ሓደ ቆልዓ ኣብ ጥቃይ ኮፎ በለ። ብመን ስምካ ዝጀመረ ዕላል፡ ዝረኸብኩዎ መልሲ ግን "ገድልን ገደል" ንኽትብል ዘድፍር እዩ ነይሩ መልሱ። መቀጸልታ ስሙ ንሰውራ ጋሻ ምኻኑ ነገረኒ። ካበይ ምጺእካን ከመይ ኢልካ መጺእካ ዝብል ሕቶ ተገሪሀ ንግዜ መጸበይ መኪና ክኾነኒ ኢለ ዝሓተትኩዎ እዩ ነይሩ።


እንተ ኾነ ግን "ገድልን ገደልን" ግርም ገይሩ ተሰወጠኒ። ነገር ቆልዓ ሰገጥ ከይበለ ኩሉ ኩነታት ጉዕዙኡ ዘርዚሩ ኣዘንተወልይ። ኣብ ሜዳ ምስ መጸ ድማ ኣብ ዝጋጦም ደብዳብ ከብዱ ተወጊኡ ካብ ሞት ተሪፉ። ብተመስጦ ዕላል ገዛናን ጉዕዞ ንናቅፋና ቀጺልና።
ካብ ኣስመራ ንዝነበሮ ኣመጻጽኣ ጉዕዝኡ ከመይ ከም ኣብ ዝዘንተወልይ ግዜ ወዝቢ ዝመስል ዕላል ናብ ዲቅ ዝበለ ተቀይሩ። ዓባየን ሓትነይን ብሂወተን ምህላወን መን ሙኻነይ ከይሓተተ ኣዘንተወለይ። ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚ ሎሚ ንካልኣይ ግዜ እዩ ገጢሙኒ። ካብ ዛ ሓንቲ ሓትነይ ትብላ ዘለካ ተጋደልቲ ደቃ ኣለውዋ ዶ ክብል ሓተትክዎ። እወ ግን ብኣካል ኣይፈልጦምን እየ፡ ብስእሎም ጥራይ እየ ዝፈልጦም። ኣስማቶም ድማ እከለን እከለን ኢሉ ብመጀመርታ ስመይ ረቆሐ። እሞ ድኣ እዚ ትብሎ ዘለካ ኣነ እንድየ ምስ በልኩዎ ድማ ሰገጥ በለ።
ሕጂ ድኣ ናቅፋ ናበይ ትኸይድ ኣሎኻ። ካሕሳይ እንባየ ሓወይ ኣብ ኡ ኣሎ ክብጽሖ እየ ዝኸይድ ዘለኩ። ሓውቦይ ኣድሓኖም እውን ኣብኡ ኣሎ በለኒ። ኣነ ምስ ካሕሰይ ድሕሪ 1975 ምስላፉ ንመጀመርያ 1977 ኣብ ደቀምሓረ ተራኪብና ነይርና። ብሕሪኡ ግን ድሃዩ ዝብሃል ኣይነበረን። ናይ ካሕሳይ ዘይሃስስ ትዝታይ ድማ ዕድመ ንመንደቅ ገዛና። ምኽንያቱ ድማ ነባሪ ምስሊ ስእሉን ካልኦን የሕዋተይ ዘተስቅሎ እዩ ካብ ኣእምሮምይ ዘይጠፍእ ትዝታ ዝተቀርጸ።
ኣብ ናቅፋ በጺሕና። ንሃደሽደሽ ኣምሪሕና ኣብኡ ዝነበረት ቦጦሎኒ ኣሃዱ እንዳ 85 ምስ ኣ ካሕሳይ ከም ዘሎ እዩ ሓበሬታ ሒዙ መጺኡ እዩ ሚኺኤል (ኣራንቺ)።ካሕሳይ ኣዝዩ ጎታን ጽጉሩ ዱልዱል መንእሰይ ዝነበረ በሪሑን ቆሞንኡን መልክዑን ተቀይሩ። ብጀካ እቲ ክዳን ዝሽፈኖ ስንክልንኡ ካብ ክልተ ዓይኑ ሓደ ዓይኑ በጅዩ (ወፍዩ) ፍጹም ከላልዩ ኣይካኣልኩን። ሚኪኤል ግን ነቲ ዘይፈልጦ ሓዉ ብማዕዶ ስግር ሩባ እቲ እዩ ካሕሳይ ሓወይ ብምባል ፍልዩ ካብቲ ኣብ ከባቢ በለስ ዝነበሩ ተጋደልቲን ኣመልከተለይ። ኣነ ግን ኣይኣመንኩን። ኣነ ካብ ዕላል ናይ ገዛና እንበር ዝጽንሓኒ መልክዑስ ፍጹም ካልእ ሰብ ኮይኑ እዩ ጽኒሑኒ።


ድሕርና ድማ ናብ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ኣብቲ ጥቁኡ እዩ ነይሩ ናይ ክ/ሰ 85 ቤት ጽሕፈት ኬድና። ኣዕሊልና ንካሕሳይ ረኺብክሞ ዶ፧ ኣላሊካዮ ዶ፧ ክብል ሓተቶ። እወ ክብል ሚኪኤል መሊሱ። ኣነ ድማ ይገርመካ እዩ ምሓልፎ ኣነ ጋግየዮ በልኩ። ድሕሪ ናይ ዓይኑ መውጓእቱ ንመጀመርያ ሎሚ እየ ዝረኽቦ ዘለኹ በልኩዎ። ኣጋጣሚ ኣድሓኖም ዓይኑ ተሓኪሙ እዩ ጽኒሑና። ትቅብል ኣቢሉ እናስሓቀ ኣነ ከም ሓውኻ ኣይኮንኩ፡ ጥይት በየን ከም ትመጻኒ እናረእኹ ዝዋጋእ። ከም ሓውኻ ኣይዓውርን እየ እናበለ ተዋዘየና።
ኣብ ዛ ምሸት ነዛ ካሕሳይ እንባየ ወዲ ሓው ዘላታ ቦጦሎኒ ጠርኒፉ ንስሪሕት ድሕሪ መስመር ጸላኢ ንምክያድ ኣድሓኖም ተበጊሱ። ምስ ካሕሳይ ዳግማይ ኣብ ናጽነት ኣብ ኣስመራ ተራኺብና።
ሎሚ ድማ ኣብ ዚ ሕማቅ እዋን ምፍናው ናይ ሓርበኛ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ኮይኑ። መወዳእት ስነስርዓት ስንብትና ዕረፍቱ ንምኪኤል እንባየ ( ኣራንቺ) ቴሌፎን ደዊለ ጽንዓት ይሃብካ ክብል ደዊለ።
ዝሃብኒ መልሲ ድማ ናይ ኣድሓኖም መንገዲ ጽብቅ እዩ። ቁርብ እቲ ዘሕዝነካ ፍረ ቃልሱን ደቁን ብዘይ ምርኣዩ እዩ፡ እንበር መሳትኡ ኣብይ ድዮም ዘለው፧ ኣይ ብዓል በራኽን ብርሃነ ገረዝጊሄርን ኩሎም መጋድልቱ ኣብይ ድዮም ዘለው ክብል ተመሊሱ ኣጻናንዓኒ።
ስውእ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ብጾቱን G15 ሃገር ከዲዕም ተባሂሎም ካብ ዝተወንጀሉ ሓደ እዩ። እሞ ኣድሓኖም ነቶም ንናጽነትን ልእላውነትን ዝኸፍሎም ኩሎም ብጾቱን ኣሕዋቱ ስውኣት ሓጎስን መምህር መሓርን ተስፋይ እንባየን ኣልኦት ኪሒዱ ዝብልና መን ድኣሎም፧ ኣቤት እሞ ኽኣ ደቆም ሓቁፎም ከድዓት እንካ በልዎም።


ንሓርበኛ ስውእ ኣንባሳዶር ኣድሓኖም ገረማርያም መንግስተ ሰማይ የዋርሶ። ንብዓልቲ ቤቱን ዮዲትን ደቁን፡ ሙሉእ ቤተ ሰብ ከም እውን ንኹሎም መቃልስቱን መጋድልቱን ዝተቃለሰሉ ህዝቢ ኤርትራ ጽንዓት ይሃበና ፈጣሪ።
ክብርን ዝክርን ንስውኣትና።
ሠሎሞን የውሃንስ
03032021

ኣብ ገነቱ ይቀበልካ: ኣድሓኖም
ብመስፍን ሓጎስ
   27.02.2021


ኣድሓኖምን ኣነን መጀመርታ ብኣካል ዝተራኸብናሉ፡ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ድሕሪ ምጽንባሩ፡ ኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ምስ ገበረ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1972’ዩ። ዓየት ኣብ ዝተባህለ፡ ኣብ ውሽጢ ዶብ መሬት ሱዳን፣ ምዕራብ ካብ ቓሩራን ሰሜን ካብ ጎቦ ደንቦብየትን። እዋኑ፡ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ጽዕጹዕ ደረጅኡ ዝነበረሉን፡ ንህዝባዊ ሓይሊታት ኣዝዩ ፈታኒ ህሞትን። ካብ ከባቢ መወዳእታ 1971 ዓም ክሳብ ዝተጠቕሰ ግዜ፡ ብስራሕ ወጻኢ ካብ ኤርትራ ስለ ዝነበርኩ፡ ምስ ኣድሓኖም ብኣካል ኣይተራኸብናን።  
ኣድሓኖምን ምስኡ ናብ ቃልሲ ዝተጸንበሩ ናይቲ ግዜቲ መንእሰያትን፡ መብዛሕትኦም ኣብ 20ታት ዕድመ ዝነበሩ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ስርሒት ክሳተፉ ብዙሕ ዕድል ከይረኸቡ ኲናት ሓድሕድ ነቲጉ። ሺሕ ሓው ንሓው ዝተዳመዩሉ ዘጒሂ መድረኽን ፍጻመን እንተ ነበረ፡ ኣድሓኖምን ብጾቱን ገለ ካብቶም ቀጻልነት ህዝባዊ ሓይሊታት ዘውሓሱ ምሁራት ሃገራውያን ሓርበኛታትዮም።  ሳላ ኣብ ሜዳ ካብ ዝጸንሑዎም ተጋደልቲ ዝተገብረሎም ምትሕግጋዝ፡ ንኲናት ሓድሕድ ክገጥሙዎን ክለማመዱዎን ነዊሕ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኲነታትየ መጀመርታ ንኣድሓኖም ፈሊጠዮ። ኣብ ናይ መጀመርታ ኣብ ውግእ ተሳትፎኡ ዝነበሮ ህርኩትናን ትብዓትን ኣቓልቦ ብዙሓት ስሒቡ። ኣብቲ ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝኸውን ዝተኻየደ፡ 11/5/1972 ዓም፡ ኣብ ዓየት ዘጋጠመ ውግእ፡ ብኣጋጣሚ፡ ምስ ኣድሓኖም ኣብ ሓደ መከላኸሊ ዕርዲ ተራኺብና። በቲ ዘርእዮ ዝነበረ ንጥፈትን ትብዓትን ከኣ፡ ኣብ ናይ መጀመርታ ውግእ ዝሳተፍ ዘሎ ይመስል ኣይነበረን።

ኣድሓኖም ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲን ድሕሪኡን ዝነበሮ ተመክሮን ኣበርክቶን ብዙሕን ልዑልንዩ። ኣብ ግዜ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ እተን ናይ መወዳእታ 3 ዓመታት እንተ ዘይኰይነን፡ ንሰንውን ብሰንኪ መውጋእቲ፡ እቲ ካልእ 16 ዓመታት ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ኣሕሊፉዎ። እተን ናይ መወዳእታ ሰለስተ ዓመታት ወጻኢ ካብ ተዋጋኢ ሰራዊት ዘሕለፈን ድማ ኣብ ክፍሊ ንግዲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዘገልገለለን ኢየን።    
ኣብ ግዜ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ኣብ ሜዳ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ካብ ዘበርከቶ፡ ከም ሓደ ካብ ዝለዓለ ክፋል ኣበርክቶኡ ጌረ ዝዝክሮ፡ ኣፍልጦ ፖለቲካዊ ቃልሲ ተጋደልቲ ህዝባዊ ሓይሊታት ኣብ ምብራኽ ዝነበሮ ልዑል ተራዩ። ንሱ ከኣ፡ ምንዳፍሰነድ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ንተጋደልቲነይሩ። ኣድሓኖምን ሓቢረሞ ዝመጹን፡ ከምኡውን ካልኦት ኣብቲ እዋን ኣብ ቃልሲ ዝተሳተፉ ምሁራት ተጋደልቲ፡ ወኒ ቃልሲ ተጋዳላይ ናብ ሓድሽ ደረጃ ብራኸ ክድይብ ዘኽኣለ ሓድሽ ሃዋሁ ኣብ ምፍጣር ዝተጻወቱዎ ተራ ኣይርሳዕንዩ። ኣብ 1972 ገረግር ሱዳን ኢልና ንሰምዮ ኣብ ዝነበርና ቦታ፡  ህዝባዊ ሓይሊታት ኣደልዲሉ እግሪ ከይተኸለን፡ ህላወኡን ቀጻልነቱን ኣብ ምልክት ሕቶ ኣብ ዝነበረሉን፡ ስለምንታይ ንቃለስ? ብከመይ ኣገባብከ? ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ነቲ ድሕሪኡ ክሳብ ግዜ ምርግጋጽ ናጽነት፡ በብደረጃ እናማዕበለ ኣብ ግብሪ ዝወዓለፖለቲካዊ ትምህርቲ ንተጋደልቲ ብለይቲ ዘተታት ብምክያድ ዝንደፈሉ፡ ብቀትሪ ድማ ንተጋደልቲ ኣስተምህሮታት ዝወሃበሉ፡ ዝነበረ ወቕቲ ነይሩ። ብማዕረዚ፡ ኣብ ውሽጢ ተጋደልቲ መሃይምነት ናይ ምጥፋእ ዘመተ ብዘይ ዕረፍቲ ዝተሰርሓሉ ግዜዩ።
ዓቕሚ ፊናንስ ናይ ውድብ ስለ ዘየፍቅድ ዝነበረ፡ ወረቐት ይኹን ርሳስን ፒሮን ብርቂ ኢዮም ነይሮም። ኣብ ክንድኦም፡ ብገለ ኣጋጣሚ ክርከብ ይከኣል ንዝነበረ መጠቕለል ኣቚሑ ባኮታት፡ ንሱ ክሰኣን ከሎ ከኣ ጸፋሕቲ ኣእማን ካብ ከባቢ መውዓሊ ናብ ቦታ መምሃሪ ብምቕራብ፣ ከም ወረቐትን ሰሌዳን፣ ናይ ዕንጨይቲ ፈሓም ድማ ከም ፒሮን ርሳስን፡ ጌርና ንጥቀመሎም ዝነበርና ግዜ ነይሩ። እዚ እኩብ ናይ ሓባር ጻዕሪ፡ ንህዝባዊ ሓይሊታት ካብ ተጻብኦ ኣብ ምክልኻል፣ ሓድሕዳዊ ሓልዮትን ሓድነትን ኣባላቱ ኣብ ምዕቃብን ምሕያልን፣ ካብ ኣብ ጸቢብን ውሑድ ህዝቢ ዝነብረሉን ከባቢ ምጭባጥ፡ ናብ ሰፊሕን ብዙሕ ህዝቢ ዝርከበሉን ከባቢታት ክዝርጋሕ ኣኽኢሉዎ። እዚ ጥራይ ኣይኰነን፡ ድሕሪኡ ኣብ ዝነበረ ግዜውን፡ እዚ ጅማሮዚ፡ ህዝባዊ ሓይሊታት ሓርነት ኤርትራ (ናይ ደሓር ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ) ንህዝቢ ኤርትራ ወዲቡን ኣኽቲቱን ኣብ ቃልሲ ከሳትፍ፣ ንዓቕሚታቱ ብጽፉፍ ውደባን ኣድማዕነትን ክጥቀመሉ፣ ውሑዳት ተወዳደርቲ ዝነበሩዎ ስርዓተ ውደባን ምምሕዳርን ኣብ ሓራ ገጠራት ኤርትራ ክምስርት፣ ብዓቕሚ ሰቡን ኣጽዋሩን ብዓሰርተታት ዕጽፊታት ንዝበልጾ ጸላኢ ክምክትን ክስዕርን፣ ኣኽኢሉዎ። ኩሉዚ፡ ውጽኢት ውህሉል ተሳትፎን ኣበርክቶን ናይ ኣድሓኖምን ካልኦት ሓለፍቲን፡ ኩሎም ኣባላት ናይቲ ውድብንዩ።

ድሕሪ ናጽነት፡ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ፡ ዋና ኣኽባር ሕጊ፡ ከምኡውን ኣምባሳደር፡ ኮይኑ ንሃገሩን ህዝቡን ኣገልጊሉ። ኣድሓኖም፡ ንመሰል ዜጋታት፣ ንፍትሒ፣ ንምርግጋጽ ግዝኣተ-ሕጊን ምስረታ ቅዋማዊ ስርዓትን ዘካየዶ ዘይሕለል ቃልሲ ኣብ ቃልዕን ንኩሉ ፍሉጥን ስለ ዝዀነ ክሰግሮየ። ነዞም ዕድሜና ምሉእ ዝተቓለስናሎም መትከላትን መሰላትን ክዉን ንምግባር ብትብዓትን ብዘይ ምሕላልን ረዚን ዋጋ ካብ ዝኸፈሉ ኣብነታውያን ሓደ ምዃኑ ጥራይ አስምረሉ።
ከም ኩሉ ፍጡር፡ ሰብ መዋቲዩ። ከም ሓቂን ብምድግጋም ንብሎን ከኣ፡ ታሪኹ ነባሪ። መወከሲ መጻኢ ወለዶታት። ስለዚ፡ መስዋእቲ ኣድሓኖምን ካልኦት ቀንዴላት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ ሃንደበትን ትጽቢት ዘይተገብረሉን ኣይኰነን። ሓድሽን ሰብ ዘይጽበዮን ግን፡ ኣድሓኖምን ከምኡ ዝኣመሰሉ ኣርማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝዀኑን፡ ንቡር፡ ኣብ መንጎ ስድራ ቤታታቶም፡ ኣብ ትሕቲ ክንክን ተቓሊሶም ዝመስረቱዎ ሃገርን መንግስትን፡ ከምኡውን ህዝቢ፡ ብሰላም ክዓርፉ ዘይምኽኣሎምዩ። ኣብ መወዳእታ ናይ ዕድሚኦም ክኽፈሉዎ ዝግብኦም ጻማ እዚ ነይሩ። ነዚ ዘይምርካቦም ጥራይ ኣይኰነን። ኣድሓኖምን፡ ድሓኖም ዝኣመሰሉ ጀጋኑ ናይ ሓርነት ቃልሲን፡ ቃልሲ ንፍትሒን፡ ክሳብ መቓብሮምን፡ ስርዓት ኢሳያስ ክሳብ ዘሎን፡ ብሕላገት ጥልመትን ክሕደትን ምግላጾምዩ። ኣይኰነንዶ እዞም ኩሉ ዘለዎም ንሓርነት ህዝቢን ንናጽነት ሃገርን ዘወፈዩ፡ ዝዀነ ካልእ ሰብውን ድሕሪ ሞቱ ኣይክሰስን፥ ኣይዋረድን ዝብል ክቡር ባህሊ ኣሎና። እዚ ግን ንስርዓት ህግደፍን ተለኣኣኽቱን ጽውጽዋይ ኰይኑ። ይኹንምበር፡ እዚኦምን ከምኦም ዝኣመሰሉ ደወንቲ ሕላገታትን፡ ንምርግጋጽ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ፍትሒን ዲሞክራሲን፡ ሓቂን ዕርቂን፡ ኣብ ኤርትራ ንምምጻእ ንዘሎና ቆራጽነት ኣሐይልና ሸቶና ክንወቅዕን፡ ውሳነና ኣከያይዳናን ብቀጻሊ ክንግምግምን ከነሐድስ ክንጥቀመሎምንምበር፡ ንመንፈስና ዘዳኽሙ ኣይኰኑን።

ኣድሓኖም ግን፡ ናብቲ ዓቢ ቃፍላይ ስዉኣት ተጸንቢሩዩ። ኩልና ብሂወት ዘሎና፡ ንቐልጥፍ ንደንጒ ብዘየገድስ፡ ንጎዓዘሉን ንጽንበሮን መስመር ጉዕዞ ድማዩ። ኣድሓኖምን ታሪኹን ንቃልሲ መጻኢ ወለዶታት ደረኽቲዮም። ኣድሓኖምን ካልኦት ቀዲሞም ዝሓለፉ ተቓለስቲን፡ ዝተቓለሱሎም ዕላማታት ናብ ሸቶታቶም ናይ ምብጻሕ ሓላፍነትን እጃምን፡ ናትና፡ ናይዞም ድሕሪኦም ጸኒሕና ዘሎና መቃልስቶምን፡ ብዓቢኡ ከኣ፡ ናይ ድሕሬና ዘሎ ወለዶታትዩ። ክንከፍሎ ዘሎና ናይ ሕልና ዕዳ ስለ ዝዀነ።
ንኣድሓኖም፡ እግዚኣብሄር ኣብ ገነቱ ይቀበሎ፣ ንስድራ ቤት ኣድሓኖም፡ ብገፊሑ ከኣ ስድራ ቤት እንዳቦይ ባሻይ ገብረማርያም፡ ጽንዓት ይሃቦምን ጠሊ/ራሕሲ ይግደፈሎምን።    
መስፍን ሓጎስ              
 

 

Eulogy-Honor-Adhanom-Ghebremariam-Mesfin-Hagos

Mesfin Hagos entrusted me to read this eulogy at Adhanom’s funeral but for reasons that are not known
to me, and possibly would not and could not understand, I was not able to do so. The second-best thing

I can do is to take the liberty of translating it into English, and give it, hopefully, an even wider audience.
The original Tigrinya version will most likely appear in other websites, but this English translation, as
Awate’s established practice and rules require, would be at my column at Awate only.
(Ambassador Haile Menkerios and Mr. Muhyiddin Abubaker Shengeb had also asked me to express their
appreciation to their fellow Eritreans who had come to honor Adhanom and pay their last respect and to
express their condolences to Adhanom’s families, friends, and the Eritrean people at large. Ambassador
Andebrhan Woldegiorgis had also sent his eulogy, but it was also not read.)
______
May God Welcome you in Heaven, Adhanom!

I met Adhanom for the first time in April of 1972—about four months after he joined the armed
struggle. It was in Ayet, inside the Sudanese territory, west of Qarura, and north of mount Denbobyet. It
was during the time when the civil war was in its most intense stage, and the very survival of the Popular
Forces was at stake. From about the end of 1971 till the afore-mentioned time, I was abroad on an
assignment and so Adhanom and I were not able to meet.

Adhanom and those who joined the struggle with him—most of them—were young men in their
twenties who did not have much experience in combat when the civil war broke out. Although it was a
sad and regrettable time and incident that witnessed a brother killing a brother, it was the likes of
Adhanom and his comrades, a group of educated patriots, who ensured the very continuity of the
Popular Forces. Due to the assistance and guidance, they received by the fighters (tegadelti), who had
been in the field before them, they were able, in no time, to adapt and meet the challenges of the civil
war. It was amid this situation that I first came to know Adhanom. In his first combat, Adhanom stood
out for his courage and resourcefulness and caught the attention of many. At the May 11, 1972, battle
of Ayet that raged on non-stop for four hours, Adhanom and I, by mere coincidence, were in the same
defensive position in the trenches. Due to the adeptness and courage, he demonstrated under fire, it
was hard to tell this was his first combat engagement.

Adhanom’s experience during the armed struggle and its aftermath and his contribution to it is too
much and too valuable. During the armed struggle, apart from the last three years when he incurred a
serious injury, Adhanom spent almost all his time, 16 years, with the combat units. In the last three
years when he was outside the combat units, he was serving the EPLF’s Department of Trade.
During our time in the field and armed struggle, one of Adhanom’s most important contributions that I
recall is his role in promoting political awareness and education of the struggle among the fighters of the
Popular Forces. This resulted in the publication of “The Document of Political Education for Fighters.” It
is hard to forget how Adhanom and those who came with him to join the armed struggle, and those
other educated fighters who joined the struggle at the time, played an important role by creating a new
and conducive environment that uplifted the morale and fighting spirit of the fighters.

In 1972, at a place we used to call Gereger Sudan, when the Popular Forces was in its embryonic stage, and its very
survival and continuity was at stake, they were instrumental in raising such questions as “Why do we
struggle?” “How do we struggle?” At nighttime, the topics were debated, and the curriculum designed,
and at daytime, the lessons were given to the rest of the fighters. The draft document, the “Political
Education for Fighters,” was continually improved upon and was utilized and implemented to serve the
cause till liberation was achieved. Alongside this, this was a time when an illiteracy eradication campaign
was equally and tirelessly waged among the fighters.
The limited financial resources of the organization made stationery rare items. In lieu of stationery,
whenever opportunities present themselves, we would use packaging cartoon and cut boxes, and in
their absence, flat stones that we carried to the teaching places, as papers and blackboards; and wood
charcoal as pen and pencils. This collective enterprise enabled the Popular Forces to defend itself
against enemies; and foster, strengthen and preserve the unity and mutual care within its ranks and file;
and expand from sparsely populated narrow spaces to vast territories with dense populations. The
impact of this initiative was much greater. It was responsible for enabling the Popular Forces (later the
Eritrean Peoples’ Liberation Front) to mobilize and organize the Eritrean people to join the struggle;
efficiently organize, make optimal use its limited resources; establish administrations in liberated and
rural areas in a manner that had few rivals in history; and fight and defeat an enemy that was tenfold
stronger. This was the outcome of the great contributions that Adhanom, the rest of the leadership and
all members of the organization had made.

After the liberation of Eritrea, Adhanom served his country and people as provincial Governor, Attorney
General and Ambassador. Adhanom’s struggle towards the achievement of citizens’ rights, justice, the
establishment of the rule of law, and constitutional system of governance is well-known to all that I am
not going to dwell on it. What I want to emphasize is that Adhanom is one of our most exemplary figures
who tirelessly and courageously made enormous sacrifices to defend the rights and principles that we all
spent a lifetime fighting for.

Like all God’s creatures, a human-being also dies. The truth that we repeatedly say is that man dies but
history lives on. History becomes the reference for future generations. The martyrdom of Adhanom and
of those many beacons of light before him was not unexpected or surprising. What makes it abnormal
and unexpected is that Adhanom and his likes, symbols of our peoples’ struggle, have not been able to
die in peace, deprived from being among their families, not being under the care of the government and
country they helped birthing, and under the care of the people they served. At the end of their lives, all
these should have been their reward. It is not only that they were deprived of these, but Adhanom and
his likes, heroes of our armed struggle, and the struggle for justice, even in their graves, are victims of
Isaias’s vicious attacks of betrayal and treason. Let alone these bona fide heroes, who made a lifetime of
sacrifices, even a lay person is not ill-spoken after his death according to our cherished tradition. This
honored tradition is a joke to PFDJ and their loyalists. Regardless of their campaign of defamation and
vilification, this should not deter us from renewing our resolve to fight for the rule of law, justice,
democracy, truth, and reconciliation in Eritrea. It only calls upon us to renew our spirit and continuously
reevaluate our methods and adjust them accordingly to achieve our goals.
Adhanom has joined the caravan of martyrs. And sooner or later, those of us who are still alive would
join them.

Adhamom and his history would inspire future generations.

The responsibility of fulfilling the lofty aims for which Adhanom and the many, who preceded him, had fought falls on those of us who are
still alive and those who come after us. It is the moral responsibility we owe it to them.
Adhanom, may God welcome you to His Heaven. I extend my condolences to Adhanom’s family and the
Endaboy Bashay Ghebremariam family in general. May God grant you the strength to bear your loss.
Thank you
Mesfin Hagos
Share
http://awate.com/eulogy-honor-adhanom-ghebremariam-mesfin-hagos

 

!Fetsum Abraham

 · 
MY CONDOLENCE TO THE ERITREAN PEOPLE
What a journey? I was delighted to first see him in person with brother Samson at EXPO RESTAURANT, DC. I could immediately tell his intelligence from his charisma and looks. It was radiating beyond his recognition an I could not help sensing it inside out. I did not even know he had already read my first book at that time when he came up with critics that caught me at the spot. It took him two days to finish it as I sat down enjoying the spontaneous drama in my face.
I then gave him my second book (I had it by chance) and he hit me with another shocker when Samson told me he had finished it all on his flight back to Addis. Wow, a unique episode in the Eritrean experience!
This brother was TEGADALAI, a leader, a solid intellectual, a person who came to this life to give it all for the cause of the Eritrean people and pass away as a fighter for freedom, justice, constitutional democracy, amnesty and all the goodies a decent human being can think of vis-a-vis humanity in general. The brother should have had the blessing to die in the motherland he produced through unshakable determination and love. He should have been given the salute that a DECENT nation and its people should give to a legendary hero in his caliber.
Unfortunately EGO and GRUDGE did not allow it to be so> I feel sorry for President Isaias Afwerki to miss enjoying the farewell at this final chapter of his life. I feel sorry for him for not understanding the bliss in FORGIVENESS and RECONCILLIATION. I feel sorry for him for failing to grasp the agony of life in asylum and incarceration; for diminishing the value of existence, dignity, selflessness and compassion in this tragic Eritrean experience.
God bless you for what you did in this life but case assured Eritrea lost one of its brain powers in this tragedy! My Condolence to the nation as a component!

 

 

60Amanuel Tecle Ghebremicael, Kemal Ali and 58 others
12 comments

 

Miriam September

· 
Dear Ambassador Adhanom
May your soul rest in peace. I remember last time we met, I made a statement asking the old generation to support the youth in the struggle. You then stood up and said you and your generation often feel forgotten for the struggles you lead. I later apologized to you for having sounded that way. I wished, today, you could see how much you and your life-long dedication to Eritrea are honored and appreciated by your people. You stayed as a guest in our home in Frankfurt during your travels, now you will stay in our hearts.
Eritrea will continue your work. May you find eternal peace

Merhawi Woldemichael

  · 
Sad news, rest in peace Adhanom Gebremariam.
Come and see us on the day of livin holiday!
There is a lot of time in Addis Ababa, if it is not open, it is time for the rest of the people to make a lot of ideas. The chair of Ziyada Tsigi's love and Adhanom's wealth is the same as Ziyada Tseg ' ilu Tsgalati's ′′ program of Gobizka Bizaba, the country is from this music, the best of the country from this music, Iluni Beta Kultf. We were the leader of the Wolladiy because we were famous because we were Wolladiye.
The genocide of the saviour.
Car Adhanom Akeb, Mmhidar District, let's listen to each other. ′′ Robel, they have left their birthday It's official! Dawit!" Ilu if the comfort of poverty and affirmation of freedom.
Nrobel Wodu Zemfe BMX Bishkleta ' hear us, the consolation of Sebabirnaya, Ngele Melts, Agriculture, Filter and Nihadam Nerna. Davar and Zekir and Kab are so quiet.
The World Cup 1994 Even if Adhanom Kizkra, we will sing Jean-Claude Van Damme, Chuck Norris, Adenom, Unilu Zeynak: Tom & Jerry Kinetedelina, Abilu.
Adhanom Abb Justice has been tested during the Easter celebration.
Adhanom Amedari district, my work is called Baden W ürtemberg, I am going to the federal state, let's learn from the school of Sanjorjo Dama Kab, let's close to the federal region, let's go to the village and learn from the middle of the country. If you train Enweit, you will be ready to take pictures of Sanjorjo.
Sudan's migration is hungry and the property is Adri Bimhab, the poor will be implemented. The first book of ′′ Haay Aids ′′ if it was a joke, it wouldn't be a joke. Ab Addis Ababa was a popular political party Hawahu Adhab and Detsi Nerna Ember. Thanks to the evil.
Adhanom Abub America, I have presented this word of the people of the world, let us sing the truth about the rain.
Fighter Adenom Sultan Abiy is ready to thank God for the many reasons. If we see your honor, we will be happy. Say goodbye to ′′ rest in peace!"
Come and see the world, get into justice and clean the poor!
Robel Adhanom, may the angels of Sidran be patient.

FEBRUARY 21, 2021 ERITREA HUB NEWS

We mourn the death of Adhanom Gebremariam

Adhanom was a veteran of the liberation struggle and a military commander.
He left his university studies in his third year to join the armed struggle for Eritrean independence in 1972.
Adhanom was elected to the central committee of the EPLF.
After the independence of Eritrea he served as governor of Seraye province [now part of the “Debub” Zone].  He went on to be Eritrean ambassador to Nigeria and Scandinavia.
He was a member of the dissident group, the G15, consisting of senior government and party officials who protested against the autocratic rule of Isaias Afwerki. He continued that struggle in exile until he passed away a few days ago.
In an eight volume Tigrinya essay entitled: The Warsay Yikealo Campaign: A Campaign of Slavery, he aptly summarised how the government/party and the military have dominated the economy of Eritrea.
The result has been exodus of tens of thousands of young people and impoverishment of the economy. (RIP)

Fetsum Abraham

tSporntsom2rehd  · 
MY CONDOLENCE TO THE ERITREAN PEOPLE
What a journey? I was delighted to first see him in person with brother Samson at EXPO RESTAURANT, DC. I could immediately tell his intelligence from his charisma and looks. It was radiating beyond his recognition an I could not help sensing it inside out. I did not even know he had already read my first book at that time when he came up with critics that caught me at the spot. It took him two days to finish it as I sat down enjoying the spontaneous drama in my face.
I then gave him my second book (I had it by chance) and he hit me with another shocker when Samson told me he had finished it all on his flight back to Addis. Wow, a unique episode in the Eritrean experience!
This brother was TEGADALAI, a leader, a solid intellectual, a person who came to this life to give it all for the cause of the Eritrean people and pass away as a fighter for freedom, justice, constitutional democracy, amnesty and all the goodies a decent human being can think of vis-a-vis humanity in general. The brother should have had the blessing to die in the motherland he produced through unshakable determination and love. He should have been given the salute that a DECENT nation and its people should give to a legendary hero in his caliber.
Unfortunately EGO and GRUDGE did not allow it to be so> I feel sorry for President Isaias Afwerki to miss enjoying the farewell at this final chapter of his life. I feel sorry for him for not understanding the bliss in FORGIVENESS and RECONCILLIATION. I feel sorry for him for failing to grasp the agony of life in asylum and incarceration; for diminishing the value of existence, dignity, selflessness and compassion in this tragic Eritrean experience.
God bless you for what you did in this life but case assured Eritrea lost one of its brain powers in this tragedy! My Condolence to the nation as a component!


The Horn of Africa Research and Knowledge Exchange Platform
The Horn of Africa Research and Knowledge Exchange Platform
© 2010-2016 www.harep.org rkidane@talk21.com Contact:
Please click Here to send your feedback